ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ክርስትያናት: ብመንነትኩም ተሓበኑ!

ኣቱም ክርስትያናት: ብመንነትኩም ተሓበኑ!

ኣቱም ክርስትያናት: ብመንነትኩም ተሓበኑ!

“ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ።”1 ቈረንቶስ 1:31

1. ሰባት ንሃይማኖት ብዚምልከት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም እዩ ብንጹር ዚርአ ዘሎ፧

 “ዘይተገዳስነት።” ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ሓሳባት ዚህብ ሰብ: ነዛ ቓል እዚኣ ነቲ ሰባት ብዛዕባ እምነት ዘለዎም ኣቕዋም ንምግላጽ ተጠቒሙላ ነይሩ። “ኣብዚ ግዜና ኣብ ሃይማኖት ዚርአ ዘሎ ዝዓበየ ምዕባለ ብሱሩ ሃይማኖት ኣይኰነን: የግዳስ ‘ዘይተገዳስነት’ ተባሂሉ እንተ ተገልጸ ይሓይሽ” በለ። ዘይተገዳስነት ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ “ብዛዕባ ሃይማኖትካ ዋላ ሓንቲ ግዲ ዘይብልካ ምዃን” ኢሉ ኣሎ። ሓያሎ ሰባት “ብኣምላኽ ይኣምኑ . . . ብዛዕባኡ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይግድሶምን” በለ።

2. (ሀ) ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ዘይግደሱ ምዃኖም ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዘይተገዳስነት ንናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

2 ሰባት ዘይግደሱ ምዃኖም ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየገርሞምን እዩ። (ሉቃስ 18:8) ብሓፈሻ ንሃይማኖት ተገዳስነት ዘይምህላው ድማ ትጽቢት ኪግበረሉ ዚግባእ ነገር እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሓያሎ ዘመናት ንደቅሰብ ከተስሕቶምን ከተጕህዮምን ጸኒሓ እያ። (ራእይ 17:15, 16) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ብፍርቂ ልቦም ኬገልግሉ እንተ ጀሚሮም ወይ ቅንኣት እንተ ጐዲልዎም: ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ዚኣትዉ። ብእምነትና ዘይንግደስ ምስ እንኸውንን ንኣምላኽ ኰነ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዘሎና ቕንኣት ምስ እነጥፍእን ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዜምጽኣልና። የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ልቡጥ ብዛዕባ ምዃን ኬጠንቅቖም ከሎ “ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ: ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ” በሎም።—ራእይ 3:15-18

መንነትና ምፍላጥ

3. ክርስትያናት በየናይ መዳይ መንነቶም እዮም ኪሕበኑ ዚኽእሉ፧

3 ክርስትያናት ምስ መንፈሳዊ ዘይተገዳስነት ንምቅላስ: መንነቶም ብንጹር ኪፈልጡ: ብመንነቶም ድማ ኪሕበኑ ኣለዎም። ኣገልገልቲ የሆዋን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን ከም ምዃንና መጠን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንነትና ዚሕብር መግለጺታት ክንረክብ ንኽእልዶ፧ እቲ “ወንጌል” ንሰባት ብንጥፈት ስለ እንነግሮም: ‘መሰኻኽር’ የሆዋ ኸምኡውን “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኢና። (ማቴዎስ 24:14፣ ኢሳይያስ 43:10፣ 1 ቈረንቶስ 3:9) ንሓድሕድና ‘እንፋቐር’ ህዝቢ ኢና። (ዮሃንስ 13:34) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናና ነላምድ’ ኢና። (እብራውያን 5:14) “ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም” ንበርህ ኢና። (ፊልጲ 2:15) ‘ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳና ኸነጸብቕ’ ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:11, 14

4. ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ እንታይ ከም ዘይኰነ ዚውስን ብኸመይ እዩ፧

4 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ከም ዘይኰኑ እውን ይፈልጡ እዮም። ከምቲ መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓለም ዘይነበረ: “ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:16) ካብቶም “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም” ዘለዉ “ኣህዛብ” እተፈልዩ እዮም። (ኤፌሶን 4:17, 18) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሰዓብቲ የሱስ ‘ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒዶም: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ይነብሩ።’—ቲቶስ 2:12

5. እቲ ብየሆዋ ‘ኽንምካሕ’ እተዋህበና ምትብባዕ እንታይ ትርጕም ዝሓቘፈ እዩ፧

5 መንነትናን ምስቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረታት ዘሎና ርክብን ብንጹር ምፍላጥ: ብየሆዋ ‘ንኽንምካሕ’ ይድርኸና። (1 ቈረንቶስ 1:31) ኣብዚ ምምካሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: የሆዋ ኣምላኽና ምዃኑ የዅርዓና እዩ። ነቲ “ዚሕበንሲ . . . ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበን” ዚብል ምትብባዕ ንስዕብ ኢና። (ኤርምያስ 9:24) ንኣምላኽ ምፍላጥናን ንሱ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዚጥቀመልና ምዃኑን እዩ ዜመክሓና።

መንነትካ ብንጹር ምፍላጥ ዘለዎ ብድሆ

6. ገሊኦም ክርስትያናዊ መንነቶም ብንጹር ተረዲኦም ምምልላስ ዜሸግሮም ስለምንታይ እዩ፧

6 ክርስትያናዊ መንነትና ብንጹር ተረዲእና ምምልላስ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣይከሓድን እዩ። ሓደ ኻብ ንእስነቱ ክርስትያን ኰይኑ ዝዓበየ መንእሰይ ንእተወሰነ ግዜ መንፈሳዊ ድኽመት ከም ዝነበሮ ኺገልጽ ከሎ: “ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀንኩሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ካብ ሕጻንነተይ ሓቂ እፈልጥ እየ። ሓድሓደ ግዜ ተቐባልነት ዘለዋ ሃይማኖት ጥራይ እስዕብ ከም ዘለኹ ይስምዓኒ ነበረ” በለ። ገሊኦም ከኣ መንነቶም በቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መዘናግዒ: መራኸቢ ብዙሓን: ከምኡውን በቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ኣረኣእያ ኪቕረጽ ከሎ ስቕ ኢሎም ርእዮምዎ እዮም። (ኤፌሶን 2:2, 3) ገሊኦም ክርስትያናት ሓሓሊፎም ብርእሶም ዘይተኣማመኑ ብምዃኖም ነቲ ዚስዕብዎ ስርዓታትን ሸቶታትን ከም ብሓድሽ መርሚሮምዎ እዮም።

7. (ሀ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ርእሶም ኪምርምሩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣየናይ ግን እዩ ሓደገኛ ዝዀነ፧

7 ብእተወሰነ ደረጃ ርእስኻ ምምርማር ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ድዩ፧ ኣይፋልን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ብምባል ነዚ ኺገብሩ ኸም ዜተባብዖም ትዝክሮ ትኸውን። (2 ቈረንቶስ 13:5) ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኽመትና ኣለሊና: ንምዕራዩ ስጕምትታት ክንወስድ እዩ ዜበራትዕ ነይሩ። ሓደ ክርስትያን ብእምነት እንተ ኣልዩ ኺፍትን ከሎ: ዘረባኡን ተግባራቱን ምስቲ እምነቱ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ እዩ ኺምርምር ዘለዎ። ይኹን እምበር: ናይ ብሕትና “መንነት” ንምድላይ ወይ ከኣ ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ወይ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ መልሲ ንምንዳይ ዚድርኸና ግጉይ ዝዀነ ርእስና ናይ ምምርማር ተግባር: ትርጕም ዘይብሉን ብመንፈስ ሓደገኛን ኪኸውን ይኽእል እዩ። a ስለዚ: ‘ናይ እምነት መርከብና ኽትስበረና’ ኣይንደልን ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 1:19

ካብዚ ብድሆታት እዚ ሓራ ኣይኰንናን

8, 9. (ሀ) ሙሴ ርእሰ-ምትእምማን ከም ዚጐድሎ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሙሴ ዝነበሮ ፍርሂ ንምውጋድ እንታይ ገበረ፧ (ሐ) በቲ የሆዋ ዝሃበና ምትብባዕ ብኸመይ ተተንኪፍካ፧

8 ሓሓሊፎም ርእሰ-ምትእምማን ዚጐድሎም ክርስትያናት ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ኺስምዖም ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን! ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ሓድሽ ከም ዘይኰነ ምፍላጦም ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ኣምላኽ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ኣሕሊፎም እዮም። ንኣብነት: ነቲ ሓለፍ ዝበለ እምነትን ተኣማንነትን ተወፋይነትን ዘርኣየ ሙሴ እስከ ንውሰድ። ኪጾሮ ዘይክእል ዝመሰሎ ዕዮ ምስ ኣጋጠሞ: ንርእሱ ብምስትንዓቕ “ኣነ መን እየ፧” ኢሉ ሓተተ። (ዘጸኣት 3:11) ‘ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰንኩን’ ወይ ‘ዓቕሚ የብለይን’ ኢሉ እዩ ዚሓስብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እንታይ ከም ዝነበረ ምሕሳቡ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅድም ቀዳድም: ካብ ባሮት እዩ ተወሊዱ። እስራኤላውያን ንባዕሎም ኣይተቐበልዎን። ክኢላ ተዛራባይ ድማ ኣይነበረን። (ዘጸኣት 1:13, 14፣ 2:11-14፣ 4:10) ጓሳ እዩ ነይሩ: እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ጽዩፍ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 46:34) እምበኣር: ነቶም ባሮት ዝዀኑ ህዝቢ ኣምላኽ ሓራ ንምውጻእ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዖ ዜገርም ኣይኰነን።

9 የሆዋ ንሙሴ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ: ኣነ ኸም ዝለአኽኩኻ ድማ: እዚኣ ትእምርቲ ትኹንካ፤ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ: ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም” ኢሉ ኽልተ ዓበይቲ መብጽዓ ብምእታው ኣተባብዖ። (ዘጸኣት 3:12) ኣምላኽ ነቲ ሰጋእ መጋእ ዚብል ዝነበረ ኣገልጋሊኡ ወትሩ ምስኡ ኪኸውን ምዃኑ እዩ ነጊርዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ነቶም ህዝቢ ብዘይጥርጥር ሓራ ኸም ዜውጽኦም እዩ ዚሕብሮ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት: ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተባብዕ መብጽዓታት ኣትዩ እዩ። ንኣብነት: ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ምስ ቀረቡ ብሙሴ ኣቢሉ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ: ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ: ስለዚ ጽንዑ: ትብዑ” በሎም። (ዘዳግም 31:6) ንእያሱ “ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። . . . ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን” ብምባል ኣተባብዖ። (እያሱ 1:5) ንክርስትያናት እውን “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (እብራውያን 13:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ደገፍ ብምርካብና: ክርስትያን ምዃንና ኼሐብነና ኣለዎ!

10, 11. ኣሳፍ እቲ ሌዋዊ ንየሆዋ ምግልጋል ብዛዕባ ዘለዎ ረብሓ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዝ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

10 ድሕሪ ሙሴ ሓሙሽተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ: ኣሳፍ ዚበሃል እሙን ሌዋዊ ቕኑዕ መገዲ ምስዓብ ብሓቂ ጠቓሚ እንተ ዀይኑ ኸም ዜጠራጥሮ ኸይሓባብአ ጸሓፈ። ፈተናታት እናኣጋጠሞ ንኣምላኽ ኬገልግል እኳ እንተ ጸዓረ: ገሊኦም ንኣምላኽ ዜላግጹሉ ሰባት ዝያዳ ሓይልን ብልጽግናን ኪረኽቡ ረኣዮም። ኣሳፍ ብኸመይ ተተንከፈ፧ “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል: ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ: ንደፋራት ቀናእኩሎም” ብምባል ተኣመነ። ንየሆዋ ምምላኽ ብሓቂ ረብሓ እንተ ኣልይዎ ኺጠራጠር ጀመረ። “እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ: ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ” ኢሉ ሓሰበ። “ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ” ድማ በለ። —መዝሙር 73:2, 3, 13, 14

11 ኣሳፍ ነዚ ዚርብሾ ዝነበረ ነገር ብኸመይ ፈትሖ፧ ዋላ ሓንቲ ዚርብሾ ኸም ዘይብሉ መሲሉ ድዩ ቐሪቡ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: ከምቲ ኣብ መበል 73 መዝሙር እንርእዮ: ነቲ ዚርብሾ ነገራት ንየሆዋ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት ጠቐሶ። ናብ መቕደስ ምስ ከደ: ኣረኣእያኡ ቐየረ። ኣብኡ ኸሎ ኸኣ ንየሆዋ ውፉይ ምዃን እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ኣስተውዓለ። ንየሆዋ ምግልጋል ዜምጽኣሉ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኸም ብሓድሽ ምስ ተገንዘበ: የሆዋ ኽፍኣት ከም ዚጸልእን ኣብ ግዜኡ ንእኩያት ኪቐጽዖም ምዃኑን ተረድአ። (መዝሙር 73:17-19) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣገልጋሊ የሆዋ ምዃን ዓብዪ ኽብሪ ኸም ዝዀነ እምነቱ ኣደልደለ። ንኣምላኽ ድማ “ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ: ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ: ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ: ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ” በሎ። (መዝሙር 73:23, 24) እወ: ኣሳፍ ከም ብሓድሽ ብኣምላኹ ተሓበነ።—መዝሙር 34:2

መን ምዃኖም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ

12, 13. በቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ዚሕበኑ ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ሰባት ጥቐስ።

12 ሓደ ኻብቲ ክርስትያናዊ መንነትና እነደልድለሉ መገዲ: ንእምነት እቶም ጸበባ እናኣጋጠሞም በቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ዚሕበኑ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ ምምርማርን ምቕዳሕን እዩ። ንዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እስከ ንውሰድ። ገና ብንእስነቱ ባርያ ዀይኑ ናብ ግብጺ ተሸጠ: በዚ ኸኣ ካብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቦኡን ካብታ ፍቕሪ ዝሰፈና ማሙቕ ቤት ኣቦኡን በማእታት ኪሎ ሜተራት ረሓቐ። ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣምላኽ ዚፈትዎ ማዕዳ ኺህበኒ ይኽእል እዩ ኢሉ ኺውከሶ ዚኽእል ሰብ ኣይነበሮን: ንስነ-ምግባሩን ኣብ ኣምላኽ ንዘለዎ ትውክልትን ዚፍትን ከቢድ ኵነታት እውን ኣጋጠሞ። ይኹን እምበር: ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን መን ምዃኑ ንኸይርስዕ ይጽዕር ነበረ: ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዚፈልጦ ነገራት እውን እሙን ኰነ። ኣብቲ ጽንኩር ሃዋሁ እኳ እንተዀነ ንየሆዋ ዜምልኽ ምዃኑ የሐብኖ ነበረ: እተሰምዖ ኻብ ምግላጽ እውን ኣይፈርሀን።—ዘፍጥረት 39:7-10

13 ሸሞንተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ ሓንቲ ኻብ እስራኤል እተማረኸት ጓል: ባርያ እቲ ንእማን ዚበሃል ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት ኰነት። ይኹን እምበር: ከም ኣምላኺት የሆዋ መጠን መንነታ ኣይረስዐትን። ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተላ: ኤልሳእ ነብዪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትብዓት ብዛዕባ የሆዋ መስከረት። (2 ነገስት 5:1-19) ድሕርዚ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ ኣብ ብልሹው ቤት እኳ እንተ ዓበየ: ንነዊሕ ዚቕጽል ሃይማኖታዊ ምሕዳስ ኣወጀ: ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ጸገነ: ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ የሆዋ መለሶ። ብእምነቱን በምልኾኡን ይሕበን ነበረ። (2 ዜና መዋእል ምዕራፍ 34, 35) ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱን እውን ኣብ ባቢሎን ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን መንነቶም ኣይረስዑን። ጸቕጥታትን ፈተናታትን እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ንጽህናኦም ሓለዉ። ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃኖም ከም ዘሐበኖም እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ዳንኤል 1:8-20

ብመንነትካ ተሓበን

14, 15. ብክርስትያናዊ መንነትና ኽንምካሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

14 እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም በቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ኣቕዋም ሓበን ንኺስምዖም ስለ ዝጸዓሩ እዮም ኣሳልጦ ረኺቦም። ንሕናኸ፧ ብክርስትያናዊ መንነትና ኽንምካሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

15 ብቐዳምነት: ሓደ ኻብቶም ብየሆዋ እንጽዋዕ ህዝቢ ብምዃንናን በረኸቱን ስምረቱን ብምርካብናን ዓሚቝ ሞሳ ኺስምዓና ኣለዎ። ኣምላኽ መን ናቱ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጦም እዩ። እቲ ሃይማኖታዊ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዚነብር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ “እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 2:19፣ ዘሁልቍ 16:5) የሆዋ በቶም “ናቱ ዘበሉ” ይሕበን እዩ። “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንኪ፥ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ድማ በለ። (ዘካርያስ 2:8 ትርጕም 1990) እምበኣር: የሆዋ የፍቅረና እዩ። ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ኣብ ዓማቝ ፍቕሪ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ “ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና: ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 8:3

16, 17. መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ብመንፈሳዊ ውርሻኦም ኪሕበኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ዝዓበዩ መንእሰያት: ክርስትያናዊ መንነቶም ኣብቲ ብብሕቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ኺምርምሩ ኣለዎም። ኣብ እምነት ወለዶም ጥራይ ኪምርኰሱ ኣይክእሉን እዮም። ጳውሎስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ “ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ” በለ። ስለዚ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” በለ። (ሮሜ 14:4, 12) እምበኣር: ብፍርቂ ልብኻ እትገብሮ ኻብ ወለድኻ ዝወረስካዮ ኣምልኾ: ምስ የሆዋ ነባሪ ዝዀነ ናይ ማሕርሮ ርክብ ከም ዚህልወካ ኣይገብርን እዩ።

17 ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ መሰኻኽር የሆዋ ነይሮም እዮም። እዚኣቶም ካብቲ 60 ዘመን ኣቐዲሙ እሙን ዝነበረ ኣቤል ኣትሒዞም ክሳዕ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡውን ክሳዕ እቶም ንዘለኣለም ኪነብሩ ዚፍቀደሎም ብዙሓት ኣምለኽቲ የሆዋ ዚቕጽሉ እዮም። (ራእይ 7:9፣ እብራውያን 11:4) ንሕና ድማ ኣብዚ መስመር እሙናት ኣምለኽቲ እዚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዕና ኣሎና። ከመይ ዝበለ ዓብዪ መንፈሳዊ ውርሻ ዀን እዩ ዘሎና!

18. ስርዓታትናን መለክዒታትናን ካብ ዓለም ዚፈልየና ብኸመይ እዩ፧

18 ክርስትያናዊ መንነትና ነቲ ኸም ክርስትያናት መጠን ዜፍልጠና ስርዓታት: ባህርያት: መለክዒታት: ከምኡውን ጠባያት እውን የጠቓልል እዩ። እዚ ኸኣ ዕዉት ዝዀነን ንኣምላኽ ዜሐጕስን እንኮ “መገዲ” ህይወት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:2፣ ኤፌሶን 4:22-24) ክርስትያናት ‘ንዅሉ ይዕዘብዎ: ነቲ ሰናይ ከኣ ይሕዝዎ’ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትናን ኣብ መንጎ እዛ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ዓለምን ዘሎ ሰፊሕ ጋግ ብንጹር ንርድኦ ኢና። የሆዋ ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ዜማትእ ነገር ኣይገደፈን። ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ “ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም” በለ።—ሚልክያስ 3:18

19. ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ኪዀኑ ኢኻ ዘይትጽበዮም፧

19 ኣብዛ እተደናገረትን ኣንፈታ ዝጠፍኣን ዓለም ብየሆዋ ምምካሕ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ብኣምላኽ ወትሩ ንኽንሕበንን ክርስትያናዊ መንነትና ንኸይነጥፍእን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ጠቓሚ ሓሳባት ክትረክብ ኢኻ። ነዚ ኽትምርምሮ ኸለኻ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ዘይግዱሳት” ኪዀኑ ፈጺሞም ከም ዘይክእሉ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነትና ጥራይ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ገሊኦም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት ግን ሕክምና ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናት ብየሆዋ ‘ኺምክሑ’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ካብ ኣብነታት ሙሴን ኣሳፍን እንታይ ተማሂርካ፧

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ንኣምላኽ ብምግልጋሎም ዚሕበኑ ዝነበሩ መነመን እዮም፧

• ብክርስትያናዊ መንነትና ኽንምካሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ንእተወሰነ እዋን ርእሰ-ምትእምማን ይጐድሎ ነበረ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ ጥንታዎት ኣገልገልቲ የሆዋ በቲ ፍሉይ መንነቶም ይሕበኑ ነበሩ