ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኽብርቲ፧

ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኽብርቲ፧

ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኽብርቲ፧

ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኣብ ኣውሮጳ ኺሃልቕ ከሎ: ኣብ ኣንታርክቲካ ህይወት ንምድሓን ዜደንቕ ጻዕሪ ይግበር ነይሩ። ኤርነስት ሻክለተን ዚበሃል ብሪጣንያዊ ዳህሳስን ብጾቱን እታ ኢንዱራንስ እትበሃል መርከቦም ምስ ከውሒ በረድ ተጋጭያ ምስ ሰጠመት ኣብ ሽግር ኣተዉ። ሻክለተን ነቶም ሰቡ ናብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ እትርከብ ኤለፋንት እትበሃል ደሴት መርሖም። እንተዀነ ግን: ኣብኣ ምስ ኣተዉ ሰብ ስለ ዘይነብራ: ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሓደገኛ ዅነታት ኣይደሓኑን።

ሻክለተን እቲ እንኮ ተስፋ ምድሓኖም ካብቲ ኣብ ሳውዝ ጆርጅያ እትበሃል ዓሳ ኣንበሪ ዚተሓዘላ ነቝጣ ሓገዝ ምርካብ ምዃኑ ኣስተውዓለ። እዚ ቦታ እዚ 1,100 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቑ ዚርከብ ኰይኑ: ካብታ ኢንዱራንስ እትበሃል መርከብ ዘትረፋ ህይወት ንምድሓን እተገልግል 6.7 ሜተር ዝምንዋሓ ጃልባ ጥራይ እያ ኸኣ ነይራቶም። ጽቡቕ ተስፋ ኣይነበሮምን።

ሻክለተንን ሒደት ካብቶም ሰቡን ን17 መዓልቲ ብዙሕ ስቓይ ድሕሪ ምሕላፍ: ብ10 ግንቦት 1916 ኣብ ሳውዝ ጆርጅያ በጽሑ: ኵነታት እቲ ባሕሪ ጽቡቕ ብዘይምንባሩ ግን ብኣንጻር እቲ ዝሓሰቡሉ ቦታ እዮም ናብታ ደሴት ኣትዮም። ስለዚ: ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ ንኺበጽሑ ቕድሚኡ ተሰጊሩ ዘይፈልጥ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራን ዝመልአ 30 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሑ ጕዕዞ ኺገብሩ ነበሮም። ኣዝዩ ብርቱዕ ቍሪ እኳ እንተ ነበረ: ከምኡውን እኹል መሕኰሪ መሳርሒታት እኳ እንተ ዘይነበሮም: ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ: ሻክለተን ከኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ደሴት ኤለፋንት ሓዲግዎም ዝኸደ ሰቡ ኣድሓኖም። ክሳዕ ክንድዚ ዝጸዓረ ግን ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ታሪኽ ህይወት ዚጽሕፍ ሮላንድ ሃንትፎርድ “ንዅሎም ሰቡ ኼድሕኖም ጥራይ እዩ ዚደሊ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

“ሓደ እኳ ኣይተርፍን”

እቶም ኣብታ “ኻብ ጫፍ ናብ ጫፍ 30 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሓ ኣኻውሕን በረድን ዝመልአት ተስፋ እተቝርጽን ሰብ ዘይከዳን ደሴት” ተዀርምዮም ዚጽበዩ ዝነበሩ ብጾት ሻክለተን ተስፋ ንኸይቀብጹ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እቲ መራሒኦም ንኼድሕኖም ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚሕሉ ዝነበሮም ምትእምማን እዩ።

ሎሚውን ወድሰብ ምስቶም ኣብ ደሴት ኤለፋንት ተሓይሮም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት እዩ ዘሎ። ሓያሎ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ዘለዉ: ነዛ ንምንባር እውን ብዙሕ ቃልሲ እዮም ዚገብሩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ “ንሽጉር” ካብ ጭቈናን ጸበባን ‘ከም ዜድሕኖ’ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም። (እዮብ 36:15) ኣምላኽ ንህይወት ኵሎም ሰባት ኣኽቢሩ ኸም ዚርኢ ተኣማመን። እቲ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ “ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ: ኣነ ኸናግፈካ እየ” በለ።—መዝሙር 50:15

ፈጣሪ ኻብ መንጎ እዞም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ሰባት ንዓኻውን ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ምእማኑ ዜጸግም ኰይኑዶ ተሰሚዑካ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ: ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቢልዮናት ጋላክስታት ዚርከብ ብቢልዮናት ዚቝጸር ከዋኽብቲ እንታይ ከም ዝበለ ኣንብብ:- “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”—ኢሳይያስ 40:26

እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዲኡካዶ፧ እዚ ዘለናሉ ስርዓተ-ጸሓይ ዚርከቦ ጸባዊ መገዲ ዚበሃል ጋላክሲ እንተ ወሓደ 100 ቢልዮን ዝዀኑ ኸዋኽብቲ ኣለዎ። ንምዃኑ ኽንደይ ጋላክስታትከ ኣሎ፧ ብርግጽ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጦን እዩ። ገሊኦም ግን 125 ቢልዮን ጋላክስታት ከም ዘሎ ይግምቱ። እምበኣር: ብዝሒ ኸዋኽብቲ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! ኰይኑ ግን: እቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ ንነፍሲ ወከፍ ኰዀብ ብስሙ ኸም ዚፈልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

“ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን”

ገሊኦም ሰባት ‘ኣምላኽ ንኣስማት ብቢልዮናት ዚቝጸር ከዋኽብቲ ወይ ንኣስማት ብቢልዮናት ዚቝጸር ሰባት ምፍላጡ ጥራይ: ብብሕቲ ኸም ዚሓልየሎም ዜመልክት ኣይኰነን’ ይብሉ ይዀኑ። ሓንቲ እኹል መመዝገቢ ቦታ ዘለዋ ኮምፕዩተር እውን ኣስማት ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ክትምዝግብ ትኽእል እያ። ንዋላ ሓደ ኻብኦም ከም ዘይትግደሰሎም ግን ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ኣምላኽ ኣስማት ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዚፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ: ብብሕቲ ኸም ዚሓልየሎም እውን ይነግረና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 5:7

የሱስ ክርስቶስ “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” በለ። (ማቴዎስ 10:29-31) ኣብዚ የሱስ ነዕዋፍ ኰነ ንሰባት ብዛዕባ ዜጋጥም ነገር ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ ጥራይ ከም ዘይበለ ኣስተውዕል። “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም” በለ። ስለምንታይ ኢና ኻባታተን እንበልጽ፧ ምኽንያቱ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ኢና ተፈጢርና: እዚ ማለት ከኣ ነቲ ብሉጽ ባህርያቱ ዜንጸባርቕ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ባህርያት ክንኵስኵስን ከነማዕብልን ንኽእል ኢና ማለት እዩ።—ዘፍጥረት 1:26, 27

“ብምስትውዓል እተገብረ እዩ”

በቲ እቶም ፈጣሪ የልቦን ዚብሉ ሰባት ዚዛረብዎ ዘረባ ኣይትታለል። ከምቲ ንሳቶም ዚብልዎ እንተ ዀይኑ: ሓደ ኣካል ኰነ ባህሪ ዘይብሉ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ በጋጣሚ እዩ ፈጢሩካ። “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም እተፈጠርካ ዘይኰነስ: ካብ ካልኦት ኣብዛ ዓለም ዚርከቡ እንስሳታት: እንተላይ ካብ ኣዕዋፍ: ከም ዘይትበልጽ እዮም ዚዛረቡ።

ህይወት በጋጣሚ እዩ መጺኡ ዚብል ኣተሓሳስባ ይወሓጠልካ ድዩ፧ ማይክል ጀይ. ቢሂ ዚበሃል ብዛዕባ ሞለኲላት ዜጽንዕ ናይ ስነ-ህይወት ምሁር: ነቲ ብህይወት ንምቕጻል ዜኽእል “ዜደንጹ እተሓላለኸ ባዮከሚካላዊ መስርሕ” ክትርኢ ከለኻ: ህይወት በጋጣሚ እዩ መጺኡ ዚብል ሓሳብ ርትዓዊ ዘይምዃኑ ኸም ዜነጽር ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን እቲ ኣብዚ ዓውዲ ፍልጠት እዚ እተረኽበ መርትዖ: “ኣብ ምድሪ ዚርከብ ኣዝዩ መሰረታዊ ዚበሃል ህይወት እኳ ኸይተረፈ ብምስትውዓል እተገብረ እዩ” ናብ ዚብል መደምደምታ ኸም ዚመርሕ ሓበረ።—ዳርዊንስ ብላክ ቦክስ—ዘ ባዮከሚካል ቻለንጅ ቱ ኢቮሉሽን

መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ህይወት ብምስትውዓል ከም እተገብረ እዩ ዚምህረና። ምንጪ እዚ ዅሉ ብምስትውዓል እተገብረ ንጥፈታት ከኣ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ይሕብረና።—መዝሙር 36:9፣ ራእይ 4:11

ኣብዛ ስቓይን መከራን ዝመልኣ ዓለም ንነብር ምዃንና: ንምድሪ ዀነ ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ህይወት ፈጣርን ነዳፍን ከም ዘለዎ ኻብ ምእማን ኬጓናድበካ የብሉን። ክልተ መሰረታዊ ሓቅታት ኣይትረስዕ። ቀዳማይ: ኣምላኽ ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ዘይፍጽምና ኣይነደፎን። ካልኣይ ከኣ ፈጣሪና ነዚ ዅነታት እዚ ንግዜኡ ኪቕጽል ዘፍቀደሉ እኹል ምኽንያት ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝወጸ ሕታማት እዛ መጽሔት እዚኣ ብተደጋጋሚ ኸም እተገልጸ: የሆዋ ኣምላኽ እከይ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ እዩ ኺህሉ ዘፍቀደ። እዚ ዝገበረ እውን እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንልዑላውነቱ ኣብ ዝነጸጉሉ እዋን ንእተላዕለ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ንምግባር እዩ። aዘፍጥረት 3:1-7፣ ዘዳግም 32:4, 5; መክብብ 7:29፣ 2 ጴጥሮስ 3:8, 9

‘ነቲ ዚጠርዕ ድኻ ኼናግፎ እዩ’

እዚ ንብዙሓት ሰባት ዜሳቒ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ: ህይወት ግን ክብርቲ ውህበት እያ። ንምዕቃባ ድማ ዝከኣለና ዅሉ ኢና እንገብር። እታ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኺህበና እተመባጽዓልና ህይወት: ከምቲ ሻክለተንን ሰቡን ኣብ ደሴት ኤለፋንት ዝጸዓርዎ ኣብ ስቓይ ዝመልኦ ዅነታት ብህይወት ንምቕጻል ዚግበር ጻዕሪ ኣይኰነትን። ዕላማ ኣምላኽ ካብዚ ስቓይን ከንቱነትን ብምድሓን ነቲ መጀመርታ ንፍጥረት ደቅሰብ ዝሓለነሎም “ናይ ሓቂ ህይወት” ክንረክብ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ብምዃንና: ኣምላኽ ነዚ ኺገብሮ እዩ። እቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ኻብ ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ በጃ ንኪኸፍለልና ምድላው ገበረ። (ማቴዎስ 20:28) የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ።—ዮሃንስ 3:16

ኣምላኽ ነቶም ሕጂ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ስቓይን ጭቈናን ዜጋጥሞም እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓሉ ብዛዕባ ወዱ ኸምዚ ይብል:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ [እዩ]።” ከምዚ ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: “ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ።—መዝሙር 72:12-14

ንሓያሎ ዘመናት: ወድሰብ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣትን ሞትን እዩ ጸኒሑ። ብብዙሕ ስቓይን መከራን ከም “ዜስቈርቍር” እውን እዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣምላኽ ነዚ ዘፍቀደ ነቲ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዜዐርዮ ስለ ዚፈልጥ እዩ። (ሮሜ 8:18-22) ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ እቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቱ ኣቢሉ ‘ንዅሉ ኬቕንዖ’ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:21፣ ማቴዎስ 6:9, 10

እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተሳቐዩን ዝሞቱን ሰባት ዚረኽብዎ ትንሳኤ ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ድሕሪ ሓጺር እዋን ህይወት “ምስ ተረፉ:” ማለት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ስቓይን መከራን ዘይብሉ ፍጹም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃንስ 10:10፣ ራእይ 21:3-5) ህያው ዘበለ ዅሉ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ኬስተማቕራ: ነቶም “ብመልክዕ ኣምላኽ” እተፈጥሩ ፍሉያት ዚገብሮም ዜደንቕ ባህርያትን ክእለታትን ድማ ኬማዕብል እዩ።

ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ መብጽዓ ኽትረኽቦ ዲኻ፧ እዚ ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ። ነዚ ዅሉ በረኸት ምእንቲ ኽትረክብ: ኣምላኽ ዝገበረልካ ምድላዋት ክትጥቀመሉ ንምሕጸነካ። እቶም ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ንምግባር ኪሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብቲ “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧” ዚብል ምዕራፍ 8 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዝነበሩ ብጾት ሻክለተን: ንኼድሕኖም ዝኣተወሎም መብጽዓ ኸም ዚሕሉ ርግጸኛታት ነበሩ

[ምንጪ ስእሊ]

© CORBIS

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

“ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም”