ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ተወዳድራ ዲኻ፧

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ተወዳድራ ዲኻ፧

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ተወዳድራ ዲኻ፧

ኵላትና ኻባና ዝመልክዐ: ዝያዳ ተፈታዊ: ቀልጢፉ ዚርድኦ: ወይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ዝለዓለ ነጥቢ ዜምጽእ ሰብ የጋጥመና እዩ። ምናልባት ከኣ ካልኦት ዝሓሸ ጥዕና: ጽቡቕ ስራሕ: ዕግበት ወይ ዝያዳ ኣዕሩኽ ይህልዎም ይኸውን። ብዘይካዚውን ብዙሕ ጥሪት: ዝያዳ ገንዘብ: ሓዳስ ማኪና ይህልዎም ወይ ወትሩ ፍሽሑዋት ይመስሉ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ እንርኢ: ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ነወዳድራ ዲና፧ ውድድር ዘይተርፍ ነገር ድዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ሓደ ክርስትያን ኬወግዶ ዚደሊ፧ ንርእስና ምስ ካልኦት ከየወዳደርና ዕጉባት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንርእስና ምስ ካልኦት እነወዳድረሉ ምኽንያታትን ኣጋጣሚታትን

ሰባት ንርእሶም ምስ ካልእ ዘወዳድርሉ ሓደ ምኽንያት: ርእሰ-ተኣማንነቶም ንምዕቃብ ወይ ንምድልዳል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ማዕረ መዛኑኦም ከም ዝዀኑ ምፍላጦም የዕግቦም እዩ። ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ምስ ካልኦት ምውድዳርና ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዚሓድረና ስግኣት ይንክዮ ኸምኡውን ክእለትና ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑን ደረት ዓቕምናን የፍልጠና። እቲ ኻልኦት ዝበጽሕዎ ንርኢ ኢና። ብብዙሕ መዳያት ከማና ኽነሶም ኣብ ገለ ሸቶ እንተ በጺሖም: ንሕናውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓይነት ሸቶ ኽንበጽሕ ከም እንኽእል ኰይኑ ይስመዓና ይኸውን።

መብዛሕትኡ እዋን ውድድር ኣብ መንጎ ሓደ ዓይነት ጾታ: ዕድመ: ማሕበራዊ ደረጃ ዘለዎም: ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዎም እሞ ንሓድሕዶም ዝፋለጡ ሰባት እዩ ዚፍጠር። ምስ ሓደ ዘይመዘናና ንርእስና ኣይነወዳድራን ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ: ሓንቲ ተራ ዀተቴ ንርእሳ ኣብ ክንዲ ምስ መሓዙታ ምስ ሓንቲ ህብብቲ ሞደል: እታ ሞደል ድማ ምስታ ዀተቴ ኣይተወዳድርን እያ።

ኣብ ምንታይ መዳያት እዩ ውድድር ኪፍጠር ዚኽእል፧ ከም ኣእምሮኣዊ ብልሓት: ጽባቐ: ሃብቲ: ክዳውንቲ ዝኣመሰለ ኣብ ማሕበረሰብ ዋጋ ዚወሃቦ ነገራት ውድድር ከለዓዕል ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ብዝያዳ ግን ኣብ ዜገድሰና ነገራት ኢና ምስ ካልኦት እንወዳደር። ንኣብነት: ቴምብር ናይ ምእካብ ዝንባለ እንተ ዘይብልና ኻልእ ሰብ ብዝኣከቦ መጠን ቴምብር: ኣይንቐንእን ኢና።

ምስ ካልኦት ምውድዳር: ከም እትዓግብ: ካብ ኣድንቖት ተለዓዒልካ ኸም እትመስሎም ወይ ከኣ ከም እትጭነቕን ከም እትሽቝረርን ከም እትተሃላለኽን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ስምዒታት እዚ ሓደገኛን ምስ ክርስትያናዊ ባህርያት ከኣ ዚጋጮን እዩ።

ህልኽ ዝመልኦ ውድድር

ኣብ ውድድር “ዕዉታት” ኪዀኑ ዚደልዩ መብዛሕትኦም ሰባት ህልኸኛታት እዮም። ብሉጻት ንምዃን ካብ ምድላዮም እተላዕለ ኸም ዚበልጹ ዀይኑ ኽሳዕ ዚስምዖም ኣይዓግቡን እዮም። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምቅርራብ ዜሐጕስ ኣይኰነን። ምስኦም ዚምስረት ዕርክነት ሓርፋፍን ጥርጣረ ዝመልኦን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ትሕትና ዘይብሎም ጥራይ ዘይኰኑስ ብጠባዮም ንኻልኦት ዝተሓቱን እተዋረዱን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ስለ ዚገብሩ ነቲ ንብጻይካ ኣፍቅሮ ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እውን ኣይስዕቡን እዮም ኪበሃል ይከኣል እዩ።—ማቴዎስ 18:1-5፣ ዮሃንስ 13:34, 35

ንሰባት ከም “እተሳዕሩ” ኺስምዖም ምግባር ይጐድኦም እዩ። ሓንቲ ጸሓፊት ብዛዕባ እዚ ኣመልኪታ “ነቲ እንደልዮ ነገራት ከማና ዓይነት ኵነታት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ምስ ዚረኽብዎ: ድኽመትና ዝያዳ እዩ ስቓይ ዜምጽኣልና” በለት። ስለዚ እምበኣር: ህልኽ ዝመልኦ ውድድር በቲ ሓደ ሰብ ዝረኸቦ ንብረት: ሃብቲ: ስልጣን: ዝና: ረብሓ ኸምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምቕናእ: ቂም ምሓዝ: ከምኡውን ነቲ ሰብ ምጽላእ ዝኣመሰለ ስምዒታት የለዓዕል እዩ። እዚ ኸኣ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ሓደገኛ ውድድር እዩ ዚመርሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ዜስዕብ “ምትሕርራቕ” ይዅንኖ እዩ።—ገላትያ 5:26

ቀናኣት ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኻልኦት ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ብምስትንዓቕ ናይ ርእሶም ክብረት ኪሕልዉ ይፍትኑ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣለሊኻ እንተ ዘይተኣሪሙ: ዘይጐድእ እናመሰለ መወዳእታኡ ግን ኣዝዩ ዝሃሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅንኢ ዝመበገሲኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተመዝገበ ኽልተ ታሪኽ እስከ ንርአ።

ይስሃቅ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ እተቐመጠሉ እዋን “ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ።” እንታይከ ገበሩ፧ ነቲ ብዘበን ኣብርሃም ኣቦኡ እተዃዕተ ዔላታት ኵሉ ደበይዎ: ሓመድ ከኣ መልእዎ ንጉሶም ከኣ ካብኣቶም ንኪኸይድ ነገሮ። (ዘፍጥረት 26:1-3፣ 12-16) እቲ ቕንኦም ዚጐድእን ዜጥፍእን እዩ ነይሩ። ይስሃቅ ብሃብቲ በልጺጉ ምስ ረኣይዎ ኣዒንቶም ደም መልኦ።

ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ዳዊት ኣብ ዓውደ-ውግእ ብዝፈጸሞ ነገር ውሩይ ኰነ። ኣንስቲ እስራኤል ከኣ “ሳኦል ሽሑ: ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ” እናበላ ነቲ ዝገበሮ ጅግንነታዊ ተግባር ወደሳኦ። ሳኦል ዋላኳ ብእተወሰነ መጠን እንተ ተወደሰ: ዝሓሰረ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ግን ቀንአ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ዳዊት ቂም ሓዘ እሞ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኪቐትሎ ፈተነ። ቅንእስ ከመይ ዝበለ ግብሪ እከይ ዜስዕብ ኰን እዩ!—1 ሳሙኤል 18:6-11

ስለዚ እምበኣር: ንርእስና ምስ ካልኦት ምስ እነወዳድራ እሞ በቲ ኻልኦት ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ወይ ረብሓ ኸም ቅንእን ህልኽን ዝኣመሰለ ስምዒት እንተ ተሰሚዑና: ንጠንቀቕ! እዚ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት እዚ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይቃዶ ሓደገኛ ስምዒት እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም እንቃለሶ ቕድሚ ምምርማርና: ውድድር ኬምጽእ ዚኽእል ካልእ ኣጋጣሚ ንርአ።

ርእሰ-ምርመራን ዕግበትን

ስርሐይ ኢልና ‘መስተውዓሊ: ምልኩዕ: ወሓለ: ምሉእ ጥዕና ዘሎኒ: ካልኦት ዜኽብሩኒ: ከምኡውን ተፈታዊ ድየ፧ ክሳዕ ክንደይከ፧’ እናበልና ኣይንሓትትን ንኸውን። ይኹን እምበር: ሓንቲ ጸሓፊት ነዚ ኣመልኪታ “ብዙሕ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና ይቕልቀል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ዜዕግበና መልሲ ኢና እንህበሉ” በለት። ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኺፍጽሞ ዚኽእል ነገር ርግጸኛ እንተ ዘይኰይኑ: ናይ ውድድር ወይ ድማ ናይ ቅንኢ መንፈስ ከየንጸባረቐ ኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ይሓትት ይኸውን። እዚ ሰብ እዚ ንርእሱ እዩ ዚምርምራ ዘሎ: ከምኡ ምግባሩ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ንርእሱ ምስ ካልኦት ኬወዳድራ ግን የብሉን።

ኵላትና ኸከም ኵነታትና እተፈላለየ ኽእለት ኣሎና። ካባና ዝሓሹ ሰባት ወትሩ የጋጥሙና እዮም። ስለዚ: ኣብ ክንዲ ብእኦም እንቐንእ: በቲ ቕኑዕን ጽቡቕን ዝዀነ ነገራት ንምፍላይ ዚሕግዘና ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንተግባራትና ንዓቅን። የሆዋ ብዛዕባ መንነት ነፍሲ ወከፍና እዩ ዚግደስ እምበር ምስ ዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ኣየወዳድረናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ኢሉ መዓደ።—ገላትያ 6:4

ንቕንኢ ምቅላሱ

ኵሎም ደቅሰብ ፍጹማት ስለ ዘይኰኑ ንቕንኢ ንምቅላስ ብርቱዕን ቀጻልን ጻዕሪ ኼድሊ ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ’ ከም ዚብል ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ግን ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ጳውሎስ እኳ ስጋኡ ናብ ሓጢኣት ከም ዚዝንብል ተኣሚኑ እዩ። ነዚ ንምቅላስ ከኣ ‘ንስጋኡ ኼሰቅዮን ኬግዝኦን’ ነበሮ። (ሮሜ 12:10፣ 1 ቈረንቶስ 9:27) እዚ ኸኣ ንዓና ምናልባት ነቲ ናይ ውድድር መንፈስ ኣወጊድና ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምትካእ ማለት ኪኸውን ይኽእል። የሆዋ ‘ብዛዕባ ርእስና ብልክዕ ክንሓስብ እምበር: ካብቲ ዚግብኣና ኣዕዚዝና ኸይንሓስብ’ ንኺሕግዘና ብጸሎት ንሕተቶ።—ሮሜ 12:3

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ገነት ንሕሰብ። ሽዑ ዅሉ ሰብ ሰላም: ምሉእ ጥዕና: ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ: ምሹእ ኣባይቲ: ከምኡውን ዜዕግብ ዕዮ ኺህልዎ እዩ። (መዝሙር 46:8, 9፣ 72:7, 8, 16፣ ኢሳይያስ 65:21-23) ድሕሪኡኸ ውድድር ኪህሉ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኪህሉን እዩ። ሓቂ እዩ: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚህሉ ህይወት ዝርዝር ነገራት ኣይገለጸልናን። እንተዀነ ግን: ኵሉ ሰብ ከከም ድሌቱን ክእለቱን ዚሰርሕ ምዃኑ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ምናልባት ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኸዋኽብቲ ኼጽንዕ ከሎ: ካልእ ከኣ ጽቡቕ ዓለባ ይኣልም ይኸውን። ብምንታይ እዮም እሞ ኺቀናንኡ፧ ሽዑ: ንጥፈታት ካልኦት ኣብ ክንዲ ዜቕንኣና ዝያዳ ንኽንዓዪ እዩ ዚድርኸና። ከመይሲ ኣብኡ ውድድር ኣይኪህሉን እዩ።

ከምዚ ዝበለ ህይወት ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ነዚ ጠባይ እዚ ኻብ ሕጂ ኸነማዕብሎዶ ኣይግባኣናን፧ ሕጂውን እንተዀነ ኻብቲ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ጸገማት ናጻ ኣብ ዝዀነት መንፈሳዊ ገነት ኢና እንነብር ዘለና። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ውድድር መንፈስ ስለ ዘይህሉ ሕጂ ነወግዶ።

ንርእስና ምስ ካልኦት ምውድዳር እምበኣር ጌጋ ድዩ፧ ወይስ ግቡእ ዚዀነሉ እዋን ኣሎ፧

ቅኑዕ ውድድር

መብዛሕትኡ እዋን ውድድር መሪርን ዜጕሂን ሳዕቤን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዘይኰነሉ እዋን እውን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ብዚምልከት ‘ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምሰልዎም’ ኢሉ መዓደ። (እብራውያን 6:12) ባህርያት እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንምቕዳሕ ምጽዓር ፍረ ኣለዎ። ርግጽ እዩ እተወሰነ ውድድር ይህሉ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ክንስዕቦ እንኽእል ኣብነታትን ከነመሓይሾ ዚግባኣና መዳያትን ንኸነስተብህል ይሕግዘና እዩ።

ኣብነት ዮናታን እስከ ንርአ። ዮናታን ቅንኢ ንኼሕድር ምኽንያት ነበሮ። ከመይሲ በዅሪ ወዲ ንጉስ ሳኦል ብምዃኑ ንግስነት ኪረክብ ትጽቢት ነይርዎ ይኸውን። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ኻብኡ ብ30 ዓመት ዚንእስ ዳዊት መረጸ። ዮናታን ኣብ ክንዲ ዚቕየም ንዳዊት ስስዐ ዘይብላ ዕርክነትን ደገፍን ኣርኣዮ። ብሓቂ መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 19:1-4) ከምቲ ንዳዊት ከም መቀናቕንቱ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ኣቦኡ ዘይኰነስ: እቲ ነገር እቲ ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዎ ተረዲኡ ኸም ፍቓዱ ገበረ። ‘ስለምንታይ ንሱ ኣብ ክንዳይ ዚነግስ፧’ ብምባል ንርእሱ ምስ ዳዊት ኣየወዳደራን።

ኣብ መንጎ ክርስትያን ብጾት: ካልኦት ከይበልጹና ወይ ከኣ ቦታና ኸይወስዱልና ዚብል ስግኣት ኪሓድረና የብሉን። ምቅንቓን ግቡእ ኣይኰነን። ብሱላት ክርስትያናት ብውድድሮም ዘይኰነስ ብሕብረቶምን ብፍቅሮምን ብሓድነቶምን እዮም ዚፍለጡ። ብዛዕባ ማሕበረሰብ መጽናዕቲ ዚገብር ፍራንቼስኮ ኣልቤሮኒ ዚበሃል ሰብ “ፍቕሪ እቲ ቐንዲ ጸላኢ ቕንኢ እዩ። ንሓደ ሰብ ነፍቅሮ እንተደኣ ዄንና: ጸጽቡቑ ንምነየሉ ኸምኡውን በቲ ንሱ ዚረኽቦ ኣሳልጦን ሓጐስን ንሕጐስ ኢና” በለ። ስለዚ: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓደ ሰብ ገለ ሓላፍነት እንተ ተዋሂብዎ: በዚ ምሕጓስ ፍቕሪ ምርኣይ እዩ። ዮናታን ልክዕ ከምዚ እዩ ገይሩ። ነቶም ኣብ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ሓላፍነቶም እናፈጸሙ ዜገልግሉ ዘለዉ እንተ ደጊፍናዮም: ንሕናውን ከም ዮናታን ክንባረኽ ኢና።

ካልኦት ክርስትያናት ብሉጽ ኣብነት ኪዀኑ ኸለዉ ኸነድንቖም ግቡእ እዩ። ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ንርእስና ምስኣቶም እንተ ኣወዳዲርናያ: ኣስኣሰር እምነቶም ንኽንስዕብ ይድርኸና። (እብራውያን 13:7) እዚ ግን ጥንቃቐ እንተ ዘይተገይሩሉ: ናብ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ኬምርሕ ይኽእል እዩ። ሓደ እነድንቖ ሰብ ካባና ዝበለጸ ዀይኑ እንተ ተሰምዓና እሞ ኸነካፍኦን ክንነቕፎን እንተ ጀሚርና: ንኽንመስሎ ዝነበረና ባህጊ ናብ ቅንኢ ኺሰጋገር ይኽእል እዩ።

ማንም ዘይፍጹም ሰብ ፍጹም ኣብነት ኪኸውን ኣይክእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ኸምኡውን “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ዚብለና። (ኤፌሶን 5:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ነቲ ኸም እኒ ፍቕሪ: ለውሃት: ሓልዮት: ትሕትና ዝኣመሰለ የሆዋን የሱስን ዘንጸባርቕዎ ባህርያት ንምቕዳሕ ክንጽዕር ይግባእ። ንርእስና ምስቲ ናታቶም ባህርን ዕላማን ኣገባብን ከነወዳድራ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ውድድር ንህይወትና ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ: እሙን መምርሒ ንረክብ: ርግኣትን ቅሳነትን ይህልወና: ከምኡውን ብሱላት ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ንኽንከውን ይሕግዘና። (ኤፌሶን 4:13) ስለዚ እምበኣር ንኣብነት የሆዋን የሱስን ንምስዓብ ንጽዕር እንተደኣ ዄንና: ንርእስና ምስ ሰባት ኣይነወዳድራን ኢና።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ እስሊ]

ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ቀንኣሉ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ እስሊ]

ዮናታን ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ከም መቀናቕንቱ ገይሩ ኣይረኣዮን