ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ሓቂ ኣብ ኣልባብ እቶም እትምህርዎም ትፈሪዶ ኣላ፧

እታ ሓቂ ኣብ ኣልባብ እቶም እትምህርዎም ትፈሪዶ ኣላ፧

እታ ሓቂ ኣብ ኣልባብ እቶም እትምህርዎም ትፈሪዶ ኣላ፧

ኤሪክ ዚበሃል ሓደ መንእሰይ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይኰነ ምስ ተዛረበ ወለዱ ብዙሕ ጐሃዩ። ፈጺሞም ዘይተጸበይዎ ነገር እዩ ነይሩ። ከመይሲ: ኤሪክ ንእሽቶ ኸሎ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይካፈል: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከብ: ከምኡውን ምስ ጉባኤኡ ኣብ ኣገልግሎት ይሳተፍ ነበረ። ኣብ ሓቂ ዘሎ እዩ ዚመስል ነይሩ። ካብ ገዛ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ግን ወለዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ናቱ ኸም ዘይገበራ ተረድኦም እሞ ኣዝዮም ሰንበዱን ጕሃዩን።

ካልኦት እውን እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩሎም ሰባት ሃንደበት መጽናዕቶም ኬቋርጹ ኸለዉ ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዚስምዖም። ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥሞም ‘ስለምንታይ ግን ነዚ ኣቐዲመ ዘየስተውዓልኩሉ፧’ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ይሓቱ። ንምዃኑ: ነቶም እንምህሮም ሰባት መንፈሳዊ ውድቀት ከየጋጠሞም ከሎ እታ ሓቂ ኣብ ልቦም ትፈሪ ምህላዋ ኽንፈልጦዶ ንኽእል ኢና፧ እታ ሓቂ ኣባናን ኣብቶም እንምህሮምን ትዓዪ ኸም ዘላ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ እታ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዘራኢ እተዛረባ ፍልጥቲ ምስላ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን መልሲ ትህበና እያ።

እታ ሓቂ ንልቢ ኽትትንክፍ ይግባእ

የሱስ “እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ [እተዘርኡ] ድማ: ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ: ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቝርዎ: ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም” በለ። (ሉቃስ 8:11, 15) ስለዚ: ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ተመሃሮና ዝዀነ ለውጢ ቕድሚ ምምጻኣ ኣብ ምሳልያዊ ልቦም ሱር ክትሰድድ ይግባእ። የሱስ: ከምቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርአ ዘርኢ ኸምኡውን ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ንዝዀነ ልቢ ሓንሳእ ምስ ተንከፎ ለውጢ ኸም ዜምጽእን ፍረ ድማ ከም ዚፈርን ኣረጋገጸ። እንታይ ኢና ኽንጽበ ዘሎና፧

ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ ኣብ ውሽጣዊ ባህርያት ኢና ኸነተኵር ዘሎና። ብልምዲ ጥራይ ዚግበር ኣምልኾ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ኣይገልጽን እዩ። (ኤርሚያስ 17:9, 10፣ ማቴዎስ 15:7-9) ስለዚ: ኣዕሚቝና ኽንሓስብ ኣሎና። እቲ ሰብ እቲ ኣብ ድሌቱ: ድራኼኡ: ከምኡውን ቀዳምነት ኣብ ዚህቦም ነገራት ለውጢ ኺገብር ኣለዎ። ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ኪለብስ እውን ይግብኦ። (ኤፌሶን 4:20-24) ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ተሰሎንቄ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ብዘይ ምጥርጣር ከም እተቐበሉ ጸሓፈ። እንተዀነ ግን: ንጳውሎስ እታ ሓቂ ኣብኦም ‘ትዓዪ’ ኸም ዘላ ዝያዳ ዘረጋገጸሉ ነገር ፈተናታት ምጽዋሮም: ተኣማንነቶም: ከምኡውን ፍቕሮም እዩ ነይሩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13, 14፣ 3:6

ሓቂ እዩ ኣብ ልቢ እቲ ተማሃራይ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ባህርያቱ ኸም ዚግለጽ ካብ ናይ ኤሪክ ኣብነት ርኢና ኢና። (ማርቆስ 7:21, 22፣ ያእቆብ 1:14, 15) እቲ ዜሕዝን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ኣብ ተግባራቱ ኺግለጽ ምስ ጀመረ: ድሕሪኡ ዋላ ሓንቲ ኺግበር ኣይከኣልን ይኸውን። እቲ ኣጸጋሚ ዚኸውን ተግባር እምበኣር ነቲ ንመንፈሳውነቶም ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ድኽመታት ኣቐዲምካ ምፍላጥ እዩ። ንምሳልያዊ ልቦም ኣጸቢቕና እንፈልጠሉ መገዲ ኸነናዲ ኣሎና። ብኸመይ፧

ካብ የሱስ ተምሃር

የሱስ ብዘይ ገለ ጌጋ ኣልባብ ሰባት ኬንብብ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 12:25) ካባና ግን ከምዚ ኺገብር ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ድሌት: ድራኸ: ከምኡውን ቀዳምነት ዚህቦም ነገራት ከነስተውዕል ከም እንኽእል ሓቢሩና እዩ። ከምቲ ሓደ ኽኢላ ሓኪም እተፈላለየ ኣገባብ ምርመራ ተጠቒሙ ኣብ ልቢ ሓደ ሕሙም ሰብ ዘሎ ሽግር ኪፈልጥ ዚጽዕር: ከምኡውን የሱስ ካልእ ሰብ ኪፈልጦ ዘይኽእል “ምሕላንን ሓሳብ ልብን” ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ‘ቐዲሕዎን’ ኣቃሊዕዎን እዩ።—ምሳሌ 20:5፣ እብራውያን 4:12

ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ንጴጥሮስ ብዛዕባ ጸኒሑ መዐንቀፊ ዝዀኖ ድኽመት ኣፍለጦ። ጴጥሮስ ከም ዜፍቅሮ የሱስ ይፈልጥ ነበረ። ኣረ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” እውን ብሕድሪ ሂብዎ እዩ። (ማቴዎስ 16:13-19) ይኹን እምበር: ኣዒንቲ ሰይጣን ኣብቶም ሃዋርያት ከም ዝዀና ይፈልጥ ነበረ። ድሕሪኡ: ከቢድ ጸቕጢ ኼጋጥሞም ምዃኑውን ይፈልጥ ነበረ። ገለ ኻብቶም ሰዓብቱ እምነቶም ትደክም ምህላዋ ኣስተውዓለ። ስለዚ: በየናይ መዳይ ኬመሓይሹ ኸም ዚግባእ ከይተሰከፈ ነገሮም። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮ ኣስተብህል።

እቲ ኣብ ማቴዎስ 16:21 ዚርከብ ጸብጻብ “ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ . . . ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: ኪቕተል . . . ከም ዚግብኦ: ኪገልጸሎም ጀመረ” ይብል። የሱስ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ብኣፉ ጥራይ ኣይኰነን ነጊርዎም ኣብ ክንድኡስ ከም ዝገለጸሎም ኣስተብህል። እቲ መሲህ ኪሳቐን ኪቕተልን ከም ዚግብኦ እተጻሕፈ ኸም እኒ መዝሙር 22:14-18 ወይ ድማ ኢሳይያስ 53:10-12 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ተጠቒሙ እዩ ገሊጹሎም ኪኸውን ዘለዎ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ኣንቢቡ ይኹን ወይ ጠቒሱ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን ናይ ልቦም ንኺዛረቡ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ነቲ ዚመጾም ዝነበረ መስጐጕቲ ብኸመይ እዮም ኪዋጽኡሉ፧

እቲ ኣዝዩ ዜገርም እቲ ተባዕን ቀናእን ዚመስል ዝነበረ ጴጥሮስ ኣብቲ እዋን እቲ ተሃዊኹ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ጉድለት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። ጴጥሮስ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ: ከመይሲ ኸምቲ የሱስ ዝበሎ “ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ” ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ናብ ከቢድ ሳዕቤን ዜምጽእ ጌጋ ኺመርሕ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ንጴጥሮስ ድሕሪ ምግሳጽ ንዕኡን ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቱን “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” በሎም። ካብቲ ኣብ መዝሙር 49:8፣ 62:12 ዚርከብ ሓሳባት ብምውሳድ እቲ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ካብቶም ኬድሕኑ ዘይከኣሎም ደቅሰብ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም።—ማቴዎስ 16:22-28

ጴጥሮስ ዋላኳ ንግዜኡ ብፍርሂ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ እንተ ኸሓዶ: እዝን እቲ ኣብ ካልእ እዋን ዝገበርዎ ምይይጥን ቀልጢፉ ብመንፈሳዊ ንኺጥዒ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 21:15-19) ድሕሪ 50 መዓልቲ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት መስከረ። ኣብ ዚቕጽል ሰሙናት: ኣዋርሕ: ከምኡውን ዓመታት ብተደጋጋሚ ተኣሲሩን ተቐጥቂጡን ተዳጒኑን እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ብትብዓት ስለ እተዋጽኣሉ ንጽህና ብምሕላው ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ገደፈ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:14-36፣ 4:18-21፣ 5:29-32፣ 40-42፣ 12:3-5

ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧ የሱስ ነቲ ኣብ ልቢ ጴጥሮስ ተዓቚሩ ዝነበረ ብኸመይ ከም ዘውጸኦዶ ኣስተብሂልካሉ፧ መጀመርታ: ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ ጥቕሲ መሪጹ ንጴጥሮስ ናብቲ ጕዳይ ከም ዜተኵር ገበሮ። ቀጺሉ: ንጴጥሮስ ካብ ልቡ ኺዛረብ ዕድል ሃቦ። ኣብ መወዳእታ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብምሃብ ኣተሓሳስባኡን ስምዒታቱን ንኺእርም ሓገዞ። ምናልባት ‘ኣነ ኸምዚ ዓይነት ክእለት ኣመሃህራ የብለይን’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ምድላውን ኣብ የሆዋ ምውካልን ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ካብ ክልተ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ኣብ ልቡ ዘሎ ኸም ዚገልጽ ምግባር

ሓደ ክርስትያን ኣቦ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍሊ ዚመሃሩ ደቁ ኻብ ናይ መምህሮም ጣውላ ካራሜለ ኸም ዝወሰዱ ምስ ፈለጠ: ኮፍ ኣቢሉ ኣዘራረቦም። እዚ ኣቦ ምንም ጕድኣት ዘየምጽእ ጸወታ ቘልዑ እዩ ኢሉ ሸለል ኣይበሎን: የግዳስ “ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባር ንኺፍጽሙ ዝደረኾም እንታይ ከም ዝዀነ ኽፈልጥ ጸዓርኩ” በለ።

እቲ ኣቦ ነቶም ደቁ ኸምቲ ኣብ እያሱ ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ዚርከብ ንኣካን እንታይ ከም ዘጋጠሞ ሓተቶም። ብኡንብኡ እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ ተረድኦም እሞ ጌጋኦም ተኣመኑ። ሕልናኦም ድማ ድሮ ኺወቕሶም ጀሚሩ ነበረ። ስለዚ: ኣቦኦም ኣብ ኤፌሶን 4:28 ዘሎ “እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ” ዚብል ጥቕሲ ኸም ዜንብቡ ገበሮም። ንመምህሮም ካልእ ካራሜለ ዓዲጎም ከም ዚህብዎ ብምግባር ድማ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣደልደሎ።

እቲ ኣቦ “ሕማቕ ድራኼታት ከም ዘሎ ምስ ፈለጥና: ደቀይ ነቲ ጕዳይ ከም ዚርድእዎ ብምግባር ካብ ስሩ ምሒና ብጽቡቕን ሰናይን ድራኸ ኽንትክኦ ኢና እንጽዕር” በለ። እዞም ወለዲ እዚኣቶም ደቆም ብምምሃር ዝመጸ ኣብነት የሱስ ብምስዓቦም ንዳሕራዩ ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም እዮም። ክልቲኦም ደቆም ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኰኑ። እቲ ሓደ ንዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብኡ የገልግል ኣሎ።

ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ሰበይቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ ኸኣ ንርአ። እታ ተመሃሪት ኣብ ኣኼባታት ትእከብን ተገልግልን ነበረት: ክትጥመቕውን ደለየት። ይኹን እምበር: ኣብ ክንዲ ኣብ የሆዋ ዝያዳ ኣብ ገዛእ ርእሳ ትውከል ነበረት። ነዚ ኣመልኪታ እታ ናይ የሆዋ ምስክር “ንጽል ሰበይቲ ብምዃና ኻብ መጠን ንላዕሊ ብርእሳ እያ እትምራሕ: እዚ ግን ንዓኣ ኣይፍለጣን እዩ ነይሩ። ኣእምሮኣ ኸይትትንከፍ ወይ ድማ ብመንፈሳዊ ኸይትወድቕ ብዙሕ እሻቐል ነበርኩ” በለት።

ስለዚ: እታ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ሓሳባት ተመርኲሳ ነታ ሰበይቲ ኣብቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ምትዕርራይ ክትገብር: ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኽትህብ: ከምኡውን ዝበለጸ ህይወት ኪህልዋ ምእንቲ ኣብ የሆዋ ኽትውከል ኣተባብዓታ። “ንበይንኺ ምንባርኪ ኣብ የሆዋን ኣብ ካልኦት ሰባትን ንኽትውከሊ ጸገም ይፈጥረልኪዶ፧” ኢላ ኣግሂዳ ሓተተታ። እታ ተመሃሪት ድማ ናብ የሆዋ ምጽላይ ዳርጋ እናገደፈቶ ኸም ዝመጸት ከይሓብአት ነገረታ። ሽዑ እታ ሓብቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:7 “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ” ስለ ዚብል: ከምቲ መዝሙር 55:22 ዚብሎ ጾራ ናብ የሆዋ ኽትድርብዮ ኣተባብዓታ። እዚ ድማ ልባ ተንከፋ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር “ሽዑ ኻብተን ክትበኪ ኸላ ዝረኣኹለን ሒደት እዋናት እዩ” በለት።

እታ ሓቂ ወትሩ ኣባኻትኩም ትዕየ

እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እንምህሮም ሰባት ነታ ሓቂ ተቐቢሎም ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ንሕና ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ነቲ ንሰባት ንምሕጋዝ እንገብሮ ጻዕሪ ፍረ ኸም ዚህልዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ይሁዳ 22, 23) ኵላትና ‘ብፍርሃትን ራዕድን ምድሓንና ኽንፍጽም’ ይግባእ። (ፊልጲ 2:12) እዚ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ብርሃን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኣልባብና ኸም ዚበርህ ምግባርን ኣብ ኣመለኻኽታና: ኣብ ድሌትና: ከምኡውን ኣብ ፍቕርና ምናልባት ከነዐርዮ ዚግባእ ነገር እንተሎ ምንዳይን ዜጠቓልል እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:19

ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ እዋን ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝነበረካ ቕንኣት ነክዩ ድዩ፧ ነክዩ እንተደኣ ዀይኑ ስለምንታይ፧ ምናልባት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኻብ መጠን ንላዕሊ ትውከል ስለ ዘለኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሽግር እዚ ኸም ዘሎካ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ የሆዋ ነቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ኣብ ሃጌ 1:2-11 ዝበሎም ኣንብብ እሞ ብቕንዕና ኣስተንትነሉ። ካብኡ ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ብዛዕባ ናብራን ስጋዊ ምሾትን እጭነቕ ድየ፧ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂበ: የሆዋ ንስድራቤተይ ከም ዝኣልዮም ብሓቂ እኣምን ድየ፧ ወይስ ፈለማ ባዕለይ ንገዛእ ርእሰይ ክኣሊ ኸም ዘሎኒ እዩ ዚስመዓኒ፧’ ኣተሓሳስባኻን ስምዒትካን ምትዕርራይ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ: ነዚ ኻብ ምግባር ድሕር ኣይትበል። ከም እኒ ኣብ ማቴዎስ 6:25-33፣ ሉቃስ 12:13-21፣ ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 6:6-12 ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብስጋዊ ነገራትን ጥሪትን ዝመጸ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኽህልወና ዚሕግዝ እዩ።—ሚልክያስ 3:10

ከምዚ ጌርካ ንርእስኻ ብሓቂ ምምርማር ቀሊል ኣይኰነን። እተወሰነ ድኽመት ከም ዘሎና ምስ ዚንገረና ኣሚንና ምቕባሉ ስምዒት ዚጐድእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ብፍቕሪ ተደሪኽካ ንውሉድካ: መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮ ሰብ: ወይውን ንርእስኻ ትሕግዝ እንተለኻ: እቲ ጕዳይ ብሕታዊ ይኹን ተኣፋፊ ብዘየገድስ ንህይወትካ ወይ ከኣ ንህይወት እቲ እትሕግዞ ሰብ ንምድሓን ናይ መጀመርያ ስጕምቲ ኢኻ እትወስድ ዘለኻ።—ገላትያ 6:1

እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ ዘይብሉ እንተ መሰለኸ፧ ቀልጢፍካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ከመይሲ: ንዘይፍጹም ልቢ ምዕራይ ኣዝዩ ዜሸግር: ግዜ ዜድልዮ: ሓድሓደ ግዜ እውን ዜበሳጩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ ዓስቢ ግን ኣለዎ።

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኤሪክ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘በታ ሓቂ ኺመላለስ’ ጀመረ። (2 ዮሃንስ 4) ኤሪክ “እንታይ ከም ዝጐደለኒ ምስ ተረድኣኒ: ናብ የሆዋ ተመለስኩ” በለ። ሕጂ: ብሓገዝ ወለዱ ንኣምላኽ ብተኣማንነት የገልግል ኣሎ። ዋላ እኳ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ወለዱ ንልቡ ኺምርምር ዝገበርዎ ጻዕሪ ይቃወሞ እንተ ነበረ: ሕጂ ግን ኣዝዩ እዩ ዜማስወሉ። “ወለደይ ንፉዓት እዮም። ኵሉ ሳዕ ፍቕሮም የርእዩኒ ነይሮም” በለ።

ብርሃን ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ እቶም እንምህሮም ከም ዚበርህ ምግባር ሓደ ኻብቲ ለውሃትና እነርእየሉ መገዲ እዩ። (መዝሙር 141:5) እቲ ሓድሽ ክርስትያናዊ ባህርይ ሱር ይሰድድ እንተልዩ ንምፍላጥ ኣልባብ ደቅኹምን ኣልባብ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህርዎምን መርምሩ። ነቲ ‘ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ብምምቓል:’ እታ ሓቂ ኣባኹምን ኣብ ካልኦትን ወትሩ ኸም እትዓዪ ግበሩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:15

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ቃላት የሱስ ነቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ድኽመት ገለጾ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ኣብ ልቡ ዘሎ ኸም ዚገልጽ ግበር