ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሳባ እተገብረ ጕዕዞ

ናብ ሳባ እተገብረ ጕዕዞ

ናብ ሳባ እተገብረ ጕዕዞ

ግዝኣት ነዘርላንድስ ዝዀነት ደሴት ሳባ: ኣብ ሓደ እዋን ዕርዲ እቶም ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ኰይኖም ዚዘምቱ ሸፋቱ ባሕሪ እያ ነይራ። እዛ ንእሽቶ ደሴት እዚኣ ኻብ ፖርቶ ሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ 240 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ከኣ 5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብዎም 1,600 ነበርቲ ኣለዉዋ። እዞም ተባዓት ኣገልገልቲ እዚኦም ዚዝረፍ ዘይኰነስ ኣዝዩ ኽቡር ነገር እዮም ዜናድዩ። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ተጊሆም ይደልይዎም ኣለዉ።

ብ22 ሰነ 1952 እታ 18 ሜተር ዝቝመታ ሲቢያ እትበሃል መርከብ: ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እናተዘወረት ናብ ሳባ ኸደት። ሽዑ: ኣብዛ ደሴት እዚኣ ንፈለማ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተሰብከ። (ማቴዎስ 24:14) ገስት ማኪን ስታንሊ ካርተርን ዚበሃሉ ኽልተ ሚስዮናውያን ናብታ ደሴት ምስ ኣተዉ: ልዕሊ 500 መደያይቦ ኣእማን ሓዂሮም ናብታ ዘ ቦተም እትበሃል ርእሰ ኸተማ ሳባ ደየቡ። a ንዘመናት ዚኣክል እዛ ጸባብ መገዲ እዚኣ ጥራይ እያ ናብቶም ነበርቲ እዛ ደሴት እተብጽሕ ነይራ።

ነቲ ኣብ ሳባ ክርስትያናት ዚፍጽምዎ ዕዮ ምስክርነት ኣመልኪቱ ኣብ ናይ 1966 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ጸብጻብ ወጸ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ከኣ ኣብታ ደሴት ሓደ ንጡፍ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ: ካብ ካናዳ ዝኸዱ ስድራቤት ንእተወሰነ ዓመት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብኡ ሰበኹ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ራስልን ካቲን ዚበሃሉ ጡረታ ዚወጹ ሰብኣይን ሰበይትን ንዕዮ ስብከት ኪድግፉ ኢሎም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸዱ። እቲ ንሳቶም ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ።

ናብ ሳባ እተገብረ ምብጻሕ

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ነፋሪት ተሳፊርና ናብ ሳባ ምስ በጻሕና: እቲ ኣብ መብዛሕትኡ 1990ታት ኣብታ ደሴት በይኑ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረ ሮናልድ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መጺኡ ተቐበለና። ኣብታ ደሴት ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ኣታኽልቲ ስለ ዘየለ: በቲ ዘምጻእናሉ ኣታኽልቲ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ካብኡ ብሓንቲ ንእሽቶ ማኪና ጌርና ናብቲ ኣብ ጫፉ ዝቐሃመ እሳተ-ጎመራ ዘለዎ ኸረን ሲነሪ እናተጠዋወና ደየብና።

ናብታ ሄልስ ጌት እትበሃል ቍሸት ምስ በጻሕና: ሮናልድ ነቲ ሰንበት ዚቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ እተዳለወ ወረቐት ዕድመ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ተለጢፉ ምህላዉ ኼረጋግጽ ወረደ። ኣብኡ ስለ ዝጸነሖ ኸኣ ተሓጒስና ኢና። ቀጺልና ናብታ ዝዓበየት ቍሸት እታ ደሴት ዝዀነት ዊንድዋርድሳይድ ከድና። እዛ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ 400 ሜተር ብራኸ ዘለዋ ኣዝያ እትምስጥ ቍሸት በቲ ነፋሻ ወገን እታ ደሴት እያ እትርከብ። ናብ እንዳ ሮን ምስ በጻሕና ፊት ንፊት ኣብ ዚርከብ ገበላ: ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ብድሙቕ ሕብሪ ተጻሒፉ ረኣና።

ኣብ እዋን ምሳሕ “ከመይ ኢልካ ደኣ ኣብ ሳባ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ፧” ኢለ ነቲ ንኽንመጽእ ዝደረኸና ሕቶ ሓተትክዎ።

ከምዚ ኢሉ ኸኣ መለሰለይ:- “ብ1993 ህንጸት እቲ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዛዘመ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ግን ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንፍጽሞ ዕዮ ኽንቅጽል ደለና። ኣቐዲምና ምስ ካልኦት ሰብ ሓዳር ፓይነራት ኴንና ናብ ሳባ መጺእና ነበርና። ሽዑ ኻብቶም 1,400 ተቐማጦ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘየልቦ ተዓዘብና። ስለዚ: ነቶም ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖርቶ ሪኮ ናብዚ ኽንግዕዝ ከም እንደሊ ነገርናዮም።

“ድሕሪ ቕሩብ እዋን ንኽንግዕዝ ተፈቕደልና። እቲ ዜሕዝን ግን ድሕሪ ኽልተ ዓመት ብዓልቲ ቤተይ ከቢድ ሕማም ሓመመት እሞ ናብ ካሊፎርንያ ተመለስና። ምስ ሞተት ከኣ ጅምር ግድፍ ስለ ዘይፈቱ ናብ ሳባ ተመለስኩ። ”

ኣብ ሳባ ኻብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር

ሳሎን እቲ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኡ እንዳ ሮናልድ: ከም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ እውን የገልግል እዩ። b ናብ ኣገልግሎት ንኽንከይድ ኣብ ደገ ኾፍ ኢልና ቝርስና እናበላዕና ኸለና: ብርቱዕ ማይ ወቐዐ። ድሕሪ ቝርሲ ኣብ ዘ ቦተም ካብ ቤት ናብ ቤት መስከርና። ሮናልድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ነቲ ብዓል ገዛ ብስሙ እናጸውዐ እዩ ሰላም ዚብሎ። ምይይጥና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ እተገብረ ነገራት እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ሮናልድን ኣገልግሎቱን ይፈልጡ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከኣ ተሓጒሶም ይቕበሉ እዮም።

ነቶም ተቐመጥቲ እታ ቝሸት ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦም እንተ ዄንካ: ኣስማት እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ምምዝጋብ ኣጸጋሚ እዩ ዚገብሮ። ከመይሲ: ሮናልድ “ኵሉ ገዛውቲ ሓደ ዓይነት ቀለም ኪልቕለቕ እቲ ሕጊ ይእዝዝ እዩ” በለና። ብርግጽ ድማ ኵሉ እቲ ኣብ ሳባ ዚርከብ ገዛውቲ ጻዕዳ: እቲ ናሕሱ ኸኣ ቀይሕ እተለኽየ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ ምይይጥ ምስ ወዳእና: ነቲ ብዓል ገዛ ናብቲ ሰንበት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚወሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርብ ንዕድሞ። ሮን ኣብታ ደሴት ኣብ ዚህልወሉ እዋን ኣብ ሰሰሙን ህዝባዊ ዝርርብ ይህብ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሳባ 17 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ። ብ2004 ኣብ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ዕስራ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። እዚ ቝጽሪ እዚ ሒደት ይመስል ይኸውን: እንተዀነ ግን 1 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሳባ እዩ።

ሓቂ እዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኣምላኽ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ኬብጽሑ ኻብ ምጽዓር ዓዲ ኣይወዓሉን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከም ሳባ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ደሴት ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኽፍለ ዓለም ነቲ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ትእዛዝ ብተኣማንነት ይፍጽምዎ ኣለዉ።—ማቴዎስ 28:19

እቲ ዝገበርናዮ ምብጻሕ ብምዝዛሙ ጐሃና። ተሰናቢትና ድማ ናብታ ነፋሪት ተሰቐልና። ናብ ሳባን ዘ ቦተምን ዝገበርናዮ ምብጻሕ ፈጺምና ኣይክንርስዖን ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሸፋቱ ባሕሪ ነዛ ቦታ እዚኣ ዘ ቦተም (ታሕቲ) ዚብል ስም ዝሃብዋ: ታሕተዋይ ክፋል እቲ ኣፍ እሳተ ጎመራ ገይሮም ስለ ዝሓሰቡ እዮም ኪኸውን ዚኽእል።

b ብ28 መስከረም 2003 ካብ ፍሎሪዳ: ሕ.መ.ኣ.: ዝኸዱ ወለንተኛታት ነቲ ሕጂ ኸም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዜገልግል ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ህንጻ ኣሓደሱ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ፖርቶ ሪኮ

[ምንጪ ስእሊ]

Background: www.sabatourism.com