“ንቕሑ”
“ንቕሑ”
ኣብ ግዜ ጥንቲ ገለ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ወይ ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ: ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ዘብዐኛታት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኣብ እዋን ለይቲ ድማ እቲ ኣፍ ደጌታት ከም እተዐጽወ ኻብ ምርግጋጽ ሓሊፎም ነቒሖም ኪሕልው እዮም ዚሓድሩ። ድሕነት እታ ኸተማ እቶም ዘብዐኛታት ሓደጋ ኼንጸላሉ ኸሎ ነቲ ህዝቢ ኣብ ዚህብዎ መጠንቀቕታ እተመርኰሰ ብምዃኑ: እቲ ዕዮ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ።
የሱስ ክርስቶስ እውን እንተዀነ ዘብዐኛታት እንታይ ከም ዚዓዩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እኳ: ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ዘብዐኛታት ብምምስሳል ነቲ መወዳእታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብዚምልከት ነቒሖም ንኺጸንሑ: ከምዚ ዚስዕብ በሎም:- “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑን ጸልዩን። ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፤ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ: . . . ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ አዘዞ።”—ማርቆስ 13:33-35
ብተመሳሳሊ: እዛ ግምቢ ዘብዐኛ እትበሃል መጽሔት እዚኣ ነቲ የሱስ ‘ንቑሕ’ ብዛዕባ ምዃን ዝሃቦ መተባብዒ ኸተመሓላልፍ ካብ እትጅምር ልዕሊ 125 ዓመት ገይራ ኣላ። ብኸመይ፧ ኣብ ገጽ 2 እዛ መጽሔት ከም እተሓበረ: እዛ መጽሔት እዚኣ “ዅነታት ዓለም መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ነቒሓ ትከታተሎ። በቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ነቶም ጨቈንቲ ኣጥፊኣ ንምድሪ ናብ ገነት ክትልውጣ ምዃና ዚገልጽ ብስራት ኣቢላ ንዅሎም ሰባት ተጸናንዕ።” መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ምሉእ ዓለም ብ150 ቋንቋታት ኣብ ዚዳሎ ልዕሊ 26,000,000 ቅዳሓት እትዝርጋሕ ብምዃና ኣብ ዓለም ኣዝያ ብብዝሒ እተዘርግሐት ሃይማኖታዊት መጽሔት እያ። ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ዘብዐኛታት ዚገብርዎ ዝነበሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ነዚ ኣገባብ እዚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚህበሉ እዋን ስለ ዝቐረበ: በዛ መጽሔት እዚኣ ኣቢሎም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ብመንፈስ ‘ንቑሓት’ ኰይኖም ኪጸንሑ ይምሕጸንዎም ኣለዉ።—ማርቆስ 13:26, 37