ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕሪ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓድነት

ብፍቕሪ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓድነት

ብፍቕሪ ኣምላኽ

ዚመጽእ ሓድነት

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትቐውም ከላ: ኣባላታ ኻብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዝመጹ እኳ እንተ ነበሩ ሓድነት ግን ነበሮም። በዚ ኸኣ እተፈልዩ ነበሩ። እቶም ኣምለኽቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ኣፍሪቃ: ኤውሮጳ: እስያ ዝመጹ ዀይኖም ካብኣቶም ድማ ካህናት: ወተሃደራት: ባሮት: ስደተኛታት: ሸቃጦ: ክኢላታት: ነጋዶ ዝነበሩ ነይሮም። ገሊኣቶም ኣይሁድ ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ካብ ኣህዛብ እዮም ነይሮም። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኖም ብዙሓት ዘመውቲ: ግብረ ሶዶም ዚፍጽሙ: ሰካራት: ሰረቕቲ: ወይ ድማ ዘረፍቲ እዮም ነይሮም። ይኹን ደኣ እምበር: ክርስትያን ምስ ኰኑ ነቲ ዝነበሮም ሕማቕ ልማድ ገዲፎም ብእምነት ሓደ ዀኑ።

እቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ነዞም ኵሎም ሰባት ሓድነት ኪህልዎም ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ካልኦትን ሰላም ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ዕልዋን ኣብ ግጭታትን ዘይካፈሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ኻብዘን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ሃይማኖታት ኣዝዩ ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

ሓድነት ዘምጸኣሎም ምኽንያት

ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾት: ሓድነት ዘምጸኣሎም ቀንዲ ምኽንያት ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓሳቦምን ምፍቃር እቲ ቐዳማይ ግዴታኦም ከም ዝዀነ ይፈልጡ ነይሮም። ንኣብነት: እቲ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሓደ ቕድሚኡ ዘይፈልጦ እሞ ኸኣ ካብ ኣህዛብ ወገን ዝዀነ ሰብ ከይዱ ኺበጽሖ ምስ ተነገሮ ንኺእዘዝ ዝደረኾ እቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ እዩ። ጴጥሮስ ኰነ ኻልኦት ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኣብቲ ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ ዚፈትዎን ዘይፈትዎን ነገራትን ዝነበሮም ርጡብ ፍልጠት እተመስረት እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ኵሎም ኣምለኽቲ ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ኪጋጠሙ’ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዝዀነ ተረድኦም።—1 ቈረንቶስ 1:10፣ ማቴዎስ 22:37፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:1-35

እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ዝያዳ ተቐራረቡ። ኣስኣሰሩ ኺስዕቡ ደለዩ: ንሱ ድማ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዮሃንስ 13:34, 35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ናይ ላዕለ-ላዕሊ ዘይኰነትስ ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሪ እያ ኽትከውን ዘለዋ። ፍሪኡኸ እንታይ እዩ፧ የሱስ ብዛዕባ እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ኺጽሊ ኸሎ “ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ” በለ።—ዮሃንስ 17:20, 21፣ 1 ጴጥሮስ 2:21

የሆዋ ነቲ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ነቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቱ ኣፍሰሰሎም። እዚ ኸኣ ንሓድነቶም ኣደልደሎ: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘነጸረሎም ከኣ ኵለን ጉባኤታት ተቐበላኦ። ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ብዛዕባ እታ ንስም የሆዋ እትቕድስን ኣብ ሰማይ ኰይና ንዅሎም ደቅሰብ እትገዝእን መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚሰብኩ ነይሮም። ‘ካብዛ ዓለም እዚኣ ንኸይኰኑ’ እተዋህቦም ትእዛዝ እውን ይርድኦም ነይሩ። ስለዚ: ካብ ዝዀነ ይኹን ናዕቢ ወይ ወተሃደራዊ ግጭታት ገለልተኛታት እዮም ነይሮም: ምስ ኵሉ ኸኣ ብሰላም እዮም ዚነብሩ ነይሮም።—ዮሃንስ 14:26፣ 18:36፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4፣ ሮሜ 12:17-21

ኵሎም ኣመንቲ ሓድነቶም ንኸይዝረግ አእጃሞም የበርክቱ ነበሩ። ብኸመይ፧ ኣካይዳኦም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሰማማዕ ብምግባር እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም . . . ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ኢሉ ዝጸሓፈሎም።—ኤፌሶን 4:22-32

ሓድነቶም ተዓቀበ

ሓቂ እዩ: እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣመንቲ ፍጹማት ብዘይምንባሮም ንሓድነቶም ኪዘርግ ዚኽእል ኵነታት ተፈጢሩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ኣብ መንጎ እቶም ጽርኢ ዚዛረቡን እብራይስጢ ዚዛረቡን ኣይሁድ ክርስትያናት ምፍልላይ ተላዒሉ ነይሩ። እቶም ኣይሁድ ጽርኢ ኣድልዎ ይግበር ከም ዘሎ ዀይኑ ተሰመዖም። እቶም ሃዋርያት ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ: ነቲ ሽግር ብቕልጡፍን ፍትሓዊ ብዝዀነ ኣገባብን ፈትሕዎ። ጽንሕ ኢሉ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኺፍጽምዎ ዘለዎም ግዴታ ንሰረተ-እምነት ዚምልከት ክርክር ተላዕለ። ብመሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ውሳነ ተገብረ እሞ ዅለን ጉባኤታት ሰመራኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1-29

እዚ ኣብነታት እዚ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስሕሓብ ይፍጠር እኳ እንተ ነበረ: ዓሌታውን ናይ ሰረተ-እምነትን ምክፍፋል ከም ዘየምጽአ ዜርኢ እዩ። ስለምንታይ፧ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት: ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሮም: ናይ መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ምቕባሎም: ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመጸ ሓደ ዓይነት ምርዳእ ምሓዞም: ከምኡውን ኣብ ኣካይዳኦም ዜድሊ ምትዕርራይ ንምግባር ድሉዋት ምዃኖም: ነታ ጉባኤ ሓድነታን ሰላማን ከም እትዕቕብ ዝገበራ ረቛሒታት እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድነት ኣምልኾ

ኣብዚ ግዜናኸ ሓድነት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረቛሒታት እዚ ሓደ እምነት ንዘለዎም ካብ እተፈላለየ ዓሌት ንዚመጹ ሰባት ብሰላምን ብሓድነትን ከም ዚነብሩ ኺገብሮም ይኽእልዶ፧ እሂናይ ደኣ! ካብ 230 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራትን ደሴታትን ዞባታትን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓለምለኻዊ ሕውነት ሓድነት ኣለዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ሓደ ዝገበሮም ረቛሒታት ንዓታቶም እውን ሓድነት ኣምጺኡሎም እዩ።

ቀንዲ ምኽንያት ሓድነቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ውፉያት ምዃኖም እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይሃልዉ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣብቲ ንሱ ዝመሃሮ ትምህርትን እምነት ኣለዎም። ንኣመንቲ ብጾቶም ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሪ ኣላቶም: ከምኡውን ኣብ ዚሰብኩለን ዘበላ ሃገራት ሓደ ዝዓይነቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንእተፈላለየ እምነት: ዓሌት: ዜግነት: ማሕበራዊ ጕጅለ ዘለዎም ሰባት ንምንጋር እውን ሕጉሳት እዮም። ገለልትነቶም ስለ ዚሕልዉ ነቲ ሕጂ ንደቅሰብ ዚኸፋፍሎም ዘሎ ፓለቲካዊ: ባህላዊ: ማሕበራዊ: ከምኡውን ንግዳዊ ጸቕጥታት ይጻወርዎ። ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣካይዳኦም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ብግዲኦም ነቲ ሓድነት እጃሞም የበርክቱ።

ሓድነት ንኻልኦት ይስሕቦም

መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሓድነት እዚ ንተገዳስነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት የለዓዕሎ እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ገዳም እተገልግል ዝነበረት ኢልዘ a እትበሃል ድንግል ካቶሊክ: ናይ የሆዋ ምስክር ንኽትከውን እንታይ ከም ዝሰሓባ ኽትዛረብ ከላ “ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኸብክዎም ሰባት እቶም ዝበለጹ እዮም። ኣብ ውግእ ኣይሳተፉን: ንሰባት ድማ ኣይጐድኡን እዮም። ንሰባት ኣብታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ምድራዊት ገነት ተሓጕሶም ንኺነብሩ ኺሕግዝዎም እዮም ዚደልዩ” በለት።

ጉንተር ወተሃደር ጀርመን ኰይኑ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፈረንሳ ተመዲቡ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ቐሺ ፕሮተስታንት ነታ ንሱ ዘለዋ ኣሃዱ ባረኻ። እቲ ቐሺ ኣምላኽ ንኺባርኾምን ንኺሕልዎምን ዓወት ድማ ንኺህቦምን ጸለየ። እቲ ስነ-ስርዓት ተወዲኡ ጉንተር ዋርድያ ዀይኑ እናሓለወ ኸሎ: ነቶም ብወገን ጸላኢ እተሰለፉ ወተሃደራት ሓደ ቐሺ ኺባርኾም ከሎ ብኽሻፋ ማለት ሚኒኮሎ ገይሩ ረኣየ። ጸኒሑ ነዚ ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ “እቲ ቐሺ ኻብ ኣምላኽ በረኸትን ሓለዋን ዓወትን ምእንቲ ኺረኽቡ ጸልዩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣባላት ሓንቲ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ከመይ ገይሮም ተጻባእቲ ጕጅለታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣዝዩ እዩ ገሪሙኒ” በለ። እዚ ነገር እዚ ድማ ተሰቈሮ። ደሓር ምስቶም ኣብ ውግእ ዘይሳተፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸበ: ኣባል እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኰነ።

ኣሾክን ፊማን ኣባላት ሓደ ምብራቓዊ ሃይማኖት ነበሩ። ኣብ ገዝኦም ከኣ ንኣምላኾም መቕደስ ነበሮም። ስድራቤቶም ብኸቢድ ሕማም ምስ ተጠቕዐ ግን ንሃይማኖቶም ምልስ ኢሎም መርመሩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዘራረቡ ጀመሩ እሞ በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕርን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታትን ኣዝዮም ስለ ተደነቑ: ክልቲኦም ቀናኣት ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰኑ።

ኢልዘ: ጉንተር: ኣሾክ: ፊማ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሕዋቶም ሓደ ዀይኖም እዮም። ከምቲ ንሳቶም ዝረኸብዎ ሓድነት ኣምልኾ ኣብ ቀረባ እዋን እውን እዙዛት ደቅሰብ ብምሉኦም ሓድነት ከም ዚረኽቡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሃቦ ተስፋ እምነት ኣለዎም። ሽዑ ብስም ሃይማኖት ዚግበር ግፍዒ ዀነ ምብትታን ኰነ ምክፍፋል ኣይኪህሉን እዩ። ዓለም ብምልእታ ብኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ሓድነት ኪህልዋ እዩ።—ራእይ 21:4, 5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት እተፈላለየ መበቈል እናሃለዎም ክነሶም ሓድነት ነበሮም