ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓንቲ እትሓልፍ ማኪና “ተኣምራት ይፍጸም እዩ—እንተ ደሊኻ ንመላእኽቲ ሕተት” ዚብል ጽሑፍ ተለጢፉ ረኣየ። እዚ ድማ ነቓልቦኡ ሰሓቦ። እዚ ሰብኣይ እዚ ሃይማኖታዊ እኳ እንተ ነበረ: ብልክዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ግን ኣይነጸረሉን። እቲ መራሕ ማኪና ኣብ ተኣምራት ከም ዚኣምን ድዩ ዚሕብር ነይሩ: ወይስ ተኣምራት ኰነ መላእኽቲ ኸም ዘየለዉ ንምሕባር ብሽምጠጣ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧

ማንፍሬድ ባርተል ዚበሃል ጀርመናዊ ጸሓፊ “ተኣምር ንሰባት ብቕጽበት ክልተ ዚጻረር ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም እትገብር ቃል እያ” ዝበለሉ ምኽንያት ንተገዳስነትካ የለዓዕሎ ይኸውን። እቶም ኣብ ተኣምራት ዚኣምኑ: ተኣምር ከም ዚፍጸም: ምናልባት እውን ብተደጋጋሚ ኸም ዚፍጸም ምሉእ እምነት ኣለዎም። a ንኣብነት: ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ግሪኽ ዚነብሩ ምእመናን ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ተኣምር ከም ዚግበር ገለጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣቡን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን: “ምእመናን ንኣምላኽን ንማርያምን ንቕዱሳንን ናይ ሰብ ባህርያት የልብስዎም ኣለዉ። ኰይኑ ግን ኬጋንኑ የብሎምን” ዚብል መጠንቀቕታ ሃበ።

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግን ብዛዕባ ተኣምራት ብዙሕ እምነት የልቦን። ብመሰረት እቲ ብ2002 ኣብ ጀርመን እተሓትመ ኣለንስባኽ ዝገበሮ መጽናዕቲ: 71 ሚእታዊት ዜጋታት እታ ሃገር እቲኣ ተኣምራት ፈጠራ ደኣ እምበር ሓቂ ምዃኑ ኣይኣምኑን እዮም። ካብቶም ትሕቲ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ኣብ ተኣምራት ዚኣምኑ ሰባት ከኣ ካብ ድንግል ማርያም መልእኽቲ ተቐቢልና ዚብላ ሰለስተ ኣንስቲ ይርከባኦም። ካብቲ ማርያም ብመላእኽትን ብሓንቲ ርግብን ተዓጂባ ተራእያትና ዝበላሉ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: እታ ኣብ ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ ቨስትፋለንፖስት “ክሳዕ ሕጂ 50,000 ዝዀኑ ሰባት ገሊኦም ኪፍወሱ: ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገራት ኪፈልጡ ተሃንጥዮም ነቲ በተን ኣንስቲ እተራእየ ራእያት ይከታተልዎ ኣለዉ” በለት። ኣብ ርእሲ እዚውን 10,000 ዝዀኑ ሰባት ማርያም እንተ ተራእየቶም ኢሎም ናብታ ፈለማ ተራእያትሉ እተባህለት ቍሸት ኪውሕዙ ትጽቢት ተገይሩሎም። ብ1858 ኣብ ሎርድ: ፈረንሳ፣ ብ1917 ከኣ ኣብ ፋቲማ: ፖርቱጋል ድንግል ማርያም ተራእያ እያ ተባሂሉ ነይሩ።

ካብ ክርስትና ወጻኢ ዘለዋ ሃይማኖታትከ እንታይ ይኣምና፧

ዳርጋ ዅለን ሃይማኖታት ኣብ ተኣምራት ይኣምና እየን። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን መስረትቲ ሃይማኖታት ቡድሂዝምን ክርስትናን ምስልምናን ብዛዕባ ተኣምራት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ: “ተኣምራትን ምስኡ እተተሓሓዘ ዛንታታትን ዘይንጸል ክፍሊ ሃይማኖታዊ ህይወት ወድሰብ ምዃኑ እቲ ተኸታታሊ ዛንታ እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ብዘየማትእ መገዲ እዩ ዜርኢ” ትብል። እዛ መወከሲት ጽሕፍቲ እዚኣ “ቡድሃ እኳ ሓድሓደ ግዜ ተኣምራት ገይሩ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላውን “ቡድሂዝም ናብ ቻይና ምስ ተኣታተወ: እቶም ዘተኣታተዉዎ ሚስዮናውያን ብዙሕ ሳዕ ተኣምራዊ ሓይልታት ኣርእዮም እዮም” በለት።

እታ ኢንሳይክሎፔድያ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ተኣምራት ድሕሪ ምጥቃስ: “ሓደ ሰብ ነቲ ብሃይማኖታውያን ጸሓፍቲ እተጻሕፈ ዅሉ ተኣምራት ዘይቅበሎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ንውፉያት ሰዓብቱ ተኣምራዊ ሓይሊ ይህቦም እዩ ዚበሃል ቡድሃ ኽብሪ ንምሃብ ካብ ዚብል ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ ኸም እተፈጥረ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን” ብምባል ደምደመት። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብዛዕባ ምስልምና “መብዛሕትኦም እስላም ክሳዕ ሕጂ ተኣምራት ይጽበዩ እዮም። ብመሰረት ያታ (ሃዳይዝ) መሓመድ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ተኣምራት ከም ዝገበረ ጌርካ እዩ ዚግለጽ። . . . ቅዱሳን ድሕሪ ሙማቶም እውን ከይተረፈ ኣብ መቓብሮም ኰይኖም ነቶም እሙናት ተኣምራት ከም ዚገብሩሎም ይእመን: ሃይማኖታውያን ዘበሉ ኸኣ ነቶም ቅዱሳን ኬማልዱሎም ይልምንዎም” በለት።

ኣብ ክርስትና ብዛዕባ እተፈጸመ ተኣምራትከ፧

ካብቶም ክርስትና እተቐበሉ መብዛሕትኦም እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ወይ ካልኦት ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገበርዎ ተኣምራት ይቕበልዎ እዮም። ሓያሎ እውን ነቲ ፈላሚ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ዝዀነ ማርቲን ሉተር ዝበሎ ሓሳብ ይሰማምዑሉ እዮም። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን “ሉተርን ካልቪንን ተኣምራት ዚግበረሉ እዋን ከም ዘብቅዐን ሕጂ ኪኽሰት ኢልና ኽንጽበ ኸም ዘይብልናን ጸሓፉ” ትብል። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተኣምራት “ብኸመይ ከም እተፈጸመ መግለጺ ንምሃብ ከይፈተነት:” ከም ዘለዎ ኸም እትኣምነሉ እዛ መወከሲት ጽሕፍቲ እዚኣ ትሕብር። ይኹን እምበር: “እቶም ምሁራት ፕሮተስታንት: ክርስትና ብዓብዪኡ ንስነ-ምግባር ዚምልከት ጕዳይ ምዃኑ ኸምኡውን ኣምላኽ ኰነ መንፈሳዊ ዓለም ንሰብኣዊ ህይወት ኣጸቢቑ ኸም ዘይተንከፎ ወይ ከም ዘይጸለዎ ይኣምኑ እዮም።”

ገሊኦም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ግን: እንተላይ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ተኣምራት ሓቂ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዘጸኣት 3:1-5 ዚርከብ ብዛዕባ እታ እትነድድ ቍጥቋጥ ዚገልጽ ጸብጻብ እስከ ንውሰድ። ዋት ዘ ባይብል ሪሊ ሰይስ ዘርእስታ መጽሓፍ ሓያሎ ጀርመናውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነዚ ብዛዕባ ተኣምር ዚገልጽ ጸብጻብ እዚ ቓል ብቓሉ ኸም ዝዀነ ገይሮም ከም ዘይወስድዎ ትገልጽ። የግዳስ: “ነቲ ንሙሴ ሕልናኡ ሸቕ እናኣበለን እናኣንደደን ዜሳቕዮ ዝነበረ ውሽጣዊ ቓልሲ ዜመልክት እዩ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እታ መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ “ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ኸም ዘሎ ዜመልክት ናይ ጸሓይ ብርሃን ምስ መጸ እሞ ዕምባባታት ብሃንደበት ምስ ዓምበበ እዩ ሃልሃልታ ዀይኑ እተራእዮ” ትብል።

ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ኣየዕግበካን ይኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ኢኻ ኽትኣምን ዘሎካ፧ ንምዃኑ ተኣምራት ተገይሩ ይፈልጥ እዩ ኢልና ኽንኣምን ንኽእል ዲና፧ ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ተኣምራትከ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ንመላእኽቲ ኽንሓቶም ስለ ዘይንኽእል: ንመን ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣረኣእያ

መጽሓፍ ቅዱስ ብግዜ ጥንቲ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ሰባት ኪፍጽምዎ ዘይክእሉ ነገራት ከም ዝፈጸመ ዚገልጽ ጸብጻባት ከም ዝሓዘ ዋላ ሓደ ዚኽሕዶ ኣይኰነን። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንህዝብኻ እስራኤል ብትእምርትን መንክራትን [ተኣምራትን] ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ብዓብዪ ረዓድን ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻእካዮ።” (ኤርምያስ 32:21) እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ኵሉ ዝሓየለት ሃገር ብዓሰርተ መዓት: እንተላይ በቲ ኣብ በዅሪ ዝወረደ መቕዘፍቲ ኣቢልካ ኸም እተምበርከኸት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዚ ብሓቂ ተኣምራት እዩ!—ዘጸኣት ምዕራፍ 7 ኽሳዕ 14

ዘመናት ዚኸውን ጸኒሑ እቶም ኣርባዕተ ጸሓፍቲ ወንጌላት: የሱስ ዝፈጸሞ 35 ዚኸውን ተኣምራት ገለጹ። አረ እቲ ጽሑፎም እሞ ኸኣ የሱስ ካብቲ ዝመዝገብዎ ዚበዝሕ ተኣምራት ከም ዝገበረ እዩ ዚሕብር። እዚ ጸብጻባት እዚ ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧ bማቴዎስ 9:35፣ ሉቃስ 9:11

መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ባዕሉ ዚብሎ ሓቂ ዝሓዘ ቓል እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ተኣምራት ንኽትኣምኖ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ። ነቲ ብግዜ ጥንቲ እተገብረ ተኣምራት: ማለት ተኣምራዊ ምሕዋይ: ትንሳኤ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም እተፈጸመ ብዘየማትእ መገዲ ኺገልጽ ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ሕጂ ዘይክሰተሉ ምኽንያት እውን ብንጹር ይገልጽ እዩ። (“እቲ ጥንቲ ዝነበረ ተኣምራት ሕጂ ዘይፍጸመሉ ምኽንያት” ዘርእስታ ሳጹን ኣብ ገጽ 4 ርአ።) ከምዚ ኺበሃል ከሎ: እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚቕበሉ እውን ከይተረፉ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ተኣምራት መሰረት ዘይብሉ ገይሮም ድዮም ዚርእይዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንረኽባ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንጥቀመላ “ተኣምራት” እትብል ቃል: ኣብ ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቓላት “ኣብ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ዚኽሰት ካብ ኵሉ እቲ ሰብኣዊ ወይ ባህርያዊ ሓይልታት ዚበልጽ ብምዃኑ ምስ ልዕለ-ባህርያዊ ተግባር ዚተሓሓዝ ሳዕቤናት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ዚእመን ምዃኑ መርትዖ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ጥንቲ ዝነበረ ተኣምራት ሕጂ ዘይፍጸመሉ ምኽንያት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራት ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘጸኣት 7:19-21፣ 1 ነገስት 17:1-7፣ 18:22-38፣ 2 ነገስት 5:1-14፣ ማቴዎስ 8:24-27፣ ሉቃስ 17:11-19፣ ዮሃንስ 2:1-11፣ 9:1-7) ሓያሎ ኻብዚ ተኣምራት እዚ የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑን ኣምላኽ ከም ዚሰምሮን ንምልላይ ሓገዘ። ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ከም ብልሳናት ምዝራብን ነቲ ብመንፈስ ተደሪኽካ እተዘርበ ምርዳእን ዝኣመሰለ ተኣምራት ናይ ምግባር ውህበት ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-12፣ 1 ቈረንቶስ 12:28-31) እዚ ተኣምራት ናይ ምግባር ውህበት እዚ ንክርስትያናዊት ጉባኤ እግሪ ኣብ ምትካላ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ ሒደት ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እተፈላለየ ዓይነት ጥቕላላት ወይ መጻሕፍቲ በቶም ሃብታማት ጥራይ እዩ ዚውነን ነይሩ። ኣብ ኣረማውያን ሃገራት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብዛዕባ እቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ኣይነበረን። ትምህርቲ ክርስትና ድማ ብቓል ኪመሓላለፍ ነበሮ። እቲ ተኣምራት ናይ ምግባር ውህበት: ኣምላኽ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ይጥቀመላ ምህላዉ ንምርኣይ ይጠቅም ነበረ።

ጳውሎስ ግን እዚ ውህበታት እዚ ዘየድሊ ምስ ኰነ: ንሓዋሩ ኸም ዜቋርጽ ገለጸ። “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር: ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ: ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ: ማለት: ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ: ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ: እቲ ምቃል ክሰዐር እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 13:8-10

ኣብዚ ግዜና ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን ንዕኡ ዚሕግዝ መወከስታትን መዝገበ-ፍልጠትን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝሰልጠኑ ክርስትያናት ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ንኺረኽቡ ይሕግዝዎም ኣለዉ። እምበኣር: ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ኪኸውን ከም ዝሸሞ ንምርግጋጽ ወይ የሆዋ ነገልገልቱ ይድግፎም ከም ዘሎ መርትዖ ንምቕራብ ተኣምራት ኣየድልን እዩ።