ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ካብ ዜጕሂ ልምድታት ተጠንቀቕ

ንኣምላኽ ካብ ዜጕሂ ልምድታት ተጠንቀቕ

ንኣምላኽ ካብ ዜጕሂ ልምድታት ተጠንቀቕ

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ንእሽቶ መድረኽ ክፉት ሳጹን ሬሳ ተቐሚጡ ነበረ። እቶም ሓዘንተኛታት ሓዘኖም ንምግላጽ ብመስርዕ ተሰሪዖም ይሓልፉ ነበሩ። ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ግን ደው በለ። ኣዒንቱ ብሓዘን መሊኡ ናብቲ ዝሞተ ሰብኣይ ገጹ ቕርብ ብምባል “ከም እትኸይድ ስለምንታይ ዘይነገርካኒ፧ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ሓዲግካኒ፧ ሕጂ ናብቲ ዝነበርካሉ ስለ እተመለስካ: ከም ቀደምካ ኽትሕግዘኒ ዲኻ፧” በለ።

ኣብ ካልእ ክፋል ኣፍሪቃ ኸኣ ሕጻን ተወልደ። ዋላ ሓደ ሰብ ኪርእዮ ኣይተፈቕደሉን። ድሕሪ እተወሰነ እዋን እቲ ሕጻን ናብ ግዳም ወጸ: ስም ናይ ምውጻእ ጽምብል ድማ ተገብረ።

ገሊኦም ሰባት ንሬሳ ምዝራብ ወይ ንናጽላ ብሰባት ከይርአ ምሕባእ ዜገርም ተግባር ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ገሊኡ ልምድታትን ሕብረተሰባትን ሰባት ንሞትን ንውልደትን ዘለዎም ኣረኣእያ በቲ ምዉታት ምንባር ይቕጽሉን ዚግበር ነገራት ይፍለጦምን እዩ ዚብል ሓያል እምነት ተጸልዩ እዩ።

እዚ እምነት እዚ ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ኣብ ዚግበር ልምድታትን ጽምብላትን ተኣታትዩ ኣሎ። ንኣብነት: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ህይወት ዜጋጥም ከም እኒ ውልደት: ብጽሕና: መርዓ: ውሉድ ምውላድ: ከምኡውን ሞት ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ደረጃታት: ገለ ኽፍሊ ናይቲ ናብ ኣባሓጎታት ዘለዉዎ መንፈሳዊ ዓለም ዚወስድ መሰጋገሪታት ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ምዉት ኣብ ህይወት እቶም ሓዲግዎም ዝመጸ ሰባት ንጡፍ ተራ ይህልዎ እዩ ዚብል እምነት ኣሎ። እንደገና ተወሊዱ ድማ ዑደት ህይወት ኪቕጽል ይኽእል።

እዚ ምስግጋር እዚ ብዘይ ሽግር ምእንቲ ኺፍጸም: እተፈላለየ ልምድታትን ጽምብላትን ይግበር እዩ። እዚ ልምድታት እዚ በቲ ኣብ ውሽጥና ዚርከብ ድሕሪ ሞት ብህይወት ዚነብር ነገር ኣሎ ዚብል እምነት እተጸልወ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስዚ እምነት እዚ ኻብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ይርሕቑ እዮም። ስለምንታይ፧

ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ: . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር ደቅሰብ] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ብምባል ብንጹር ይገልጽ። (መክብብ 9:5, 6, 10) ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ነዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ ኻብ ዚቕበሉ ነዊሕ ገይሮም እዮም። ነፍሲ ዘይትመውት ዘይኰነትስ: ክትመውትን ክትጠፍእን ከም እትኽእል ይርድኡ እዮም። (ህዝቅኤል 18:4) መናፍስቲ ምዉታት ከም ዘየለዉ እውን ይፈልጡ እዮም። (መዝሙር 146:4) ጥንቲ የሆዋ ንህዝቡ ኻብቲ ምዉታት ከም ዚፍለጦምን ንህያዋን ኪጸልዉዎም ከም ዚኽእሉን ዜንጸባርቕ ልምድታት ወይ ጽምብላት ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቑ ኣትሪሩ ኣዚዝዎም ነበረ።—ዘዳግም 14:1፣ 18:9-13፣ ኢሳይያስ 8:19, 20

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚምህሮ ትምህርቲ ኻብ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ስርዓትን ልምድን ይርሕቑ ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 6:15-17) ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓሌቶም: ቀቢላኦም: ወይ ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ: ምስቲ ሰብ ድሕሪ ሞት ብህይወት ይቕጽል እዩ ዚብል ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንእተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ስርዓታትን ልምድታትን የርሕቕዎ እዮም።

ከም ክርስትያናት መጠን ሓደ ልምዲ ኸነብዕል ወይ ከይነብዕል ኣብ ምውሳን ብምንታይ ክንምራሕ ንኽእል፧ እቲ ልምዲ ምስ ዝዀነ ይኹን መናፍስቲ ምዉታት ንህያዋን ይጸልዉ እዮም ዚብል ኰነ ኻልእ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ምትሕሓዝ ከይህልዎ ተጠንቂቕና ኽንሓስብ ኣሎና። ብዘይካዚውን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ልምዲ ወይ ጽምብል ምስታፍና ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዚኣምኑን እንታይ ከም ዚምህሩን ዚፈልጡ ኻልኦት ሰባት ከይንዕንቅፎም እውን ክንሓስበሉ ኣሎና። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ክልተ መዳያት: ማለት ንውልደትን ንሞትን ብዚምልከት ንርአ።

ኣብ ውልደትን ንሕጻን ስም ኣብ ምውጻእን ዚግበር ጽምብል

ምስ ውልደት እተተሓሓዘ ሓያሎ ልምድታት ጌጋ የብሉን። ይኹን እምበር: ውልደት ካብቲ መናፍስቲ ኣባሓጎታት ዘለዉዎ ዓለም ናብዚ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዜሰጋግር ከም ዝዀነ ጌርካ ኣብ ዚርኣየሉ ቦታታት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪጥንቀቑ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣፍሪቃ ናጽላ እተወሰነ ግዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ ኣብ ቤት ይሕባእ: ስም እውን ኣይወጸሉን። እቲ ስም ክሳዕ ዚወጸሉ ዚሓልፍ እዋን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፋላለ እኳ እንተዀነ: ኣብ ኵሉ ግን ስም ናይ ምውጻእ ጽምብል ብምግባር እዩ ዚዛዘም። ሽዑ ድማ እቲ ሕጻን ንግዳም ወጺኡ ነዝማድን ፈተውትን ብስርዓት ይርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስም እቲ ሕጻን ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ብወግዒ ይንገር።

ጋና—ኣንደርስታንዲንግ ዘ ፒፕል ኤንድ ዘያር ካልቸር ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣገዳስነት እዚ ልምዲ እዚ ኽትገልጽ ከላ “ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሸውዓተ መዓልቲ እቲ ሕጻን ኣብ ‘ምብጻሕን’ ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ናብ ምድራዊ ህይወት ኣብ ምስጋርን ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። . . . እቲ ሕጻን ኣብ ቤት እዩ ዚቕመጥ: ኣባላት እቲ ስድራቤት ዘይኰኑ ሰባት ድማ ኪርእይዎ ኣይፍቀደሎምን እዩ” በለት።

ነቲ ሕጻን ስም ቅድሚ ምውጻኡ እተወሰነ እዋን ኪሓልፍ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ጋና ኢን ሪትሮስፐክት ዘርእስታ መጽሓፍ “ቅድሚ እታ ሻምነይቲ መዓልቲ: እቲ ሕጻን ሰብ ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይውሰድን እዩ። ምስቲ ዝመጸሉ ዓለም እዩ ዚተሓሓዝ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ንሓደ ሕጻን እቲ ዚወጸሉ ስም ሰብ ስለ ዚገብሮ: ኣቦኡን ኣዲኡን ዚመውት እንተ መሲልዎም: ብህይወት ከም ዚቕጽል ርግጸኛታት ክሳዕ ዝዀኑ ስም ኣየውጽኡሉን እዮም። . . . እምበኣር: እዚ ሓድሓደ ግዜ ንሕጻን ንግዳም ምውጻእ ተባሂሉ ዚፍለጥ ልምዲ: ነቲ ሕጻንን ንወለዱን ዓብዪ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይእመን። ነቲ ሕጻን ናብ ናይ ሰባት ዓለም ዘምጽኦ ጽምብል ከኣ እዩ” በለት።

ካብቶም ኣዝማድ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ነቲ ስም ናይ ምውጻእ ጽምብል ይመርሖ። እቲ ሽዑ ዚግበር ነገራት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈላለ እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን መስዋእቲ መስተ ምኽዓው: እቲ ሕጻን ብደሓን ብምምጻኡ ንመናፍስቲ ኣባሓጎታታት ብጸሎት ሞሳኻ ምግላጽ: ከምኡውን ካልእ ጽምብላት የጠቓልል።

እቲ ሕጻን ዚስየመሉ ህሞት ልዕሊ ዅሉ ኣትኵሮ ዚግበረሉ ፍጻመ እዩ። ስም ኣብ ምውጻእ ወለዲ ሓላፍነት እኳ እንተለዎም: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣዝማድ ኣብቲ ዚምረጽ ስም ሓያል ጽልዋ ኣለዎም። ገሊኡ ኣስማት በቲ ናይቲ ዓዲ ቛንቋ “ከይዱ እተመልሰ:” “ኣደይ ዳግም ተመሊሳ:” ወይ “ኣቦይ እንደገና ተመሊሱ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ገሊኡ ኣስማት ከኣ ነቶም ኣባሓጎታት ነቲ ሕጻን ናብ ናይ ምውታት ዓለም ከይወስድዎ ንምትዕንቓፍ ዚወሃብ እዩ።

ልክዕ እዩ: ሕጻን ምስ ተወልደ ምሕጓስ ጌጋ የብሉን። ነቲ ሕጻን ብስም ካልእ ሰብ ምስማይ ኰነ ምስ ኵነታት ውልደቱ ዚተሓሐዝ ስም ምሃብ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ። መዓስ ስም ከተውጽኣሉ ኸም እትደሊ እውን ኣብ ብሕታዊ ውሳነ ዚግደፍ እዩ። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ክርስትያናት እቲ ናጽላ ኻብቲ ኣባሓጎታት ዘለዉዎ ናይ መናፍስቲ ዓለም ናብዚ ህያዋን ዘለዉዎ ዓለም እተሰጋገረ “በጻሒ” እዩ ምስ ዚብል እምነት ዚሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ዀነ ጽምብል ከይገብሩ ይጥንቀቑ እዮም።

ኣብ ርእሲ እዚውን ሓያሎ ሰባት ስም ናይ ምውጻእ ጽምብል ኣኽቢሮም ዚርእይዎ እኳ እንተዀኑ: ክርስትያናት ግን ንሕልና ኻልኦት ኪጥንቀቑን ኣብቶም ዘይኣመንቲ ኺሓድጎ ዚኽእል ጦብላሕታ ኺሓስቡሉን ኣለዎም። ንኣብነት: ኣባላት ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራቤት ነቲ ናጽላኦም ስም ናይ ምውጻእ ጽምብል ክሳዕ ዚግበረሉ ኻልኦት ከይርእይዎ እንተ ሓቢኦምዎ: ገሊኦም ሰባት እንታይ ኢሎም ኪሓስቡ ይኽእሉ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኢና እንምህር እናበሉ ምስኡ ዚጻረር ስም እንተ ኣውጺኦም እንታይ ጦብላሕታ እዩ ዚሓድግ፧

ስለዚ: ክርስትያናት ንደቆም መዓስን ብኸመይን ስም ከም ዜውጽኡሎም ኪውስኑ ኸለዉ: መዓንቀፊ ምእንቲ ኸይኰኑ: ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ኪገብሩ’ እዮም ዚጽዕሩ። (1 ቈረንቶስ 10:31-33) ነቲ ንምዉታት ንምኽባር ተባሂሉ ዚግበር ‘ስርዓት ሰብ ምእንቲ ኺሕልዉ: ትእዛዝ ኣምላኽ ኣየፍርሱን’ እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነቲ ህያው ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ክብሪ ዚህቡ።—ማርቆስ 7:9, 13

ካብ ሞት ናብ ህይወት ምስግጋር

ሞት እውን ከም ውልደት: መሰጋገሪ ጌርካ እዩ ዚርአ። ሓደ ዝሞተ ሰብ ካብዚ ዚርአ ዓለም ናብቲ መናፍስቲ ምዉታት ዘለዉዎ ዘይርአ ዓለም ከም ዚኸይድ ጌርካ ይእመን። ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እተወሰነ ናይ ቀብሪ ልምድታትን ጽምብላትን እንተ ዘይተገይሩ: እቶም ንህያዋን ኪቐጽዑ ወይ ዓስቢ ኺህቡ ይኽእሉ ተባሂሉ ዚእመነሎም መናፍስቲ ኣባሓጎታት ይቝጥዑ ይበሃል። እዚ እምነት እዚ ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዚዳለወሉን ዚካየደሉን ኣገባብ ኣጸቢቑ ጸልይዎ እዩ።

ነቲ ምዉት ንምሕጓስ ተባሂሉ ዚግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት ዚረኣየሉ እዩ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ሬሳ ዚግበር ቀይዲ ዘይብሉ ለቕሶን ጭድርታን ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ሓጐስ ዝመልኦ ድግስ የጠቓልል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ቀብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ቐይዲ ዘይብሉ ድግስ: ስኽራን: ከምኡውን ሙዚቃ ዓው ብምባል ሳዕስዒት ይህሉ እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስለ ዚርአ: እተን ኣመና ድኻታት ዝዀና ስድራቤታት እኳ ኸይተረፋ: “ብቑዕ ቀብሪ” ንምግባር እተዓደያ ተዓድየን ዚኣክል ገንዘብ ይእክባ እየን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምድታት ቀብሪ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣቃሊዖምዎ እዮም። a ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ንሬሳ ምዕዛብ: መስዋእቲ መስተ ምኽዓው: ነቲ ምዉት ምዝራቡን እትደልዮ ነገር ኬማልኣልካ ምጥላብን: እተፈላለየ ተዝካር ምግባር: ከምኡውን እቲ ዝሞተ ሰብ ብህይወት ኣሎ ኣብ ዚብል እምነት እተመርኰሰ ኻልእ ልምድታት የጠቓልል። እዚ ንኣምላኽ ዜሕስር ልምድታት “ርኹስ” ኪኸውን ከሎ: ኣብቲ ሓቂ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ዘይኰነስ ኣብ “ልማድ ሰብ” እተመርኰሰ “ኸንቱ ምጥባር” እዩ።—ኢሳይያስ 52:11፣ ቈሎሴ 2:8

ሕጊ ኣምላኽ ንኽትጥሕስ ዚወርድ ጸቕጢ

ካብዚ ልምድታት እዚ ምርሓቕ ንገሊኦም ሰባት ይኸብዶም እዩ። ብፍላይ ኣብተን ንምዉታት ክብሪ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነለን ሃገራት ኣጸቢቑ እዩ ዚኸብዶም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ልምድታት እዚ ስለ ዘይስዕቡ ብዓይኒ ጥርጣረ ይረኣዩ ወይ ጸረ-ሕብረተሰብን ንምዉታት ዜስተናዕቑን ጌርካ ይውሰዱ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተረዲኦምዎ ኽነሶም: ብሰንኪ ነቐፌታን ሓያል ጸቕጥን ካብ ካልኦት ፍሉያት ምዃን የፍርሆም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:14) ገሊኦም ከኣ እዚ ልምድታት እዚ ኽፍሊ ባህሎም ምዃኑን ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቑ ከም ዘይክእሉን ኰይኑ ይስምዖም። ገሊኦም እውን ነዚ ልምዲ እዚ ዘይምስዓብ ነቲ ማሕበረሰብ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚጸልኦም ምግባር እዩ ዚብል ምኽንያት ይህቡ።

ንሰባት ብዘየድሊ ነገራት ከነጕህዮም ኣይንደልን ኢና። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ምስ እንሕዝ በታ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ዓለም ከም እንጽላእ የጥንቅቐና። (ዮሃንስ 15:18, 19፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ካብቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ፍሉያት ብምዃን ብፍታው ኢና ኸምዚ ዓይነት ኣቕዋም እንሕዝ። (ሚልክያስ 3:18፣ ገላትያ 6:12) ከምቲ የሱስ ነቲ ሰይጣን ንኣምላኽ ንኼጕሂ ዘቕረበሉ ፈተና እተቓወሞ: ንሕናውን ንኣምላኽ ንኸነጕሂ ዚወርደና ጸቕጢ ንጻረሮ ኢና። (ማቴዎስ 4:3-7) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍርሂ ሰብ ኣብ ክንዲ ዚጽለዉ: ንየሆዋ ኣምላኽ ምሕጓስን ከም ኣምላኽ ሓቂ መጠን ክብሪ ምሃቡን እዩ ብቐዳምነት ዜገድሶም። ነዚ ኺገብሩ ኸለዉ ድማ ብሰንኪ እቲ ኻብ ካልኦት ዚመጽእ ጸቕጢ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ንጹህ ኣምልኾ ኣይጥሕስዎን እዮም።—ምሳሌ 29:25፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ንምዉታት ብዘሎና ኣረኣእያ ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ

እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሞተና ስምዒታዊ ስቓይን ሓዘንን ኪስምዓና ንቡር እዩ። (ዮሃንስ 11:33, 35) ብዛዕባ እቲ እነፍቅሮ ሰብ ጽቡቕ ነገራት ምዝካርን ግቡእ ቀብሪ ምግባርን ፍቕርና እንገልጸሉ ቕኑዕ መገዲ እዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሽዑ ዜጋጥሞም ክቱር ሓዘን ኣብቲ ንኣምላኽ ዜጕሂ ልምድታት ከይጠሓሉ እዮም ዜሕልፍዎ። እዚ ነቶም ኣብቲ ንምዉታት ሓያል ፍርሂ ዘለዎ ባህልታት ዝዓበዩ ሰባት ቀሊል ኣይኰነን። ብሞት እንቐርቦ ሰብ ኣብ ስምዒታዊ ስቓይ ከለና ሚዛንና ምሕላው ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እሙናት ክርስትያናት በቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ይበራትዑን በቲ ክርስትያናት ብጾቶም ዚገብሩሎም ፍቕራዊ ደገፍ ይጥቀሙን እዮም። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ኣብ ትንሳኤ እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ገለ እኳ ዘይፈልጡ ምዉታት ዘለዎም ሓያል እምነት: ካብቲ ንትንሳኤ ዚኽሕድ ኣብ ቀብሪ ዚግበር ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ምሉእ ብምሉእ ንኺፍለዩ ብቑዕ ምኽንያት ይዀኖም።

የሆዋ “ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ” ስለ ዝጸውዓናስ ኣዚና ደይኰንናን እንሕጐስ፧ (1 ጴጥሮስ 2:9) ኣብቲ ሕጻን ተወሊዱ እንሕጐሰሉ እዋን ኰነ ኣብቲ ሰብ ሞይቱና እንሓዝነሉ እዋን: በቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘሎና ሓያል ባህግን በታ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ዓማቝ ፍቕርን ተደሪኽና ወትሩ ‘ኸም ደቂ ብርሃን ኴንና ንመላለስ።’ እወ: በቲ ንኣምላኽ ዜጕሂ ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ብመንፈስ ከይንብከል ንጠንቀቕ።—ኤፌሶን 5:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነተን ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ዴድ—ካን ዘይ ሄልፕ ዩ ኦር ሃርም ዩ፧ ዱ ዘይ ሪሊ ኤግዚስት፧ ከምኡውን ዘ ሮድ ቱ ኤቨርላስቲን ላይፍ—ሃቭ ዩ ፋውንድ ኢት፧ ዘርእስተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ብሮሹራት (እንግሊዝኛ) ተወከስ።