ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ እንተ ተገደድካ’

‘ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ እንተ ተገደድካ’

‘ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ እንተ ተገደድካ’

“ኣታ! ነቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ገዲፍካ: ነዚ ኣቕሓ እዚ እስከ ተሰከመለይ።” ሓደ ሮማዊ ወተሃደር ንሓደ ብስርሑ ትሑዝ ዝጸንሐ ኣይሁዳዊ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እንተ ዚብሎ: እቲ ኣይሁዳዊ እንታይ ዚገብር ይመስለካ፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት “ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዝገደደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 5:41 ትርጕም 1990) ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ እዮም ነዚ ዚርድእዎ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምርካብ ብዛዕባ እቲ ጥንቲ ዝነበረ ግድነታዊ ኣገልግሎት ክንፈልጥ ኣሎና። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነዚ ዓይነት ዕዮ እዚ ኣጸቢቖም እዮም ዚፈልጥዎ ነይሮም።

ግድነታዊ ኣገልግሎት

ኣብ ቀረባ ምብራቕ ካብ መበል 18 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ግድነታዊ ኣገልግሎት ይዕየየሉ ነይሩ እዩ። ኣብታ ኣላላክ እትበሃል ጥንታዊት ከተማ ሶርያ እተረኽበ ንምምሕዳር ዚምልከት ጽሑፍ: ብዛዕባ እቶም ኣገልግሎት ኪህቡ ኣብ መንግስቲ እተመዝገቡ ዓየይቲ ይገልጽ። ኣብታ ኣብ ገማግም ሶርያ እትርከብ ኡጋሪት ከኣ ዓዃይ ዘበለ ብንጉስ ናጻ እንተ ዘይተገይሩ: ተመሳሳሊ ዕዮ ኺፍጽም ግዴታ ነበሮ።

እተሳዕረ ወይ እተምበርከኸ ህዝቢ ንሸቕሊ የገልግል ነበረ። ግብጻውያን ኣዕየይቲ ንእስራኤላውያን ጡብ ኪሰርሑሎም ይግድድዎም ነበሩ። ጸኒሖም እስራኤላውያን ነቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ከነኣናውያን ባሮት ገይሮምዎም ነይሮም: ክሳዕ ንግስና ዳዊትን ሰሎሞንን እውን ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ቐጸለ።—ዘጸኣት 1:13, 14፣ 2 ሳሙኤል 12:31፣ 1 ነገስት 9:20, 21

እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሰሎም ምስ ሓተቱ: እቲ ንጉስ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዮም ሳሙኤል ገለጸሎም። ንተገዛእቱ ኸኣ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን: ማሕረሱ ዚሓርሱን ዓጺዱ ዚዓጽዱን: ኣጽዋር ውግኡ ዚሰርሑ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዚዓዩ ኸም ዚገብሮም ሓበሮም። (1 ሳሙኤል 8:4-17) ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ እተሃንጸትሉ እዋን: ወጻእተኛታት ባሮት ኰይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ: “ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን: ተዋጋእትን ገላውኡን ሹማምቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር: ባሮት ኣይገበረን።”—1 ነገስት 9:22

ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ህንጸት እተሳተፉ እስራኤላውያን: 1 ነገስት 5:13, 14 “ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤልስ ሐርዩ ዓየይቲ አከበ: እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰኑ። እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ: ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ” ትብል። ሓደ ምሁር “ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ነቲ ናይ ህንጸት ዕዮኦም ብዘይ ክፍሊት ንምህናጽን ነቲ ብንጉስ ዚውነን ምድሪ ንምዕያይን ግድነታዊ ኣገልግሎት ይጥቀሙ ምንባሮም ዜጠራጥር ኣይኰነን” በለ።

ኣብ ትሕቲ ሰሎሞን እቲ ጾር ከቢዱ ነበረ። እቲ ዕዮ ኣዝዩ ኸቢዱ ስለ ዝነበረ: ሮብዓም ጾር ከም ዚውስኸሎም ምስ ኣፈራርሆም: ኵሎም እስራኤላውያን ዓለዉ: ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባሮ ተሸይሙ ዝነበረ ሰብ ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። (1 ነገስት 12:12-18) ይኹን እምበር: እቲ ኣሰራርሓ ኣይፈረሰን። እቲ ንሮብዓም ወዲ ወዱ ዝዀነ ኣሳ ንኸተማታት ጌባዕን ሚጽጳን ንምስራሕ “ሓደ እኳ ናጻ ኸይሓደገ” ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ።—1 ነገስት 15:22

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ

እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣገልግሎት ንምሃብ ‘ኪኸዱ ኸም ዚግደዱ’ እዩ ዚሕብር። እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘላ ኣጋሬቮ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ፈለማ ንፋርሳውያን ልኡኻት መንግስቲ እተመልክት ነበረት። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንሰባት: ነፍራስ: ንመራኽብ: ወይ ዝዀነ ይኹን ንስራሕ ዜቀላጥፍ ነገር ብግዲ ኣገልግሎት ከም ዚህቡ ኺገብሩ ስልጣን ነበሮም።

ብግዜ የሱስ: እስራኤል በቶም ተመሳሳሊ ኣገባብ ዚስዕቡ ዝነበሩ ሮማውያን ተታሒዛ ነበረት። እቶም ኣብተን ምብራቓውያን ኣውራጃታት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣብ ርእሲ እቲ ንቡር ግብሪ: ኣዘውቲርካ ወይ ሓሓሊፍካ ግድነታዊ ዕዮ ኺዓዩ ይእዘዙ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግዴታ ኣይፍቶን እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡውን መጓዓዝያ ዀይኖም ንኼገልግሉ ኢልካ እንስሳታት: ኰብኰብቲ እንስሳታት: ወይ ሰረገላታት ብዘይ ፍቓድ ምግዳድ ልሙድ ነበረ። ብመሰረት ማይክል ሮስቶፍጺፍ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: እቶም ኣመሓደርቲ ነቲ ኣሰራርሓ “ሕግን ስርዓትን ኬውጽኡሉ እኳ እንተ ጸዓሩ: እቲ ኣሰራርሓ እቲ ኽሳዕ ዝቐጸለ ሕማቕ ሳዕቤን ደኣ ነበሮ እምበር ኣሳልጦ ኣይረኸቡሉን። እቶም ሹመኛታት ነቲ ኣብቲ ኣሰራርሓ ዝሰረጸ ምልኪ ወይ ጭቈና ንምጥፋእ ሓያሎ ኣዋጃት የውጽኡ ነበሩ። . . . እቲ ኣሰራርሓ ግን ካብ ጭቈና ኣይተላቐቐን።”

ሓደ ግሪኻዊ ምሁር “ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣቓሑ እቲ ሰራዊት ንእተወሰነ ርሕቐት ኪስከም ግዴታ ነበሮ። እቶም ወረርቲ እውን ዝዀነ ይኹን ዚእዝዝዎ ኣገልግሎት ኪህብ ኪግድድዎ ይኽእሉ ነበሩ” በለ። ንኣብነት: ሮማውያን ዓቀይቲ ንስምኦን ቀሬናዊ ነቲ የሱስ እተሰቕለሉ ዕንጨይቲ ኺጸውር “ብግዲ” በልዎ።።—ማቴዎስ 27:32

ረቢታት ወይ መምህራን ሃይማኖት ኣይሁድ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት እውን ነዚ ብሰባት ዘይፍቶ ኣሰራርሓ ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ረቢ ኦም ጾጾ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኸም ዚወስድ ተገይሩ እዩ። ኣስራሕቲ ንሸቃሎኦም ደሞዝ እናኸፈሉ ኽነሶም: እቶም ሸቃሎ ይዉሰዱ እሞ ካልእ ዕዮ ይወሃቦም ነበረ። መጽዓኛታት ወይ ኣብዑር ብሓይሊ ይውሰዱ ነይሮም። ናብ ዋናኦም እንተ ተመሊሶም እውን ዋላ ሓንቲ ዕዮ ኺዓዩ ዘይክእሉ እዮም ዝዀኑ። ስለዚ ድማ ሰባት ንእተወሰነ እዋን ተባሂሉ እተወስደ ጥሪቶም ከም እተገበተ ገይሮም ይርእይዎ ምንባሮም ዜገርም ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ሓደ ምስላ ኣይሁድ “ኣጋሪያ ኸም ሞት እዩ” ይብል። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከኣ “ኣብ ክንዲ እቲ ብሕጊ እተፈቕደ መጽዓኛታት: ንዚሓርሱ ኣብዑር ኣጋሪያ ኪዀኑ ኢልካ ምውሳድ ንሓንቲ ቝሸት ኬዕንዋ ይኽእል ነበረ” በለ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ትዕቢትን ግፍዕን እተሓወሶ ኪኸውን ከሎ ድማ ክሳዕ ክንደይ ይጽላእ ምንባሩ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኣይሁድ ነቶም ዝገዝእዎም ኣህዛብ ይጸልእዎም ብምንባሮም: ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ዕዮ ኺዓዩ ኺግደዱ ኸለዉ የመርሮም ነበረ። ሓደ ዜጋ ኽሳዕ ክንደይ ዚኣክል ርሕቀት ጾር ኪጸውር ከም ዚግደድ ዚገልጽ ነገር የልቦን። እንተዀነ ግን: ሓያሎ ሰባት ካብቲ እቲ ሕጊ ዚሓቶ ሓንቲ ስጕሚ እኳ እንተዀነ ኪቕጽሉ ፍቓደኛ ኣይኰኑን ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

ይኹን እምበር: የሱስ ብዛዕባ እዚ እዩ “ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዝገደደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” ኢሉ እተዛረበ። (ማቴዎስ 5:41 ትርጕም 1990) ገሊኦም ነዚ ምስ ሰምዑ: ዘየመዛዝን ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኪዀኑ ኣለዎም። እንታይ ማለቱ ግን እዩ ነይሩ፧

ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

የሱስ ንሰማዕቱ ሓደ ብዓል ስልጣን ሕጋዊ ዕዮ ኺዓዩ እንተ ኣገዲድዎም: ብፍታው ከይተመረሩ ኺፍጽሙ ኸም ዘለዎም እዩ ዚገልጽ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ኪህቡ ኸለዉ: “ናይ ኣምላኽ . . . ንኣምላኽ” ምሃብ ግን ዕሽሽ ኣይብልዎን።—ማርቆስ 12:17 a

ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። . . . እኩይ እንተ ገበርካ . . . ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ: ፍራህ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ሮሜ 13:1-4

በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓደ ንጉስ ወይ መንግስቲ ዝሓተቶ ዘበለ ንዘየማልኡ ሰባት ንምቕጻዕ መሰል ከም ዘለዎ የሱስን ጳውሎስን ኣፍልጦ ሃቡሉ። እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ግን እዩ ነይሩ፧ ኤፒክቲተስ ዚበሃል ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዚነብር ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ “ዘይሓሰብካዮ ዅነታት ተፈጢሩ ሓደ ዓቀይታይ ንኣድግኻ እንተ ወሲድዎ: ይውሰዶ። ኣድግኻ ስኢንካስ መውቃዕቲ ምእንቲ ኸይውሰኸካ: ኣይትጻረሮ: ኣይተጕረምርም ከኣ” ብምባል እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ኸም ዝነበረ ገለጸ።

ጥንቲ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ሓድሓደ ግዜ ነቲ መንግስቲ ኺገብርዎ ዚሓቶም ዘበለ ብንጹህ ሕልናኦም ኪገብሩ ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ሳዕቤን ኣስዒቡሎም እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ሞት ተፈሪድዎም እዩ። ገሊኦም ከኣ ገለልትነቶም ከም ዚጥሕሱ ኣብ ዚገብር ዝበልዎ ዕዮ ምስታፍ ብምእባዮም ሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም። (ኢሳይያስ 2:4፣ ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ክርስትያናት ኪገብርዎ እተሓቱ ኺፍጽሙ ዚኽእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኰይኖም ንማሕበረሰብ ዚጠቅም ዕዮ ምፍጻሞም ንሕልናኦም ሕርኽርኽ ኣይበሎምን። እዚ ኸኣ ንኣረጋውያን ወይ ንስንኩላን ምሕጋዝ፣ መጥፋእቲ ሓዊ ዄንካ ምዕያይ፣ ገማግም ባሕሪ ምጽራይ፣ ኣብ መናፈሻ: ዱር: ወይ ቤተ-መጻሕፍቲ ምዕያይ፣ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ግን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ስለዚ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነቲ ኺገብሮ ዚሕተት ዘበለ ንኺገብር ወይ ንኸይገብር ንምውሳን: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺስዕብ ኣለዎ።

ክልተ ምዕራፍ ምኻድ

ነቲ ሕጋዊ ዕዮ ኽትዓዪ ዚወሃበካ ትእዛዝ ብፍታው ምፍጻም ዚብል የሱስ ዝመሃሮ ስርዓት: ኣብቲ መንግስቲ ዜቕርቦ ሕቶ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ርክባት ደቅሰብ እውን ዚዓዪ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ልዕሌኻ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ክትዓዮ ዘይትደሊ ግን ከኣ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዘይጻረር ነገር ክትገብር ይሓተካ ንበል። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ግዜኻን ጕልበትካን ንምምዝማዝ እተገብረ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ትሓርቕ ትኸውን። እዚ ኸኣ ጽልኢ እዩ ዜስዕብ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ቅር እናበለካ እንተ ሰሪሕካ: ውሽጣዊ ሰላምካ ትስእን። እንታይ ደኣሉ መፍትሒኡ፧ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኽልተ ምዕራፍ ኪድ። ነቲ ኽትገብሮ እተሓተትካ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ብፍታው ግበር። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ሃልዩካ: ትምዝመዝ ከም ዘለኻ ዀይኑ ኣይስምዓካን: ብኻልእ ሰብ እውን ቍጽጽር ኣይበዝሓካን።

ሓደ ደራሲ “ብዙሓት ሰባት ግዲ ዀይንዎም ዚዓይዎ ዕዮ እናዓየዩ እዮም ህይወቶም ዘሕልፍዎ። ንዓታቶም ህይወት ትኸብዶም እያ: ወትሩውን ምስ ደኸሙ እዮም። ገሊኦም ግን ግዴታኦም ይፍጽሙ ጥራይ ዘይኰነስ ብፍታው ንኻልእ ይሕግዙ” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ መብዛሕትኡ ዅነታት ብግዲ ሓደ ምዕራፍ ምኻድ ወይ ብፍታው ክልተ ምዕራፍ ምኻድ ዚብል ኣማራጺ እዩ ዘለዎ። እቲ ቐዳማይ መሰለይ ይከበረለይ ዚብል ዓይነት ውልቀ-ሰብ እዩ ዚገብሮ። እቲ ኻልኣይ ዓይነት ሰብ ግን ዜሐጕስ ዓስቢ ይረክብ ይኸውን። ንስኻኸ ኸመየናዮም ኢኻ፧ ንንጥፈታትካ ኸም ግዴታ ወይ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ክትገብሮ ኸም እትደሊ ነገር ጌርካ ምስ እትርእዮ: ዝያዳ ሓጐስን ፍረን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስልጣን ዘሎካ ውልቀ-ሰብ እንተደኣ ዄንካኸ፧ ሓደ ሰብ ንስልጣኑ ኻልኦት ዘይፈትዉዎ ነገር ብግዲ ኸም ዚዓዩ ንምግባር ኪጥቀመሉ ፍቕራዊ ወይ ክርስትያናዊ ኣይኰነን። የሱስ “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም” በለ። ክርስትያናት ግን ብኸምዚ ኣገባብ ኣይኰኑን ዚመላለሱ። (ማቴዎስ 20:25, 26) ተሪር ምዃን ፍረ ኺህልዎ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: እቶም ብሕያውነት ግቡእ ነገራት ኪፍጽሙ ዚሕተቱ ብኣኽብሮትን ብሓጐስን ምስ ዚእዘዙስ ኣብ መንጎ ዅላቶም ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ርክብ ኰን እዩ ዚህሉ! እወ: ኣብ ክንዲ ሓደ ምዕራፍ ጥራይ: ክልተ ምዕራፍ ክትከይድ ፍቓደኛ ምዃን ብሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ” ምሃብ ኪበሃል ከሎ ንክርስትያናት እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ዝርዝር መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ናይ 1 ግንቦት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-20 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ጥንቲ ብስም ኣገልግሎት እተገብረ ግፍዒ

ጥንቲ ብስም ግድነታዊ ኣገልግሎት ግፍዒ ይወርድ ምንባሩ: ካብቲ ነዚ ግፍዒ እዚ ደው ንምባል ተባሂሉ ዚወጽእ ዝነበረ ሕግታት ኪርአ ይከኣል እዩ። ብ118 ቅ.ኣ.ዘ. ገዛኢ ግብጺ ዝነበረ ቶለሚ ዩርጀቲዝ ዳግማይ: ሰበ-ስልጣኑ “ንዋላ ሓደ ኻብቶም ተቐማጦ እታ ሃገር ንብሕታዊ ኣገልግሎቶም ከይግድድዎም: ከብቶም ከኣ ንውልቃዊ ጥቕሞም ከይጠልቡ” ኣዋጅ ኣውጽአ። ኣብ ርእሲ እዚውን “ዋላ ሓደ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ንርእሱ ጀላቡ ኣይጥለብ” ዚብል ትእዛዝ ወጸ። ኣብቲ ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ግብጺ ኣብ ዚርከብ ቤተ-መቕደስ እቲ ዓብዪ ኦኣሲስ እተጻሕፈ ጽሑፍ: ቨርጂልያስ ካፒቶ ዚበሃል ሮማዊ ሹመኛ: ዓቀይቶት ዘይሕጋዊ ጠላባት ከም ዚጠልቡ ኣፍልጦ ሃበ: “ዋላ ሓደ ኻባይ ብጽሑፍ እተዋህበ ስልጣን እንተ ዘይብሉ: ንብረት ኪወስድ ወይ ኪጠልብ . . . የብሉን” ኢሉ ድማ ኣወጀ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንስምኦን ቀሬናዊ ብግዲ ኸም ዚጸውር ገበርዎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ክርስትያናዊ ኣቕዋሞም ፈልከት ብዘይምባሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ