ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ ተኣምራት!

ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ ተኣምራት!

ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ ተኣምራት!

እታ “ተኣምር” እትብል ቃል “ዜደንቕ: ዜገርም ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር፣ ዕጹብ” ዚብል ካልኣይ ትርጕም ኣለዋ። ኵላትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ኢዱ ዘየእተወሉ ተኣምር ርኢና ኢና።

ደቅሰብ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ዘለዎም ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ: ሓደ እዋን ዘይከውን ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ነገር ኪበጽሕዎ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት: ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ሕጂ ተራ ጌርካ ዚርአ ኮምፕዩተራት: ተለቪዥን: ናይ ህዋ ተክኖሎጂ: ከምኡውን ነዚ ዚመስል ዘመናዊ ምዕባለታት ዘይከውን ገይሮም ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ።

ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ድሩት ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ: ንሓደ ነገር ኣፎም መሊኦም ዘይከውን ምዃኑ ኺዛረቡ ኸም ዘይክእሉ ይእመኑ። እንተ በዝሐ: ዘይመስል እዩ እዮም ኪብሉ ዚኽእሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም “ተኣምር” መገዲ ይኸፍቱ።

ነቲ ቐዳማይ ትርጕም እታ “ተኣምር” እትብል ቃል እውን እንተ ተጠቐምና: ማለት ነቲ “ምስ ልዕለ-ባህርያዊ ተግባር ዚተሓሓዝ” እውን እንተ ወሰድና: ነፍሲ ወከፍና ተኣምራት ርኢና ኢና ኺበሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት: ነተን እቲ “ልዕለ-ባህርያዊ” ዝዀነ ፈጣሪ ዝደኰነን ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ንርኢ ኢና። ብዘይካዚውን: ኣካላት ወድሰብ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምሉእ ብምሉእ ኪገልጽ ዚኽእል እሞ መን እዩ፧ ሓንጐል ብኸመይ ከም ዚዓዪ ወይ ድቂ ብኸመይ ከም ዚዓቢኸ፧ ዘ ቦዲ ማሽን ዘርእስታ መጽሓፍ “እቲ ብማእከላዊ ስርዓተ-መትኒ ቝጽጽር ዚግበረሉን ዚውደብን ወድሰብ እተሓላለኸ ህዋሳት ዘለዎ መሳርሒ: ናይ ርእሱ መመጣጠኒ ዘለዎ ማሽን: ብርእሱ ዚፋረ ኮምፕዩተር: ኰታስ ዜደንቕን ብሓያሎ መገድታት ምስጢራውን ዝዀነ ፍጥረት እዩ” በለት። እቲ ንወድሰብ ዝፈጠረ ኣምላኽ ብሓቂ ወትሩ ዜደንቐና ተኣምር እዩ ገይሩ። ተኣምራት ምዃኑ ዘየስተውዓልካሉ ኻልእ ዓይነት ተኣምራት እውን ርኢኻ ኢኻ።

መጽሓፍዶ ተኣምር ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ብብዝሒ እተዘርግሐ መጽሓፍ የልቦን። እዚ መጽሓፍ እዚ ንባዕሉ ተኣምር ከም ዝዀነ ይረኣየካዶ፧ ክሳዕ እዚ ግዜና ኺህሉ ምኽኣሉኸ ምስ “ልዕለ-ባህርያዊ ተግባር” ተተሓሕዞ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እተጻሕፈ ምዃኑ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: እቶም ጸሓፍቱ ግን ሓሳባት ኣምላኽ ደኣ እምበር ሓሳባቶም ከም ዘይጸሓፉ እዮም ዚገልጹ። (2 ሳሙኤል 23:1, 2፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21) ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣስታት 1,600 ዓመት ኣብ ዚኸውን ንውሓት ግዜ ዚነብሩ ዝነበሩ 40 ሰባት እዮም ጽሒፎምዎ። እተፈላለየ መበቈል ዝነበሮም ኰይኖም: ጓሶት: ተዋጋእቲ: ገፈፍቲ ዓሳ: ሰራሕተኛታት መንግስቲ: ሓካይም: ካህናት: ከምኡውን ነገስታት ነይሮምዎም እዮም። ይኹን እምበር: ሓቀኛን ቅኑዕን ዝዀነ ሕደ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዮም ኣመሓላሊፎም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዑቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር: ንመጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ “ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ” ገይሮም ኣይኰኑን ዚርእይዎ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ጽሑፋቶም ከኣ እቲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ ዚበሃል ምግጫው ብኸመይ ምስቲ ሓፈሻዊ መልእኽቱ ኸም ዚሰማማዕ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ። እዚ ውሽጣዊ ስምምዕ እዚ ንባዕሉ: ኣምላኽ ደራሲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምዃኑ መርትዖ ይኸውን እዩ። a

ከም መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንምጥፋኡ ጻዕሪ እተገብረሉ መጽሓፍ የልቦን። እንተዀነ ግን: እዚ መጽሓፍ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኣሎ: አረ ብኸፊል ወይ ብምሉእሲ ልዕሊ 2,000 ቋንቋታት ተተርጒሙ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ምህላዉን ልክዕነቱ ምዕቃቡን ኣምላኽ ኢዱ ኸም ዘእተወ ዚሕብር እዩ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ተኣምር እዩ!

“ህያውን መስለጥን” ተኣምር

እቲ ጥንቲ ዝነበረ ተኣምራት: ማለት ተኣምራዊ ምሕዋይን ትንሳኤን ሕጂ ኣይፍጸምን እዩ። ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም: ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ብደረጃ ዓለምለኸ ኸም ዚፍጸም ንኽንኣምን እኹል ምኽንያታት ኣሎና። እቲ ሽዑ ዚግበር ተኣምራት ነባሪ ራህዋ ኼምጽእ እዩ: በዚ ናይ ሕጂ ኣተሓሳስባና እውን ክንርድኦ እንኽእል ኣይኰነን።

እቲ ተኣምር ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተዀነ ንሰባት ባህርያቶም ከም ዜመሓይሹ ብምግባር ተኣምራት እዩ ዚፍጽም ዘሎ። (ንኣብነት: ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ “ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ” ዚብል ሳጹን ርአ።) እብራውያን 4:12 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ትብል። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብምቕያርን ዕላማ ህይወት ከም ዚህልዎም ብምግባርን ንመጻኢውን ዜደንቕ ተስፋ ብምሃብን መስተንክር ነገር እዩ ፈጺሙ።

እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ተኣምር ንኺገብር ስለምንታይ ኣጋጣሚ ዘይትህቦ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ይጋጮ እዩ ዚበሃል ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ዝያዳ መጽናዕቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ ኣብ ምዕራፍ 7 ሓያሎ ኣብነታት ይርከብ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሞይቱ ድዩ ነይሩ ወይስ ብህይወቱ፧

ብመሰረት ዮሃንስ 19:33, 34: ‘ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ንየሱስ ኣብ ጐድኑ ብዅናት ኪወግኦን: ብኡብኡ ደምን ማይን ኪወጾን’ ከሎ የሱስ ሞይቱ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ገሊኡ ትርጕማት ንማቴዎስ 27:49, 50 ገሊጹሉ ዘሎ መገዲ: እዚ ኪኸውን ከሎ የሱስ ህያው ከም ዝነበረ እዩ ተሓቢሩ። እዚ ፍልልያት እዚ ኺመጽእ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ሕጊ ሙሴ ንገበነኛ ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒልካ ምሕዳር ይኽልክል ነበረ። (ዘዳግም 21:22, 23) ስለዚ: ብግዜ የሱስ ሓደ ገበነኛ ኽሳዕ ኣጋ ዕራርቦ ብህይወት እንተ ጸኒሑ: ምእንቲ ቐልጢፉ ኺመውት ተባሂሉ ምሕዅልቱ ይስበር ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ትኽ ኪብል ስለ ዘይክእል ምስትንፋስ ይስእን። እቶም ወተሃደራት መሓዅልቲ እቶም ኣብ ጐድኒ የሱስ እተሰቕሉ ኽልተ ገበርቲ ኽፉእ ሰቢሮም ክነሶም: መሓዅልቲ የሱስ ግን ዘይምስባሮም: ንሱ ኸም ዝሞተ ገይሮም ምሕሳቦም የመልክት። እቲ ዓቀይታይ ነቲ ጥርጣረታት ንምውጋድን ደሓር ተንሲኡ ምእንቲ ኸይበሃልን ኢሉ እዩ ዚኸውን ንየሱስ ጐድኑ ዝወግኦ።

ማቴዎስ 27:49, 50 (NW) ግን እተፈልየ መስርዕ ፍጻመታት እያ ሒዛ ዘላ። እታ ጥቕሲ “ካልእ ሰብኣይ ኲናት ወሲዱ ጐድኑ ወግኦ: ደምን ማይን ከኣ ወጸ። የሱስ ከም ብሓድሽ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ: መንፈሱ ኸኣ ወጸ” ትብል። ይኹን እምበር: እዚ ብሰያፍ ተጻሒፉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ኣብ ኵሉ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣይኰነን። ብዙሓት ምሁራን እዚ ሓሳባት እዚ ጸኒሑ ኻብ ወንጌል ዮሃንስ ኪተኣታቶ ኸሎ ኣብ ጌጋ ቦታ ኸም ዝኣተወ ይኣምኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓያሎ ተርጕምቲ ነዚ ምሉእ ሓሳባት እዚ ኣብ ሓጹር የእትውዎ: መግለጺ እግረ-ጽሑፍ ይውስኹሉ: ወይውን ብጥራሽ ኣብቲ ጽሑፍ ኣየእትውዎን እዮም።

እቲ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ከም ቀንዲ መሰረት ኰይኑ ዘገልገለ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ንምትርጓም ዜገልግል ጽሑፍ: ነዚ ምሉእ ሓሳባት እዚ ኣብ ድርብ ሓጹር እዩ ዜእትዎ። “ብጸሓፍቲ ኸም እተኣታተወ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኺጥርጠር ከም ዘለዎ” ድማ ይገልጽ።

እምበኣር: ዮሃንስ 19:33, 34 ሓቂ ምዃናን እቲ ሮማዊ ዓቀይታይ ብዂናት ኪወግኦ ኸሎ ሞይቱ ኸም ዝነበረን ሓያል መርትዖ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ

ደትለፍ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወለዱ ተፋቲሖም ብምንባሮም ሓሽሽ ኪወስድ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኺሰቲ: ከምኡውን ሄቪ ሜታል ዚበሃል ዓይነት ሙዚቃ ኺከታተል ጀመረ። b ኣባል እቶም ነተሓሳስባ ናዚ ዚድግፉ ለጻያት ሰባት ኰነ: እቲ ጐነጽ እተሓወሶ ባህሪኡ ድማ ኣብ ሽግር ኣእተዎ።

ብ1992 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን 60 ዝዀኑ ኸም ናቱ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ምስ 35 ፓንክ ዚበሃሉ ጕጅለ ተባእሱ። ንሓደ ቶማስ ዚበሃል ካብቶም ፓንክ ኣመና ስለ ዝቐጥቀጥዎ ኸኣ ሞተ። እተወሰኑ ኻብቶም መራሕቲ: እንተላይ ደትለፍ ብመራኸቢ ብዙሓን ሰፊሕ ፈነወ ኣብ እተገብረሉ መጋባእያ ንማእሰርቲ ተፈርዱ።

ደትለፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ነዊሕ ከይገበረ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ፓምፍለት በጸሓቶ። እታ ጽሕፍቲ እቲኣ “ስለምንታይ ኢያ ህይወት ብኽንድዚ ዝኣክል ሽግራት ተዋሒጣ ዘላ፧” ዚብል ኣርእስቲ ነበራ። ደትለፍ ብኡንብኡ እቲ ሒዛቶ ዘላ ሓቂ ምዃኑ ተገንዘበ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። እዚ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ኣምጽኣሉ። ካብ 1996 ኣትሒዙ ብቕንኣት ዚሰብኽ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።

ዘኽፍሪት ዚበሃል ናይ ቀረባ ዓርኪ እቲ እተቐትለ ቶማስ ድማ ምስቶም ፓንክ ዚበሃሉ ጕጅለ እዩ ነይሩ። ንሱውን እንተዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ድሕሪ ምዃን: ሕጂ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ዘኽፍሪት ናብታ ደትለፍ ዚእከበላ ጉባኤ ኸይዱ ህዝባዊ ዝርርብ ምስ ኣቕረበ: ደትለፍ ምሳሕ ዓደሞ (ኣደ ቶማስ እውን ሓሓሊፋ ናብቲ ኣኼባታት ትመጽእ እያ)። ዓሰርተ ዓመት ይገብር: ጽልኦም ኪቈጻጸሩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ሎሚ ግን ሕውነታዊ ፍቕሮም ብንጹር እዩ ዚርአ።

ደትለፍን ዘኽፍሪትን ንቶማስ ኣብ ምድራዊት ገነት ብትንሳኤ ዚቕበሉሉ እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ። ደትለፍ “ብዛዕባ እዚ ኽሓስብ ከለኹ እነብዕ እየ። ዝገበርክዎ ዅሉ የጣዕሰኒ እዩ” በለ። ከምቲ ንኻልኦት ዚሕግዙ ዘለዉ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንቶማስ እውን ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጦን በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ምእንቲ ኺሕጐስን ኪሕግዝዎ ባህጊ ኣለዎም።

እወ: ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ እዩ ዘለዎ!

b [እግረ-ጽሑፍ]

ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣካላት ወድሰብ ዜደንቕ ፍጥረት እዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Anatomy Improved and Illustrated, London, 1723, Bernardino Genga