ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ”

“ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ”

“ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ”

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ፌቤን እትበሃል ሓንቲ ክርስትያን ሽግር ኣጋጠማ። ካብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ክንክርኤስ ናብ ሮሜ ተጓዕዘት: ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ኣሕዋት ግን ኣይትፈልጦምን ነበረት። (ሮሜ 16:1, 2) ኤድጋር ጉድስፒድ ዚበሃል ሓደ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ “[እቲ ሽዑ ዝነበረ] ግዝኣት ሮሜ ብኽፍኣትን ብጭከናን ዝመልአ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ መሕደር ኣጋይሽ: ብፍላይ ንሓንቲ ጭዋ እሞ ኸኣ ክርስትያን ሰበይቲ ዚኸውን ኣይነበረን” በለ። ፌቤን ደኣ እሞ ኣበይ ትእቶ፧

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ እዮም ዚጓዓዙ ነይሮም። የሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ይዞሩ ነበሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም እኒ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ክርስትያን ሚስዮናውያን ናብታ ናይ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ርእሰ-ኸተማ ዝነበረት ከተማ ሮሜን ናብተን ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲተራነያን ዚርከባ ኻልኦት ዓድታትን ነዚ መልእኽቲ እዚ ኼብጽሑ ተጓዒዞም እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ኣይሁድ ዚርከብዎ ዀነ ዘይርከብዎ ዞባታት ኬገልግሉ ኸለዉ ኣበይ እዮም ዚኣትዉ ነይሮም፧ መዕረፊ ኣብ ምርካብ ዜጋጠሞም ጸገማት ነይሩዶ፧ ኣጋይሽ ብምቕባል ዝመጸኸ ኻብኣቶም እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

“ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ”

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ: ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ። ንኣብነት: ኣብርሃም: ሎጥ: ርብቃ ኣጋይሽ ተቐቢሎም እዮም። (ዘፍጥረት 18:1-8፣ 19:1-3፣ 24:17-20) እዮብ እውን “መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን: ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ” ብምባል ኣጋይሽ ብዛዕባ ምእንጋድ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ገለጸ።—እዮብ 31:32

እስራኤላውያን ነቶም ኣብ ኣደባባይ ከተማ ተቐሚጦም ኣብ ቤቱ ዚቕበሎም ሰብ ዚጽበዩ መንገደኛታት ኣሕዋቶም የአንግድዎም ነበሩ። (መሳፍንቲ 19:15-21) እቶም ተቐበልቲ ኸኣ ኣእጋር ኣጋይሾም ይሓጽቡ: ዚብላዕን ዚስተን ይቕርቡሎም: ንእንስሳታቶም እውን ከይተረፈ ሓሰር ይቕርቡ ነበሩ። (ዘፍጥረት 18:4, 5፣ 19:2፣ 24:32, 33) ነቶም ዜአንግድዎም ሰባት ጾር ኪዀኑ ዘይደልዩ መንገደኛታት ድማ ንባዕሎም እንጌራን ወይንን ከምኡውን ነእዱጎም ዚኸውን ሓሰርን ድርቋን ይማልኡ ስለ ዝነበሩ: ለይቲ ዚሓድርሉ ቦታ ጥራይ እዮም ዚደልዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ እናሰበኸ ኺዘውር ከሎ ዚሓድረሉ ዝነበረ ቦታ ብብዝሒ እኳ እንተ ዘይተገልጸ: የሱስን ሰዓብቱን ዚድቅስሉ ቦታ ግን ነይርዎም እዩ። (ሉቃስ 9:58) የሱስ ናብ ያሪኮ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንዘኬዎስ “ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ” በሎ እሞ ንሱ ኸኣ ነዚ ጋሽኡ “ተሐጕሱ” ተቐበሎ። (ሉቃስ 19:5, 6) ኣብ ቢታንያ መብዛሕትኡ እዋን ናብ እንዳ ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን እዩ ዚኣቱ ነይሩ። (ሉቃስ 10:38፣ ዮሃንስ 11:1, 5, 18) ኣብ ቅፍርናሆም ድማ ኣብ ቤት ስምኦን ጴጥሮስ ኣተወ።—ማርቆስ 1:21, 20-35

እቲ የሱስ ን12 ሃዋርያቱ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ ዝሃቦም መምርሒ ኣብ እስራኤል ሰባት ብኸመይ ከም ዚቕበልዎም ዜርኢ ነበረ። ከምዚ በሎም:- “ወርቂ ዀነ: ብሩር ኰነ: ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ: ስንቂ ንመገዲ: ወይስ ክልተ ኽዳን: ወይ ኣሳእን: ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ። ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ።” (ማቴዎስ 10:9-11) ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ንደቀ መዛሙርቱ ተቐቢሎም: ምግብን መጽለልን ከምኡውን ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዚህብዎም ይፈልጥ ነበረ።

ይኹን እምበር: እዞም ሰበኽቲ ዜድልዮም ነገራት ባዕሎም ኬማልኡን ወጻኢታቶም ባዕሎም ኪሽፍኑን ዜድልዮም ግዜ መጸ። የሱስ መስጐጕቲ ኸም ዜጋጥሞምን እቲ ዕዮ ስብከት ድማ ካብ እስራኤል ወጻኢ ኸም ዚሰፍሕን ኣብ ግምት ብምእታው “ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘለዎ ይማላእ: ከምኡውን ስንቂ” በሎም። (ሉቃስ 22:36) ነቲ ብስራት ንምንጋር ኪጓዓዙ ነበሮም: ኣብቲ ዝኸድዎ ኸኣ ዚዓርፍሉ ቦታ ናይ ግድን የድልዮም ነበረ።

“ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ”

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ዝሓሸ ሰላምን ጽርግያታትን: ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሕብረተሰብ ከም ድላዩ ንኺጓዓዝ ኣኽኢልዎ እዩ። a ብዙሓት ተጓዓዝቲ ብምንባሮም ብዙሕ መሕደር ኣጋይሽ ኣድለየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እተን ኣብ ደረት ጽርግያ ዚርከባ ኣብ መንጎአን መገዲ ሓደ መዓልቲ ዚኸውን ፍልልይ ዝነበረን መሕደር ኣጋይሽ ዓመራ። ይኹን እምበር: ዘ ቡክ ኦቭ ኣክትስ ኢን ኢትስ ግሪኮ-ሮማን ሴቲንግ ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብ ጽሑፋት ብዛዕባ እዘን መሕደር ኣጋይሽ ተጻሒፉ ዘሎ ነገራት ዜሐጕስ ኣይኰነን። ስነ-ጽሑፋውን ስነ-ጥንታዊ ርኽበታትን እቲ ሽዑ ዝነበረ መዕረፍ ኣጋይሽ ዝዓነወን ዘይንጹህን ከም ዝዀነ: ውሽጡ ኣቕሑ ዳርጋ ዘይብሉ ምዃኑ: እቲ ዓራት ትዃን ዝመልኦ: እቲ ምግብን መስተን ከኣ ሕማቕ ምዃኑ: እቶም ወነንትን ሰራሕተኛታትን ዘይኡሙናት: እቶም ዓማዊል ከኣ ብዕሉጋት ምዃኖም: ብሓፈሻ ርኽሰት ዚፍጸመሉ ዝነበረ ቦታ ምዃኑ እዩ ዜርኢ” በለት። ብስነ-ምግባር ጥዑይ ዝዀነ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኺዓርፍ ከም ዘይደሊ ርዱእ እዩ።

ስለዚ እምበኣር: ቅዱሳት ጽሑፋት ደጋጊሙ ክርስትያናት ተቐበልቲ ጋሻ ኪዀኑ ምትብባዑ ዜገርም ኣይኰነን። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት “ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ: ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:13) ነቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ከኣ “ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ: ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ብምባል ኣዘኻኸሮም። (እብራውያን 13:2) ጴጥሮስ እውን ንክርስትያናት ብጾቱ “ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ” በሎም።—1 ጴጥሮስ 4:9

ይኹን እምበር: ግሽነት ምቕባል ግቡእ ዘይኰነሉ ዅነታት እውን ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ “እቲ ጐቦ ዚዘብል: ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕ . . . ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ” በለ። (2 ዮሃንስ 9-11) ጳውሎስ ነቶም ዘይንስሑ ሓጥኣን ኣመልኪቱ ኸኣ “ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 5:11

ካብዚ ኸም እንርእዮ ጠበርትን ካልኦት ሰባትን ነዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ጽቡቕ ጠባይ ኪብለጹሉ ፈቲኖም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት እተጻሕፈት ዘ ዲዳቺ ወይ ከኣ ቲቺንግ ኦቭ ዘ ትወልቭ ኣፖስትልስ (ትምህርቲ እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት) ዘርእስታ መጽሓፍ: ንሓደ እናተጓዕዘ ዚሰብኽ ሰብ “ንሓደ ወይ ከኣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ንኽልተ መዓልቲ ጥራይ” ኬአንግድዎ ከም ዚግባእ ትገልጽ። ድሕሪኡ መገዱ ኪኸይድ ምስ ተበገሰ “ምግቢ ጥራይ ይቀበል . . . ገንዘብ እንተደኣ ሓቲቱ ግን ነብዪ ሓሶት እዩ” በለት። ቀጺላ ኸኣ “ኣብ ማእከልኩም ኪነብር እንተደኣ ደልዩ እሞ ኢደ-ጥበብ እንተለዎ: ሰሪሑ ይብላዕ። ዋላ ሓንቲ ሞያ እንተ ዘይብሉ ግን ክርስትያን ብምዃኑ ጥራይ ምእንቲ ኸየውዘኽዝኽ: ገለ ዚስራሕ ሃብዎ። ኪሰርሕ እንተ ዘይደልዩ ግን: እዚ ብስም ክርስቶስ ኪብለጽ እዩ ዚደሊ እሞ ካብኡ ተጠንቀቑ” ትብል።

ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣብተን ነዊሕ እተቐመጠለን ከተማታት ነቶም ኣብ ቤቶም እተቐበልዎ ሰባት ንኸይከብዶም ድንኳን እናሰፈየ ንርእሱ ዜድልዮ የማልእ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3፣ 2 ተሰሎንቄ 3:7-12) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም እንግዶት ዚግብኦም ተጓዓዝቲ እተማዕቊብ ደብዳበ ብምጽሓፍ ይሕግዝዎም ነበሩ። ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ ፌቤን ኣመልኪቱ “ንፌቤን ሓብትና: . . . ኤማዕቊበኩም አሎኹ . . . ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ: ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 16:1, 2

ተቐባሊ ጋሻ ብምዃን ዚርከብ በረኸት

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ሚስዮናውያን ዜድልዮም ዘበለ የሆዋ ኸም ዜማልኣሎም እምነት ነበሮም። እንተዀነ ግን: እቶም ክርስትያናት ብጾቶም ይቕበልዎም ነይሮም ድዮም፧ ሊድያ ንጳውሎስን ንኻልኦትን ኣብ ቤታ ተቐበለቶም። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ተቐመጠ። ኣብ ፊልጲ ሓደ ሓላው እሱራት ንጳውሎስን ንሲላስን ናብ ቤቱ ኣደዪቡ መኣዲ ቐረበሎም። ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ እንዳ ያሶን: ኣብ ቂሳርያ እንዳ ፊልጶስ: ካብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ ድማ እንዳ ምናሶን ኣተወ። ናብ ሮሜ ኺጐዓዝ ከሎ ኣብ ጱተዮሉስ ዝነበሩ ኣሕዋት ተቐበልዎ። እቶም ኣብ ቤቶም እተቐበልዎሲ ኸመይ ዝበለ ብመንፈስ ዚሃንጽ ግዜ ዀን እዮም ኣሕሊፎም ኪዀኑ ዘለዎም!—ግብሪ ሃዋርያት 16:33, 34፣ 17:7፣ 18:1-3፣ 21:8, 16፣ 28:13, 14

ፍሬድሪክ ኤፍ. ብሩስ ዚበሃል ሓደ ምሁር “እዞም ንጳውሎስ ኣዕሩኹን መተዓየይቱን ከምኡውን እተቐበልዎ ሰብኡትን ኣንስትን: ነቲ ንሱ ዜገልግሎ ጐይታኡ ዝነበረቶም ፍቕሪ እያ ንኺሕግዝዎ ዝደረኸቶም። ንዕኡ ምግልጋል: ንክርስቶስ ምግልጋል ማለት ከም ዝዀነ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ” በለ። ተቐባሊ ጋሻ ንምዃን ከመይ ዝበለ ግሩም ድራኸ እዩ!

ተቐባሊ ጋሻ ምዃን ኣብዚ ግዜ እዚውን የድሊ እዩ። ኣሕዋት በሽሓት ንዚቝጸሩ ገየሽቲ ተወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤቶም ይቕበልዎም እዮም። ገለ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ወጻኢታቶም ባዕሎም ሸፊኖም ናብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሓሓሊፉ ጥራይ ዚበጸሓሉ ቦታታት ይጐዓዙ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዋላኳ ቤትና ንእሽቶ ትኹን ተቐቢልና ምእንጋድ ብዙሕ ረብሓ የምጽኣልና። ቀሊል ምግቢ ብምቕራብ ጥራይ ዚግበር እንግዶት ንሓድሕድና “ንምጽንናዕ” ከምኡውን ነሕዋትናን ንኣምላኽን ዘላትና ፍቕሪ ንምግላጽ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (ሮሜ 1:11, 12) “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” እዩ እሞ እቶም ኣብ ቤቶም ኣጋይሽ ዚቕበሉ ዓስቢ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ100 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ 80,000 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ጽርግያ ኸም ዝነበረ ይግመት።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም ክርስትያናት “ንምቕባል ጋሻ ተቐዳደሙ”