ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ምስዓብ

ሎሚ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ምስዓብ

ሎሚ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ምስዓብ

“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።”ማቴዎስ 24:14

1, 2. (ሀ) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧ (ለ) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ግቡእ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልዎም የሱስ እንታይ ገበረ: እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧

 የሱስ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ኣይሁድ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓያል ተገዳስነት ነበሮም። (ማቴዎስ 3:1, 2፣ 4:23-25፣ ዮሃንስ 1:49) ፈለማ ግን ግዝኣታ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑን ስልጣና ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም። ሰማያዊት መንግስቲ ኸም እትኸውን እውን ኣይፈለጡን ነይሮም። (ዮሃንስ 3:1-5) ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ እውን ከይተረፉ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነት ወይ ምስ ክርስቶስ ገዛእቲ ንምዃን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም።—ማቴዎስ 20:20-22፣ ሉቃስ 19:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምስዓብ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ብምሕባር ብዓቕሊ ሓያሎ ትምህርትታት መሃሮም። ኣብቲ ትምህርትታቱ ኸምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ ጠቐሰ። (ማቴዎስ 6:33፣ 13:45, 46፣ ሉቃስ 13:23, 24) ከምቲ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብንጹር ዚሕብሮ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚሰብኩ ዘይደኽሙን ተባዓትን ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ስለ ዘርኣዩ: እቲ የሱስ ዝመሃሮም ትምህርቲ ልቦም ተንኪፍዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ቈሎሴ 1:23

3. የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዚፍጸም ነገር እንታይ በለ፧

3 ሎሚኸ፧ ብዛዕባ በረኸታት እታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ገነታዊት ምድሪ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ይስበኽ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” ኣብ እተነበዮ ኣገዳሲ ትንቢት: ፈልዩ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 14፣ ማርቆስ 13:10) እዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን ከቢድ ዕንቅፋታትን ጸገማትን: ሕሉፍ ሓሊፉውን መስጐጕቲ ኸም ዜጋጥም ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር: “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ብምባል መረጋገጺ ሃበ። (ማቴዎስ 24:9-13) ነዚ ዅሉ ተዓጊስካ ንምሕላፍ ከምቲ እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ ዘርኣዮ: ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ተወፋይነትን ይሓትት። ኣብዚ ግዜና ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስዓብ ዝመጸ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት እምነትን ቅንኣትን ዜንጸባርቑ ሰባት ኣለዉዶ፧

ሓቂ ምርካብ ዜምጽኦ ሓጐስ

4. ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ሎሚ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኣለዋ፧

4 እቲ የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝጠቐሶ ነጋዳይ “ክብርቲ ዕንቊ” ምስ ረኸበ ተሓጐሰ። እቲ ሓጐስ እቲ ኸኣ ነታ ዕንቊ ንምጥራይ ዚከኣሎ ዅሉ ንኺገብር ደረኾ። (እብራውያን 12:1) ሎሚ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ዚገልጽ ሓቂ ንሰባት ይስሕቦምን ይድርኾምን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓው ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን ንኣምላኽን ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማን ንምፍላጥ ብብሕቱ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣብታ ፈይዝ ኦን ዘ ማርች ዘርእስታ መጽሓፉ ዝጸሓፎ ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “እዚ ዝረኸብክዎ ነገር በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ዓዓመት ይረኽብዎ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ኵሉ ብሄራትን ዓሌታትን ደረጃ መነባብሮን ክሊ ዕድመን ዝመጹ ብምዃኖም: ከማኻን ከማይን ዝኣመሰሉ ሰባት እዮም። ሓቂ ኣይተዳሉን እያ። ንዅሎም ሰባት እያ እትስሕብ።”

5. ኣብቲ ጸብጻብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዚርአ፧

5 እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት እዚኣተን ሓቅነተን ዓመት ንዓመት ይርአ ኣሎ። በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተደሪኾም ህይወቶም ንየሆዋን ፍቓዱ ንምግባርን ይውፍዩ ኣለዉ። ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት: ማለት ካብ መስከረም 2003 ክሳዕ ነሓሰ 2004 ዝነበረ እዋን እውን ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። ኣብተን 12 ወርሒ 262,416 ሰባት ብማይ ብምጥማቕ ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ኣርኣዩ። እዚ ኸኣ ኣብ 235 ሃገራት ኪፍጸም ከሎ: ኣብአን ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ደረጃ ህይወት ንዚርከቡ ኸምኡውን ካብ ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ንእተዋጽኡ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ህይወት ዚህብ ሓቂ ኺረኽቡ ንምሕጋዝ 6,085,387 ዚኣክል ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰሰሙን ይመርሑ ኣለዉ።—ራእይ 7:9

6. ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቀጻሊ ወሰኽ ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

6 እዚ ዅሉ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሕቦም ከም ዘሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ዮሃንስ 6:65) ይኹን እምበር: እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስዓብ ዝመጸ ንርእሶም ከይሰስዑን ደኺመ ኸይበሉን ዚጽዕሩ ሰባት ዘርኣይዎ መንፈስ ግን ዕሽሽ ዚበሃል ኣይኰነን። ሓው ማክሚላን ወዲ 79 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ብዛዕባ እቲ ንዝሓመሙን ንዝሞቱን ደቅሰብ እተኣትወሎም መብጽዓታት ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ዝፈለጥኩሉ እዋን ኣትሒዘ: እቲ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ተስፋ ኣይሃሰሰን። ነቶም ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰሉ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ጽቡቕ ዕላማታትን ኪፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ምእንቲ ኽሕግዝ: ሽዑ ንሽዑ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ዝያዳ ኽፈልጥ ቈረጽኩ” በለ።

7. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዚረኽቡ ሰባት ዚስምዖም ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒትን ዜንጸባርቕ እንታይ ተመክሮ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

7 እዚ ሃንቀውታ እዚ ኣብቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ተራእዩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ቭየና: ኣውስትርያ እትርከብ ዳንኤላ ዝበለቶ እስከ ንርአ:- “ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዙ: ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ዓርከይ እዩ። ንዓይ ‘ኣምላኽ’ ከም ግኡዝ ስለ ዝዀነኒ ግን ወትሩ ስሙ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ። ጓል 17 ዓመት ክሳዕ ዝኸውን ግን ክጽበ ነበረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጦ ዝደልዮ ነገራት ገለጹለይ። ኣብ መወዳእታ: ነታ ሓቂ ረኸብክዋ: እዚውን ኣዝዩ ዜደንቕ ነበረ! ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ ንዅሉ ሰብ ክሰብኽ ጀመርኩ።” እቲ ውዕዉዕ መንፈሳ ግን ካብ መማህርታ ጸርፊ ኣስዓበላ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ በለት:- “የሱስ ንሰዓብቱ ምእንቲ ስሙ ኸም ዚጽልኡን ከም ዚስጐጉን ስለ ዝነገሮም: እዚ ነገራት እዚ ንዓይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ኸም ምርኣይ እዩ ነይሩ። ኣዝየ ተሓጐስኩን ተደነቕኩን።” ነዊሕ ከይጸንሐት ዳንኤላ ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ተጠምቀት: ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል ድማ ሸቶ ኣውጽአት። ምስ ተመርዓወት: ምስ ሀልሙት ሰብኣያ ዀይና ነቶም ኣብ ቭየና ዚርከቡ ኣፍሪቃውያን: ቻይናውያን: ፊሊፒናውያን: ከምኡውን ህንዳውያን ክትሰብከሎም ጀመረት። ሕጂ ዳንኤላን ሀልሙትን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ተስፋ ኣይቈርጹን እዮም

8. ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ንመንግስቱ ዘለዎም ተኣማንነትን ዘርኣዩሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

8 ሚስዮናውነት ሓደ ኻብቲ ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ንመንግስቱ ዘለዎም ተኣማንነትን ዘርእዩሉ መገድታት እዩ። እቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዚሳተፉ: ከምቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ነጋዳይ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ርሑቕ ቦታታት ንኺጐዓዙ ፍቓደኛታት እዮም። ልክዕ እዩ: እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣይኰኑን ዚጓዓዙ: የግዳስ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ንዚርከቡ ሰባት ብምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ብምሕጋዝን ንኻልኦት እዮም ዜብጽሑሎም ዘለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከቢድ ጸገማት ብትዕግስቲ የሕልፉ እዮም። እታ ትዕግስቶም ግን ብዙሕ ዓስቢ ኣለዋ።

9, 10. ኣብ ከም ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ርሑቕ ቦታታት ዚርከቡ ሚስዮናውያን እንታይ ዜሐጕስ ተመክሮታት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ፧

9 ንኣብነት: እታ ዓሚ 16,184 ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበርዋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እስከ ንውሰድ። እዚ ቝጽሪ እዚ ሸውዓተ ዕጽፊ እቶም ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል እታ ሃገር ኤለክትሪክ ስለ ዘየለ: ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኦም ኰይኖም እዮም መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዚፍጽሙ። ኣብኡ ዘለዉ ሚስዮናውያን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኰይኖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ መጽናዕቲ ምግባር እኹል ብርሃንን ዝሕል ዝበለ ኣየርን ንምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልእ ረብሓ እውን ኣለዎ። ኣብታ ሃገር ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ይፈትውዎ እዮም: ብዛዕባ ሃይማኖት ምዕላል ልሙድ ነገር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓለፍቲ መገዲ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ: ኣብቲ መጽናዕቲ ይጽምበሩ።

10 ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ግዳም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ከሎ: ሓደ ኣብ ስግር እቲ መገዲ ዚነብር መንእሰይ መጸ እሞ እቲ ሚስዮናዊ ቕድሚኡ ኺበጽሖ ኸም ዘይመጾ ድሕሪ ምግላጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃር ከም ዚደሊ ገለጸሉ። እቲ ሚስዮናዊ ተሓጒሱ ነቲ ዝደለዮ ፈጸመሉ: እቲ መንእሰይ ከኣ ቅልጡፍ ዕቤት ይገብር ኣሎ። ብዘይካዚውን: ኣብታ ሃገር እቲኣ ፖሊስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መገዲ ዓሰርተ ሳዕ ደው የብልዎም እዮም። ከምዚ ዚገብሩ ግን መጸዋዕታ ወረቐት ንኺህብዎም ወይ ንኪቐጽዕዎም ዘይኰነስ: ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምእንቲ ኺህብዎም ወይ ሓንቲ ብዙሕ ዝፈተዉዋ ዓንቀጽ ጠቒሶም ንኼመስግንዎም ኢሎም እዮም።

11. ንነዊሕ ግዜ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ክርስትያናት ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ከመይ ይስምዖም፧

11 መብዛሕትኦም ካብቶም 40 ወይ 50 ዓመት ይገብር ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ዝጀመሩ: ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። እዝስ ንዅላትና ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት እምነትን ጽንዓትን ኰን እዩ! ኣብ ዝሓለፈ 42 ዓመት ኣብ ሰለስተ እተፈላለያ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ሰብኣይ “ጸገማት ነይሩና እዩ። ንኣብነት: ን35 ዓመት ምስ ዓሶ ተቓሊስና ኢና። ኰይኑ ግን: ሚስዮናውያን ክንከውን ዝገበርናዮ ውሳነ ኣጣዒሱና ኣይፈልጥን” በለ። እታ ሰበይቲ እውን “ወትሩ ብዙሕ እነመስግነሉ ነገራት ነይሩና እዩ። ኣገልግሎትና ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ: ብቐሊሉ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። እቶም ተመሃሮ ናብ ኣኼባታት ኪመጹን ንሓድሕዶም ኪፋለጡን ክትርእዮም ከለኻ: ኵሉ ሳዕ ኣብ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ከም ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ” በለት።

‘ኵሉ ኸም ወጽዓ ይቘጽርዎ’

12. ሓደ ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓቂ ሞሳ ብኸመይ የርኢ፧

12 እቲ ነጋዳይ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ: “ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።” (ማቴዎስ 13:46) ነቲ ኽቡር ነገራት ኣሕሊፉ ንምሃብ ዘርኣዮ ፍታው: ኣብቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣኽቢሮም ዚርእይዋ ሰባት ዚርአ ባህሪ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ኻብቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ መንግስቱ ዚሓብሩ ብምዃኑ “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” በለ።—ፊልጲ 3:8

13. ሓደ ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ዚነብር ውልቀ-ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ኣርኣየ፧

13 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ሰባት በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እዮም። ንኣብነት: ኣብ ጥቅምቲ 2003 ሓደ ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ዚነብር ወዲ 60 ዓመት ርእሰ-መምህራን ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ረኸባ። ምስ ኣንበባ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺምራሓሉ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ረኸቦም። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። ነቲ ኸንቲባ ንምዃን ከምኡውን ኣባል ባይቶ ንኪኸውን ውድድር ንምግባር ዝነበሮ መደብ ደኣኸ እንታይ ገበሮ፧ ንዕኡ ሓዲጉ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ወሰነ። “ነቶም ዝምህሮም ሰባት ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከበርክተሎም ከኣልኩ” በለ። ኣብ ሓምለ 2004 ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብማይ ብምጥማቕ ህይወቱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ኣርኣየ።

14. (ሀ) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ደሪኽዎም፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍና ንርእሱ እንታይ ረዚን ሕቶታት እዩ ኺሓትት ዚኽእል፧

14 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብተመሳሳሊ መገዲ ምላሽ ሂቦም እዮም። ካብዛ እክይቲ ዓለም ወጺኦም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም: ንፈተውቶም ሓዲጎም: ዓለማዊ ሸቶታቶም ድማ ገዲፎም እዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ ኤፌሶን 4:22-24፣ ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ነዚ ዅሉ ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ካብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ዜቕርበሎም ዚበልጽ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ እዮም። ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ይስምዓካዶ፧ ኣነባብራኻ: ስርዓታትካ: ከምኡውን ሸቶታትካ ምስቲ የሆዋ ዚደልዮ ንምስምማዕ ኣድላዪ ለውጢ ኽትገብር ትድረኽ ዲኻ፧ ከምኡ ምግባርካ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ።

እቲ ቐውዒ ዚዛዘመሉ እዋን ይኣክል ኣሎ

15. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ ብትንቢት እተነግረ፧

15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ” በለ። ካብቶም ፈትዮም ዝመጹ ሰባት ‘ከም ኣውሊ ዝኣመሰሉ መንእሰያትን’ “ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ” ዝዀና ኣንስትን ይርከብዎም። (መዝሙር 68:11፣ 110:3) ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ: መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ: ኰታስ ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብትግሃትን ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእን ዝፈጸምዎ ዕዮ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧

16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር እንታይ ጻዕሪ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

16 ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት መንግስቲ ኣምላኽ: እቶም ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ጽሙማን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚመሃሩ ኣተሓሳሰባ። (ኢሳይያስ 35:5) ኣብ ሓደ ምልክት ቋንቋ ዚምህር ትካል ድማ ተመዝገበት። ኣብኡ ኸኣ ንሓያሎ ጽሙማን ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮም ከኣለት: ድሕርዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ጕጅለ ቘመት። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ሓያሎ ሰባት ናብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኪመጹ ጀመሩ። ጸኒሓ እታ ፓይነር ኣብ ሓደ መርዓ ምስ ሓደ ብዙሕ ሕቶታት ዝነበሮ ኻብ ካልካታ ዝመጸ ጽሙም መንእሰይ ተራኸበት: ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኺፈልጥ ድማ ሓያል ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። እንተዀነ ግን: ሓደ ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። እቲ መንእሰይ ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ንምጅማር ናብቲ 1,600 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ካልካታ ኺምለስ ነበሮ: ኣብኡ ኸኣ ናይ ምልክት ቋንቋ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ዝጀመሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕጽል: ብኽንደይ ጻዕሪ ነቦኡ ናብቲ ኣብ ባንግሎር ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኼእትዎ ኣእመኖ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ህይወቱ ንየሆዋ ወፈየ። ንሱውን ብግዴኡ ንሓደ ኻብ ግዜ ቝልዕነቶም ዓርኩ ዝነበረን ንሓያሎ ኻልኦት ጽሙማንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓሎም። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ህንዲ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ፓይነራት ንጽሙማን ውልቀ-ሰባት ምእንቲ ኺሕግዝዎም ናይ ምልክት ቋንቋ ኺመሃሩ ምድላዋት ይገብረሎም ኣሎ።

17. ካብቲ ኻብ ገጽ 19 ኽሳዕ 22 ዚርከብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ጸብጻብ እንታይ ብፍላይ ዜተባብዕ ነገር ከም ዝረኸብካ ኣዘንቱ።

17 ካብ ገጽ 19 ኽሳዕ 22 እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ዝገበርዎ ንጥፈታት ዚገልጽ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ክትረክብ ኢኻ። እተወሰነ ግዜ ወሲድካ መርምሮ: ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ሎሚውን ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ኣብ ምስዓብ ከም ዜተኰሩ ኽትግንዘብ ኢኻ።

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’

18. የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ነጋዳይ ዝገለጾ ምስላ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዘይጠቐሰ: ስለምንታይከ፧

18 ናብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እቲ ነጋዳይ ሓንሳእ ምልስ ምስ እንብል: እቲ ነጋዳይ ዘለዎ ዅሉ ድሕሪ ምሻጡ ብኸመይ መነባብሮኡ ኸም ዚመርሕ የሱስ ከም ዘይገለጸ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ‘እቲ ነጋዳይ ዋላ ሓንቲ ዘትረፎ ስለ ዘይብሉ ብኸመይ እዩ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ዚረክብ፧ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ ክትጠቕሞ እያ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ብስጋዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ እዚ ቕኑዕ ሕቶታት ኪመስል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢልዎምዶ ኸይኰነ፧ (ማቴዎስ 6:31-33) እቲ ፍረ ነገር እታ ምስላ እቲኣ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ውፉያት ክንከውንን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቅንኣት ከነርእን ከም ዘሎና ንምሕባር እዩ። እሞ ደኣኸ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

19. ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

19 ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ብስራት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሰማዕና ወይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስዓብን በረኸታ ንሰባት ምንጋርን ካብ እንጅምር ነዊሕ ዝገበርና ንኹን ብዘየገድስ: ነታ መንግስቲ ቐዳማይ ቦታ ኽንህባ ኣሎና። እዚ ዘለናሉ እዋን ጽንኩር እዩ: እቲ እንስዕቦ ዘሎና ግን ከምታ እቲ ነጋዳይ ዝረኸባ ዕንቊ ብሓቂ ዚርከብን መወዳድርቲ ዘይብሉን እዩ። ፍጻመታት ዓለምን እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ከም እንነብር ዜእምን መርትዖ ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 24:3) እምበኣር: ከምቲ ነጋዳይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቢ ዝመነጨ ቕንኣት ነርኢ: ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ብምኽኣልና ድማ ንተሓጐስ።—መዝሙር 9:1, 2

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ወሰኽ ኪገብሩ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧

• እቶም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ እንታይ መንፈስ እዮም ዘርእዩ፧

• ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ብምኽንያት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ለውጢ ገይሮም፧

• ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19-22 ዘሎ ሰሌዳ]

2004 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

“ሓቂ . . . ንዅሎም ሰባት እያ እትስሕብ።”—ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤላን ሀልሙትን ነቶም ኣብ ቭየና ዚርከቡ ናይ ወጻኢ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ሰበኹሎም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ዘለዉ ሚስዮናውያን ከምቲ ነጋዳይ ብዙሕ በረኸት እዮም ዚረኽቡ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

“ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”