ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ሓድነት ኬምጽእ ትጽቢት ዘይገብሩሉ ምኽንያት

ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ሓድነት ኬምጽእ ትጽቢት ዘይገብሩሉ ምኽንያት

ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ሓድነት ኬምጽእ ትጽቢት ዘይገብሩሉ ምኽንያት

“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) መብዛሕትአን ሃይማኖታት ነዚ መሰረታዊ መምርሒ እዚ ይቕበላኦ እየን። እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ሰዓብተን ንብጻዮም ንኼፍቅሩ ብግቡእ እንተ ዚምህራኦም ነይረን ኣባላተን ሓድነት ምሃለዎም ነይሩ። ንስኻኸ ነዚ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ሃይማኖታት ሓድነት የምጽኣ ድየን፧ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን “ሃይማኖታት ንደቅሰብ ሓድነት የምጽኣዶ ወይስ ይኸፋፍላ፧” ዚብል ሕቶ ንሰባት ብምቕራብ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ 22 ሚእታዊት ‘እወ የምጽኣ እየን’ ኺብሉ ኸለዉ 52 ሚእታዊት ከኣ ‘ያእ! ይኸፋፍላ እባ ደኣ’ በሉ። ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ዚነብሩ ሰባትውን ልክዕ ከምዚ ይስምዖም ይኸውን።

ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ሓድነት ኬምጽእ ትጽቢት ዘይገብሩሉ፧ ምናልባት ኣብ ታሪኽ: ሃይማኖት ንሰባት ኪፈላሊ እምበር ሓደ ኺገብር ከም ዘይተራእየ ስለ ዚፈልጡ ይኸውን። ኣብ ገሊኡ እዋን እተፈጸመ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ግፍዒ ብስም ሃይማኖት እዩ ተገይሩ። ኣብ ዝሐለፈ 100 ዓመት እተገብረ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሃይማኖት ዘሕደሮ ጽልዋ

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሃገራት ባልካን ዚርከቡ ሰዓብቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ዝዀኑ ክሮኣትን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ዝዀኑ ሰርብን ተጋጨዉ። ክልቲኦም ድማ ሰዓብቲ እቲ ንብጻይካ ኣፍቕሮ ኢሉ ዝመሃረ የሱስ ከም ዝዀኑ ይዛረቡ። ይኹን እምበር: ሓደ ብዛዕባ እዚ ግጭት እዚ መጸናዕቲ ዝገበረ ሰብ ከም ዝሓበሮ “ኣብ ታሪኽ ካብ እተራእየ እቲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ እተቐትሉሉ” እዩ። ልዕሊ 500,000 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሙማቶም ድማ ንዓለም ኣሰንበዳ።

ብ1947 ኣብ ሓውሲ ኽፍለ-ዓለም ህንዲ ኸባቢ 400 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ይነብሩ ነይሮም: እዚ ድማ ዳርጋ 20 ሚእታዊት ናይ ዓለም ህዝቢ ማለት እዩ። መብዛሕትኦም ከኣ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ: እስላም: ሲክ እዮም ነይሮም። ደሓር ግን ህንዲ ተኸፋፈለት እሞ እስላማዊት ሃገር ዝዀነት ፓኪስታን ካብኣ ተመቕለት። ሽዑ ብሰንኪ ሃይማኖት ኣብ እተላዕለ ጃምላዊ ቕትለት: ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዝዀኑ ስደተኛታት ብሓዊ ነዲዶም: ተገሪፎም: ተሳቕዮም ከምኡውን ተረሺኖም እዮም።

በዚ ኸይኣክል ከኣ ኣብዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘለና ዘመን ግብረ-ሽበራ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ሎሚ ግብረ-ሽበራ ንዓለም ሕማም ርእሲ እዩ ዀይኑዋ ዘሎ። መብዛሕትኦም ግብረ-ሽበራውያን ከኣ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎም እዮም ዚዛረቡ። ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ሓድነት: ዓመጻን ምክፍፋልን ከም ዜምጽእ ጌርካ እዩ ዚርአ። እምበኣር እታ ፎካስ ዘርእስታ ናይ ጀርመን ጋዜጣ ነተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኸም እኒ ቡድሂዝም: ህዝበ-ክርስትያን: ኮንፊሽኒዝም: ሂንዱዝም: እስላም: ኣይሁድነት: ታኦይዝም ዝኣመሰላ ቐንዲ ሃይማኖታት ምስ ባሩድ ምምስሳላ ኣየገርምን እዩ።

ኣብ ውሽጠን ዘሎ ምፍሕፋሕ

ገሊአን ሃይማኖታት ንሓድሕደን ኪዋግኣ ኸለዋ ገሊአን ከኣ ኣብ ውሽጠን ብዘሎ ምፍሕፋሕ እየን ተኸኽ ዚብላ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ሰረተ-እምነት ብዚግበር መወዳእታ ዘይብሉ ኽትዕ ተፈላልየን እየን። ኣቕሽሽቲ ዀኑ ምእመናን ‘መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃምን ጥንሲ ምንጻልን ይፍቀድ ድዩ፧ ደቀ ኣንስትዮ ኣቕሽሽቲ ዀይነን ኪምዘዛ ይኽእላ ድየን፧ ሃይማኖትና ንግብረ-ሰዶም ብኸመይ ክትርእዮ ይግባእ፧ ውግእ ክንድግፍ ይግብኣና ድዩ፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት የበግሱ እዮም። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኸምዚ ዝበለ ምፍልላይ ድሕሪ ምርኣዮም: ‘ሃይማኖታት ንሰዓብተን ሓድነት ኬምጽኣ ዘይከኣላስ ከመይ ገይረን እየን ንደቅሰብ ሓድነት ዜምጽኣ፧’ ዚብል ሕቶ የልዕሉ።

ሓቂ እዩ: ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ሃይማኖት ሓድነት ኬምጽእ ፈጺሙ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር: ኵለን ሃይማኖታት ድየን ዚኸፋፍላ፧ ንደቅሰብ ሓድነት ከተምጽእ እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ኣብ ህንዲ: ብሰንኪ ኣብ መንጎ ጕጅለታት ሃይማኖት እተላዕለ ግጭት ዝቘሰሉ ኣባላት ፓሊስ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo by Keystone/Getty Images