ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እርጋን “ናይ ክብረት ዘውዲ” ኪኸውን ከሎ

እርጋን “ናይ ክብረት ዘውዲ” ኪኸውን ከሎ

‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’

እርጋን “ናይ ክብረት ዘውዲ” ኪኸውን ከሎ

ጓል 101 ዓመት ዝዀነት ምዩርየል እትበሃል ሰበይቲ “እቲ ዝበለጸ ህይወት እዩ” በለት። ወዲ 70 ዓመት ዝዀነ ቴዎዶሮስ ከኣ “ናይ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ” በለ። ማሪያ ኣብ 73 ዕድሜኣ “ንህይወተይ ካብዚ ብዝሓሸ መገዲ ኽጥቀመላ ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን” በለት። እዚኣቶም ኵላቶም ዕድሜኦም ምሉእ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምግልጋል ዘሕለፉ እዮም።

እዞም ኣረጋውያን እዚኣቶም ገለ ኻብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ንጡፋት ኣምለኽቲ የሆዋ እዮም። እርጋን ኰነ ጥዕና ምስኣን ከምኡውን ኣጸጋሚ ዅነታት: ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ካብ ምግልጋል ኣይዓገቶምን። ንኣምላኽ ውፉያት ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነታት እውን እዮም። የሆዋ ነቲ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዓቕሞም ድሩት ክነሱ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ክብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ። a2 ቈረንቶስ 8:12

መጽሓፍ መዝሙር እሙናት ኣረጋውያን ብዛዕባ ኺህልዎም ዚኽእል ዓይነት ህይወት ትገልጽ እያ። ኣረጋውያን ልክዕ ከምቲ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ዀይኑ ግን ከኣ ፍረ ዚፈርን ውቁብን ዓይነት ኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እሙናት ዝዀኑ ኺዝምር ከሎ “ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን” በለ።—መዝሙር 92:14

ገሊኦም ሰባት ብዕድመ ደፊኦም ሓይሎም ምስ ደኸመ ዕሽሽ ዚበሃሉን ዚግደሰሎም ዘይብሎምን ኰይኑ ይስምዖም። ዳዊት እውን “ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ: ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ: ኣይትሕደገኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ተማሕጺንዎ እዩ። (መዝሙር 71:9) ሓደ ሰብ ብግዜ እርግናኡ ዚዕምብብ ወይ ከኣ ዚጽምሉ ብኸመይ እዩ፧ ነታ ባህሪ ኣምላኽ ዝዀነት ጽድቂ ምስ ዜንጸባርቕ ኣብ ክንዲ ዚጽምሉ ይዕንብብ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 92:12

ኣብ ህይወቶም ንኣምላኽ ብእምነት ዜገልግሉ ሰባት ደሓር ምስ ኣረጉ እውን ጽቡቕ ፍረ ምፍራዮም ኣየቋርጹን እዮም። ንገዛእ ርእሶም ወይ ከኣ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዚገበርዎ ጻዕሪ ኸምቲ ዘርኢ ምስ ተዘርአ ጠጢዑ ዚስውት እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ ንሳቶምውን ጽቡቕ ውጽኢት ይረኽቡ። (ገላትያ 6:7-10፣ ቈሎሴ 1:10) ብኻልእ ወገን ግን እቶም ንመገድታት ኣምላኽ ሸለል ኢሎም ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ሰባት: ምስ ኣረጉ ብዙሕ ዜሐጕስ ውጽኢት ኣይረኽቡን እዮም።

ጽድቂ ጌጽ እርጋን ምዃኑ መጽሓፍ ምሳሌ ኽትገልጽ ከላ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ትብል። (ምሳሌ 16:31) እወ: ጽድቂ መግለጺ ውሽጣዊ ጽባቐ እዩ። ኣብ ህይወትካ ምሉእ ብመገዲ ጽድቂ ምምልላስ ክብረት የውህብ። (ዘሌዋውያን 19:32) ሽበት ብጥበብን ውርዝውናን ምስ ዝስነ ኸኣ ክብሪ እዩ ዜምጽእ።—እዮብ 12:12

የሆዋ በቲ ንዕኡ ንምግልጋል እነሕልፎ ቕኑዕ ህይወት ይሕጐስ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ [የሆዋ] እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም: ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ: ክጸውርን ከድሕንን እየ” ይብለና። (ኢሳይያስ 46:4) ሰማያዊ ኣቦና ንእሙናቱ ኣብ ግዜ እርግናኦም ንኺከናኸኖምን ንኺድግፎምን ከም እተመባጽዐ ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—መዝሙር 48:14

የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኣብ ምግልጋል ዚሓልፍ ህይወት ኣኽቢሩ ዚርእዮ ኻብ ኰነ: ካልኦት እውን ኣኽቢሮም ኪርእይዎዶ ኣይግባእን፧ ነቲ የሆዋ ንኣረጋውያን ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብምቕዳሕ: ንሕናውን ኣኽቢርና ንርኣዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) ስለዚ እምበኣር: ንኣረጋውያን ዜድልዮም ብምሕላይ ዝመጸ ነታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እነንጸባርቐላ ግብራዊ መገድታት ነናዲ።

ኣብ ግዜ እርጋን ናብ መገዲ ጽድቂ ምእታው

ሰሎሞን “ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት አላ” ብምባል የረጋግጸልና። (ምሳሌ 12:28) እርጋን ሓደ ሰብ ናብ መገዲ ጽድቂ ንኸይኣቱ ዕንቅፋት ኪዀኖ ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሞልዶቫ ሓደ 99 ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኮምዩኒዝም ንምድንፋዕ ውፉይ እዩ ነይሩ። ምስ ከም እኒ ቭላዲሚር ኢልየች ለኒን ዝኣመሰሉ ውሩያት መራሕቲ ኮምዩኒስት ብውልቂ ተራኺቡ ብምዝርራቡ ድማ ይሕበን ነበረ። ይኹን እምበር: ስርዓት ኮምዩኒዝም ምስ ወደቐ ዕላማን ኣንፈትን ህይወት ጠፍኦ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሕጂ ደቅሰብ ዘለዎም ሽግር ናይ ሓቂ መፍትሒ እተምጽኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣርኣይዎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ ንፉዕ ተመሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ። እቲ ዜሕዝን ግን ቅድሚ ምጥማቑ ሞት ቀደሞ።

ኣብ ሃንጋሪ እትነብር ጓል 81 ዓመት ዝዀነት ሓንቲ ሰበይቲ: ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምስ ተማህረት ምስቲ ብዘይመርዓ መጻምድታ ዝነበረ ሰብኣይ ክትምርዖ ኸም ዘለዋ ተረድኣ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣረኣእያ ኸኣ ነቲ ብጻያ ብትብዓት ነገረቶ እሞ ንሱ ኸኣ ንኺምርዓዋ ተሰማምዐ። መርዓኦም ሕጋዊ ድሕሪ ምግባሮም ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እትጅምር ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ኰነት: ቅሩብ ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት። ብርግጽ እምበኣር: ጽድቂ ንኣረጋውያን ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ!

እወ: እሙናት ኣረጋውያን ክርስትያናት የሆዋ ብሓቂ ኸም ዚግደሰሎም ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ጸኒዖም ዜገልግልዎ ፈጺሙ ኣይርስዖምን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ዋላ እኳ እንተ ኣረጉ ንኺመርሖምን ንኺከናኸኖምን ንኺድግፎምን ተመባጺዑ እዩ። ነተን ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ሓቂ ምዃነን የረጋግጹ።—መዝሙር 121:2 NW

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወርሒ ጥሪ/ለካቲት ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።”—ምሳሌ 16:31

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

የሆዋ ነቶም ኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓሊ

“ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር።”—ዘሌዋውያን 19:32

“ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም . . . እየ።” —ኢሳይያስ 46:4