ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት ኵሉ ናብ ክርስቶስ የተኵር

ትንቢት ኵሉ ናብ ክርስቶስ የተኵር

ትንቢት ኵሉ ናብ ክርስቶስ የተኵር

“ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ።”ራእይ 19:10

1, 2. (ሀ) ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኣብ እስራኤል እንታይ ውሳነ ኺግበር ኣድለየ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

 እዋኑ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። ምድሪ እስራኤል ብዛዕባ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ እያ እትዘራረብ ነይራ። ዮሃንስ መጥምቕ ዚፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት እውን ነቲ መሲህ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበይዎ ገበሮም። (ሉቃስ 3:15) ዮሃንስ ድማ ንሱ ባዕሉ ክርስቶስ ከም ዘይኰነ ገለጸ። ኣብ ክንድኡስ ናብ የሱስ ብዓል ናዝሬት ሓበሮም: “ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ” ኸኣ በለ። (ዮሃንስ 1:20, 34) ነዊሕ ከይጸንሐ ብዙሓት ሰባት ነቲ የሱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ንምስማዕን ካብ ሕማሞም ንኺፍወሱን ኪስዕብዎ ጀመሩ።

2 ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ኣዋርሕ: የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ሓያል መርትዖታት ሃበ። እቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ዜጽንዑን ነቲ የሱስ ዝገበሮ ግብርታት ዝረኣዩን ኣብኡ ንኺኣምኑ ድልዱል መሰረት ረኸቡ። ይኹን እምበር: እቶም ኣምላኽ ኪዳን ዝኣተወሎም ህዝቢ ብሓፈሻኡ እምነት ኣየርኣዩን። ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሒደት ጥራይ እዮም የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝሃቡሉ። (ዮሃንስ 6:60-69) ኣብቲ ግዜ እቲ ትነብር ኔርካ እንተ ትኸውን: እንታይ ምገበርካ፧ ንየሱስ ከም መሲህ ጌርካ ተቐቢልካ እሙን ሰዓቢኡ ንምዃን ምተደረኽካዶ፧ የሱስ ንሰንበት ኣፍሪስካ ተባሂሉ ምስ ተኸሰ ብዛዕባ መንነቱ ባዕሉ ዝሃቦ መርትዖ እስከ ርአ። ንእምነት እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንምድልዳል ከኣ እንታይ ተወሳኺ መርትዖታት ከም ዝሃበ እውን ኣስተብህል።

የሱስ ባዕሉ ዝሃቦ መርትዖ

3. ንየሱስ ብዛዕባ መንነቱ መርትዖ ኺህብ ዘገደዶ እንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧

3 እዋኑ ፋስጋ 31 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። ን38 ዓመት ሓሚሙ ንዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ኣሕወዮ። ኣይሁድ ግን ነዚ ብመዓልቲ ሰንበት ብምግባሩ ሰጐጕዎ። ብዘይካዚውን: ንኣምላኽ ኣቦይ ስለ ዝበሎ ተጻሪፉ ኢሎም ከሰስዎ: ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። (ዮሃንስ 5:1-9, 16-18) የሱስ ድማ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነቱ ንዝዀነ ይኹን ቅኑዕ ዝልቡ ኣይሁዳዊ ኼእምን ዚኽእል ሰለስተ ሓያል መርትዖታት ኣቕረበሎም።

4, 5. ዕላማ ኣገልግሎት ዮሃንስ እንታይ እዩ ነይሩ: ብኸመይከ እዩ ዝፈጸሞ፧

4 ቀዳማይ: የሱስ “ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለአኽኩም: ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም” ብምባል ነቲ ቕድሚኡ ዝመጸ ዮሃንስ መጥምቕ ዝሃቦ ምስክርነት ጠቐሰ።—ዮሃንስ 5:33, 35

5 ዮሃንስ መጥምቕ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ብሄሮድስ ከይተኣስረ ኸሎ “ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ” ነበረ: ነቲ መሲህ መገዲ ንምጽራግ ብኣምላኽ እተዋህቦ መዝነት ከኣ ፈጸመ። ዮሃንስ ድማ “ንሱ [እቲ መሲህ] ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና: ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። . . . መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ: . . . እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፤ እቲ: መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ: ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ: ኢሉኒ እምበር: ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ” በለ። a (ዮሃንስ 1:26-37) ዮሃንስ: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ወይ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ብንጹር ገለጸ። እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ኣዝዩ ንጹር ካብ ምንባሩ እተላዕለ: ድሕሪ ሙማቱ ሸሞንተ ወርሒ ዚኸውን ምስ ሓለፈ: ገሊኦም ቅኑዕ ዝልቦም ኣይሁድ “እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ” በሉ።—ዮሃንስ 10:41, 42

6. ሰባት በቲ የሱስ ዝገበሮ ግብርታት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ ኺኣምኑ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

6 ቀጺሉ: የሱስ መሲህ ምዃኑ ንምርግጋጽ ካልእ መርትዖ ኣቕረበ። እቲ ዝገበሮ ሰናይ ግብርታት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ መርትዖ ኸም ዝዀነ ሓበረ። “እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ: እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ: ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ: ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር አሎኒ” በለ። (ዮሃንስ 5:36) ጸላእቱ እውን ከይተረፉ ነቲ ሓያሎ ተኣምራት ዜጠቓልል መርትዖ ኣሉ ኺብልዎ ኣይከኣሉን። ገለ ኻባታቶም ጸኒሖም “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧” በሉ። (ዮሃንስ 11:47) ገሊኦም ግን ተቐበልዎ: “ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ: ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧” ድማ በሉ። (ዮሃንስ 7:31) እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: ባህርያት ኣቦ ኣብቲ ወዲ ኺርእዩ ብሉጽ ኣጋጣሚ ነበሮም።—ዮሃንስ 14:9

7. ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ የሱስ ዚምስክር ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ መወዳእታ: የሱስ ዘየማትእ ምስክርነት ኣቕረበ። “[እተን] ጽሑፋት . . . ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ንሙሴ እንተ ትአምንዎስ: ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ: ንኣይ ድማ ምአመንኩምኒ ኔርኩም” በለ። (ዮሃንስ 5:39, 46) ልክዕ እዩ: ሙሴ ሓደ ኻብቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝጸሓፉ ሓያሎ መሰኻኽር እዩ። እቲ እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ነቲ መሲህ ንኸተለልዮ ዜኽእል በማእታት ዚቝጸር ትንቢታትን መስመር ወለዶን ዜጠቓልል እዩ። (ሉቃስ 3:23-38፣ 24:44-46፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:43) ሕጊ ሙሴኸ ነዚ ዚሕብር ድዩ ነይሩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ” በለ። (ገላትያ 3:24) እወ: “ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ [ወይ ሸቶን ዕላማን] ትንቢት እዩ።”—ራእይ 19:10

8. ብዙሓት ኣይሁድ ኣብቲ መሲህ ዘይኣመኑ ስለምንታይ እዮም፧

8 እዚ ዅሉ መርትዖታት: ማለት ዮሃንስ ብንጹር ዝሃቦ ምስክርነት: የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራትን ዘንጸባረቖ ባህርያት ኣምላኽን: ከምኡውን እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሃቦ ሓያሎ ምስክርነት: የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ኣየእምነካንዶ፧ ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽን ንቓሉን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘላቶ ነዚ ብቐሊሉ ተገንዚቡ: የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ይኣምን እዩ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ግን ንእስራኤላውያን ትጐድሎም ነበረት። የሱስ ንተጻረርቱ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 5:42) ‘ነቲ ኻብ ሓደ ኣምላኽ ዚርከብ ክብረት ኣብ ክንዲ ዚደልዩ ንሓድሕዶም ክብረት ይቀባበሉ ነበሩ።’ እምበኣር: ምስቲ ልክዕ ከም ኣቦኡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚፍንፍን የሱስ ዘይምስምማዖም ዜገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 5:43, 44፣ ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23

እምነቶም በቲ ትንቢታዊ ራእይ ደልደለት

9, 10. (ሀ) እቲ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተዋህበ ትእምርቲ ኣብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነሉ እዋን እዩ ተራእዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ዜደንቕ መብጽዓ እዩ ዝኣተወሎም፧

9 የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መርትዖታት ካብ ዚህብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓለፈ። ፋስጋ 32 ከ.ኣ.ዘ. እውን ሓለፈ። ምናልባት ብሰንኪ መስጐጕቲ: ፍቕረ-ንዋይ: ወይ ብሰንኪ ሓልዮት ሓዳር እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ: ብዙሓት ብእኡ ዝኣመኑ ኻብ ምስዓቡ ተመልሱ። ገሊኦም ከኣ የሱስ ነቲ እቶም ህዝቢ ንኼንግስዎ ዝገበርዎ ጻዕሪ ስለ ዘይተቐበሎ: ምርዳእ ኣብይዎም ወይ ጕህዮም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብዛዕባ መንነቱ መርትዖ ኬቕርበሎም ምስ ሓተትዎ እውን ንርእሱ ኽብሪ ዜምጽኣሉ ተኣምር ካብ ሰማይ ኣይገበረሎምን። (ማቴዎስ 12:38, 39) እዚ ኸኣ ንገሊኦም ደንጺዎም ነይሩ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምርዳኡ ዜጸግም ነገራት ኪገልጸሎም ጀመረ። “ናብ የሩሳሌም ኪድይብ: ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: ኪቕተል” ከም ዚግብኦ ገለጸሎም።—ማቴዎስ 16:21-23

10 ድሕሪ ትሽዓተ ወይ ዓሰርተ ወርሒ ኣቢሉ “[የሱስ] ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ” ግዜ ኣኸለት። (ዮሃንስ 13:1) ብዛዕባ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኣመና ስለ እተጨነቐ: ነቲ ኣይሁድ ካብ ሰማይ ተኣምራት ኪገብረሎም ሓቲቶምዎ ዝኣበዮም ነገር ንዓታቶም ገበረሎም። “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ድማ በሎም። (ማቴዎስ 16:28) የሱስ ኣብዚ እተወሰኑ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ እቲ መሲሓዊት መንግስቲ እትቘመሉ 1914 ብህይወት ከም ዚጸንሑ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ: ነቶም ኣጸቢቖም ዚቐርብዎ ሰለስተ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሓይሊ መንግስቱ ኽብሪ ዝመልኦ ትንቢታዊ ራእይ ኬርእዮም እዩ ሓሲቡ። እዚ ራእይ እዚ ተኣምራዊ ምልዋጥ ተባሂሉ ይፍለጥ።

11. ነቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ግለጾ።

11 ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ሰንሰለት ኣኽራን ሄርሞን እዩ ኪኸውን ዚኽእል። “ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ: ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።” ነብዪ ሙሴን ነብዪ ኤልያስን ድማ ምስ የሱስ ኪዘራረቡ ተራእይዎም። እዚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ምናልባት ምሸት እዩ ተፈጺሙ ዚኸውን: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዝያዳ ህያው ኰነ። ነቶም ሃዋርያት ኣዝዩ ህያው ካብ ምዃኑ እተላዕለ እኳ ጴጥሮስ ንየሱስን ንሙሴን ንኤልያስን ዚኸውን ሰለስተ ዳስ ኪስራሕ ድሌት ከም ዘለዎ ገለጸ። ገና ነዚ ኺዛረብ ከሎ ብሩህ ደበና ኣጐልበበቦም: “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ ድማ ካብቲ ደበና መጸ።—ማቴዎስ 17:1-6

12, 13. እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ጽልዋ ነበሮ: ስለምንታይከ፧

12 ልክዕ እዩ: የሱስ “ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ጴጥሮስ ካብ ዚዛረብ ነዊሕ ኣይገበረን። (ማቴዎስ 16:16) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንመንነትን ዕዮን እቲ ቕቡእ ወዱ ባዕሉ ኺምስክር ከሎ ምስማዕ ዜሕድሮ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ክሳዕ ክንደይ ኰን እምነቶም ኣደልዲልዋ ኪኸውን ኣለዎ! እምነቶም ስለ ዝደልደለት: ነቲ ኣብታ ብድሕሪኡ እትምስረት ጉባኤ ዚህልዎም ግደ ብዝያዳ ድሉዋት ኰኑ።

13 እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ነባሪ ጦብላሕታ ሓዲጉ እዩ። ጴጥሮስ ልዕሊ 30 ዓመት ጸኒሑ “ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ምስ መጸ: ንሱ [የሱስ] ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ: ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና” በለ። (2 ጴጥሮስ 1:17, 18) ዮሃንስ እውን በቲ ፍጻመ እቲ ብማዕረ ተተንኪፉ እዩ። እዚ ምስ ኰነ ልዕሊ 60 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: “ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና” ኺብል ከሎ ነቲ ፍጻመ እቲ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዮሃንስ 1:14) እንተዀነ ግን: እዚ ተኣምራዊ ምልዋጥ እዚ ሰዓብቲ የሱስ ዝረኣይዎ ናይ መወዳእታ ራእይ ኣይነበረን።

ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ እተዋህበ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ

14, 15. ሃዋርያ ዮሃንስ: የሱስ ክሳዕ ዚመጽእ ዝጸንሐ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ተራእዮም። ኣብኡ ኸኣ ንጴጥሮስ “[ኣነ] ክሳዕ ዝመጽእ [ዮሃንስ] ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ: እንታይ ገዲሱካ፧” በሎ። (ዮሃንስ 21:1, 20-22, 24) እዘን ቃላት እዚኣተን ሃዋርያ ዮሃንስ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ዝነውሐ ዕድመ ኺህልዎ ምዃኑ ድየን ዜመልክታ፧ እወ: ዮሃንስ ን70 ዓመት ዚኸውን ብተኣማንነት ንየሆዋ ስለ ዘገልገለ: ከምኡ እዩ ዚመስል። እንተዀነ ግን: ካብዚ ዝዓበየ ትርጕም እውን ሓቚፈን ኣለዋ።

15 እታ “ኽሳዕ ዝመጽእ” እትብል ሓረግ ነቲ የሱስ “ወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ” ኢሉ ዝጠቐሶ እዋን ተመልክት። (ማቴዎስ 16:28) ዮሃንስ ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ የሱስ ብመንግስቱ ዝመጸሉ ትንቢታዊ ራእይ ስለ ዝረኣየ: ክሳዕ የሱስ ዚመጽእ ጸኒሑ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ኣብ ኣጋ ሙማቱ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ኸሎ: “ብመዓልቲ ጐይታ” ንዚፍጸም ፍጻመታት ዜመልክት ብዙሕ ትንቢታዊ ምልክታት ዘለዎ ራእይ ረኣየ። ዮሃንስ በዚ መስተንክር ራእይ እዚ ኣጸቢቑ ስለ እተመሰጠ: የሱስ “እወ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ምስ በለ: ንሱ ድማ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” በለ።—ራእይ 1:1, 10፣ 22:20

16. ወትሩ እምነትና ኻብ ምድልዳል ክንሰንፍ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንየሱስ ከም መሲህ ገይሮም ተቐቢሎምዎ: ኣብኡ ድማ ኣሚኖም እዮም። ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት እምነት ዚጐድሎም ብምንባሮም: እቲ ዚዕየ ዕዮ ዓብዪ ብምንባሩ: ከምኡውን ነቲ ቐጺሉ ዚመጾም ፈተና ኣብ ግምት ብምእታው: እቶም ኣመንቲ ኺበራትዑ የድልዮም ነበረ። የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ እኹል መርትዖ ሂብዎም: ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ንምትብባዕ ድማ ዜነቓቕሕ ትንቢታዊ ራእይ ኣርእይዎም እዩ። ሎሚ: ኣብ ውሽጢ “መዓልቲ ጐይታ” ኢና ዘለና። ነዊሕ ከይጸንሐ ክርስቶስ ንብምሉኡ እቲ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ኬጥፍኦን ንህዝቢ ኣምላኽ ኬድሕኖምን እዩ። ንሕናውን ንዅሉ እቲ የሆዋ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም እምነትና ኸነደልድል ኣሎና።

ብጸልማትን ብጸበባን ዝሓለፉ

17, 18. ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ኣብቶም ሰዓብቲ የሱስን ኣብቶም ንዕላማ ኣምላኽ ዚጻረሩን እንታይ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዝነበረ: እዚኸ ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለ እንታይ ኣስዓበሎም፧

17 ድሕሪ ሞት የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቲ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብዛዕባኡ ኺምስክሩ ዝሃቦም ትእዛዝ ብትብዓት ተቐበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ብዙሕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም: የሆዋ ነታ ሓዳስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ብዙሓት ሓደስቲ ደቀ መዛሙርትን ብምሃብ ባረኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:47፣ 4:1-31፣ 8:1-8

18 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ነቲ ብስራት ዚጻረሩ ተስፋኦም እናጸልመተ ኸደ። ምሳሌ 4:19 “መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ: እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን” ትብል። እቲ “ጸልማት” ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋ ተጋደደ። ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንእተወሰነ እዋን ኣስሓቡ: ድሕሪኡ ግን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እንደገና ተመሊሶም ነታ ኸተማ ኣጥፍእዋ። ከምቲ እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ዝገለጾ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ኪጠፍኡ ኸለዉ: እሙናት ክርስትያናት ግን ኣምለጡ። ስለምንታይ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ኸበባ ምስ ኣብቅዐ: ነቲ የሱስ ንኺሃድሙ ዝነገሮም ትእዛዝ ኣኽበሩ።—ሉቃስ 21:20-22

19, 20. (ሀ) እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ናብ መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ህዝቢ ኣምላኽ ዜፍርህ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ንህዝቡ እንታይ ምስትውዓል እዩ ዝሃቦም፧

19 ኵነታትና እውን ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። እቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ንብምሉኡ እዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ኬጥፍኦ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ግን የሱስ “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ስለ እተመባጽዓሎም ዜፍርህ ነገር የብሎምን። (ማቴዎስ 28:20) የሱስ እምነት ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ንምህናጽን ነቲ ብድሕሪኡ ዜጋጥሞም ንምድላውን: ብዛዕባ እቲ ኸም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ዚህልዎ ሰማያዊ ኽብሪ ኣርኣዮም። ሕጂኸ፧ ብ1914 እቲ ብራእይ ተራእዩ ዝነበረ ጋህዲ ዀነ። እዝስ ንእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣደልዲልዋ! እቲ ራእይ እቲ ዜደንቕ ተስፋ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ: ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዘለዎም ፍልጠት እናወሰኸ ኸደ። ኣብ መንጎ እዛ ጸልማት ተጐልቢባ ዘላ ዓለም: “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።”—ምሳሌ 4:18

20 ቅድሚ 1914 እውን እንተዀነ: እተወሰኑ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ምምላስ ጐይታ ኣገዳሲ ሓቅታት ኪርድኡ ጀሚሮም ነይሮም። ንኣብነት: ከምቲ እቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኪዓርግ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ እተራእይዎም መላእኽቲ ዝኣመትዎ: ምምላሱ ዘይርአ ኸም ዚኸውን ኣስተውዓሉ። የሱስ ኣብ ደበና ኣትዩ ኻብ ኣዒንቲ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተሰወረ: እቶም መላእኽቲ “እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ: ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” በልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:9-11

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 ሒደት እሙናት ሰዓብቱ ጥራይ እዮም የሱስ ኪዓርግ ከሎ ርእዮምዎ። ከምቲ ብተኣምር ኣብ እተለወጠሉ እዋን ዘጋጠመ: ብዙሓት ህዝቢ ኣይረኣይዎን። ዓለም ብሓፈሻ እንታይ ከም እተፈጸመ እውን ኣይፈለጠትን። ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቱ ኣብ እተመልሰሉ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢሙ። (ዮሃንስ 14:19) እቶም እሙናት ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ እዮም ከም ዝነገሰ ዘስተውዓሉ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እዚ ምስትውዓል እዚ ኣባታቶም እንታይ ዓሚቝ ጽልዋ ኸም ዝገበረን ኣብ ምእካብ እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምድራውያን ተገዛእቲ የሱስ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎን ክንርኢ ኢና።—ራእይ 7:9, 14

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ የሱስ እተጠምቀሉ እዋን ዮሃንስ ጥራይ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም የሱስ ኣብዚ ዚዛረቦም ዘሎ ኣይሁድ ‘ድምጺ ኣምላኽ ከቶ ኣይሰምዑን ምስሉውን ኣይረኣዩን።’—ዮሃንስ 5:37

ትዝክሮዶ፧

• የሱስ ሰንበት ኣፍሪስካ ኸምኡውን ተጻሪፍካ ተባሂሉ ምስ ተኸሰ: እቲ መሲህ ምዃኑ ንምሕባር እንታይ መርትዖ ሃበ፧

• ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ብኸመይ ተጠቕሙ፧

• የሱስ ክሳዕ እቲ ዚመጸሉ እዋን ዮሃንስ ኪጸንሕ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

• ብ1914 እንታይ ራእይ እዩ ጋህዲ ዝዀነ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ መርትዖታት ኣቕረበ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ እምነት ዜደልድል ነበረ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ: የሱስ ክሳዕ ‘ዚመጽእ’ ኪጸንሕ ነበሮ