ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንደቅኻ ብጥበብ ኣምላኽ እተዕቝቦም፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንደቅኻ ብጥበብ ኣምላኽ እተዕቝቦም፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንደቅኻ ብጥበብ ኣምላኽ እተዕቝቦም፧

ኣካላትና መዓልታዊ ኣብ ውግእ እዩ ዘሎ። ብዓይኒ ምስ ዘይረኣዩ ደቀቕቲ ነፍሳትን ምስ ጽግዕተኛታትን ምስ ቫይረሳትን እዩ ዚቃልስ። እቲ ዜሐጕስ ግን መብዛሕትና ኻብዚ መጥቃዕቲ እዚ ኺከላኸለልናን ከይንሓምም ኬድሕነናን ዚኽእል ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ኣሎና።

ብተመሳሳሊውን ክርስትያናት ዘበልና ምስቲ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኼበላሹ ዚኽእል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣተሓሳስባን ስነ-ምግባርን ክንቃለስ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 11:3) ነዚ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ዚፍኖ ቐጻሊ መጥቃዕቲ ንምቅዋሙ: መንፈሳዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኸነማዕብል ኣሎና።

ቈልዑ ኺውለዱ ኸለዉ ንመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዚጻረር መንፈሳዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለ ዘይወርሱ: ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብፍላይ የድልዮም እዩ። (ኤፌሶን 2:2) ኪዓብዩ ኸለዉ: ወለዲ ነዚ ኼማዕብሉ ኺሕግዝዎም ኣለዎም። እዚ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እዚ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ: . . . ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋ . . . እዩ” ይብል። (ምሳሌ 2:6, 8) ጥበብ ኣምላኽ ንመገዲ እቶም ብጐዳኢ ዕርክነት: ብናይ መዛኑ ጸቕጢ: ወይ ብዘይጥዑይ መዘናግዒ ኺወድቁ ዚኽእሉ መንእሰያት ይሕልዋ እዩ። ወለዲ ንደቆም ጥበብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርጹሎም ብኸመይ እዮም መምርሒ የሆዋ ኺስዕቡ ዚኽእሉ፧

ሃናጺ ዕርክነት ምድላይ

ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዚርከቡ መንእሰያት ምስ መሳቱኦም ኪተዓራረኹ ምድላዮም ዜገርም ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ምስ ተመክሮ ዘይብሎም ጥራይ ምቅርራብ: ጥበብ ኣምላኽ ኪረኽቡ ኣይሕግዞምን እዩ። ሓደ ምሳሌ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 22:15) ገሊኦም ወለዲ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም ንደቆም ጥበብ ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ንኺጥቀሙላ ዝሓገዝዎም፧

ዶን a ዚበሃል ሓደ ኣቦ ኸምዚ በለ:- “ደቅና ምስ መሳቱኦም ብዙሕ ግዜ ዜሕልፉ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ቤትና ወይ ንሕና ኣብ ዘለናሉ እዮም ዜሕልፍዎ። ቤትና ንመንእሰያት ክፉት ብምንባሩ ወትሩ ብኣታቶም ዝመልአ እዩ ነይሩ: ምግቢ ነዳልወሎም: ፍዅስ ከም ዚብሎም ድማ ንገብር። ደቅና ኣብ ጽቡቕ ሃዋሁ ምእንቲ ኺዓብዩ ኢልና ነቲ ኣብ ቤትና ዚህሉ ጫውጫውን ረብሻን ምጻርና የሐጕሰና እዩ።”

ብራያንን ሜሪን ሰለስተ ንፉዓት ውሉዳት ኣለዉዎም። ነቶም ውሉዳቶም ምስልጣን ቀሊል ከም ዘይነበረ ኺገልጹ ኸለዉ: ከምዚ ይብሉ:- “ኣብ ጉባኤና ኣብ መወዳእታ ዕደመ ዀተቴ ዚርከባ ንጄን ጓልና መሓዛ ኪዀናኣ ዚኽእላ ብዙሓት መንእሰያት ኣይነበራን። ሱዛን ዝስማ ምቕልልትን ተዋዛይትን መሓዛ ግን ነበረታ። ወለዳ ዝያዳና ሓርነት ይህብዋ ነበሩ። ካብ ጄን ንላዕሊ ኸተምሲ: ሓጺር ክዳውንቲ ኽትክደን: ዜተሓታትት ሙዚቃ ኽትሰምዕ: ከምኡውን ሕማቕ ፊልምታት ክትርኢ ይፍቀደላ ነበረ። ጄን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣረኣእያና ምርዳኡ ኣጸጊምዋ ነበረ። ወለዲ ሱዛን ብዝያዳ ዚርድኡ ኪዀኑ ኸለዉ: ንሕና ግን ኣዚና ጥብቂ ዝዀንና ይመስላ ነበረ። ንሱዛን ሽግር ምስ ኣጋጠማ እያ ተረርቲ ብምዃንና ዕቝባ ኸም ዝዀንናያ ተገንዘበት። ንጓልና ቕኑዕ እዩ ኢልና ኻብ ዝኣመንናሉ ኣቕዋም ዘይምልምማጥና ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና።”

ብዙሓት መንእሰያት ከም ጄን ነቲ ወለዶም ብዛዕባ ዕርክነት ዚህብዎም መምርሒ ምስዓብ ጥበብ ምዃኑ ፈሊጦም እዮም። ሓደ ምሳሌ “እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር” ይብል። (ምሳሌ 15:31) እምበኣር: ጥበብ ኣምላኽ ንመንእሰያት ዚሃንጹ ኣዕሩኽ ንኼናድዩ ትመርሖም እያ።

ተመሳሲሎም ንኺነብሩ ዚወርዶም ጸቕጢ ኺሰግርሉ ዚኽእልሉ መገዲ

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ምስ ዕርክነት ተተሓሒዙ እዩ ዚመጽእ። ደቅና ምስ መዛኑኦም ኪመሳሰሉ መዓልታዊ ጸቕጢ ይወርዶም እዩ። መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ብመሳቱኦም ተቐባልነት ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ: እዚ ናይ መዛኑ ጸቕጢ በረኣእያ ዓለም ኪቐርጾም ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 29:25

መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ” ብምባል የዘኻኽረና። (1 ዮሃንስ 2:17) ስለዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም በረኣእያ ዓለም ኣመና ኺጽለዉ ስቕ ኢሎም ኪርእዩ የብሎምን። ብኸመይ ደኣ እዮም እሞ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ንኺህልዎም ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ፧

ሪቻርድ ዚበሃል ሓደ ኣቦ “ጓለይ ወትሩ ኻልኦት መንእሰያት ዚኽደናኦ ኽትክደን እያ እትደሊ ነይራ። ስለዚ: ንነፍሲ ወከፍ ሕቶኣ እንታይ ጥቕምን ጕድኣትን ከም ዘለዎ ብዓቕሊ ነረድኣ ነበርና። ኣብቲ ቕቡል እንብሎ ዓይነት ዘበን ኣምጽኦ ቕዲ ኽዳውንቲ እውን እንተዀነ ነቲ ዓመታት ይገብር እተዋህበ ‘ጥበበኛ ሰብ ሓድሽ ቅዲ ኣብ ምስዓብ ቀዳማይ ኰነ ዳሕራይ ኣይከውንን እዩ’ ዚብል ምኽሪ ሰዓብና” በለ።

ፖሊን እትበሃል ሓንቲ ኣደ ኸኣ ብኻልእ መገዲ ገይራ ምስ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ተቓሊሳ እያ። “በቲ ንደቀይ ዜገድሶም ነገራት ተገደስኩ: ንኸዘራርቦም እውን ብተደጋጋሚ ናብ ክፍሎም እኸይድ ነበርኩ። እቲ ሽዑ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንዘራረቦ ዝነበርና ነገራት ኣረኣእያኦም ክቐርጽን ብኻልእ መገዲ ኺጥምቱ ኽሕግዞምን ኣኽኣለኒ” በለት።

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ስለ ዘየቋርጽ: ወለዲ ‘ሓሳባት ዓለም’ ንኼፍርሱን ነተሓሳስባ ደቆም ‘ንክርስቶስ እዙዛት ኪዀኑ ንኺማርኹን’ ዘየቋርጽ ቃልሲ እዩ ዜጋጥሞም። (2 ቈረንቶስ 10:5) ወለዲ ዀኑ ውሉዳት ‘ጸሎት ምስ ዜዘውትሩ’ ግን ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ሓይሊ ይረኽቡ።—ሮሜ 12:12፣ መዝሙር 65:2

መዘናግዒ ዘለዎ ሓያል ስሕበት

ንወለዲ ዜሸግሮም ሳልሳይ ጽልዋ ዚገብር ነገር መዘናግዒ እዩ። ቈልዑ ብባህሪኦም ጸወታ ይፈትዉ እዮም። ምስ ኰተቱ እውን መዘናግዒ ይደልዩ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ነዚ ባህጎም እዚ ብዘይጥበባዊ መገዲ እንተ ኣማሊኦምዎ ግን ነቲ መንፈሳዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። እዚ ሓደጋ እዚ ብኽልተ መገድታት ኣቢሉ እዩ ዚመጽእ።

ቀዳማይ: መብዛሕትኡ መዘናግዒ ነቲ ብልሹው ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዓለም ዜንጸባርቕ እዩ። (ኤፌሶን 4:17-19) እንተዀነ ግን: ዚምስጥን ዚስሕብን ኰይኑ እዩ ዚቐርብ። እዚ ነቶም ነዚ መጻወድያ ዘይርእዩ መንእሰያት ናይ ብሓቂ ሓደገኛ እዩ።

ካልኣይ: ኣብ ምዝንጋዕ ዚጠፍእ ግዜ: ሽግር ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ንምዝንጋዕ ኣብ ህይወቶም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ቦታ ይህብዎ: መብዛሕትኡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ድማ ይወስድ። ሓደ ምሳሌ “መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 25:27) ብተመሳሳሊ: መዘናግዒ ምብዛሕ ንመንፈሳዊ ምግቢ ዘሎካ ሸውሃት ይዓጽዎ: ህኩይ ድማ ይገብረካ። (ምሳሌ 21:17፣ 24:30-34) መንእሰያት ካብዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ዚጥቀሙ እንተ ዀይኖም: እዚ ነገር እዚ ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተባሂላ ዘላ ኣብ ሓዳስ ዓለም እትርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከይረኽቡ ዕንቅፋት ይዀኖም። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19) ወለዲ ነዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ይዋጽኡሉ ኣለዉ፧

ማሪ ካርመን እትበሃል ኣደ ሰለስተ ኣዋልድ ከምዚ በለት:- “ነዋልድና ጥዑይ መዘናግዒ ኺረኽባን ኪሕጐሳን ኢና እንደልየን። ስለዚ ድማ ብስድራቤት ኣዘውቲርና ብሓንሳእ ንዛወር ነበርና: ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዋ መሓዙተን እውን ግዜ የሕልፋ ነበራ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ምዝንጋዕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይሩና። ምስቲ ኣብ መወዳእታ መኣዲ ዚቐርብ ምቁር ምግቢ ነመሳስሎ ነበርና። ምቁር እኳ እንተዀነ ቐንዲ ምግቢ ግን ኣይኰነን። ስለዚ: ኣብ ቤት: ኣብ ትምህርቲ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ዓየይቲ ኪዀና ድማ ተማህራ።”

ዶንን ሩትን እውን መዘናግዒ ንምቕራብ ፍሉይ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ ብዚምልከት “ቀዳም ከም ‘መዓልቲ ስድራቤት’ ናይ ምግባር ልማድ ኣማዕበልና። ንግሆ ኣብ ኣገልግሎት ንሳተፍ: ድሕሪ ቐትሪ ንሕምብስ: ምሸት ከኣ ፍሉይ ድራር ንድረር” ብምባል ይገልጹ።

እቲ እዞም ወለዲ እዚኣቶም ዝሃብዎ ሓሳባት ጥዑይ መዘናግዒ ኣብ ምድላውን ንመዘናግዒ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ግቡእ ቦታኡ ኣብ ምሃብን ሚዛናዊ ምዃን ከም ዜድሊ እዩ ዜርኢ።—መክብብ 3:4adj. approved

ኣብ የሆዋ ተወከል

መንፈሳዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኺምዕብል ብዙሕ ዓመታት እዩ ዚወስድ። ንውሉዳት ጥበብ ኣምላኽ ብተኣምር ብምስራጽ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ከም ዚውከሉ ምግባር ዚከኣል ኣይኰነን። የግዳስ: ወለዲ ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ኬዕብይዎም’ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) እዚ ቐጻሊ “ምዕዶ” እዚ ንውሉዳት ኣረኣእያ ኣምላኽ ንኼሕድሩ ይሕግዞም። ወለዲ ነዚ ብኸመይ ኪፍጽሙ ይኽእሉ፧

ኣዘውቲርካ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ንውሉዳት ‘ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ተኣምራት ንኺርእዩ ኣዒንቶም ይኸፍተሎም።’ (መዝሙር 119:18) ዲዬጎ ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ: በዚ ኣቢሉ ድማ ንደቁ ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ሓገዞም። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ “ነቲ መጽናዕቲ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዳሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ኣብ እተዳለወ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ህያው ከም ዝገብሮም ፈለጥኩ። ንደቀይ ከምቶም እሙናት ዝነበሩ ኪዀኑ ኣተባባዕክዎም። እዚ ኸኣ ንየሆዋ እንታይ ከም ዜሐጕሶ ንጹር መዘኻኸሪ ዀኖም” በለ።

ኣብ ካልእ ጕዳያት እናተሳተፍካ እውን ንውሉዳትካ ንእግረ-መገዲ ኽትምህሮም ትኽእል ኢኻ። ሙሴ ንወለዲ ‘ኣብ ቤቶም ኮፍ ምስ በሉን ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉን ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንሳኦምን’ መዘኻኸሪታት የሆዋ ኺምህሩ ተማሕጸኖም። (ዘዳግም 6:7) ሓደ ኣቦ “ወደይ ልቡ ንኪኸፍትን ስምዒታቱ ንኺገልጽን ግዜ የድልዮ እዩ። ብእግርና ኽንዛወር ከለና ወይ ብሓንሳእ ሓደ ዕዮ ኽንዓዪ ኸለና: ቀስ ኢሉ ስምዒታቱ ይድርጕሖ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንዘራረቦ ነገር ንኽልቴና ዚጠቅም እዩ” በለ።

እቲ ወለዲ ዚጽልይዎ ጸሎት እውን ኣብ ውሉዳቶም ዓሚቝ ጦብላሕታ እዩ ዚሓድግ። ወለዶም ካብ ኣምላኽ ሓገዝን ይቕረታን ደልዮም ብትሕትና ኺልምኑ ኺሰምዕዎም ከለዉ ‘ኣምላኽ ኸም ዘሎ ኺኣምኑ’ ይድርኾም እዩ። (እብራውያን 11:6) ሓያሎ ዕዉታት ወለዲ ኣገዳስነት እቲ ብስድራቤት ዚግበር ጸሎት ይጸቕጡሉ እዮም: ኣብቲ ጸሎት ድማ ንቤት ትምህርቲ ዚምልከት ጕዳያትን ንውሉዳት ዜጨንቖም ካልእ ነገራትን ኪጥቀስ ይከኣል። ሓደ ኣቦ ብዓልቲ ቤቱ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዶም ወትሩ ምሳታቶም ከም እትጽሊ ገለጸ።—መዝሙር 62:8፣ 112:7

“ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ”

ኵሎም ወለዲ ጌጋ ይገብሩ እዮም: ንእተወሰነ ነገራት ዝሓዙሉ መገዲ እውን የጣዕሶም እዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ብምባል ከይንሕለል ይምሕጸነና።—ገላትያ 6:9

ወለዲ ሓድሓደ ግዜ ንደቆም ምርዳእ ምስ ዚስእንዎም ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ፍልይ ዝበለን ኣሸጋርን እዩ ኢልካ ምድምዳም ቀሊል እዩ። ሕጂ ዘለዉ ውሉዳት ዘለዎም ድኽመት ግን ካብቲ ቐዳሞት ወለዶታት ዝነበሮም እተፈልየ ኣይኰነን። እቲ ሓጢኣት ንምግባር ዚወርድ ጸቕጢ ዋላ እኳ እንተ ወሰኸ: ተመሳሳሊ ፈተናታት እዩ ዜጋጥሞም። ስለዚ ድማ ሓደ ኣቦ ንወዱ ድሕሪ ምእራም: “ልብኻ ኸምቲ ልበይ ኣብዚ ዕድሜኻ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኺገብሮ ዝደሊ ዝነበረ እዩ ኺገብር ዚደሊ” ብምባል ብሕያውነት ልዙብ ዘረባ ተዛረቦ። ወለዲ ብዛዕባ ኮምፕዩተራት ብዙሕ ኣይፈልጡን ይዀኑ: ብዛዕባ እቲ ዘይፍጹም ስጋና ዘለዎ ዝንባለ ግን ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም።—ማቴዎስ 26:41፣ 2 ቈረንቶስ 2:11

ምናልባት ገሊኦም ውሉዳት ነቲ ኻብ ወለዶም ዚወሃቦም መምርሒ ብቕልጡፍ ኣይቅበሉን: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣንጻር እቲ ዚወሃቦም ተግሳጽ ይጐዓዙ ይዀኑ። ኣብዚውን እንተዀነ ጸኒዕካ ምቕጻል ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ውሉዳት መጀመርታ ዘይሰምዑ ወይ ዚሕንግዱ እኳ እንተ ነበሩ: ውዒሎም ሓዲሮም ግን እዙዛት ይዀኑ እዮም። (ምሳሌ 22:6፣ 23:22-25) ሕጂ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዘሎ ማቲው ዚበሃል ክርስትያን መንእሰይ “ኣብ ኰተቴ ዕድመ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ወለደይ ዚገብርዎ ቐይዲ ቕኑዕ ኰይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ። ከመይሲ: ‘እቶም ወለዲ ኣዕሩኽተይ እተወሰነ ነገራት እንተ ፈቒዶም: ንምንታይ ወለደይ ዘይፈቕዱ፧’ እብል ነይረ። ሓድሓደ ግዜ ናብቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ብታንኳ ዚግበር ጕዕዞ ኸይከይድ ብምኽልካል ኪቐጽዑኒ ኸለዉ እበሳጮ ነበርኩ። ሕጂ ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ ግን እቲ ወለደይ ዝሃቡኒ ተግሳጽ ፍረ ዘለዎን ኣድላዪን ምንባሩ እየ ኣስተውዒለ። ኣብቲ ግዜኡ ዜድልየኒ መምርሒ ብምሃቦም አማስወሉ እየ” በለ።

ውሉዳትና ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዘይጥዑይ መንፈሳዊ ሃዋሁ ዚነብሩ እኳ እንተዀኑ: ንፉዓት ክርስትያናት ኰይኖም ኪዓብዩ ኸም ዚኽእሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመባጽዖ: ጥበብ ኣምላኽ መንፈሳዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኺህቦም ይኽእል እዩ። “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ: ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳሌ 2:10-12

ንትሽዓተ ወርሒ ሕጻን ኣብ ማሕጸን ምጻር ቀሊል ነገር ኣይኰነን። እቲ ዚቕጽል 20 ዓመት ከኣ ናይ ርእሱ ስቓይን ሓጐስን ሒዙ እዩ ዚመጽእ። ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ስለ ዜፍቅሩ ግን ብእተኻእሎም መጠን ብጥበብ ኣምላኽ ገይሮም ኬዕቝብዎም ይጽዕሩ እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ደቁ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ዝበለ: ወለዲውን ብዛዕባ ደቆም ከምኡ ይስምዖም እዩ።—3 ዮሃንስ 4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ቤትና ንመንእሰያት ክፉት ብምንባሩ ወትሩ ብኣታቶም ዝመልአ እዩ ነይሩ”

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ ንደቅኻ ዜገድሶም ነገራት ተገደስ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ነቲ መጽናዕቲ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዳሎ”