ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ራእያት ጋህዲ ዀነ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ራእያት ጋህዲ ዀነ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ራእያት ጋህዲ ዀነ

“ኣብቲ ስፍራ ጸልማት [ነቲ ቓል ትንቢት] ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።”2 ጴጥሮስ 1:19

1. ሎሚ ኣብዛ ዓለምና እንታይ ፍልልይ ኢና እንርኢ፧

 ኣብዛ ዓለምና ወትሩ ቕልውላው ኢኻ እትሰምዕ። ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ካብ ከባብያዊ ዕንወት ኣትሒዙ ኽሳዕ ዓለምለኻዊ ግብረ-ሽበራ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ዚኸይድ ዘሎ እዩ ዚመስል። ሃይማኖታት ዓለም እውን ነቲ ዅነታት ንምምሕያሽ ኪሕግዛ ኣይከኣላን። አረ ሓድሓደ ግዜስ ንሰባት ዚኸፋፍል ጥሩፍነትን ጽልእን ሃገራውነትን ብምጕህሃር መሊሰን እየን ዜጋድዳ ዘለዋ። እወ: ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ “ጣቓ” ንህዝብታት “የጐልብቦም” ኣሎ። (ኢሳይያስ 60:2) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓል ትንቢት “ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ” ገይሮም ይርእይዎ እዮም። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ቃል” ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ እዮም ዚምርሑ።—2 ጴጥሮስ 1:19

2. ብመሰረት እቲ ዳንኤል ብዛዕባ “ዘመን መወዳእታ” ዝጸሓፎ ትንቢት: መን ጥራይ እዮም መንፈሳዊ ምስትውዓል ዚወሃቦም፧

2 ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ “ዘመን መወዳእታ” ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ። ብዙሓት ኪጸርዩ: ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም: እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር: ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።” (ዳንኤል 12:4, 10) መንፈሳዊ ምስትውዓል ነቶም ንቓል ኣምላኽ ካብ ልቦም ‘ዚምርምሩ’ ወይ ብትግሃት ዜጽንዑ: ነቶም ንስርዓታቱ ዚግዝኡ: ከምኡውን ነቶም ፍቓዱ ኺገብሩ ዚጽዕሩ ጥራይ እዩ ዚወሃቦም።—ማቴዎስ 13:11-15፣ 1 ዮሃንስ 5:20

3. ብ1870ታት እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዮም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘስተውዓሉ፧

3 ኣብ 1870ታት “ዳሕሮት መዓልትታት” ቅድሚ ምጅማረን: የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት” ዝያዳ ብርሃን ኬብርህ ጀመረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 13:11) ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ካብ ካልኦት ብእተፈልየ መገዲ ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ዘይርአ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። የሱስ ይምለስ ኪበሃል ከሎ ኸኣ ኣብ ሰማይ ድሕሪ ምንጋሱ: ከም ንጉስ መጠን ቈላሕታኡ ናብ ምድሪ ይገብር ማለት እዩ። ብዓይኒ ዚርአ ሓያሎ ምልክታት ወይ ትእምርትታት ኪፍጸም ከሎ: ደቀ መዛሙርቱ ብዘይርአ መገዲ ምስኦም ኪህሉ ኸም ዝጀመረ ይነቕሑ።—ማቴዎስ 24:3-14

እቲ ራእይ ጋህዲ ምስ ኰነ

4. የሆዋ ንእምነት እዞም ዘመናውያን ኣገልገልቱ ብኸመይ ኣደልደላ፧

4 እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ነቲ ክርስቶስ ብኽብሪ መንግስቱ ዚመጸሉ እዋን ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 17:1-9) እቲ ራእይ እቲ ብዙሓት ሰባት የሱስ ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትጽቢቶም ብዘይምፍጻሙ ኻብ ምስዓቡ ኣብ እተመልሱሉ እዋን ንእምነት ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣደልደሎ። ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እውን የሆዋ ነቶም ዘመናውያን ኣገልገልቱ ንፍጻመ እቲ ዜደንቕ ራእይን ሓያሎ ምስኡ ዚተሓሓዝ ትንቢታትን ብዝያዳ ኸም ዚርድኦም ብምግባር ንእምነቶም ኣደልደላ። ገለ ኻብዚ እምነት ዜደልድል ጋህዲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት እስከ ንርአ።

5. እቲ ኰዀብ ጽባሕ መን እዩ: መዓስን ብኸመይንከ እዩ ዝወጸ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና: ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 1:19) እቲ ምሳልያዊ “ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ” ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ራእይ 22:16) ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ተወልደት: ምፍላም ሓድሽ ዘመን ንምብሳር ወጸ። (ራእይ 11:15) ኣብቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ሙሴን ኤልያስን ምስ የሱስ ኪዘራረቡ ተራእዮም እዮም። ንመን ደኣ እዮም ዜመልክቱ፧

6, 7. ሙሴን ኤልያስን ኣብቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ንመን የመልክቱ: ቅዱሳት ጽሑፋትከ ብዛዕባ እቶም ሰባት እቲኣቶም እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

6 ሙሴን ኤልያስን ኣብ ክብሪ ክርስቶስ ስለ እተኻፈሉ: እዞም ክልተ እሙናት መሰኻኽር እዚኣቶም ነቶም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ እዮም ኬመልክቱ ዘለዎም። የሱስ መናግስቲ ኸም ዘለውዎ እተረኽበ ምርዳእ ምስቲ ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ንግስና እቲ መሲህ ዝረኣዮ ራእይ ዚሰማማዕ እዩ። ኣብቲ ራእይ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ካብቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” እተባህለ የሆዋ ኣምላኽ “ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት” ኪቕበል ከሎ ረኣዮ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ ከም ዝረኣየ ግን ኣስተብህል። “እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ።” (ዳንኤል 7:13, 14, 27) እወ: ካብቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ እተፈጸመሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዘመናት ኣቐዲሙ: ኣምላኽ እተወሰኑ “ቕዱሳን” ምስ ክርስቶስ ከም ዚነግሱ ገሊጹ ነይሩ።

7 እቶም ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ቕዱሳን መን እዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና” ዝበለ ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም እዩ። (ሮሜ 8:16, 17) እቶም ቅዱሳን ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ደኣ እምበር ካልኦት ኣይኰኑን። የሱስ ኣብ ራእይ “ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ: ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ” በለ። እዞም 144,000 ዚቝጽሮም ካብ ሞት ዝተንስኡ ‘ሰዓርቲ:’ ምስ የሱስ ኰይኖም ንምልእቲ ምድሪ ኺገዝእዋ እዮም።—ራእይ 3:21፣ 5:9, 10፣ 14:1, 3, 4፣ 1 ቈረንቶስ 15:33

8. ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ሙሴን ኤልያስን ኰይኖም ዘገልገሉ ብኸመይ እዮም: እንታይ ፍረኸ ኣፍረዩ፧

8 ቅቡኣት ክርስትያናት ብሙሴን ብኤልያስን እተመሰሉ ግን ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ ገና ሰባት ኰይኖም ኣብ ምድሪ ኣብ ዚጸንሑሉ እዋን: ምስቲ ሙሴን ኤልያስን ዝፈጸምዎ ዚመሳሰል ዕዮ እዮም ዚፍጽሙ። ንኣብነት: ከቢድ መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም የገልግሉ። (ኢሳይያስ 43:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:1-8፣ ራእይ 11:2-12) ከም ሙሴን ከም ኤልያስን ከኣ ንቕኑዓት ዘበሉ ሰባት ንኣምላኽ በይኑ ውፉያት ኪዀኑ እናተማሕጸኑ: ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብትብዓት የቃልዑ። (ዘጸኣት 32:19, 20፣ ዘዳግም 4:22-24፣ 1 ነገስት 18:18-40) እዚ ዕዮኦም ፍረ ኣፍርዩዶ፧ እሂናይ ደኣ! ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ንኽእከቡን: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ተገዛእቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑን ሓጊዞም እዮም።—ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:4

ክርስቶስ ይስዕር

9. ራእይ 6:2 ነዚ ሎሚ የሱስ ዘለዎ ዅነታት ብኸመይ ትገልጾ፧

9 የሱስ ሕጂ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ እተወጥሐ ሰብ ዘይኰነስ: ሓያል ንጉስ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብ ፈረስ ከም እተወጥሐ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ: እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንውግእ የመልክት። (ምሳሌ 21:31) ራእይ 6:2 “እንሆ: ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ: እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ” ትብል። ብዘይካዚውን ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሱስ “እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ: ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 110:2

10. (ሀ) የሱስ ብኸመይ እዩ ብዜደንቕ መገዲ ኺስዕር ዝጀመረ፧ (ለ) እቲ ክርስቶስ ዝረኸቦ ናይ መፈለምታ ዓወት ንዓለም ብሓፈሻ ብኸመይ ጸለዋ፧

10 የሱስ ፈለማ ነቶም ኣዝዮም ሓያላት ጸላእቱ ዝዀኑ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዩ ስዒርዎም። ካብ ሰማይ ብምስጓግ ናብ ምድሪ ደርበዮም። እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ተሪፍዎም ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ: ቍጥዓኦም ኣብ ደቅሰብ ኣፍሰስዎ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸበባ ኣምጽአ። እቲ ጸበባ ኣብ መጽሓፍ ራእይ በቶም ሰለስተ ኣፍራስ ተወጢሖም ዚወጹ ጌርካ ተመሲሉ ኣሎ። (ራእይ 6:3-8፣ 12:7-12) ከምቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ትእምርቲ ምምጻኡን መወዳእታ ዓለምን’ ኣብ እተዛረቦ ትንቢት ዝገለጾ: እዚኣቶም ውግእን ጥሜትን መቕዘፍትን ኣስዓቡ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:7-11) እዚ “ቕልውላው” እዚ ልክዕ ከም ኣብ ሕርሲ ዚህሉ ቕልውላው ስለ ዝዀነ: ክሳዕ እቲ ክርስቶስ ንዅሉ ኣሰር እዚ ዚርአ ማሕበር ሰይጣን ብምድምሳስ ‘ዚስዕር’ እናተጋደደ ኸም ዚኸይድ ኣየጠራጥርን እዩ። aማቴዎስ 24:8

11. ታሪኽ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንንግስና ክርስቶስ መርትዖ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብምዕቃብ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ንምስባኽ እተዋህባ መዝነት ከም እትፍጽም ኪገብር ምኽኣሉ እውን መርትዖ ንግስናኡ እዩ። ካብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎንን ካብ ተጻባእቲ መንግስትታትን ከቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመ: እቲ ዕዮ ስብከት ቀጺሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ይፍጸም ኣሎ። (ራእይ 17:5, 6) እዝስ ንንግስና ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ሓያል ምስክርነት ኰን እዩ!—መዝሙር 110:3

12. ሓያሎ ሰባት ነቲ ብዓይኒ ዘይርአ ክርስቶስ ምሳና ዘለወሉ ዅነታት ስለምንታይ እዮም ዘየስተውዕልዎ፧

12 እቲ ዜሕዝን ግን መብዛሕትኦም ሰባት: እንተላይ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ነቲ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ዘሎ ኣገዳሲ ፍጻመታት ሒዝዎ ዘሎ ብዓይኒ ዘይርአ ትርጕም ኣየስተውዓልዎን። ሕሉፍ ሓሊፎምውን ነቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ የላግጹሎም እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ንሓሳቦም ኣዕዊርዎ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ነቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ኣዒንቶም ጋሪዱ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ካብ ዜእትዎም ሓያሎ ዘመናት ኰይኑ ኣሎ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቲ ኽቡር ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሓድግዎ ገይርዎም እዩ።

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ተስፋ ሃሰሰ

13. መንፈሳዊ ጸልማት ናብ ምንታይ እዩ መሪሑ፧

13 የሱስ እቶም ኣብ መንጎ ስርናይ ብዚበቝሉ ኽርዳድ ዝመሰሎም ከሓድቲ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ከም ዚኣትዉን ንብዙሓት ከም ዜስሕትዎምን ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29-31፣ ይሁዳ 4) ድሕሪ ግዜ እዞም ክርስትያናት ዚበሃሉ: ኣረማዊ በዓላትን ልምድታትን ትምህርትታትን ተቐቢሎም “ናይ ክርስትያን” ስም ሃብዎ። ንኣብነት: በዓል ልደት ካብ ኣምልኾ እቶም ሚዝራን ሳቱርን ዚበሃሉ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዝመነጨ እዩ። ነቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነዚ ዘይክርስትያናዊ በዓላት ንኼተኣታትዉ ዝደረኾም ግን እንታይ እዩ፧ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1974) “በዓል ልደት ማለት የሱስ ክርስቶስ ናይ እተወልደሉ በዓል: ክርስቶስ ብቕልጡፍ ንኺምለስ ዝነበረ ትጽቢት እናሃሰሰ ምስ ከደ እዩ ተመስሪቱ” በለት።

14. ትምህርትታት ኦሪጀንን ኦገስቲንን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሓቂ ዜቕንን ብኸመይ እዩ፧

14 ነታ “መንግስቲ” እትብል ቃል እተዋህባ ቔናን ትርጕም እውን ርአ። እታ ዘ ኪንግደም ኦቭ ጎድ ኢን ትዌንትዝ ሰንችሪ ኢንተርፕሪቴሽን ዘርእስታ መጽሓፍ “ኦሪጀን [ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ምሁር] ነታ ‘መንግስቲ’ እትብል ቃል ኣብ ልቢ ንዚህሉ ግዝኣት ኣምላኽ ከም እተመልክት ገይሩ ቐየራ” ትብል። ኦሪጀን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኻበይ እዩ ኣምጺእዎ፧ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ: “ካብ ኣተሓሳስባ የሱስን ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያንን ኣጸቢቑ ኻብ እተፈልየ ፍልስፍናን ዓለማዊ ኣረኣእያን” እዩ ኣምጺእዎ። ኦገስቲን ብዓል ሂፖ (354-430 ከ.ኣ.ዘ.) ኣብታ ዴ ኪቪታተ ደይ (ከተማ ኣምላኽ) ዘርእስታ ጽሕፍቱ እታ ቤተ-ክርስትያን ንባዕላ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ገለጸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይተመስረተ ኣተሓሳስባ ንኣብያተ-ክርስትያናት ፖለቲካዊ ስልጣን ንኺሕዛ ባይታ ዀነን። ነዚ ስልጣን እዚ ኸኣ ንሓያሎ ዓመታት መብዛሕትኡ እዋን ብዜስካሕክሕ መገዲ ተጠቕማሉ።—ራእይ 17:5, 18

15. ገላትያ 6:7 ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ብኸመይ እያ እትፍጸም ዘላ፧

15 ሎሚ ግን ኣብያተ-ክርስትያን ዝዘርኣኦ ይዓጽዳ ኣለዋ። (ገላትያ 6:7) ሓያሎ ዝነበረን ጽልዋ ይሃስስ: ምእመናነን ድማ ይንክዩ ኣለዉ። እዚ ብፍላይ ኣብ ኣውሮጳ ብቐሊሉ ይርአ እዩ። እታ ክርስችያኒቲ ቱደይ ዘርእስታ መጽሔት “ሕጂ እቲ ዓበይቲ ካቴድራላት ኣውሮጳ ናይ ኣምልኾ ቤት ዘይኰነስ: በጻሕቲ ጥራይ ዚኸድዎ ኣብያተ-መዘክር እዩ ዀይኑ ዘሎ” በለት። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዘሎ። እዚ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ደገፍ ዚገብረላ ብምስኣና ኽትፈርስ ድያ፧ ናይ ሓቂ ኣምልኾኸ ብኸመይ እዩ ኺጽሎ፧

ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ተዳሎ

16. ንዓባይ ባቢሎን ዘሎ ጽልኢ እናወሰኸ ምኻዱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ከምቲ ተደጒሉ ዝጸንሐ እሳተ-ጎመራ ትክን ሓሙዅሽትን ኬውጽእ ኪጅምር ከሎ: ዚነትጐሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዜምልክት: እቲ ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጽልኢ ሃይማኖት: መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝቐረበ እዩ ዜመልክት። ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ነቶም ፖለቲካዊ ሓይልታት እዛ ዓለም እዚኣ ብሓደ ዀይኖም ነታ ብመንፈስ ኣመንዝራ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ንኼቃልዕዋን ንኼባድምዋን ኪድርኾም እዩ። (ራእይ 17:15-17፣ 18:21) ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዝን በቲ ስዒቡ ዚመጽእ ዓብዪ “መከራ”ን ኪፈርሁ ኣለዎም ድዩ፧ (ማቴዎስ 24:21) ኪፈርሁ የብሎምን! ኣብ ክንድኡስ ኣምላኽ ንእኩያት ኬጥፍኦም ከሎ ኺሕጐሱ እዩ ዘለዎም። (ራእይ 18:20፣ 19:1, 2) ነዚ ኣብነት ንኪዀነና: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠመን ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበርዎን እስከ ንርአ።

17. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኺመጽእ ከሎ ዘይፈርሁ ስለምንታይ እዮም፧

17 ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ከበባ: ብመንፈስ ንቑሓት ዝዀኑ ክርስትያናት ኣይሰምበዱን ወይውን ኣይፈርሁን። ትጉሃት ተመሃሮ ቃል ኣምላኽ ብምንባሮም: “ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ” ይፈልጡ ነበሩ። (ሉቃስ 21:20) ኣምላኽ ዚድሕኑሉ መገዲ ኸም ዚኸፍተሎም እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ መገዲ ምስ ተኸፍተሎም ከኣ ሃደሙ። (ዳንኤል 9:26፣ ማቴዎስ 24:15-19፣ ሉቃስ 21:21) ሎሚውን ብተመሳሳሊ እቶም ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ንወዱ ዚእዘዝዎን መወዳእታ እዚ ኣገባብ ኪመጽእ ከሎ ኣይፈርሁን እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እኳ ደኣስ እቲ ዓብዪ መከራ ምስ ጀመረ: ‘ምድሓኖም ከም ዝቐረበ ፈሊጦም’ ብሓጐስ ‘ቅንዕ ኪብሉ ርእሶምውን ኬልዕሉ እዮም።’—ሉቃስ 21:28

18. እቲ ጎግ ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፍጽሞ ናይ መወዳእታ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ እዩ፧

18 ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት: ሰይጣን ከም ጎግ ብዓል ማጎግ መጠን ኣብቶም ሰላማውያን መሰኻኽር የሆዋ ናይ መወዳእታ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ። ጭፍራ ጎግ ‘ንሃገር ከም ዚኸድን ደበና’ ዀይኑ ብምምጻእ ብቐሊሉ ዓወት ንምርካብ ትጽቢት ኪገብር እዩ። እቲ ሽዑ ዜጋጥሞም ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኼሰምብዶም! (ህዝቅኤል 38:14-16, 18-23) ሃዋርያ ዮሃንስ “ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ: ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል: . . . ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ዘይሰዓር “ንጉሰ ነገስት” እዚ ንእሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ኼድሕኖምን ንዅሎም ጸላእቶም ኬጥፍኦምን እዩ። (ራእይ 19:11-21) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ መዛዘሚ እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ኰን እዩ!

19. ክርስቶስ ዚረኽቦ ዓወት ኣብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ: ሕጂኸ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚጽዕሩ፧

19 የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘በቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም “ግሩም ኢኻ” ኺበሃል እዩ።’ (2 ተሰሎንቄ 1:10 ትርጕም 1990) ሓደ ኻብቶም በቲ ዕዉት ወዲ ኣምላኽ ዚግረሙ ኽትከውን ትደሊ ዲኻ፧ ካባታቶም ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: እምነትካ ኣደልድል: ‘ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብካያ ግዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: እተዳሎኻ ድማ ኩን።’—ማቴዎስ 24:43, 44

ተጠንቀቕ

20. (ሀ) ነቲ ኣምላኽ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዝገበረልና ምድላው ብኸመይ ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

20 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ንቑሓት ኪዀኑን ኪጥንቀቑን ኣዘውቲሩ ይምሕጸኖም እዩ። (ማቴዎስ 24:45, 46፣ 1 ተሰሎንቄ 5:6) ነዚ እዋናዊ መዘኻኸሪታት ተማስወሉዶ፧ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ንምስራዕከ ትጥቀመሉዶ፧ ንምንታይ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ዘይትሓትት:- ‘ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ከም ዘሎ ንኽርኢ ዜኽእለኒ ንጹር መንፈሳዊ ኣረኣእያ ኣሎኒዶ፧ ኣብ ዓባይ ባቢሎንን ኣብ ዝተረፈ ኣገባብ ሰይጣንን ፍርዲ ኣምላኽ ንምፍጻም ተዳልዩ ኸም ዘሎ ገይረዶ እርእዮ እየ፧’

21. መንፈሳዊ ኣረኣእያ ገሊኦም ሰባት ዝደኸመ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል: እንታይከ እዮም ብህጹጽ ኪገብሩ ዘለዎም፧

21 ገሊኦም ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝሓበሩ ግን መንፈሳዊ ኣረኣእያኦም ተዳኺሙ ኣሎ። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገለ ደቀ መዛሙርቲ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ስለ ዘይብሎም ደዀን ይዀኑ፧ ሓልዮት ሓዳር: ፍቕረ-ንዋይ: ወይ መስጐጕቲ ጸልይዎም ደዀን ይኸውን፧ (ማቴዎስ 13:3-8, 18-23፣ ሉቃስ 21:34-36) ምናልባት ገሊኦም እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘሕተሞ እተወሰነ ትምህርቲ ምርድኡ ኣሸጊርዎም ይኸውን። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ: ቃል ኣምላኽ ብሓድሽ ቅንኣት ንኸተጽንዕ ከምኡውን ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምእንቲ ኺህልወካ ንኽትልምኖ ንምሕጸነካ።—2 ጴጥሮስ 3:11-15

22. ብዛዕባ እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይን ምስኡ ዚተሓሓዝ ትንቢታትን እተመሃርናዮ ትምህርቲ ብኸመይ ተንኪፉካ፧

22 እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተራእዮም: ምትብባዕ ኣብ ዜድልዮም እዋን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ኻብኡ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ምንጪ ብርታዐ ኣሎና። እቲ መስተንክር ራእይን ሓያሎ ምስኡ ዚተሓሓዝ ትንቢታትን ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ነዚ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ዜደንቕ ነገራት ከነስተንትነሉ ኸለና: ብምሉእ ልብና ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ኺብል ከሎ ዘርኣዮ ስምዒት ነንጸባርቕ።—ራእይ 22:20

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ክሳዕ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዜብቅዕ ብብዝሑ ዀነ ብጻዕቁ እናገደደ ኸም ዚኸይድ ዜመልክት እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ብ1870ታት ሓንቲ ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምላስ ክርስቶስ እንታይ ተረድአት፧

• እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ብኸመይ ፍጻሜኡ ረኸበ፧

• የሱስ ኪስዕር ምጅማሩ ኣብ ዓለምን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧

• ካብቶም የሱስ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሰዓረ ብህይወት ዚጸንሑ ሰባት ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ራእይ ጋህዲ ዀነ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ኪስዕር ምስ ጀመረ እንታይ ከም ዘጋጠመ ትፈልጥዶ፧