ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሲምሶን ነቶም ዝቐተሎም ምዉታት ድሕሪ ምትንካፉ ኸመይ ኢሉ ናዝራዊ ዀይኑ ኪቕጽል ይኽእል፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓደ ውልቀ-ሰብ ብፍታው መብጽዓ ኺመባጻዕን ንእተወሰነ እዋን ናዝራዊ ኪኸውንን ይኽእል ነይሩ። a ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ዚገብር ሰብ ዚህልዎ ቐይዲ “በተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን ኵለን መዓልትታት ናብ ምዉት ሰብ ኣይእቶ። . . . በቦኡን በዲኡን ብሓዉን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። “ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ” ደኣኸ፧ ብሃንደበት ነቲ ምዉት እንተ ተንክዩ: ናዝራውነቱ ይረክስ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት “እተን ቀዳሞት መዓልትታት ከንቱ [ይ]ዀና።” ርእሱ ብናይ ምንጻህ መስርሕ ይሓልፍ: መዓልትታት ናዝራውነቱ ድማ ከም ብሓድሽ ይጅምር።—ዘሁልቍ 6:6-12

ሲምሶን ግን ብእተፈልየ መገዲ እዩ ናዝራዊ ነይሩ። ቅድሚ ምውላዱ መልኣኽ የሆዋ ነዲኡ “እንሆ ኸኣ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ: እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ: ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ” በላ። (መሳፍንቲ 13:5) ሲምሶን ናዝራዊ ንኪኸውን ኣይተመባጽዐን። ኣምላኽ እዩ ናዝራዊ ኪኸውን ዝመዘዞ: ምሉእ ህይወቱ እውን ናዝራዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ሬሳ ዘይምትንካይ ዚብል ቀይዲ ኺዓዪ ኣይክእልን እዩ። እንተ ዚዕየየሉ እሞ ብድንገት ምዉት እንተ ዚትንኪ: ነቲ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዚጅምር ናይ ምሉእ ህይወቱ ናዝራውነት ከመይ ገይሩ እዩ ኸም ብሓድሽ ኪጅምሮ ዚኽእል፧ እምበኣር: እቶም ምሉእ ህይወቶም ናዝራውያን ዝዀኑ ኻብቶም ብፍታዎም ናዝራውያን ዝዀኑ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እተፈልየ እዩ ነይሩ።

የሆዋ ነቶም ምሉእ ህይወቶም ናዝራውያን ዝዀኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሲምሶንን ሳሙኤልን ዮሃንስ መጥምቕን ዝሃቦም ትእዛዛት እሞ ንርአ። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ: ሲምሶን ጸጕሪ ርእሱ ኸይቈርጽ ተኣዚዙ ነበረ። ሃና ብዛዕባ እቲ እትጠንሶ ሕጻን “ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ: ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን” ኢላ ተመባጽዐት። (1 ሳሙኤል 1:11) ንዮሃንስ መጥምቕ ብዚምልከት ከኣ መልኣኽ የሆዋ “ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ” በለ። (ሉቃስ 1:15) ኣብ ርእሲ እዚውን “ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጕሪ ገመል ነበረ: ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ: ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።” (ማቴዎስ 3:4) ዋላ ሓደ ኻብዞም ሰለስተ ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ጥቓ ምዉት ከይቐርቡ ኣይተነግሮምን።

ሲምሶን ናዝራዊ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቶም የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ማረኽቶም ኬድሕንዎም ዜተንስኣሎም መሳፍንቲ እውን ነይሩ እዩ። (መሳፍንቲ 2:16) ነዚ ሓላፍነቱ እዚ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን ከኣ ምዉታት ይትንኪ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: 30 ፍልስጥኤማውያን ቀቲሉ ነቲ ኽዳውንቶም ገፈፎ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ “ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ሰለፍን . . . ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖም [“ወድኦም:” ትርጕም 1990]።” ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። (መሳፍንቲ 14:19፣ 15:8, 15) ነዚ ዅሉ ኺገብር ከሎ ስምረትን ደገፍን የሆዋ ነበሮ። ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ እምነት ሰብ ብምንባሩ ኣብነት ከም ዚዀነና እዩ ዚገልጸልና።—እብራውያን 11:32፣ 12:1

ሲምሶን ንኣንበሳ “ንማሕስእ ከም ዚሰላልዖ” ገይሩ ሰላልዖ ኺበሃል ከሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንማሕስእ ምስላዕ ልሙድ ምንባሩ ድዩ ዚሕብር፧

ብግዜ መሳፍንቲ እስራኤል ሰባት ንማሕስእ ይሰላልዑ ምንባሮም ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። መሳፍንቲ 14:6 “መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ [ንሲምሶን] ወረዶ: ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ: [ነቲ ሽደን ኣንበሳ] ንማሕስእ ከም ዚሰላልዖ ሰላልዖ” ትብል። እዚ ኣገላልጻ እዚ መነጻጸሪ ምሳሌ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።

እታ “ሰላልዖ” እትብል ቃል ክልተ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል። እቲ ሓደ ሲምሶን ንምንጋጋ እቲ ኣንበሳ ሰሊዕዎ ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣካል እቲ ኣንበሳ ሰላሊዕዎ ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነታ ቐዳመይቲ እንተ ወሲድና: ሓደ ሰብ እውን ንማሕስእ ከምኡ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ርዱእ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሲምሶን ነቲ ኣንበሳ ብኢዱ ጥራይ ንምቕታል ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይከበዶ: ከም ንማሕስእ ዚሰላልዖ ገይሩ እዩ ሰሊዕዎ ማለት እዩ። ይኹን እምበር: ሲምሶን ንኣካላት እቲ ኣንበሳ በብሓደ ብምስላዕ እንተ ቐቲልዎኸ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: እቲ መግለጺ ኸም መነጻጸሪ ምሳሌ ጌርካ ጥራይ እዩ ኺውሰድ ዘለዎ። እቲ ፍረ ነገር እቲ መልእኽቲ ኸኣ መንፈስ የሆዋ ንሲምሶን ብዙሕ ሓይሊ ዜድልዮ ተግባር ንኺፍጽም ከም ዘኽኣሎ ዚሕብር እዩ። በዚ ዀነ በቲ መሳፍንቲ 14:6 ከምቲ ማሕስእ ንተራ ሰብ ዋላ ሓንቲ ኺጐድኦ ዘይክእል: ሲምሶን ሓገዝ የሆዋ ብምርካቡ ሓያል ኣንበሳ ኣብ ቅድሚኡ ኸምኡ ኸም ዝዀነ እያ እትሕብር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንውሓት እቲ ሓደ ሰብ ናዝራዊ ዝዀነሉ እዋን ኣብቲ መብጽዓ ዚኣቱ ውልቀ-ሰብ እተገድፈ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ያታ ኣይሁድ ግን ሓደ ሰብ መብጽዓ ኺኣትወሉ ዚኽእል ዝወሓደ እዋን 30 መዓልትታት እዩ ነይሩ። ካብኡ ዚውሕድ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ መብጽዓ ኸም ተራ ነገር ይገብሮ ተባሂሉ ይሕሰብ ነበረ።