ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምርካብ’

‘ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምርካብ’

‘ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምርካብ’

“መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።”ማቴዎስ 11:12

1, 2. (ሀ) የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሰሎ ምስላ እንታይ ሳሕቲ ዚርከብ ነገር እዩ ዝጠቐሰ፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ እዩ ዝበለ፧

 ንኸተጥርዮ ኢልካ ዘሎካ ዅሉ እትኸፍለሉ ኣዚኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ ነገር ኣሎዶ፧ ሰባት ከም ገንዘብ: ዝና: ስልጣን: ወይ መዓርግ ዝኣመሰለ ሸቶታት ንምብጻሕ ውፉያት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እኳ እንተዀኑ: ምእንቲ ሓንቲ ኣዝያ ኣድላዪት ነገር ኢሉ ዘለዎ ዅሉ ነገራት ዚህብ ሰብ ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይርከብን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ሳሕቲ ዚርከብ ግን ከኣ ዜደንቕ ነገር እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ዜመራምር ምስላኡ ጠቒስዎ ኣሎ።

2 እዚ ምስላ እዚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ዝነገሮም ኰይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። የሱስ ነዚ ኺገልጽ ከሎ “መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ” በለ። (ማቴዎስ 13:36, 45, 46) ንሰማዕቱ በዚ ምስላ እዚ ኣቢሉ እንታይ እዩ ኺምህሮም ደልዩ፧ ካብቲ እተዛረቦ ቓላትከ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

ዕንቊ ዘለዎ ኽቡር ዋጋ

3. ብግዜ ጥንቲ ጽብቕቲ ዕንቊ ኣዝያ ኽብርቲ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

3 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣዕናቝ ኸም ስልማት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እቲ ፕሊኒ ዓብዪ ዚበሃል ሮማዊ ምሁር: ዕንቊ “ኻብ ኵሉ ነገራት እቲ ዝኸበረ” ምንባሩ ኸም ዝገለጸ ሓደ ምንጪ ይሕብር። ዕንቊ ኸም ወርቂ: ብሩር: ወይ ከም ካልእ ክቡር ኣእማን ዘይኰነትስ: ብህያዋን ፍጥረታት እያ እትዳሎ። እተወሰነ ዓይነት ኦስትሪካ ዚበሃል እንስሳ ባሕሪ: ጸጸር ኣብ ውሽጢ ኣትዩ ምስ ዚዅርኵሖ ኻብ ኣካላቱ ብዘውጽኦ ነገር ገይሩ ብምሽፋን ናብ ዕንቊ ኸም ዚቕይሮ ኣጸቢቑ ይፍለጥ እዩ። ጥንቲ እቲ ዝጸበቐ ዓይነት ዕንቊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ወሽመጥ ፋርስ: ከምኡውን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ይርከብ ስለ ዝነበረ: ካብ ምድሪ እስራኤል ርሒቑ እዩ ዚርከብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ “ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ” ብምባል ነቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናገሸ ዚነግድ ነጋዳይ ዝጠቐሰ። ብሓቂ ኽብርቲ ዕንቊ ንምርካብ: ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዜድሊ።

4. ፍረ ነገር እቲ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናዞረ ዚነግድ ነጋዳይ ዝሃቦ ምስላ እንታይ እዩ፧

4 ጽቡቕ ዕንቊ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ኽቡር እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ግን እቲ ብገንዘብ ዚኽፈሎ ዋጋ ኣይኰነን ኣገዳሲ ነጥቢ ዀይኑ እተጠቕሰ። የሱስ ኣብዛ ምስላ እዚኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክብርቲ ዕንቊ ጥራይ ኣይኰነን ኣመሳሲልዋ: የግዳስ ናብቲ ሓደ “ጽብቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ”ን ናብቲ ዚገብሮ ተግባራትን እውን ከም ዚትኰር እዩ ገይሩ። ብግዜ ጥንቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናዞረ ዚነግድ ነጋዳይ ፍሉይ ናይ ንግዲ ኽእለት ዘለዎ ሰብ ደኣ እዩ እምበር ተራ ብዓል ድኳን ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ነጋዳይ ንሓንቲ ዕንቊ ሓለፍ ዝበለት ዚገብራ ደቀቕቲ ነገራት ኪርኢ ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ዕንቊ ኺረክብ ከሎ ይፈልጣ: ብናይ ሓሶት ዕንቊ ኸኣ ኣይታለልን እዩ።

5, 6. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ እንታይ ኢና ኸነስተውዕለሉ ዚግባእ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ሕቡእ መዝገብ ዚገልጽ ምስላ ብዛዕባ እቲ ነጋዳይ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

5 ብዛዕባ እዚ ነጋዳይ እዚ ሓደ ኸነስተውዕለሉ ዚግባእ ነገር ኣሎ። ሓደ ተራ ነጋዳይ መኽሰብ ዚረኽበሉ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ: ፈለማ ብዛዕባ ዋጋ እታ ዕንቊ ይምርምር። ቀልጢፉ ምእንቲ ኺሸጣ: ዓዳጊ ዚረኽበላ እንተ ዀይኑ እውን ይሓስብ። ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ ዘውጽኦ ገንዘብ ቀልጢፉ ኺመልሶ እዩ ዚደሊ እምበር: ነታ ዕንቊ ኺውንና ኣይኰነን ዚደሊ። እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ ግን ከምዚ ኣይኰነን። ንዕኡ ዜገድሶ ነገር ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኰነን። አረ: ነታ ዝደልያ ነገር ንምውናን “ዘለዎ ዅሉ:” ማለት ኵሉ ጥሪቱን ንብረቱን እኳ ንምሃብ ድሉው እዩ ነይሩ።

6 በረኣእያ መብዛሕትኦም ነጋዶ: እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ሰብኣይ ዝገበሮ ነገር ስራሕ ዕሽነት እዩ። ብልሂ ነጋዳይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ኽሳራ ኼስዕብ ዚኽእል ንግዲ ኣይኣቱን እዩ። እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ነጋዳይ ግን ኣተሓሳስባኡ እተፈልየ እዩ። ዓስቡ መኽሰብ ዘይኰነስ: ሓንቲ ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ዘለዋ ነገር ብምጥራይ ዚርከብ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ነይሩ። እዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስዚ ዚመሳሰል ምስላ ንጹር ኪኸውን ይኽእል እዩ። “መንግስቲ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ: ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ” በለ። (ማቴዎስ 13:44) እወ: ሓደ መዝገብ ካብ ምርካብን ካብ ምውናንን ዚርከብ ሓጐስ: ነቲ ሰብኣይ ዘለዎ ዅሉ ንኺሸይጥ ደረኾ። ኣብዚ ግዜና ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣለዉዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ኪኽፈለሉ ዚግባእ መዝገብከ ኣሎዶ፧

ነቲ ኽቡር ዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርድእዎ ሰባት

7. የሱስ ነቲ ኽቡር ዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኸም እተረድኦ ብኸመይ ኣርኣየ፧

7 የሱስ ነዚ ምስላ እዚ ኺዛረብ ከሎ: ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንሱ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ኽቡር ዋጋ ብርግጽ ተረዲእዎ ነይሩ። ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር እዩ። ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተጠምቀ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።” ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም። ነታ ሃገር ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ዞራ: “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።”—ማቴዎስ 4:17፣ ሉቃስ 8:1

8. የሱስ: መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትፍጸም ንኼርኢ ኢሉ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

8 የሱስ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንሕሙማት ብምሕዋይ: ንዝጠመዩ ብምዕንጋል: ባህርያዊ ሓይልታት ብምእዛዝ: ምዉታት ብምትንሳእ: ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ ተኣምራት ብምግባር: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም እትፍጽም ኣርኣዮም። (ማቴዎስ 14:14-21፣ ማርቆስ 4:37-39፣ ሉቃስ 7:11-17) ኣብ መወዳእታ: ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሰማእት ኰይኑ ብሙማት ንኣምላኽን ንመንግስቱን ዘለዎ ተኣማንነት ኣመስከረ። ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ንምርካብ ዘለዎ ዅሉ ዝሃበ: የሱስ ምሉእ ህይወቱ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ ወፍዩ።—ዮሃንስ 18:37

9. እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ፍልይ ዝበለ ባህሪ እዮም ኣርእዮም፧

9 የሱስ ህይወቱ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተተኵር ዝገበረ: የግዳስ ዚስዕብዎ ጕጅለ እውን ኣኪቡ እዩ። እዚኣቶም እውን ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ኽቡር ዋጋ ኣጸቢቖም እተረድኡ ውልቀ-ሰባት እዮም ነይሮም። ካባታቶም እቲ ኣቐዲሙ ወደ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ዝነበረ እንድርያስ ይርከቦም። እንድርያስን ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ዮሃንስን—ሓደ ኻብ ደቂ ዘብዴዎስ እዩ ዚኸውን—ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ “ገንሸል ኣምላኽ” ምዃኑ ኺምስክር ከሎ ምስ ሰምዕዎ: ብኡንብኡ ንየሱስ ሰዓብዎ: ኣመንቲ ኸኣ ኰኑ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ብኡንብኡ እንድርያስ ናብ ስምኦን ሓዉ ኸይዱ “ንመሲህ ረኺብናዮ” በሎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ስምኦን (እቲ ጸኒሑ ኬፋ ወይ ጴጥሮስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ) ከምኡውን ፊልጶስን ናትናኤል ዓርኩን: የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ፈለጡ። አረ ናትናኤል እሞ ኸኣ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ ንኺዛረብ እውን ተደሪኹ እዩ።—ዮሃንስ 1:35-49

ስጕምቲ ኺወስዱ ተደረኹ

10. የሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ንፈለማ ኻብ እተራኸበሉ ግዜ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

10 እንድርያስ: ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ከምኡውን ካልኦት ነቲ መሲህ ምስ ረኸብዎ እተሰምዖም ሓጐስ: ምስቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸባ እተሰምዖ ሓጐስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ድሕርዚ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ ንየሱስ ፈለማ ምስ ረኸብዎ ብኡንብኡ እንታይ ከም ዝገበሩ ወንጌላት ኣይነግረናን እዩ። መብዛሕትኦም ናብ ንቡር ህይወቶም ተመሊሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ድሕርዚ መንፈቕ ወይ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ግን የሱስ ኣብቲ ዚሰርሑሉ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እንደገና ምስ እንድርያስን ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብ ሓውን ተራኸበ። a ምስ ረኸቦም: “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ: ንዑ ስዐቡኒ” በሎም። እንታይ ምላሽከ ሃቡ፧ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ብዛዕባ ጴጥሮስን እንድርያስን “ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ” ይብል። ብዛዕባ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ “ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም: ብኡብኡ ሰዐብዎ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ሉቃስ ዚርከብ ጸብጻብ ድማ “ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ” ይብል።—ማቴዎስ 4:18-22፣ ሉቃስ 5:1-11

11. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዘቕረበሎም ጻውዒት ብቕልጡፍ ኪቕበሉ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

11 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝወሰድዎ ቕልጡፍ ስጕምቲ ብታህዋኽ እተገብረ ውሳነ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! ምስ የሱስ ፈለማ ድሕሪ ምርኻቦም ናብቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም እኳ እንተ ተመልሱ: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ዓሚቝ ጦብላሕታ ኸም ዝሓደገሎም ኣየጠራጥርን እዩ። ድሕርዚ ዓመት ዚኸውን ምሕላፉ ነዚ ጕዳይ እዚ ንኼስተንትኑሉ እኹል ግዜ ሂብዎም እዩ። ቀጺሎም ውሳነ ዚገብሩሉ እዋን ኣኸለ። ከምቲ ብዋጋ ዘይትሽነን ዕንቊ ምስ ረኸበ ኣዝዩ እተሓጐሰ እሞ ብቕልጡፍ “ከይዱ” ነታ ዕንቊ ዝዓደገ ነጋዳይ ስጕምቲ ይወስዱ ደዀን ይዀኑ፧ እወ። እቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ነገራት ንልቦም ኣለዓዓሎ። ስጕምቲ ዚወስዱሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ፈለጡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ከምቲ እቲ ጸብጻብ ዚሕብረና: ከይተወላወሉ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብቲ የሱስ ኰኑ።

12, 13. (ሀ) ንየሱስ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት እንታይ ምላሽ እዮም ዝሃቡ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዝበለ: እቲ ዝበሎኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

12 እዞም እሙናት እዚኣቶም ካብቶም ጸኒሖም ኣብ ወንጌል እተጠቕሱ ገሊኦም ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ዀን እዮም ነይሮም! የሱስ ንሓያሎ ሰባት እኳ እንተ ኣሕወየን እንተ መገበን: ንሳቶም ግን ናብ ጕዳዮም እዮም ከይዶም። (ሉቃስ 17:17, 18፣ ዮሃንስ 6:26) አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ኪስዕብዎ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም እኳ ንኺሓድጎም ለሚኖምዎ እዮም። (ሉቃስ 9:59-62) የሱስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ሰዓብቱ ግን “ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ [“ይቀዳደሙላ” ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ] አለዉ” በለ።—ማቴዎስ 11:12

13 እተን “ትደፍእ:” “ደፋእቲ” ዚብላ ቓላት ንምንታይ የመልክታ፧ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እታ እዘን ቃላት እዚኣተን እተወስዳላ ናይ ግሪኽ ግሲ “እታ ግሲ እቲኣ ሓያል ጻዕሪ ምግባር ተመልክት” ትብል። ሃይንሪኽ መየር ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከኣ እታ ጥቕሲ እቲኣ ‘ነታ እትቐርብ ዝነበረት መሲሓዊት መንግስቲ ንምስዓብ ከይተሓለልካ ብሃንቀውታ ዚግበር ጻዕርን ገድልን ከም እትገልጽ: ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዚህሉ ውዕዉዕን ሓያልን ተገዳስነት’ ከም እተንጸባርቕ ገሊጹ ኣሎ። እዞም ሒደት ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነቲ ብሓቂ ኽቡር ነገር ፈለጡ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ዘለዎም ኵሉ ኺሓድጉ ፍቓደኛታት ኰኑ።—ማቴዎስ 19:27, 28፣ ፊልጲ 3:8

ካልኦት ኣብ ምድላይ ሓበሩ

14. የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ: እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧

14 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰባት ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኣሰልጢንዎምን ሓጊዝዎምን እዩ። ፈለማ: ካብ ደቂ መዛሙርቱ 12 መሪጹ ሃዋርያቱ: ማለት ልኡኻቱ ገበሮም። ንዓታቶም ኣገልግሎቶም ብኸመይ ከም ዚፍጽሙ ዝርዝር መምርሒ ሃቦም: ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ጸገማትን ሽግራትን ድማ ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 10:1-42፣ ሉቃስ 6:12-16) ኣብቲ ዚቕጽል ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን እዋን ኣብቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዚገብሮ ዝነበረ ስብከት የሰንይዎ ነበሩ: ምስኡውን ጥብቂ ርክብ ነበሮም። ዘረባኡ ይሰምዑ: ተኣምራቱ ይርእዩ: ዝገደፈሎም ኣብነት እውን ይዕዘቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 13:16, 17) እዚ ዅሉ ውሽጦም ኣጸቢቑ ስለ ዝተንከፎም: ከምቲ እቲ ነጋዳይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣትን ብምሉእ ልቦምን ይስዕቡ ነበሩ።

15. የሱስ ንሰዓብቱ ብምንታይ ኪሕጐሱ እዩ ዝነገሮም፧

15 የሱስ ኣብ ርእሲ እቶም 12 ሃዋርያት “ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ: በብኽልተ ገይሩ ኸኣ: ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለአኾም።” ንዓታቶም እውን ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ፈተናታትን ጸገማትን ነገሮም: “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ” ኢሎም ንሰባት ኪነግሩ ድማ መምርሒ ሃቦም። (ሉቃስ 10:1-12) እቶም 70 ኸኣ “ጐይታይ: ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ” እናበሉ ብሓጐስ ናብኡ ተመልሱ። እቲ ዜገርም ግን የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀናኣት ብምዃኖም ካብኡ ዚዓቢ ሓጐስ እውን ከም ዚረኽቡ ገለጸሎም። “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ: ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር: መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም: በዚ ኣይትተሐጐሱ” ድማ በሎም።—ሉቃስ 10:17, 20

16, 17. (ሀ) የሱስ ኣብታ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እንታይ ኢሉ ነገሮም፧ (ለ) የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንሃዋርያቱ እንታይ ሓጐስን መረጋገጽን ኣምጸኣሎም፧

16 ኣብታ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: ማለት ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ.: ነቲ ድራር ጐይታ ዚበሃል በዓል ኣቘመ: ነዚ ዝኽሪ ኼብዕሉ ድማ ኣዘዘ። በታ ምሸት እቲኣ: ነቶም ዝተረፉ 11 “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም።—ሉቃስ 22:19, 20, 28-30

17 እቶም ሃዋርያት ነዘን ቃላት እዚኣተን ካብ የሱስ ምስ ሰምዕወን ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓጐስን ዕግበትን ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ! ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ዘበለ ዝለዓለ ኽብርን ፍሉይ መሰልን ቀረበሎም። (ማቴዎስ 7:13, 14፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ከምቲ እቲ ነጋዳይ ዝገበሮ: ንሳቶምውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምእንቲ ኺህቡ ኢሎም ንየሱስ ንምስዓብ ብዙሕ ነገር ሓዲጎም እዮም። እቲ ኽሳዕ ሽዑ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኸኣ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ ተነግሮም።

18. ካብቶም 11 ሃዋርያት ወጻኢ መን እዮም ካብታ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙ፧

18 እቶም በታ ምሸት እቲኣ ምስ የሱስ ዝነበሩ ሃዋርያት ጥራይ ኣይኰኑን ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙ። ብምሉኦም እቶም 144,000 ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግርማዊ ሰማያዊ መንግስቱ መጋዝእቱ ንምዃን ኣብቲ ኺዳን መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ፍቓድ የሆዋ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም . . . ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ” ኺጭድሩ ኸለዉ ረኣየ። እዚኣቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ እዮም። bራእይ 7:9, 10፣ 14:1, 4

19, 20. (ሀ) ንዅሎም ኣህዛብ እንታይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየነይቲ ሕቶ ኢና መልሲ እንረኽበላ፧

19 የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ: ንእሙናት ሰዓብቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” በሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) በዚ ኸምዚ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ህዝቢ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኰኑ። ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ጽብቕቲ ዕንቊ ንምጥራይ ዘለዎ ዅሉ ዝኸፈለ: እዚኣቶም እውን ሰማያዊ ዀነ ምድራዊ ዓስቢ ይሃልዎም ብዘየገድስ: ልቦም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።

20 የሱስ እተዛረቦ ቓላት እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” ኪቕጽል ምዃኑ ይሕብር። ስለዚ: ኣብዚ ግዜና ኸምቲ ነጋዳይ ዝኣመሰሉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስዓብ ዘለዎም ኵሉ ኺህቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ኣለዉዶ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክትምለስ እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዮሃንስ ወዲ ዘብዴዎስ ምስ የሱስ ንፈለማ ድሕሪ ምርኻቡ: ንየሱስ ስዒብዎን ገለ ኻብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ርእዩን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ወንጌሉ ብንጹር ንኺምዝግቦ ኣኽኣሎ። (ዮሃንስ ምዕራፍ 2-5) ይኹን እምበር: የሱስ ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቡ ናብ ስድራኡ ተመሊሱ ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ተዋፊሩ ነበረ።

b ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 10 ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ምስላ እቲ ነጋዳይ እንታይ ፍረ ነገር እዩ ሒዙ ዘሎ፧

• የሱስ ነቲ ኽቡር ዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተረድኦ ብኸመይ ኣርኣየ፧

• የሱስ ንእንድርያስ: ንጴጥሮስ: ንዮሃንስ: ከምኡውን ንኻልኦት ምስ ጸውዖም ቅልጡፍ ምላሽ ዝሃቡ ስለምንታይ እዮም፧

• ንዅሎም ሰባት እንታይ ዜደንቕ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ”

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኣዘዞም