ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

“እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ።”መዝሙር 145:17

1. ሓደ ሰብ ብዛዕባኻ ኣብ ግጉይ መደምደምታ እንተ በጺሑ: እንታይ እዩ ዚስምዓካ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

 ሰብ ብዛዕባኻ ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጺሑዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ንዅሉ እቲ ጭቡጥ ነገራት ከይመርመረ ንተግባራትካ ወይ ውሽጣዊ ድራኸኻ ኣብ ሕቶ የእትዎ ይኸውን። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ: ተጐዲእካ ኽትከውን ኣሎካ። ከምኡ ኺስምዓካ እውን ሓቅኻ ኢኻ። ካብዚ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከይፈለጥና ዘሊልና ናብ መደምደምታ ምብጻሕ ጌጋ እዩ።

2, 3. ገሊኦም ሰባት ነቲ ንዅሉ ሕቶታት እኹል ዝርዝር ዘይብሉ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበቡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ይበጽሑ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይነግረና፧

2 ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሓደ መደምደምታ ቕድሚ ምብጻሕና: ነዚ እተመሃርናዮ ነጥቢ ኽንዝክሮ ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት ንመጀመርታ ርእይ ምስ ኣበልናዮ ኣይርድኣናን ይኸውን። እዚ ብዛዕባ ገሊኦም ኣምለኽቱ ዝገበርዎ ተግባር ወይ ብዛዕባ ቐደም እተፈጸመ ፍርድታት ኣምላኽ ዚገልጽ ጸብጻባት ንዅሉ ሕቶታትና ንምምላስ እኹል ዝርዝር ሓሳባት ኣይሕዝን ይኸውን። እቲ ዜሕዝን ገሊኦም ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ጥራይ ብምትኳር: ንቕንዕናን ፍትሓውነትን ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን የሆዋ “ብዅሉ መገዱ ጻድቕ” ምዃኑ ይነግረና። (መዝሙር 145:17) ቃሉ ድማ “ዓመጻ ኣይገብርን” ብምባል የረጋግጸልና። (እዮብ 34:12፣ መዝሙር 37:28 ትርጕም 1990) እምበኣር: ካልኦት ብዛዕባኡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኺበጽሑ ኸለዉ ዚስምዖ ስምዒት እሞ ገምቶ!

3 ፍርድታት የሆዋ ኸም ግቡእ ጌርና ኽንቅበሎ ዚግብኣና ሓሙሽተ ምኽንያታት እስከ ንርአ። ድሕሪኡ ነዚ ምኽንያታት እዚ ብምሓዝ: ንገሊኦም ሰባት ንምርዳኡ ዜጸገሞም ክልተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት ክንርኢ ኢና።

ፍርድታት የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4. ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ ኽንዛረብ ከለና ትሑታት ክንከውን ዚግብኣና ስለምንታይ እዩ፧ ብመብርሂ ኣረድእ።

4 ቀዳማይ: የሆዋ ንዅሉ እቲ ዝርዝር ነገራት ስለ ዚፈልጦ: ንሕና ግን ስለ ዘይንፈልጦ: ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ ኽንዛረብ ከለና ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ነዚ ንምብራህ: ሓደ ብፍትሓውነቱ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ዳኛ ትፈልጥ ኢኻ ንበል። እዚ ዳኛ እዚ ፍርዲ ሃበ። ሓደ ነቲ ዅሉ ዝርዝር ነገራት ከይፈለጠ ወይ ነቲ ሕግታት ኣጸቢቑ ኸይተረድአ ነቲ ዳኛ ዚነቕፎ ሰብ እንተ ትረክብ ብዛዕባኡ እንታይ ምሓሰብካ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ከይፈለጠ ዚነቅፍ ሰብ: ስራሕ ዕሽነት እዩ ዚሰርሕ። (ምሳሌ 18:13) ሰባት ነቲ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ኺነቕፍዎ ደኣ እሞ ዝገደደ ዕሽነትዶ ኸይኰነ፧—ዘፍጥረት 18:25

5. ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ዝፈጸሞ ፍርዲ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

5 ፍርድታት ኣምላኽ እንቕበለሉ ኻልኣይ ምኽንያት: ኣምላኽ ከም ሰባት ዘይኰነስ ልቢ ኼንብብ ስለ ዚኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 16:7) ቃሉ “ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ: ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ: ንልቢ እምርምሮ: ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ” ይብል። (ኤርምያስ 17:10) ስለዚ: ብዛዕባ ፍርድታት የሆዋ ዚገልጽ እተወሰነ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: እተን ንዅሉ ዚርእያ ኣዒንቱ ነቲ ኣብ ቃሉ ዘይምዝገብ ውሽጣዊ ሓሳባትን ድራኸን ውጥንን ኣብ ግምት ከም ዜእትዋ ኣይንረስዕ።—1 ዜና መዋእል 28:9

6, 7. (ሀ) የሆዋ ብዙሕ መስዋእቲ ዜኽፍሎ እኳ እንተዀነ: ነቲ ፍትሓውን ጽድቃውን ስርዓታቱ ኸም ዘይጥሕስ ብምንታይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ፍትሓዊ ወይ ቅኑዕ ስጕምቲ ወሲዱ እንተ ዀይኑ ዜጠራጥረና ነገር እንተ ኣንቢብና: እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

6 ፍርድታት የሆዋ እንቕበለሉ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ መስዋእቲ ዜኽፍሎ እኳ እንተዀነ: ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዘይጥሕስ ምዃኑ እዩ። ኣብነት እስከ ንርአ። እዙዛት ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኺድሕኑ ኢሉ ወዱ በጃ ኺህብ ከሎ: የሆዋ ፍትሓውን ጽድቃውን ስርዓታቱ እዩ ስዒቡ። (ሮሜ 5:18, 19) ኰይኑ ግን: እቲ ፍቑር ወዱ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኺሳቐን ኪመውትን ከሎ ምርኣይ: ኣዝዩ ኸቢድ ስቓይ ኣስዒቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚነግረና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ” ኣመልኪቱ “ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ” ብምባል ይገልጸልና። (ሮሜ 3:24-26) ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንሮሜ 3:25 “እዚ ኸኣ ኣምላኽ ወትሩ ቕኑዕን ፍትሓውን ነገራት ጥራይ ዚገብር ምዃኑ የርኢ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። (ኒው ሰንችሪ ቨርሽን) እወ: የሆዋ ነቲ በጃ ንምድላው ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ “ቕኑዕን ፍትሓውን” ከም ዝዀነ እዩ ዜርኢ።

7 እምበኣር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ፍትሓዊ ወይ ቅኑዕ ስጕምቲ ወሲዱ እንተ ዀይኑ ንገሊኦም ዜጠራጥሮም ጸብጻብ እንተ ኣንቢብና: ነቲ ጽድቃውን ፍትሓውን ስርዓታቱ እሙን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ንወዱ እኳ ብዜሳቒ መገዲ ኻብ ሙማት ከም ዘይነሓፎ ኽንዝክር ኣሎና። እሞ ደኣኸ ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ካልእ መዳያት ይጥሕሶ እዩ ኽንብል ንኽእልዶ፧ የሆዋ ነቲ ጽድቃውን ፍትሓውን ስርዓታቱ ኸቶ ኣይጥሕሶን እዩ። እምበኣር: ወትሩ ቕኑዕን ፍትሓውን ዘበለ ኸም ዚገብር ንኽንኣምን እኹል ምኽንያታት ኣሎና።—እዮብ 37:23

8. የሆዋ ፍትሕን ጽድቅን ይጐድሎ ኢልካ ምሕሳብ ርትዓዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ፍርድታት የሆዋ ኽንቅበለሉ ዚግብኣና ራብዓይ ምኽንያት: የሆዋ ንሰብ ብመልክዑ ስለ ዝፈጠሮ እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ስለዚ: ደቅሰብ ከም ፍትሕን ጽድቅን ዝኣመሰለ ናይ ኣምላኽ ባህርያት ወሪሶም እዮም። ካብኡ ፍትሕን ጽድቅን ወሪስና ኽነስና: የሆዋ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ከም ዝጐደሎ ጌርና ምስ እንሓስብ ርትዓዊ ኣይኰነን። እተወሰነ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ኣብዩና ንምቕባሉ እንተ ኣሸጊሩና: እቲ ብዛዕባ ፍትሕን ቅንዕናን ዘሎና ኣመለኻኽታ ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ዘይፍጹም ወይ ጐደሎ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። እቲ ብመልክዑ ዝፈጠረና የሆዋ ኣምላኽ: ብፍትሕን ጽድቅን ፍጹም እዩ። (ዘዳግም 32:4) ሰባት ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ፍትሓውያንን ጻድቃንን ኪዀኑ ይኽእሉ ኢልካ ምሕሳብ ንገዛእ ርእሱ ትርጕም የብሉን።—ሮሜ 3:4, 5፣ 9:14

9, 10. የሆዋ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ንሰባት ኪገልጽ ወይ መርትዖኡ ኬቕርብ ግዴታ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

9 ፍርድታት የሆዋ እንቕበለሉ ሓምሻይ ምኽንያት: ንሱ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ስለ ዝዀነ እዩ። (መዝሙር 83:18) ስለዚ ኸኣ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ንሰባት ኪገልጽ ወይ መርትዖኡ ኬቕርብ ግዴታ የብሉን። ንሱ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት እዩ: ንሕና ኸኣ ጽቡር መሬት ኢና: ስለዚ: ደስ ዝበሎ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ሮሜ 9:19-21) ኣቕሓ መሬት ክነስና ውሳነታቱ ወይ ተግባራቱ ኣብ ሕቶ እነእቱኸ ንሕና መን ኢና፧ እዮብ ነቲ ኣምላኽ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ብጌጋ ምስ ተረድኦ: የሆዋ “ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ: ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ: ንኣይከ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ አሎኻ፧” ኢሉ ኣረሞ። እዮብ ብዘይ ምስትውዓል ከም እተዛረበ ምስ ተረድኦ ተነስሐ። (እዮብ 40:8፣ 42:6) እምበኣር: ኣብ ኣምላኽ ጕድለት ኣሎ ኢልና ኸቶ ኣይንሕሰብ!

10 የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ነገር ከም ዚገብር ንኽንኣምን እኹል ምኽንያታት ኣሎና። ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ነዚ መሰረት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ገሊኦም ሰባት ኣጸጋሚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ኽልተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንመርምር። እቲ ቐዳማይ: ሓደ ኻብ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝገበሮ ተግባር ብዚምልከት ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣምላኽ ፍርዱ ዝፈጸመሉ ጸብጻብ እዩ።

ሎጥ ነቶም ተቘጢዖም ዝመጹ ጭፍራ: ኣዋልዱ ኺህቦም ሓሳብ ዘቕረበ ስለምንታይ እዩ፧

11, 12. (ሀ) ኣምላኽ ነቶም ክልተ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ናብ ሶዶም ምስ ለኣኾም እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧ (ለ) እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ኣእምሮ ገሊኦም ሰባት እንታይ ሕቶታት እዩ ኣበጊሱ፧

11 ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 19: ኣምላኽ ክልተ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ናብ ሶዶም ምስ ለኣኸ: እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ሎጥ ነቶም ኣጋይሽ ናብ ቤቱ ኺኣትዉ ግዲ በሎም። በታ ምሸት እቲኣ ግን ጭፍራ ሰብኡት መጺኦም ነታ ቤት ከበብዋ: ነቶም ኣጋይሽ ምእንቲ ኼራኽስዎም ድማ ናባታቶም ኬውጽኣሎም ሓተትዎ። ሎጥ ነቶም ጭፍራ ኼረድኦም እኳ እንተ ጸዓረ ኣይሰለጦን። ነቶም ኣጋይሹ ምእንቲ ኼዕቍቦም ኢሉ: “ኣሕዋተየ: ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ: እነዋ: ሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ አለዋኒ: በጃኹም ሕደጉ: ንኣታተን ከውጽኣልኩም: ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ አትዮም እዮም እሞ: ገለ እኳ ኣይትግበርዎም” በሎም። እቶም ጭፍራ ግን ኣይሰምዕዎን: ማዕጾ ኪሰብሩ እውን ቀረቡ። ኣብ መወዳእታ: እቶም ኣጋይሽ ኰይኖም ዝመጹ መላእኽቲ ነቶም ዓበድበድ ዚብሉ ዝነበሩ ሰባት ኣዖርዎም።—ዘፍጥረት 19:1-11

12 እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ኣእምሮ ገሊኦም ሰባት ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ። ‘ሎጥ ነጋይሹ ንኺከላኸል ኪብል ከመይ ኢሉ እዩ ኣዋልዱ ነቶም ጾታዊ ህርፋን ዝነበሮም ሰባት ኪህቦም ሓሳብ ዘቕረበሎም፧ ኣብዝስ ጌጋ ወይ ስራሕ ፈራሃትን ደይኰነን ዚገብር ነይሩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ጴጥሮስ ነዚ ብዚምልከት ኪጽሕፍ ከሎ ንሎጥ “ጻድቕ” ኪብሎ መንፈስ ኣምላኽ ዝደረኾ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቲ ሎጥ ዝገበሮ ነገር ሰሚርዎ ድዩ፧ (2 ጴጥሮስ 2:7, 8) ኣብ ግጉይ መደምደምታ ምእንቲ ኸይንበጽሕ ነዚ ጕዳይ እዚ እስከ ንሕሰበሉ።

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሎጥ ዝገበሮ ነገር እንታይ ኢና ኸነስተብህለሉ ዚግብኣና፧ (ለ) ሎጥ ፈራህ ከም ዘይነበረ ዜርእየና እንታይ እዩ፧

13 ፈለማ: ነቲ ሎጥ ዝገበሮ ነገር ቅድሚ ምንኣድና ወይ ምዅናንና: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ እተፈጸመ ነገር ጥራይ ከም ዝገለጸ ንዘክር። ሎጥ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ወይ ነዚ ነገር እዚ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ‘ኣብ ትንሳኤ ጻድቃን’ እንደገና ህያው ምስ ኰነ: ምናልባት ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ይነግረና ይኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

14 ሎጥ ፈራህ ኣይነበረን። ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ። ብዛዕባ እቶም ኣጋይሹ “ኣብ ጽላል ናሕሰይ አትዮም” ምባሉ: ዕቝባን ጸግዕን ኪዀኖም ግዴታ ኸም ዘለዎ እዩ ዚሕብር ነይሩ። እዚ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ጆሰፈስ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ሶዶማውያን “ንሰባት ዚገፍዑ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ኽፉኣት” ምንባሮም ድሕሪ ምግላጽ: “ጓኖት ይጸልኡ: ብግብረ-ሶዶም ድማ ይጋሰስዎም ነበሩ” በለ። ሎጥ ግን ካብዞም ጽልኢ ዝመልኦም ጭፍራ ኣይሃደመን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ናባታቶም ወጺኡ ኼረድኦም እዩ ዝጸዓረ። አረ እቲ ጸብጻብሲ “ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ” እዩ ዚብል—ዘፍጥረት 19:6

15. ሎጥ ብእምነት ነዚ ስጕምቲ እዚ ወሲዱ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

15 ገሊኦም ሰባት ‘እንተዀነ ግን: ስለምንታይ እዩ ነዋልዱ ነቶም ጭፍራ ኺህቦም ዝሓሰበ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ካብ ሕማቕ ድራኸ ተበጊሱ ኢልና ኣብ ክንዲ እንሓስብ: ገለ ኻልእ መገድታት ስለምንታይ ዘይንሓስብ፧ ቅድም ቀዳድም: ሎጥ ብእምነት ነዚ ይገብር ነይሩ ይኸውን። ብኸመይ፧ የሆዋ ንሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ሓወቦኡ ብኸመይ ከም ዘዕቈባ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሳራ ኣዝያ ምልክዕቲ ስለ ዝነበረት: ኣብርሃም ንዓኣ ኺወስዱ ኢሎም ምእንቲ ኸይቀትልዎ ሓወይ እዩ ኽትብል ተዛሪቡዋ ኸም ዝነበረ ንዘክር። a በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሳራ ናብ ቤት ፈርኦን ተወስደት። የሆዋ ግን ንፈርኦን ንሳራ ኸይዕምጻ ብምኽልካል ጣልቃ ኣተወ። (ዘፍጥረት 12:11-20) ሎጥ እውን ኣዋልዱ ብተመሳሳሊ ዕቝባ የሆዋ ኺረኽባ ኸም ዚኽእላ እምነት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ብመላእኽቱ ኣቢሉ ድማ ብርግጽ ጣልቃ ኣትዩ እዩ: ነተን ኣዋልድ እውን ገለ ጕድኣት ኣይወረደንን።

16, 17. (ሀ) ሎጥ ነቶም ሰብ ሶዶም ስኽሕክሕ ከም ዚብሎም ወይ ከም ዚደናገሩ ኺገብር ይጽዕር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎጥ ዝሓስቦ ዝነበረ ብዘየገድስ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

16 ሎጥ ነቶም ሰባት ስኽሕክሕ ከም ዚብሎም ወይ ከም ዚደናገሩ ኺገብሮም እውን ይጽዕር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ጭፍራ ሰብኡት ግብረ-ሶዶም ኪፍጽሙ ዝሃረፉ ብምባሮም: ኣዋልዱ ብኣታቶም ዘይድለያ ኸም ዝዀና ኣሚኑ ነይሩ ይኸውን። (ይሁዳ 7) ኣብ ርእሲ እዚውን እተን ኣዋልድ ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ሰባት ተሓጽየን ብምንባረን: ነቶም ሕጹያተን ኣዝማዶም: ፈተውቶም: ወይ መሳርሕቶም ምስቶም ጭፍራ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 19:14) ስለዚ: ገሊኦም ካብቶም ጭፍራ ናይ ስጋ ቐንጥይዎም ነዋልዱ ኸም ዚከላኸሉለን ሓሲቡ ይኸውን። በዚ ኸምዚ እተኸፋፈለ ጭፍራ ኽሳዕ ክንድቲ ሓደገኛ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። b

17 ሎጥ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ወይ ዝደረኾ ነገር እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ዚገብር ብምዃኑ: ንሎጥ ከም “ጻድቕ” ገይሩ ንኺርእዮ እኹል ምኽንያት ከም ዘለዎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ነቲ እቶም ዕቡዳት ሶዶማውያን ዝገበርዎ ተግባራት ክንርኢ ኸለና ኸኣ የሆዋ ንተቐማጦ እታ እክይቲ ኸተማ ንኼጥፍኦም ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎስ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ድዩ፧—ዘፍጥረት 19:23-25

የሆዋ ንዑዛ ዝቐዘፎ ስለምንታይ እዩ፧

18. (ሀ) ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ኬደይቦ ምስ ፈተነ እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) እዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ሕቶ የበግስ፧

18 ንገሊኦም ምርዳእ ዚኣብዮም ካልእ ጸብጻብ ከኣ ነቲ ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኬደይቦ ዝገበሮ ፈተነ እዩ። እቲ ታቦት ኣብቲ ዑዛን ሓዉን ዚመርሕዎ ዝነበሩ ሰረገላ ተሰቕለ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና: እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ: ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ። ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ: ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ: ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ።” ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ እቲ ታቦት ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ሌዋውያን ደቂ ቃሃት ጾይሮም ምስ ኣግዓዝዎ ግን ዋላ ሓንቲ ሽግር ኣየጋጠመን። (2 ሳሙኤል 6:6, 7፣ ዘሁልቍ 4:15፣ 7:9፣ 1 ዜና መዋእል 15:1-14) ገሊኦም ሰባት ‘የሆዋ ኸቢድ ስጕምቲ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ ዑዛ ነቲ ታቦት ካብ ምውዳቕ የድሕኖ ደይኰነን ነይሩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ኣብ ግጉይ መደምደምታ ምእንቲ ኸይንበጽሕ: ንእተወሰነ ኣገዳሲ ዝርዝራት ከነስተብህለሉ ኣሎና።

19. የሆዋ ዘይፍትሓዊ ነገር ኪገብር ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

19 የሆዋ ኽፍኣት ዚበሃል ከም ዘይገብር ክንዝክር ኣሎና። (እዮብ 34:10) ከምዚ ምግባር ፍቕራዊ ኣይኰነን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነጽንዓሉ እዋን ከኣ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ኢና ተማሂርና። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱሳት ጽሑፋት “መሰረት ዝፋን [ኣምላኽ] ጽድቅን ቅንዕናን እዩ” ይብል። (መዝሙር 89:14) ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ እሞ የሆዋ ዘይፍትሓዊ ነገር ኪገብር፧ ከምኡ ዚገብር እንተ ዚኸውን ነይሩ: ነቲ መሰረት ልዑላውነቱ የፍርስ ከም ዘሎ ምዀነ።

20. ዑዛ ነቲ ታቦት ዚምልከት ሕግታት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ ዜብለና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

20 ዑዛ ነቲ ሕጊ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። እቲ ታቦት ከኣ የሆዋ ኣብ መንጎኦም ከም ዘሎ ዜመልክት ነበረ። ሓላፍነት ብዘይተዋህቦ ውልቀ-ሰብ ኪትንከፍ ከም ዘይብሉ: ነዚ ዝጠሓሱ ድማ ብሞት ከም ዚቕጽዑ እቲ ሕጊ ብንጹር ይገልጽ ነበረ። (ዘሁልቍ 4:18-20፣ 7:89) ስለዚ: ነቲ ታቦት ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ኣፍኲስካ ዚርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ዑዛ ኻህን እኳ እንተ ዘይኰነ ሌዋዊ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ነቲ ሕጊ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚውን እቲ ታቦት ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ኣቦኡ ይሕሎ ነበረ። (1 ሳሙኤል 6:20-7:1) ክሳዕ እቲ ዳዊት ኬግዕዞ ዝሓሰበሉ እዋን ን70 ዓመት ዚኸውን ኣብታ ቤት እቲኣ ጸንሐ። ስለዚ: ዑዛ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ነቲ ታቦት ዚምልከት ሕግታት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

21. ንዑዛ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ: የሆዋ ልቢ ኸም ዚርኢ ምዝካር ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

21 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ዑዛ ዝገበሮ ነገር ‘ድፍረት’ ኢሉ ስለ ዚገልጾ: የሆዋ ኣብቲ ጸብጻብ እቲ ብንጹር ዘይተገልጸ ስስዐ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ዑዛ ቐይድታት ዚጥሕስ ዕቡይ ሰብ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ (ምሳሌ 11:2) እቲ ስድራቤቱ ብስቱር ዚሕልዉዎ ዝነበሩ ታቦት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኺመርሕ ምጅማሩ ርእሱ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርኢ ገይርዎዶ ይኸውን፧ (ምሳሌ 8:13) እምነት ስለ ዝጐደለቶ ነቲ የሆዋ ኣብ መንጎኦም ከም ዘሎ ዜምልክት ታቦት ካብ ምውዳቕ ንምድሓን ኢድ የሆዋ ኣዝያ ሓጻር ከም ዝዀነት ገይሩዶ ሓሲቡ ይኸውን፧ እዚ ዀነ እቲ: የሆዋ ቕኑዕ ከም ዝገበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅልጡፍ ስጕምቲ ንኺወስድ ዝደረኾ ነገር ኣብ ልቢ ዑዛ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 21:2

እምንቶ ንኸነሕድር መሰረት ዝዀነና ነገር

22. የሆዋ ሓድሓደ ግዜ እተወሰነ ዝርዝር ነገራት ኣብ ቃሉ ዘየስፍር ምዃኑ ንጥበቡ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

22 የሆዋ ሓድሓደ ግዜ እተወሰነ ዝርዝር ነገራት ኣብ ቃሉ ዘየስፍር ምዃኑ ነታ መወዳድርቲ ዘይብላ ጥበቡ እዩ ዜንጸባርቕ። በዚ ኸምዚ ንኽንኣምኖ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። ካብዚ ዝረኣናዮ ጸብጻባት ጥራይ: ፍርድታት የሆዋ ንኽንቅበል እኹል ምኽንያታት ከም ዘሎናስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧ እወ: ብንጹህ ልብን ብኽፉት ኣእምሮን ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና: የሆዋ ወትሩ ፍትሓውን ቅኑዕን ዘበለ ኸም ዚገብር ንኽንኣምን ዜኽእለና እኹል ፍልጠት ንረክብ ኢና። ስለዚ: ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት ብኡንብኡ መልሲ ዘይንረኽበሉ ሕቶታት እንተ ኣበጊሱልና: የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዝገበረ ምሉእ እምንቶ ነሕድር።

23. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚወስዶ ስጕምቲ እንታይ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል፧

23 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚወስዶ ስጕምቲ እውን ተመሳሳሊ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣብቲ ዚቐርብ ዘሎ ዓብዪ መከራ ፍርዱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን: ‘ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ’ ከም ዘየጥፍኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 18:23) ንጽድቅን ፍትሕን ዘለዎ ፍቕሪ ኸምዚ ንኺገብር ኣየፍቅደሉን እዩ። ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም: ንዅሉ እቲ ዜድልየና ነገራት ብበረኸት ከም ዜማልኣልና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 145:16

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሓደ ጥንታዊ ፓፒረስ ብዛዕባ ሓደ ንሰብኡተን ብምቕታል ጽቡቓት ኣንስቲ ዜምጽኡሉ ዕጡቓት ሰባት ዘለዉዎ ፈርኦን ስለ ዚገልጽ: ኣብርሃም ኪፈርህ ሓቁ እዩ።

b ተወሳኺ ነጥብታት እንተ ደሊኻ: ናይ 1 ታሕሳስ 1979 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ፍርድታት የሆዋ ኽንቅበል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ብዛዕባ እቲ ሎጥ ነዋልዱ ኺህብ ዘቕረቦ ሓሳብ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኸይንበጽሕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

• የሆዋ ንዑዛ ዝቐዘፈሉ ምኽንያት ንኽንርዳእ እንታይ ረቛሒታት ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚወስዶ ስጕምቲ እንታይ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]