ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንክርስትያናዊ መንነትና ንሓልዎ

ንክርስትያናዊ መንነትና ንሓልዎ

ንክርስትያናዊ መንነትና ንሓልዎ

“‘ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም’ ይብል የሆዋ።”ኢሳይያስ 43:14 Nw

1. የሆዋ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት እዩ ናብኡ ዚስሕቦም፧

 ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣከብካ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት እሞ ተዓዘቦም። ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ኸመይ ዝበሉ ሰባት ኢኻ እትረክብ፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብኣቓልቦ ዚከታተሉ ትጉሃት መንእሰያት ትርኢ ትኸውን። (መዝሙር 148:12, 13) ኣብዛ ስድራቤታት እናተበላሸዋ ዚኸዳላ ዘለዋ ዓለም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚጽዕሩ ርእስታት ስድራቤት እውን ትዕዘብ ትኸውን። እርጋን እኳ እንተ ኣሸገሮም: ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ፍቑራት ኣረጋውያን ትምልከት ትኸውን። (ምሳሌ 16:31) ኵላቶም ንየሆዋ ኣጸቢቖም የፍቅርዎ እዮም። ንሱ ድማ ምስኡ ርክብ ምእንቲ ኺምስርቱ ንኺስሕቦም ብቑዓት ኰይኖም ረኺብዎም እዩ። ወዲ ኣምላኽ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ።—ዮሃንስ 6:37, 44, 65

2, 3. ክርስትያናዊ መንነትና ሓሊና ምምልላስ ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

2 ክፍሊ እቶም ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ክንከውንሲ ዜሐጕስዶ ኸይኰነ፧ ኰይኑ ግን: ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ኸም ክርስትያናት መጠን ወትሩ መንነትና ኣጸቢቕና ምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብፍላይ ኣብ ክርስትያን ስድራቤታት ዝዓበዩ መንእሰያት እዚ የሸግሮም እዩ። ሓደ መንእሰይ “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እእከብ እኳ እንተ ነበርኩ: ከም ሓቂ ግን ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ኰነ ንየሆዋ ንምግልጋል ብሕታዊ ባህጊ ኣይነበረንን” ብምባል ተኣመነ።

3 ገሊኦም ንየሆዋ ኼገልግሉ ልባዊ ባህጊ እኳ እንተለዎም: ብናይ መዛኑ ጸቕጢ: ብዓለማዊ ጽልዋታት: ከምኡውን ብሓጥእ ዝንባለታት ካብ መገዶም የስግሉ እዮም። ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ: በብቕሩብ ክርስትያናዊ መንነትና ኸም እነጥፍእ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብዛ ዘመናዊት ዓለምና ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ ወይ ኪኸውን ዚኽእል ከም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (1 ጴጥሮስ 4:4) ገሊኦም ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዚእዝዘና ጌርና ምምላኹ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ይስምዖም። (ዮሃንስ 4:24) ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ኤፌሶን ዝለኣኾ መልእኽቱ ንዓለም ሓደ ዓይነት ‘መንፈስ’ ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዋ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 2:2) እዚ መንፈስ እዚ ንክርስትያናት ከምቲ ንየሆዋ ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ ዘለዎ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንኺሕዙ ጽልዋ ይገብረሎም።

4. ክርስትያናዊ መንነትና ኽንሕሉ ኸም ዘሎና የሱስ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

4 ይኹን እምበር: ህይወትና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ ክርስትያናዊ መንነትና እንተ ኣጥፊእና ዜሕዝን እዩ። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ኣብ ስርዓታት የሆዋን ንሱ ኸነማልኦ ኣብ ዚጽበየና ነገራትን ምስ እንምርኰስ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ክርስትያናዊ መንነትና ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚኽእል። (ዘፍጥረት 1:26፣ ሚክያስ 6:8) መጽሓፍ ቅዱስ ከም ክርስትያናት መጠን እንልለየሉ ንጹር መንነትና ምስቲ ዅሉ ዚርእዮ እንኽደኖ ኽዳን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና “እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። a (ራእይ 16:15) ክርስትያናዊ ባህርያትናን ስርዓታትናን ቀንጢጥና: በዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክንቅረጽ ኣይንደልን ኢና። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ: ‘ክዳንና’ ኢና እንስእን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዜጣዕስን ዜሕፍርን እዩ።

5, 6. ብመንፈስ ጽኑዕ ምዃን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ሓደ ሰብ ክርስትያናዊ መንነቱ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ እንተደኣ ዀይኑ: ንህይወቱ ይጸልዎ እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ መንነቱ ብንጹር ዘይፈልጥ እንተደኣ ዀይኑ: ንጹር ኣንፈትን ሸቶታትን ስለ ዘይህልዎ ናብ ካልእ ኬስግል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥርጣረ ኸነወግዶ የጠንቅቐና እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል . . . ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ: እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ” በለ።—ያእቆብ 1:6-8፣ ኤፌሶን 4:14፣ እብራውያን 13:9

6 ንክርስትያናዊ መንነትና ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧ ኣምለኽቲ እቲ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዝዀነ ኣምላኽ ምዃንና ዓብዪ ኽብሪ ኸም ዝዀነ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺፍለጠና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ መገድታት እስከ ንርአ።

ንክርስትያናዊ መንነትካ ንጹር ግበሮ

7. የሆዋ ንኺምርምረና ምልማን ረብሓ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

7 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ብቐጻሊ ኣሐድሶ። ሓደ ክርስትያን ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ካብ ዚውንኖ ነገራት ብምሉኡ እቲ ኻብ ኵሉ ዝኸበረ ነገር እዩ። (መዝሙር 25:14፣ ምሳሌ 3:32) ብዛዕባ ክርስትያናዊ መንነትና ዚርብሽ ሕቶታት ኪመጸና እንተ ጀሚሩ: ርክብና ኽሳዕ ክንደይ ስጡምን ድልዱልን ምዃኑ ተጠንቂቕና ኽንምርምር ኣሎና። እምበኣር: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ኢሉ ኺልምን ሓቁ እዩ። (መዝሙር 26:2) ኣምላኽ ኪምርምረና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ባዕልና ንውሽጣዊ ድራኸናን ዝንባለናን ብዚግባእ ክንምርምሮ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ጥራይ እዩ ንውሽጣዊ እንታይነትና: ማለት ንድራኸታትናን ሓሳባትናን ስምዒታትናን ኪርድኦ ዚኽእል።—ኤርምያስ 17:9, 10

8. (ሀ) የሆዋ ብፈተና ኽንሓልፍ ምፍቃዱ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ (ለ) ኣብ ክርስትና ዕቤት ንምግባር ብኸመይ ተሓጊዝካ፧

8 የሆዋ ንኺምርምረና ኽንሓቶ ኸለና: ብፈተና ኽንሓልፍ ንኺፈቅድ እውን ኢና እንጽውዖ ዘለና። ናይ ሓቂ ድራኸናን ኵነታት ልብናን ዜቃልዕ ሃዋሁ ንኺፍጠር ይፈቅድ ይኸውን። (እብራውያን 4:12, 13፣ ያእቆብ 1:22-25) ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እሙናት ምዃንና ንምርኣይ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍተልና: ክንቅበሎ ኣሎና። እዚ ኸኣ ‘ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልና ፍጹማትን ምሉኣትን’ እንተ ዄንና ይሕብረና። (ያእቆብ 1:2-4) ብፈተና ኽንሓልፍ ከለና: ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓቢ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 4:22-24

9. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብብሕትና ንኽንኣምነሉ መጽናዕቲ ምግባርሲ እንተ ዘይደለና ኽንገድፎ እንኽእል ነገር ድዩ፧ ግለጽ።

9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብብሕትኻ ንኽትኣምነሉ መጽናዕቲ ግበር። ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ዘሎና መንነት ኣብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ደልዲሉ እንተ ዘይተሰሪቱ: ኪሃስስ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 1:9, 10) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብዕድመ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ: እቲ ዚኣምነሉ ነገር ብሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ ምዃኑ ኼረጋግጽ ኣለዎ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ስድራቤት ዝዓበዩ ክርስትያን መንእሰያት: ኣብ እምነት ወለዶም ብምምርኳስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ኪኣምኑ የብሎምን። ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ: ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ዜና መዋእል 28:9) እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሰሎሞን: ኣቦኡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላቶ እምነት ብኸመይ ከም ዝሃነጻ ምርኣዩ ጥራይ እኹል ኣይነበረን። ንየሆዋ ባዕሉ ኺፈልጦ ነይርዎ: ከምኡ ድማ ገበረ። ከመይሲ: “ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ለሚንዎ እዩ።—2 ዜና መዋእል 1:10

10. ካብ ቅንዕና ተበጊስካ ሕቶ ምሕታት ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ፍልጠት እንተ ኣጥሪኻ: ድልድልቲ እምነት እያ እትህልወካ። ጳውሎስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” በለ። (ሮሜ 10:17) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ: ኣብ የሆዋ: ኣብ መብጽዓታቱ: ከምኡውን ኣብ ማሕበሩ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ንሃንጽ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቅንዕና እተላዕለ ሕቶታት ምሕታት እምነት ዜደልድል መልሲ ንኽንረክብ እዩ ዜኽእለና። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ሮሜ 12:2 “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ [መርምሩ]” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ግን ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ርጡብ “ፍልጠት ሓቂ” ብምጥራይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። (ቲቶስ 1:1) መንፈስ የሆዋ ነቲ ኣጸጋሚ ጕዳያት እውን እንተዀነ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:11, 12) ገሊኡ ነገራት ምርዳኡ ምስ ዜጸግመና ኣምላኽ ንኺሕግዘና ኽንጽሊ ኣሎና። (መዝሙር 119:10, 11, 27) የሆዋ ቓሉ ኽንርድኦን ክንኣምነሉን ክንእዘዞን እዩ ዚደልየና። ካብ ቅንዕና ተላዒልካ ዚሕተት ሕቶ የሐጕሶ እዩ።

ንኣምላኽ ንምሕጓስ ቈራጽነት ግበር

11. (ሀ) እንታይ ተፈጥሮኣዊ ባህጊ እዩ መፈንጠራ ኪዀነና ዚኽእል፧ (ለ) ካብ መዛኑና ዜጋጥመና ጸቕጢ ንምጽራሩ ብኸመይ ትብዓት ክንረክብ ንኽእል፧

11 ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ጽዓር። መንነትና ብእተወሰነ ደረጃ በቶም እንቐርቦም ሰባት ይጽሎ እዩ። ኵላትና ፈተውቲ ንደሊ: ካልኦት ምስ ዜቕርቡና ድማ ባህ ይብለና እዩ። ኣብ እዋን ብጽሕና ወይ ግርዝውና ዀነ ድሕሪኡ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ሓያል ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ንሰባት ንምሕጓስ ብርቱዕ ባህጊ ኺሓድረና ይኽእል እዩ። ፈተውትናን መዛኑናን ግን ወትሩ ብዛዕባና ኣይኰኑን ዚግደሱ። ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ኣብ ምግባር ክንሓብሮም ጥራይ እዮም ዚደልዩ። (ምሳሌ 1:11-19) ሓደ ክርስትያን ብመዛኑኡ ብኣሉታዊ መገዲ ምስ ዚጽሎ: መንነቱ ኺሓብእ እዩ ዚጽዕር። (መዝሙር 26:4) ሃዋርያ ጳውሎስ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ሮሜ 12:2) የሆዋ ነቲ ዜጋጥመና ጸቕጢ ንምጻሩ ዜኽእለና ውሽጣዊ ብርታዐ ይህበና እዩ።—እብራውያን 13:6

12. ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ብዚምልከት ካብ መትከልና ፈልከት ንኸይንብል ዚሕግዘና ኣየናይ ስርዓትን ኣብነትን እዩ፧

12 ዜጋጥመና ጸቕጢ ንክርስትያናዊ መንነትና ኼህስሶ ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ካብ ኣረኣእያ ሰባት ወይ ካብ ኣተሓሳስባ ሓፋሽ ንላዕሊ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ከም ዚበልጸና ኣይንረስዕ። ኣብ ዘጸኣት 23:2 ዚርከባ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ዚብላ ቓላት ዕቝባ ዚዀነና ስርዓት ዝሓዛ እየን። ብዙሓት እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ መብጽዓታቱ ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት ኪጠራጠሩ ኸለዉ: ካሌብ ግን ደድሕሪ እቶም ሓፋሽ ኣይሰዓበን። መብጽዓታት ኣምላኽ ዜተኣማምን ምዃኑ ርግጸኛ ነበረ: በዚ መትከሉ ድማ ብዙሕ ዓስቢ ረኸበ። (ዘሁልቍ 13:30፣ እያሱ 14:6-11) ንስኻኸ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ንምዕቃብ ነቲ ኣረኣእያ ሓፋሽ ዜውርደልካ ጸቕጢ ንምጽራሩ ፍቓደኛ ዲኻ፧

13. ክርስትያናዊ መንነትና ንሰባት ምንጋር ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ክርስትያን ምዃንካ ኣፍልጥ። ንክርስትያናዊ መንነትና ኣብ እንጣበቐሉ እዋን ጽቡቕ መጥቃዕቲ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ እዩ ዚብል ብሂል ይዓዪ እዩ። ብግዜ እዝራ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ፍቓድ የሆዋ ኺገብሩ ኣብ ዝጸዓሩሉ እዋን ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም: “ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና” በሉ። (እዝራ 5:11) ብተግባራትን ነቐፌታን ተጻረርቲ ሰባት እንተ ተጸሊና: ብፍርሂ ልሙሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንዅሉ ኸተሐጕስ እንተ ጽዒርካ: ድኹም እዩ ዚገብረካ። ስለዚ: ኣይትፍራህ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ንኻልኦት ብንጹር ምንጋሮም ጽቡቕ እዩ። ስርዓታትካ: እምነትካ: ከምኡውን ከም ክርስትያን መጠን ዘሎካ ኣቕዋም ብኣኽብሮት ግን ከኣ ብጽኑዕ መገዲ ንሰባት ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ንስነ-ምግባር ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ነቲ ልዑል ስርዓታት የሆዋ ሓሊኻ ኽትመላለስ ከም እትደሊ ንሰባት ኣፍልጥ። ኣብ ክርስትያናዊ መንነትካ ወለምዘለም ከም ዘይትብል ንጹር ግበረሎም። ብስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካ ኸም እትሕበን ኣርኢ። (መዝሙር 64:10) ጽኑዕ ክርስትያን ምዃንካ ኼበርትዓካን ዕቝባ ኪዀነካን እዩ፣ ንገሊኦም ከኣ ብዛዕባ የሆዋን ህዝቡን ንኺሓቱ ኺድርኾም እዩ።

14. ላግጺ ወይ ምጽራር ተስፋ ኬቝርጸና ይግባእዶ፧ ግለጽ።

14 ልክዕ እዩ: ገሊኦም የላግጹልካ ወይ ይጻረሩኻ ይዀኑ። (ይሁዳ 18) ንሰባት ብዛዕባ እቲ እትስዕቦ ስርዓታት ክትገልጸሎም ከለኻ ገሊኦም ዘይቅበሉኻ እንተ ዀይኖም: ተስፋ ኣይትቝረጽ። (ህዝቅኤል 3:7, 8) ቈራጽነትካ ብዘየገድስ: ኪኣምኑ ዘይደልዩ ሰባት ከተእምን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንፈርኦን ዘክሮ። ዝዀነ ይኹን መዓት ኰነ ተኣምር: አረ ሞት በዅሪ ወዱ እኳ ኸይተረፈ: ሙሴ ንየሆዋ ወኪሉ ይዛረብ ምህላዉ ኣየእመኖን። ስለዚ: ብፍርሂ ሰብ ኣይትልመስ። ኣብ ኣምላኽ ትውክልትን እምነትን ምግባር ግን ፍርህና ንኽንዋጽኣሉ የኽእለና።—ምሳሌ 3:5, 6፣ 29:25

ካብ ሕሉፍ ተመሃር: ንመጻኢ ህነጽ

15, 16. (ሀ) መንፈሳዊ ውርሻና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲስና ብዛዕባ መንፈሳዊ ውርሻና ምስትንታን ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

15 መንፈሳዊ ውርሻኻ ኣማስወሉ። ክርስትያናት ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ብዛዕባ መንፈሳዊ ውርሻኦም ኬስተንትኑ ኸለዉ ይጥቀሙ እዮም። እዚ ውርሻ እዚ ነቲ ኣብ ቃል የሆዋ ዚርከብ ሓቂ: ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ከምኡውን ከም ሰባኺ ብስራት መጠን ንኣምላኽ ተወከልቱ ብምዃን ዚርከብ ክብሪ የጠቓልል። ኣብ መንጎ እቶም ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዓዩ እተመዘዙ መሰኻኽሩ ዘሎካ ግደ ይረኣየካዶ፧ “ንስኻትኩም ምስክረይ . . . ኢኹም” ዝበለ የሆዋ ምዃኑ ዘክር።—ኢሳይያስ 43:10

16 ንገዛእ ርእስኻ ‘ንመንፈሳዊ ውርሻይ ክሳዕ ክንደይ እየ ኣኽቢረ ዝርእዮ፧ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ንምሃብ እጽዕር ድየ፧ ንመንፈሳዊ ውርሻይ ዘሎኒ ሞሳ: ነቲ ውርሻይ ከም ዝስእን ኪገብረኒ ዚኽእል ፈተና ንምጽራር ዜኽእለኒ ድዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። መንፈሳዊ ውርሻና ኣብ ማሕበር የሆዋ ጥራይ ኪርከብ ዚከኣል መንፈሳዊ ዕቝባ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። (መዝሙር 91:1, 2) ነቲ ዜደንቕ ዘመናዊ ታሪኽ ማሕበር የሆዋ ደጊምና ምስ እንምርምሮ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ነገር ንህዝቢ የሆዋ ኻብ ገጽ ምድሪ ኸም ዘየጥፍኦም የረጋግጸልና እዩ።—ኢሳይያስ 54:17፣ ኤርምያስ 1:19

17. ኣብ መንፈሳዊ ውርሻና ምምርኳስ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ተወሳኺ ነገር እውን እዩ ዜድልየና፧

17 ልክዕ እዩ: ኣብ መንፈሳዊ ውርሻና ጥራይ ክንምርኰስ ኣይንኽእልን ኢና። ነፍሲ ወከፍና ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል ኣሎና። ጳውሎስ ንእምነት እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምድልዳል ኣበርቲዑ ድሕሪ ምዕያዩ: “ደጊም: ኣቱም ፍቁራተይ: . . . ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር: ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ: ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተአዘዝኩም: ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ፊልጲ 2:12) እወ: ንድሕነትና ብዚምልከት ኣብ ካልእ ሰብ ክንምርኰስ ኣይንኽእልን ኢና።

18. ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንክርስትያናዊ መንነትና ንጹር ኪገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ። “ዕዮ ንብሕታዊ መንነት ይቐርጽ እዩ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እቲ ኣገዳሲ ብስራት እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮ ተዋሂቡዎም ኣሎ። ጳውሎስ “ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ: መልእኽተይ ኤኽብር አሎኹ” በለ። (ሮሜ 11:13) ዕዮ ስብከትና ኻብ ዓለም እተፈለና ይገብረና: ኣብኡ እንገብሮ ተሳትፎ ኸኣ ዓብዪ ኽፋል ክርስትያናዊ መንነትና እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ: ናይ ኣምልኾ ቦታታት ምህናጽ: ንእተሸገሩ ምርዳእ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ምስታፍ: ንክርስትያናዊ መንነትና ንጹር ይገብሮ።—ገላትያ 6:9, 10፣ እብራውያን 10:23, 24

ንጹር መንነት ናይ ሓቂ በረኸት የምጽእ

19, 20. (ሀ) ክርስትያን ብምዃንካ ብብሕትኻ እንታይ ረብሓታት ረኺብካ፧ (ለ) ናይ ሓቂ መንነትና ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

19 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብምዃንና ዝረኸብናዮ ሓያሎ ረብሓታትን ጥቕምታትን እሞ ሕስብ ኣብለሉ። የሆዋ ብብሕቲ ይፈልጠና እዩ። ነብዪ ሚልክያስ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” በለ። (ሚልክያስ 3:16) ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ኺርእየና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 2:23) ዕላማን ትርጕምን ህይወት ብንጹር ፈሊጥና: ጥዑይን ፍረ ዘለዎን ሸቶታት ጌርና: ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ኣሎና።—መዝሙር 37:9

20 ናይ ሓቂ መንነትካን ዘሎካ ዋጋን ኣብቲ ሰባት ዚሓስብዎ ዘይኰነስ ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዚምርኰስ። ገሊኦም ሰባት በቲ ጐደሎ ስርዓታት ሰባት ገይሮም ይግምግሙና ይዀኑ። ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ተገዳስነትን ግን ብሓቂ ዘሎና ዋጋ የረድኣና፣ እወ: ንሕና ናቱ ኢና። (ማቴዎስ 10:29-31) እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ብግዲኣ መን ምዃንና ኣጸቢቕና ንኽንፈልጥን ንጹር ኣንፈት ህይወት ንኺህልወናን ተኽእለና። “ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ . . . ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 8:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ሓላፍነት ዘለዎ ሓለቓ ዚዓዮ ዕዮ ዚእምታ እየን። ለይቲ ምስ ኰነ እቶም ኣብ መመሐለዊኦም ዚርከቡ ሌዋውያን ሓለወቲ ነቒሖም ወይ ደቂሶም እንተ ሃልዮም ንኺርኢ ይዘውር። ደቂሱ እተረኽበ ሓላዊ ብበትሪ ይውቃዕ: ምእንቲ ኺሓፍር ድማ ከም መቕጻዕቲ ኽዳውንቱ ተቐንጢጡ ይቃጸል።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናት ንመንፈሳዊ መንነቶም ኪሕልዉዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ክርስትያናዊ መንነትና ንጹር ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንመን ከነሐጕስ ከም ዘሎና ኣብ ዜዋጥር ኵነታት እንተ ኣቲና: ቅኑዕ ውሳነ ንኽንገብር ዚድርኸና እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

• ክርስትያናዊ መንነትና ብንጹር ምፍላጥና ንመጻኢና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ ንክርስትያናዊ መንነትና ንጹር ይገብሮ