ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዓኻ ዘለዎ መልእኽቲ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዓኻ ዘለዎ መልእኽቲ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዓኻ ዘለዎ መልእኽቲ

ኣብዚ ግዜና ክርስትያን ኴንካ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን። ብዙሕ ጸቕጥታት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት: መንግስቲ ምስ ክርስትያናዊ ሕልናና ዚጻረር ነገር ክንገብር ኬገድደና ይጽዕር እዩ። ሓያሎ ክርስትያን ኣንስቲ: ዘይኣምኑ ሰብኡት ኣለዉወን። መንእሰያት በቲ ብልጭልጭን “ጥበብን” እዛ ዓለም እዚኣ ይሰሓቡ እዮም። ገሊኦም እውን ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምጽባይ ‘ንምዃኑ ኣርማጌዶን ክትመጽእ ድያ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት የጋጥመካ እንተሎ: ንዓኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ክርስትያናት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ። እተን ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጸሓፈን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ኽልተ መልእኽትታት እምበኣር ንዓኻ ዚኸውን መልእኽቲ ኣለወን። ጴጥሮስ ካብቲ የሱስ ዝሞተሉ ልዕሊ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ነተን ኣብቲ ግዜኡ ዝነበራ ጉባኤታት ጸሓፈለን። እቲ ንክርስትያናት ዜጋጥሞም ጸገማት ግን ሕጂውን ብዙሕ ኣይተቐየረን። ስለዚ: እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ሕጂውን ከም ቀደሙ ጠቓሚ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ማዕዳ ንምሃብ እውን ብርግጽ ብቕዓት ኣለዎ።

ብቑዕ ጓሳ

ኣብ ወንጌልን ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ዚርከብ ጸብጻባት ድሕሪ ምንባብ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ገሊላ ገፋፍ ዓሳ ዝነበረ እሞ ደሓር ሃዋርያ ጴጥሮስ እተባህለ ውልቀ-ሰብ ብዙሕ ኢና እንፈልጥ። ተፈታዊ ሰብ እዩ ነይሩ። እቲ ንየሱስ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ዚኣቱ እኳ እንተ ዘይነበረ: ውዑይ ብምንባሩ ግን ሓድሓደ ግዜ ጌጋታት ይገብር ነበረ። ምናልባት ከምቲ ንዕኡ ዘጋጠሞ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣጋጣሚ ንዓናውን ኣጋጢሙና ይኸውን።

ንኣብነት: ጴጥሮስ ንየሱስ ኣብ ማይ ኪኸይድ ምስ ረኣዮ: እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ዘክሮ። ንሱውን ኣብ ማይ ኪኸይድ ደለየ። ኣብ ምንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ ግን ፈርሀ: ካብ ምጥሓል ዜድሕኖ እውን ኣድለዮ። ከቶ ኸም ዘይዕንቀፍ ኣትሪሩ እተዛረበሉ እዋን እውን ዘክር። ድሕሪ እተወሰነ ሰዓታት ግን ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ።—ማቴዎስ 14:23-34፣ 26:33, 34, 69-75

ይኹን እምበር: እቲ ነተን ክልተ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና መልእኽትታት ዝጸሓፈ ጴጥሮስ: ካብቲ የሱስ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: . . . ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” ዝበሎ እዋን ኣትሒዙ ብዙሕ ለውጢ እዩ ገይሩ። (ማቴዎስ 16:23) የሱስ ነዚ ሃዋርያ እዚ እዩ “ኣባጊዔይ ኣብልዕ” ብምባል መዝነት ዝሃቦ። (ዮሃንስ 21:17) ጴጥሮስ ንመልእኽትታቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ንልዕሊ 30 ዓመት ‘ነባጊዕ የብልዕ’ ብምንባሩ ባህርያቱ እተመሓየሸ ሰብ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

ስለዚ: “ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” ዚብል ማዕዳ ኸነንብብ ከለና: እዚ ሃዋርያ እዚ ንየሱስ “ሓወይ እንተ በደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ምንባሩ ንዝክር ንኸውን። ነተን መልእኽትታት ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ግን ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዜርእይዎ ፍቕሪ ደረት ከም ዘይብሉ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:22፣ ማቴዎስ 18:21) ንክርስትያናት ብጾቱ “ንጸሎትውን ንቕሑ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ ድማ: ድሕሪ እታ ኣብ ጌተሰማኔ የሱስ ንሃዋርያቱ ኺጽሊ ሓዲግዎም ከይዱስ ደቂሶም ዝረኸቦም ተካል ለይቲ እቲኣ ዓብዪ ትምህርቲ ኸም እተማህረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 4:7፣ ሉቃስ 22:39-46

እወ: እቲ ገሊላዊ ገፋፍ ዓሳ: ብቑዕ ጓሳ ዀይኑ እዩ። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝገበሮ ጕስነት ድማ ከምቲ ሽዑ: ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። እምበኣር ገለ ኻብቲ ማዕዳኡ ንርአ።

ንእምነትካ ኣማስወላ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን እታ ናይ ኣይሁድን ሮሜን ዓለም እተብለጭልጭን ሓያልን እያ ነይራ። ክርስትያናት በቲ ዓለም ዘለዋ ግርማ ኸይታለሉ: በቲ እትገብረሎም ጽልዋ ድማ ንጥፈታቶም ከየደስክሉ ኺጥንቀቑ ነበሮም። ስለዚ ኸኣ ጴጥሮስ ንኣንበብቱ “ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም” ብምባል ተላበዎም። (1 ጴጥሮስ 1:13) ብኸመይ ግን እዮም ነዚ ዚገብሩ፧ ነቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰላት ዓሚቝ ሞሳ ብምርኣይ እዩ።

ጴጥሮስ: ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ኰኑ መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ንክርስትያናት ዝጠቐሶ ነገር ኪፈልጡ ሃንቀውታ ኸም ዝነበሮም ኣዘኻኸሮም። ብደም የሱስ ክርስቶስ እተዓደጉ ስለ ዝዀኑ: ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ዘይጠፍእ ዘርኢ ዀይኖም ስለ እተወለዱ: “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” ዀይኖም እውን ስለ ዝቘሙ: ክሳዕ ክንደይ ከም እተባረኹ ገለጸሎም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ስደተኛታት ብምንባሮም: እንታይ ከም ዝነበሩን የሆዋ ኣምላኽ ዓብዪ ምሕረት ከም ዝገበረሎምን ኪዝክሩ ነበሮም።

ኣብዚ ግዜና እታ ዓለም እቲኣ ሓሊፋ እያ። ኰይኑ ግን: ብፈተናታት ገይራ ኸተስድዓና ኣብ እትጽዕር ወይ ብጸቕጥታታ ገይራ ኸም እነስግል ክትገብረና ኣብ እትፍትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ እምበኣር ሕጂውን ዚዓዪ እዩ። ነቲ ዘሎና ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን። በዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ንዅሉ ናይ ምስትንዓቕ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኸይንጽሎ: ‘ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ኽንብህጎ’ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 2:2

ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመካ ተሓጐስ

ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ስለ እንነብር: ከምቲ ብግዜ ጴጥሮስ ዝነበረ ጸገማት የጓንፈና እዩ። እቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ ሰለስተ ዅነታት (1) ክርስትያን ንመንግስቲ ዘለዎ ሓላፍነት: (2) ክርስትያን ባርያ ምስ ጐይታኡ ዘለዎ ርክብ: (3) ክርስትያን ሰበይቲ ንዘይኣማኒ ሰብኣያ እናተገዝአት እትህቦ ደገፍ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ጕዳያት እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ገዛእቲ ዘበሉ ዜግነት ሮሜ ንዘይብሎም ሰባት ኬሳቕዩ ወይ ኪቐትሉ ይኽእሉ ነበሩ። ጐይቶት ንባሮቶም ብጭካነ ምስ ዚሕዝዎም: ዕቝባ ዚገብረሎም ኣይነበሮምን። ኣንስቲ ኸኣ ሒደት ሕጋዊ መሰላተን ሓዲግካ ጥሪት ሰብኡተን ከም ዝዀና ጌርካ እየን ዚረኣያ ነይረን።

ሎሚውን እንተዀነ ክርስትያናት ምስ “ቄሳር” ወይ ምስ ኣስራሕቶም ዘለዎም ርክብ: ልክዕ ከምቲ ጐይታ ምስ ባርያ ዘለዎ ርክብ እኳ እንተ ዘይኰነ: ተመሳሳሊ ጸገማት ግን ኣለዎም። ሓያሎ ምስ ዘይኣምኑ ሰብኡተን ዚነብራ ክርስትያን ኣንስቲ እውን ዓብዪ ጸገማት እዩ ዘለወን። እምበኣር: ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ሕጂውን ይጠቅም እዩ። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ዝበለ፧

ብሓጺሩ ሰለስተ ነገራት ክንዝክር እዩ ምዒዱና። ፈለማ: ብዛዕባ ተገዛእነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ኵሎም ሰባት ንመንግስቲ ኺግዝኡ ኣለዎም: ሰራሕተኛታት ንኣስራሕቶም ኪእዘዙ ይግባእ: ኣንስቲ ኸኣ ንሰብኡተን ኬኽብራኦምን ኪእዘዛኦምን ኣለወን። ድሕሪኡ ነቶም ዘይኣምኑ ዘበሉ በኻይዳና ኣቢልና ክርስትና እቲ ዝበለጸ ናብራ ምዃኑ ኸነርእዮም ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 3:1፣ 4:15) ኣብ መወዳእታ ድማ ብተግባራትና ንዚሓተና ዘበለ ብህድኣት ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎና ብምዃን: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ኺህልወና ኣለዎ።—1 ጴጥሮስ 3:15, 16

እዚ ንዅሉ ጸገማትና ዚፈትሕ ድዩ፧ ከም ዘይፈትሖ ጴጥሮስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ዓለም ሓደ ክርስትያን ኪቕበሎ ዘይክእል ነገራት ትሓትት እያ። ስለዚ: ምእንቲ ጽድቂ ኽንሳቐ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ “ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ: እዚ ጸጋ እዩ” በለ።—1 ጴጥሮስ 2:19

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ምእንቲ ጽድቂ ዚወርደና ስቓይ ብግቡእ ኣረኣእያ እንተ ርኢናዮ: ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና። ጴጥሮስ ነዚ ብተመክሮ ይፈልጦ እዩ። ካብቲ ነተን መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ብሰንኪ እምነቱ ተገሪፉ ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ ንሱን ምስኡ እተገርፉ ክርስትያናትን “ምእንቲ ስሙ [ስም የሱስ] ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: . . . እናተሐጐሱ ኸዱ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:41) ስለዚ: ነቶም መስጐጕቲ ዜጋጥሞም ክርስትያናት “ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ: ተሐጐሱ ደኣ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—1 ጴጥሮስ 4:12, 13

ጴጥሮስ ነሕዋት ብየሆዋ ይስልጥኑ ኸም ዘለዉ ነገሮም። “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” በሎም። ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ: እቶም ሽማግለታት ከኣ ንጉባኤታት ብቕኑዕ ድራኸ ኺጓስይወን ነገሮም። ድሕርዚ “ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ . . . ንሱ ኺፍጽመኩም: ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ” ኢሉ ተመባጽዓሎም።—1 ጴጥሮስ 5:1-3, 6, 10

እዚ ማዕዳ እዚ ኸም ቀደም ሕጂውን እዋናዊዶ ኸይኰነ፧ ጴጥሮስ ብቐጥታ ንዓኻ ይዛረበካ ኸም ዘሎዶ ኣይኰነን እተሰምዓካ፧ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘበራተዖም እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ብዛዕባ እቲ ነሕዋቱ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎም ነገር ኬጠንቅቖም ኢሉ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፍ ነበሮ።

ካብቲ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ምምላጥ

ጴጥሮስ ብህይወት ንነዊሕ እዋን ኪጸንሕ ትጽቢት ስለ ዘይነበሮ: ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ንክርስትያናት ብጾቱ ኼጠንቅቖም ከም ዚደሊ ገሊጹ ኣሎ። ክርስትያናት ጽኑዓት ምእንቲ ኪዀኑን ነቲ ኻብ ውሽጢ ጉባኤ ዚቕልቀል ኬዳኽሞም ዚኽእል ነገራት ምእንቲ ኺቃወምዎን እተወሰነ ባህርያት ኬማዕብሉ ዘርዘረሎም።—2 ጴጥሮስ 1:5-8, 14, 16

“ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ድማ ኣጠንቀቖም። (2 ጴጥሮስ 2:1, 2) እዞም መምህራን ሓሶት እዚኣቶም ርኽሰት ኬስፋሕፍሑ: “ዘረባ ጥበራ” ድማ ኪጥቀሙ ምዃኖም ገለጸ። እንተዀነ ግን: ሓደ ኣገዳሲ ነገር ከም ዚርስዑ ሓበረ። እዚ ኸኣ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ” ምዃኑ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:3, 9) ንእተወሰነ እዋን እኳ እንተ ሰሰኑ: ካብ ፍርዲ ግን ኣይኬምልጡን እዮም።

ገሊኦም ከኣ ብምብጫው “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኪብሉ ምዃኖም ሓበረ። እዚኣቶም እውን የሆዋ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ: ካብቲ ናትና እተፈልየ ምዃኑ ፈትዮም ይርስዕዎ እዮም። ብዘይካዚውን የሆዋ ዕጉስ እዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ብግዜ ኖህ መወዳእታ ዝመጸ: መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚውን ብርግጽ ኪመጽእ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:4-10

ኣብ መወዳእታ: ብግዜ ጴጥሮስ እውን ከይተረፈ ገለ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ‘ንጽሑፋት ይጠዋውይዎ’ ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ግን ጥፍኣት እዩ ኣምጺኡሎም።—2 ጴጥሮስ 3:16

ጴጥሮስ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው: ‘ነቲ ግሩህ ሓሳብ’ ኣሕዋቱ ‘ኼንቅሖ’ እዩ ደልዩ። (2 ጴጥሮስ 3:1) የሆዋ ንእኩያት ኬጥፍኦም: ንጻድቃን እውን ኬድሕኖም ከም ዚኽእል ዚገልጽ ታሪኻዊ መርትዖ ኺርስዑ የብሎምን። ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ድማ ኬቀላጥፉ’ ኣለዎም። (2 ጴጥሮስ 3:12) እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓቂ ኽትመጽእ እያ። እዚ ሓቂ እዚ ንዅሉ እቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚገብርዎ ወይ ዚምድብዎ ነገር ኪጸልዎ ነበሮ።—2 ጴጥሮስ 1:19-21

ንሕናውን ናብታ መዓልቲ እቲኣ ዝያዳ ቐሪብና ብምህላውና: እቲ ጴጥሮስ “ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ” ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ዝያዳ ሓይሊ እዩ ዘለዎ። (2 ጴጥሮስ 3:14) እዘን ቃላት እዚኣተን ብሓቂ ንዓና ዚምልከታ እየን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዅሎም እቶም ተስፋኦም ኣብቲ የሆዋ እተመባጽዖ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዚገብሩ ሰባት እዩ ተዛሪብዎም። ስለዚ: እቲ እዚ ሃዋርያ እዚ ብእተዋህቦ ስልጣን ተጠቒሙ እተዛረቦ ንዘመናት ኬቃልሕ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ማዕዳኡ ሕጂውን ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ: ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብል:- “[ብ]ስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ። ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ።”—2 ጴጥሮስ 3:13, 17, 18