ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

ህዝቡ ዝባኖም ኣብ ዚመልሱሉን ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ኣብ ዚጅምርሉን እዋን የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ብተደጋጋሚ ምእዛዝ እንተ ኣብዮምዎን ኪጸቦም ከሎ ጥራይ ናብኡ ዚምህለሉ እንተ ዀይኖምከ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዚወስድ፧ የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እውን ከይተረፈ የድሕኖም ድዩ፧ መጽሓፍ መሳፍንቲ ነዝን ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን ትምልስ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ነብዪ ሳሙኤል ብ1100 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ጽሒፉ ዝዛዘማ ኽትከውን ከላ: ናይ 330 ዓመት ዚኸውን ፍጻመታት: ማለት ካብ ሞት እያሱ ኽሳዕ እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነገሰሉ እዋን ዝነበረ ታሪኽ ዝሓዘት እያ።

መጽሓፍ መሳፍንቲ ኽፍሊ እቲ መስለጢ ዝዀነ ቓል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ከም ምዃና መጠን ንዓና ብዙሕ እያ እትጠቕመና። (እብራውያን 4:12) እቲ ኣብኣ ተመዝጊቡ ዘሎ ዜደንቕ ጸብጻባት ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ የረድኣና። እቲ ኻብቲ ጸብጻባት እንወስዶ ትምህርቲ ንእምነትና የደልድሎ: ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተባሂላ ዘላ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም እትርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጽኒዕና ንኽንሕዛ ኸኣ ይሕግዘና። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዝገበሮ ተግባራት: ነቲ ኣብ መጻኢ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚፍጽሞ ዝዓበየ ምድሓን መርኣዪ እዩ።

መሳፍንቲ ንምንታይ ኣድለዩ፧

(መሳፍንቲ 1:1–3:6)

ነገስታት ከነኣን ብመሪሕነት እያሱ ምስ ተሳዕሩ: ነገዳት እስራኤል በብውልቆም ናብ ርስቶም ከይዶም ነታ ምድሪ ወረስዋ። ይኹን እምበር: ነቶም ተቐማጦ እታ ምድሪ ኣየልቀቕዎምን። እዚ ኸኣ መፈንጠራ ዀኖም።

እቲ ድሕሪ እያሱ ዝመጸ ወለዶ “ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብ[ርን] ዘይፈልጥ” እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 2:10) ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ህዝቢ ምስ ከነኣናውያን ተኣታተወ: ንኣማልኽቶም ድማ ኣገልገለ። ስለዚ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ሃቦም። ደቂ እስራኤል ጭቈና ምስ ከበዶም ግን ሓገዝ ደልዮም ናብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተማህለሉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃዋሁ: የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ጸላእቶም ንኼድሕንዎም መሳፍንቲ ብተኸታታሊ ኣተንስኣሎም።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:2, 4—ይሁዳ ነታ ብጽሒቱ ምድሪ ዚርስተ ናይ መጀመርታ ነገድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ንቡር እንተ ዀይኑ: እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ነቲ በዅሪ ያእቆብ ዝዀነ ነገድ ሮቤል እዩ ኺወሃብ ነይርዎ። ያእቆብ ኪመውት ከሎ ኣብ እተዛረቦ ትንቢት ግን ሮቤል ከም በዅሪ መጠን ዝነበሮ መሰል ከም ዘጥፍአ ገሊጹ ነይሩ። እቶም ብጭከና ስጕምቲ ዝወሰዱ ስምኦንን ሌዊን ከኣ ኣብ መላእ እስራኤል ኪብተኑ ነበሮም። (ዘፍጥረት 49:3-5, 7) ስለዚ: ቀጺሉ እቲ ራብዓይ ወዲ ያእቆብ ዝዀነ ይሁዳ እዩ ነይሩ። እቲ ምስ ይሁዳ ንውግእ ዝደየበ ስምኦን ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ይሁዳ ንኣሽቱ እተበታተነ ርስቲ ረኸበ። aእያሱ 19:9

1:6, 7—ዓብዓባይቶ ኢደ እግሪ እተሳዕሩ ነገስታት ዚቝረጽ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ዓብዓባይቶ ኢደ እግሩ እተቘርጸ ሰብ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ልሙስ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ብዘይ ዓብዓባይቶ ኢድ ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ሓደ ወተሃደር ሰይፊ ወይ ኲናት ኪሕዝ ዚኽእል፧ ዓብዓባይቶ እግሩ እተቘርጸ ኸኣ ሚዛኑ ኺሕሉ ኣይክእልን እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:10-12 ‘ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምእንቲ ኸይንርስዕ’ ኣዘውቲርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ኣሎና። (መዝሙር 103:2) ወለዲ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ደቆም ኪሰርጹ ኣለዎም።—ዘዳግም 6:6-9

2:14, 21, 22 የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ህዝቡ ብዕላማ: ማለት ምእንቲ ኪቐጽዖምን ኬጽርዮምን ናብኡ ኺምለሱ ኺድርኾምን ኢሉ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥሞም ይፈቅድ እዩ።

የሆዋ መሳፍንቲ ኣተንስአ 

(መሳፍንቲ 3:7–16:31)

እቲ ብዛዕባ ጅግንነት እቶም መሳፍንቲ ዚገልጽ ዚምስጥ ጸብጻብ: በቲ ነቲ ንሸሞንተ ዓመት ዝቐጸለ መግዛእቲ ንጉስ መሶጶታምያ ኸም ዜብቅዕ ዝገበሮ ዖትኒዔል እዩ ዚጅምር። ኤሁድ ብትብዓት ብዘውጽኦ ስልቲ ተጠቒሙ ነቲ ኸሪሹ ዝነበረ ዓጌሎን ንጉስ ሞኣብ ቀተሎ። እቲ ጅግና ሻምጋር ከኣ ንበይኑ ብስላዕ ብዕራይ ገይሩ 600 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ባራቅ በቲ እታ ነብዪት ዝነበረት ዴቦራ ዝሃበቶ ምብርታዕን ብደገፍ የሆዋን ተተባቢዑ: ምስቶም ብዙሕ ኣጽዋር ዘይብሎም ዓሰርተ ሽሕ ዝዀኑ ሰቡ ብምሕባር ንሓያል ሰራዊት ሲሰራ ሰዓሮ። የሆዋ ንጊዴዎን ኣተንስኦ: ንዕኡን ነቶም 300 ሰቡን ከኣ ኣብ ሚድያናውያን ዓወት ሃቦም።

የሆዋ ብይፍታሕ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ካብ ደቂ ዓሞን ኣድሓኖም። ቶላ: ያኢር: ኢብጻን: ኤሎን: ከምኡውን ዓብዶን ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚፈርዱ ዝነበሩ ዓሰርተ ኽልተ መሳፍንቲ እዮም ነይሮም። ዘመነ መሳፍንቲ በቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን እተቓለሰ ሲምሶን ተዛዘመ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

4:8—ባራቅ ንነብዪት ዴቦራ ምስኡ ናብቲ ዓውዲ ዂናት ክትከይድ ግዲ ዝበላ ስለምንታይ እዩ፧ ባራቅ ምስ ሰራዊት ሲሰራ ንምውጋእ በይኑ ንምኻድ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። እታ ነብዪት ምስኡ ምኻዳ ንዕኡ ዀነ ንሰቡ መሪሕነት ኣምላኽ ከም ዘለዎም የረጋግጸሎም: ምትእምማን ድማ ይውስኸሎም ነበረ። ባራቅ ንዴቦራ ምስኡ ኽትከይድ ግዲ ምባሉ እምበኣር ምልክት ድኽመት ዘይኰነስ ሓያል እምነት ከም ዘለዎ እዩ ዜርኢ።

5:20—ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ንባራቅ ደጊፎም እተዋግኡ ብኸመይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኺብል ከሎ ባራቅ ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ተዋሂብዎ እንተ ዀይኑ: ናይ ሲሰራ ሰብ ጥበብ ሕማቕ ፋል ኢሎም ዝተርጐምዎ ዝወደቐ ፍንጫላት ከዋኽብቲ እንተ ነይሩ: ወይ ምናልባት ንሲሰራ ብቘጸርቲ ኸዋኽብቲ እተነግሮ ትንቢት ጌጋ ነይሩ እንተ ዀይኑ ኣይሕብርን እዩ። በዚ ዀነ በቲ ኣምላኽ ኢዱ ኸም ዘእተወ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

7:1-3፣ 8:10—የሆዋ እቶም 32,000 ሰብ ጊዴዎን ምስቶም 135,000 ሰራዊት ጸላኢ ኺነጻጸሩ ኸለዉ እምብዛ በዚሑ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንጊዴዎንን ንሰቡን ዓወት ይህቦም ስለ ዝነበረ እዩ። ንሚድያናውያን ብብርታዐኦም ከም ዝሰዓርዎም ገይሮም ከይሓስቡ ስለ ዝደለየ እዩ።

11:30, 31—ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ: ሰብ መስዋእቲ ንምግባር ድዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ እቲ ሕጊ “ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ . . . ኣባኻ ኣይረኸብ” ስለ ዚብል: ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ይፍታሕ ፈጺሙ ኣይነበረን። (ዘዳግም 18:10, 11adj.) ይኹን እምበር: ይፍታሕ ብዛዕባ እንስሳ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ኣብ ቤት እስራኤላውያን ኣይቕመጡን እዮም ነይሮም። እንስሳ ምስዋእ ከኣ ሓለፍ ዝበለ ነገር ኣይኰነን። ይፍታሕ ካብ ቤቱ ኽትቅበሎ እትወጽእ ጓሉ ኽትከውን ከም እትኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሳ “ንዚሓርር መስዋእቲ” ኽትከውን ኪበሃል ከሎ ኸኣ ኣብ መቕደስ የሆዋ ንሓዋሩ ውፍይቲ ዀይና ኸተገልግል ማለት እዩ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:10 ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዓወት ዚርከብ: ብሰብኣዊ ጥበብ ዘይኰነስ ብመንፈስ የሆዋ እዩ።—መዝሙር 127:1

3:21 ኤሁድ ንሰይፉ ብምልከትን ብትብዓትን ይጥቀመላ ነበረ። ንሕናውን ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ኣብ ምጥቃም ክእለት ከነጥሪ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ንቕዱሳት ጽሑፋት ክንጥቀመሉ ኣሎና ማለት እዩ።—ኤፌሶን 6:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:15

6:11-15፣ 8:1-3, 22, 23 ትሕትና ጊዴዎን ሰለስተ ኣገዳሲ ነገራት ይምህረና:- (1) ሓደ ናይ ኣገልግሎት መሰል ኪቐርበልና ኸሎ: ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዚርከብ ተፈላጥነት ወይ ክብረት ኣብ ክንዲ ምሕሳብ: ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ክንሓስብ ኣሎና። (2) ምስቶም ባእሲ ዚደልዩ ኣብ ዘሎና ርክብ: ትሕትና ምንጽብራቕ ጥበባዊ እዩ። (3) ትሕትና ኣብ ስልጣን ንኸይነተኵር ተዕቍበና።

6:17-22, 36-40 ‘ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኸይንኣምን’ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ክንድኡስ ‘እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም ክንምርምር ኣሎና።’ (1 ዮሃንስ 4:1) ሓደ ሓድሽ ክርስትያን ሽማግለ እቲ ኺህቦ ዚሓስቦ ምኽሪ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም እተመርኰሰ ንምርግጋጽ: ንዝያዳ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ኼማኽር ኣለዎ።

6:25-27 ጊዴዎን ንተጻረርቱ ብዘየድሊ ምኽንያት ንኸየቘጥዖም ምስትውዓል ተጠቕመ። ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና: በዘራርባና ብዘየድሊ ነገር ንሰባት ከይነቘጥዕ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

7:6 ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዝመጸ: ከምቶም 300 ሰብ ጊዴዎን ጥንቁቓትን ንቑሓትን ክንከውን ኣሎና።

9:8-15 ብትዕቢት ስጕምቲ ምውሳድን ስልጣን ንምርካብ ምህራፍን ዕሽነት እዩ!

11:35-37 ይፍታሕ ንጓሉ ድልድልቲ እምነትን ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈስን ከም እተማዕብል ብምግባር ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ እዩ። ሎሚውን ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዓይነት ኣብነት ኪዀንዎም ይኽእሉ እዮም።

11:40 ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብፍታው ዚዓዪ ሰብ ምስ እንንእዶ ይተባባዕ እዩ።

13:8 ወለዲ ንደቆም ኪምህሩ ኸለዉ: ካብ የሆዋ መምርሒ ንምርካብን ነቲ መምርሒ ንምስዓቡን ኪጽልዩ ኣለዎም።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

14:16, 17፣ 16:16 ብብኽያትን ኛኽ ብምባልን ጸቕጢ ምግባር ንርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል።—ምሳሌ 19:13፣ 21:19

ኣብ እስራኤል እተፈጸመ ኻልእ በደላት

(መሳፍንቲ 17:1–21:25)

እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል መጽሓፍ መሳፍንቲ ኽልተ ዜደንቕ ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ። እቲ ቐዳማይ ብዛዕባ ሓደ ሚካ ዚበሃል ሰብኣይ ኪኸውን ከሎ: እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤቱ ጣኦትን ካህን ዚዀኖ ሌዋውን ገበረ። ደቂ ዳን ንኸተማ ላይሽ ወይ ለሼም ድሕሪ ምድምሳስ: ናይ ርእሶም ከተማ ሃኒጾም ዳን ኢሎም ሰመይዋ። በቲ ጣኦትን ካህንን ሚካ ኣቢሎም ከኣ ካልእ ዓይነት ኣምልኾ ኣብ ዳን ኣቘሙ። ላይሽ ቅድሚ ሞት እያሱ ተታሒዛ ኽትከውን ኣለዋ።—እያሱ 19:47

እቲ ኻልኣይ ፍጻመ ድሕሪ ሞት እያሱ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተፈጺሙ። ገሊኦም ኣብታ ጊብዓ እትበሃል ከተማ ብንያማውያን ዝነበሩ ሰባት ከቢድ ጾታዊ ርኽሰት ብምፍጻሞም: ዳርጋ ብምሉኡ ነገድ ብንያም ጠፊኡ ነይሩ። 600 ጥራይ ዝዀኑ ተረፉ። ይኹን እምበር: ኣንስቲ ንኺረኽቡ ጽቡቕ ምድላው ስለ እተገብረሎም: ቍጽሮም ብምውሳኽ ዳዊት ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ኣስታት 60,000 ተዋጋእቲ ዀይኖም ነበሩ።—1 ዜና መዋእል 7:6-11

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

17:6፣ 21:25—‘ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር እንተ ነይሩ:’ እዚ ፋሉልነት ደይኰነን ዜተባብዕ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ እኹል ምድላዋት ገይሩ ነበረ። መገድታቱ ምእንቲ ኺመሃሩ: ሕግን ክህነትን ሂብዎም ነበረ። እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ኣገዳሲ ጕዳይ ብኡሪምን ቱሚምን ኣቢሉ ንኣምላኽ ኪሓቶ ይኽእል ነበረ። (ዘጸኣት 28:30) ነፍሲ ወከፍ ከተማ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ ሽማግለታት ነበርዋ። ሓደ እስራኤላዊ ኻብዚ ምድላዋት እዚ ምስ ዚጥቀም: ንሕልናኡ ጽቡቕ መምርሒ እዩ ዚረክብ። በዚ ኸምዚ “እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ” ምግባሩ: ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ነበረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ሓደ ሰብ ነቲ ሕጊ ዕሽሽ እንተ ኢልዎን ብዛዕባ ኣካይዳኡን ኣምልኾኡን ብርእሱ ውሳነታት እንተ ገይሩን ሕማቕ ፍረ እዩ ዜፍሪ ነይሩ።

20:17-48—ብንያማውያን ኪቕጽዑ እኳ እንተ ነበሮም: የሆዋ ነቶም ዝተረፉ ነገዳት ክልተ ሳዕ ኪስዕርዎም ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም እሙናት ነገዳት ፈለማ ብዙሕ መስዋእቲ ኸም ዚኸፍሉ ብምግባር: ነቲ እከይ ካብ እስራኤል ንምምሓው ዘለዎም ቈራጽነት ፈተኖ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

19:14, 15 ሰብ ጊብዓ ኣጋይሽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ቅኑዓት ሰባት ዘይምንባሮም ዚሕብር እዩ። ክርስትያናት “ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ።—ሮሜ 12:13

ብሕጂ ዚመጽእ ድሕነት

ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን እታ ክርስቶስ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም ከተጥፍኣ ኸምኡውን ንቕኑዓትን ንፍጹማትን ከተድሕኖም እያ። (ምሳሌ 2:21, 22፣ ዳንኤል 2:44) ‘ኵሎም ጸላእቲ የሆዋ ኺጠፍኡ እዮም: እቶም ዚፈትውዎ ግና: ከም ጸሓይ ብሓይላ: ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ኪደምቁ እዮም።’ (መሳፍንቲ 5:31) እምበኣር ነቲ ኻብ መጽሓፍ መሳፍንቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ካብቶም ንየሆዋ ዚፈትዉዎ ንኹን።

ኣብ ጸብጻባት መሳፍንቲ ብተደጋጋሚ ዚርአ ዘሎ መሰረታዊ ሓቂ: የሆዋ ዝኣዘዘና ምሕላው ብዙሕ በረኸት ኬምጽእ ከሎ: ትእዛዛቱ ዘይምሕላው ግን ሕማቕ ሳዕቤናት ኣለዎ። (ዘዳግም 11:26-28) ነቲ እተገልጸልና ፍቓድ ኣምላኽ ‘ካብ ልቢ እዙዛት’ ክንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!—ሮሜ 6:17፣ 1 ዮሃንስ 2:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሌዋውያን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ብዘይካ እተን ኣብ ምሉእ እስራኤል ፋሕ ኢለን ዚርከባ 48 ከተማታት ርስቲ ኣይተዋህቦምን።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

“ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም።”—መሳፍንቲ 2:16

መሳፍንቲ

1. ዖትኒኤል

2. ኤሁድ

3. ሻምጋር

4. ባራቅ

5. ጊዴዎን

6. ቶላ

7. ያኢር

8. ይፍታሕ

9. ኢብጻን

10. ኤሎን

11. ዓብዶን

12. ሲምሶን

ዳን

ምናሴ

ንፍታሌም

ኣሴር

ዛብሎን

ይሳኮር

ምናሴ

ጋድ

ኤፍሬም

ዳን

ብንያም

ሮቤል

ይሁዳ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ባራቅ ንዴቦራ ምስኡ ናብ ዓውዲ ዂናት ክትከይድ ግዲ ብምባል ዝገበሮ ተግባር እንታይ ተማሂርካ፧