ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እንታይ ሜላ ኢኺ እትጥቀሚ፧”

“እንታይ ሜላ ኢኺ እትጥቀሚ፧”

“እንታይ ሜላ ኢኺ እትጥቀሚ፧”

ኣደ ሰለስተ ቘልዑ ዝዀነት ምዩሪየል ደቃ ኣብ ሕክምና ቘጸራ ስለ ዝነበሮም ግዜኣ ተጻቢቡ ነበረ። ገዛ ተመሊሳ ጠዓሞቶም ሂባ ድሕሪኡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንኽትወስዶም እኹል ግዜ ስለ ዘይነበራ ናብ ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ቤት ምግቢ ሒዛቶም ኣተወት። ኣብቲ ቤት ምግቢ ድማ ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ ሰብኣይ ብምግራም ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ሓተታ።

ነቲ ዝኣዘዝዎ ምግቢ ኺውድእዎ ምስ ቀረቡ: ሓደ ሰብኣይ ናብ ምዩሪየል ቅርብ ኢሉ “ካብታ ዝኣተኹምላ እዋን ኣትሒዘ ኽዕዘበኩም እየ ጸኒሐ: በዚ ድማ ኣብ መንጎ ደቅኽን ኣብ መንጎ እቶም ወትሩ ዘጋጥሙኒ ቘልዑን ዓብዪ ፍልልይ ኣስተውዓልኩ። ካልኦት ቈልዑ ነቲ ሰደቓታትን መናብርን ብኸመይ ከም ዚጥቀምሉ ኽትርእዪ ትኽእሊ ኢኺ። ኣእጋሮም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ይሰቕልዎ: ነቲ መናብር ከኣ ይጐታትትዎ። ደቅኺ ግን ህዱኣትን እዱባትን እዮም። እንታይ ሜላ ኢኺ እትጥቀሚ፧” በላ።

ምዩሪየል “ኣነን ብዓል ቤተይን ስርዓታውያን ኴንና ምስ ደቅና መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ: ነቲ እተመሃርናዮ ድማ ኣብ ህይወትና ኽንዓየሉ ንጽዕር ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና” ኢላ መለሰትሉ። እቲ ሰብኣይ ድማ “ኣነ ኸኣ ኣይሁዳዊ እየ: ካብቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዝተረፍኩ እየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርኢ ኸለኹ እቲ ኣብ ጀርመን ዚበጽሖም ዝነበረ ስደት እዩ ዚዝከረኒ። ኣብኡውን እንተዀነ ፍሉያት እዮም ነይሮም። በዚ ናይ ደቅኺ ጠባይ ከኣ ኣዝየ እየ ተተንኪፈ። ስለዚ: ንሃይማኖትኩም ክምርምሮ ኼድልየኒ እዩ” በላ።

መጽሓፍ ቅዱስ ቈልዑ ንምዕባይ ዚሕግዝ ኣዝዩ ዚነኣድ መምርሒ መጽሓፍ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ሰባት ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መምርሒ ኺጥቀሙ ንኺሕግዝዎም ፍቓደኛታት እዮም። እምበኣር ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ምላሽ ንኽትህበሉ ተሓጒስና ንዕድመካ።