ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ካልኦት ሰላም ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምስ ካልኦት ሰላም ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምስ ካልኦት ሰላም ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኤድ ኪመውት ቀሪቡ ነበረ: ምስ ቢል ድማ ተጻሊኡ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኤድ ንቢል ካብ ስርሑ ኸም ዚወጽእ ዚገብር ውሳነ ብምግባሩ: ነዞም ኣዝዮም ዝፋተዉ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ኣረሓሓቖም። ሕጂ: ኤድ ብሰላም ንኺመውት ይቕረታ እኳ እንተ ሓተቶ: ቢል ግን ንኺሰምዖ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ድሕሪ 30 ዓመት ኣቢሉ ቢል እውን ንርእሱ ኺመውት ምስ ቀረበ ስለምንታይ ይቕረ ምባል ከም ዝኣበየ ተሓትተ እሞ “ኤድ ንዓይ ናይ ማሕርሮ ዓርኩ ጽቡቕ ኣይገበረንን። ዕስራ ዓመት ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ: ክዕረቕ ግን ኣይደለኹን። . . . ምናልባት ዝገበርክዎ ነገር ጌጋ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ኣነ ግን እተሰምዓኒ እየ ገይረ” በለ። a

ኣብ መንጎ ሰባት ዚፍጠር ባእሲ መወዳእታኡ ዅሉ ሳዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዜሕዝን እዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ: መብዛሕትኡ እዋን ግን ጐዳኢ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ኸም ኤድ እተሰምዖ ሰብ እሞ ሕሰብ። ዝገበሮ ውሳነ ጌጋ ኸም ዝነበረ ምስ ዚርድኦ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ሕልናኡ ሕርኽርኽ ይብሎን ይጕህን ይኸውን። እቲ እተበደለ ዓርኩ ንዕርክነቶም ከም ምንም ዘይረብሕ ጐሓፍ ርእዩ ምፍራሱ ድማ ኣዝዩ የጕህዮ።

ከም ናይ ቢል ዓይነት ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ: ንርእሱ ኸም ሓደ እተበደለ ገርሂ ሰብ ገይሩ ስለ ዚርእያ: ኣዝዩ ኺምረርን ቂም ኪሕዝን ይኽእል እዩ። እቲ ዓርኩ ዀነ ኢሉ ንዕኡ ንምጕዳእ መዲቡ ዝገበሮ እዩ ዚመስሎ። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ባእሲ ምስ ዚፍጠር: እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኸም በደለኛ ንርእሱ ግን ከም ቅኑዕ ገይሩ እዩ ዚሓስባ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዕሩኽ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ውግእ ይለዓል።

ባእሶም እናቐጸለ ምስ ዚኸይድ: እቲ ሓደ ብጥቓኡ ኺሓልፍ ከሎ እቲ ሓደ ዝባኑ ይህቦ: ኣብ መንጎ ኻልኦት ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ኣይደልዩን። ማዕዶ ንማዕዶ ዀይኖም ገጾም ብምጽልማት ተጸዊጐም ብጽልኢ ይጠማመቱ። እንተ ተዛራረቡ ኸኣ ዚጐድእ ቃላት ይጥቀሙ ወይ ድማ ከም ሰይፊ ገይሩ ዚቘርጽ ጸርፊ ይጸራረፉ።

ይኹን እምበር: ዋላኳ ንሓድሕዶም ክንድዚ ዚጻረሩ ይኹኑ ኽልቲኦም ዚሰማምዑሉ ሓደ ነገር ግን ኣሎ። ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም ከም ዘሎን ምስ ሓደ እትፈትዎ ዓርክኻ ምብኣስ ኣዝዩ ኸም ዜጕሂን ይሰማምዕሉ እዮም። ክልቲኦም ይሳቐዩ: ነዚ ንምሕዋይ ከኣ ገለ ኺግበር ከም ዚግብኦ ይፈልጡ እዮም። ነቲ እተበላሸወ ዕርክነት ንምዕራይን ሰላም ንምግባርን መን እሞ ቐዳማይ ስጕምቲ ይውሰድ፧ ክልቲኦም ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ገለ እዋናት ንሓድሕዶም ይቋየቑ ነበሩ። (ማርቆስ 10:35-41፣ ሉቃስ 9:46፣ 22:24) ሓደ መዓልቲ የሱስ “ኣብ መገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም ሓፊሮም ኣጽቀጡ። (ማርቆስ 9:33, 34 ትርጕም 1990) ትምህርትታት የሱስ በዚ መዳይ እዚ ንኼመሓይሹ ሓገዞም። ንሱን ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱን ዝሃብዎ ምኽሪ: ሰባት ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕን ነቲ እተበላሸወ ዕርክነቶም ናብ ቀደሙ ንምምላስን ይሕግዞም እዩ። ብኸመይ፧

ሰላም ክትገብር ጽዓር

“ነዚ ሰብ እዚ ኽዛረቦ ዀነ ገጹ ኽርእዮ ኣይደልን እየ” ኢልካ ተዛሪብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ: ከምቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኽትገብር ኣሎካ።

የሱስ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ” ኢሉ መሃረ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ብተወሳኺውን “ሓውኻ እንተ በደለካ: ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ” በለ። (ማቴዎስ 18:15) ከምቲ የሱስ ዘጕልሖ: በዳሊ ኹን ተበዳሊ ብዘየገድስ ነቲ ነገር ምስቲ ሰብ ኴንካ ብቕልጡፍ ክትዘራረበሉ ዚግብኣካ ንስኻ ኢኻ። ነዚ ድማ “ብህዱእ መንፈስ” ክትገብሮ ኣሎካ። (ገላትያ 6:1) ዕላማ እዚ ምይይጥ ድማ እተፈላለየ ምኽኒት ብምቕራብ ክብርኻ ንምሕላው ወይ ድማ መባእስትኻ ይቕረታ ኺሓተካ ንምግዳድ ዘይኰነስ: ሰላም ንምግባር እዩ። እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ እዚ ግን ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ድዩ፧

ኤርነስት ኣብ ሓደ ዓብዪ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ዀይኑ እዩ ዚሰርሕ። b ንሓያሎ ዓመታት ብምኽንያት ስርሑ ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ብዛዕባ እተፈላለየ ተኣፋፊ ጕዳያት ኪዘራረብ ከምኡውን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ኺፈጥር ነበሮ። ባእሲ ብቐሊሉ ኺፍጠር ከም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ “ምስ ሰባት ዘይሰማምዓሉ ዅነታት የጋጥመኒ እዩ። ከምዚ ምስ ዜጋጥመኒ ግን ምስቲ ሰብ ኮፍ ኢለ እየ ዝመያየጠሉ። ሰላም ንምግባር ብቐጥታ ናብቲ ሰብ ከይደ አዘራርቦ። ኵሉ ሳዕ ከኣ ይሰልጠኒ” በለ።

ኣሊስያ እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎም ፈተውቲ ኣለዉዋ። ነዚ ብዚምልከት ከኣ “ሓሓንሳእ ብእተዛረብክዎ ነገር ሓደ ሰብ እተጐድአ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ: ከይደ ይቕረታ እሓቶ። እቲ ሰብ ዘይተጐድአ ኽነሱ ኣነ ግን ይቕረታ ዝሓተሉ እዋን ብምህላዉ: ካብ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እየ ይቕረታ ዝሓትት። እንተዀነ ግን: እዚ ዘይምርድዳእ ንኸይፍጠር ስለ ዚገብር: ከምዚ ምግባረይ የሐጕሰኒ እዩ” በለት።

ንዜጋጥመካ ዕንቅፋታት ምስጋሩ

መብዛሕትኡ እዋን ምስ መባእስትኻ ሰላም ንምፍጣር ምስ እትጽዕር ዕንቅፋት የጋጥም እዩ። “እቲ ሽግር ብሰንኩ ተፈጢሩ ኽነሱ ንምንታይ ሰላም ንምግባር ቀዳማይ ስጕምቲ ዝወስድ፧” ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ። ወይ ድማ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ከተዘራርቦ ናብቲ ሰብ ምስ ከድካ “ምሳኻ ዋላ ሓንቲ ዘረባ የብለይን” ኢሉካዶ ይፈልጥ፧ ገለ ሰባት በቲ እተፈጥረ ነገር ስምዒቶም ኣዝዩ ስለ ዚጕዳእ: ከምኡ ይብሉ ይዀኑ። ምሳሌ 18:19 “ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም: ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ” ትብል። ስለዚ ስምዒቱ ተረድኣሉ። ምሳኻ ምዝርራብ እንተ ኣብዩ: ድሕሪ ገለ እዋን እንደገና ፈትን። ሽዑ ምናልባት እታ “ጽንዕቲ ኸተማ” ትኽፈት: እቲ “መሃርሃር” ወይ መሸጎሪ ድማ ሰላም ንምግባር የልግስ ይኸውን።

ካልእ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ነገር ድማ ምስ ክብርኻ እተተሓሓዘ እዩ። ገሊኦም ሰባት ይቕረታ ምሕታት ወይ ምስ መባእስቶም ምዝርራብ ውርደት ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ብዛዕባ ኽብርኻ ምግዳስ ግቡእ እኳ እንተዀነ: ሰላም ንምግባር ምእባይ ግን የኽብረካ ድዩ ወይስ የሕስረካ፧ እዝስ ምናልባት ትዕቢትዶ ዀን ይኸውን፧

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ኣብ መንጎ ባእስን ትዕቢትን ምትእስሳር ከም ዘሎ ተዛረበ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ገለ ኻብቶም ክርስትያናት ተፈጢሩ ዝነበረ “ውግእን ባእስን” ድሕሪ ምዝራብ: “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” በለ። (ያእቆብ 4:1-3, 6) ትዕቢት ንሰላም ዕንቅፋት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ትዕቢት ንሰባት ካብ ካልኦት ዝሓሹ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ብምግባር የታልሎም እዩ። ዕቡያት ሰባት ንኻልእ ሰብ ቅኑዕ ወይ እከይ ኢሎም ንኺፈርዱ መሰል ዘለዎም እዩ ዚመስሎም። ብኸመይ፧ ዘይምስምማዕ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ነቲ ሰብ ከም ሓደ ዘይመሓየሽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ትዕቢት ንገለ ሰባት ኣሽንኳይዶ ንመባእስቶም ይቕረታ ኺሓትዎሲ: ቍሊሕ ኢሎም እኳ ንኸይርእይዎም እዩ ዚገብሮም። ስለዚ: ብትዕቢት እተነፍሑ ሰባት ነቲ ሽግር ኬደቅሱ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ: ስቕ ኢሎም ይርእይዎ።

ከምቲ ኣብ ጽርግያ ዚግበር መደንደሊ ወይ መዕጸዊ መገዲ: ማካይን ንኸይሓልፋ ዚዓግት: ከምኡውን ትዕቢት ንሰላም ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ: ምስ ሓደ ሰብ ሰላም ንምግባር ዚግበር ጻዕሪ ትቃወም እንተደኣ ዄንካ: ምናልባት ቃልስኻ ምስ ትዕቢት ኪኸውን ይኽእል እዩ ንትዕቢት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧ ነቲ ኣንጻሩ ዝዀነ ትሕትና ብምምዕባል እዩ።

ብኣንጻሩ ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ኸነርኢ የተባብዓና። “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:4) ኣብ መዝሙር 138:6 ኸኣ “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ” ዚብል ነንብብ።

ብዙሓት ሰባት ግን ንትሕትና ኻብ ሕስረት ፈልዮም ኣይርእይዋን እዮም። መራሕቲ ዓለም ከምዚ እዩ ዚስምዖም። ፖለቲካውያን መራሕቲ ሽሕኳ ህዝቢ ይገዝእዎም እምበር: ንዝገበርዎ ጌጋታት ብትሕትና ንምእማን ትብዓት የብሎምን። ሓደ መራሒ “ይቕረታ” እንተ ሓቲቱ: ብዙሕ ፈነወ ዜና እዩ ዚወሃበሉ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓደ ናይ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ነበር ብዙሓት ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ብዝገበሮ ጌጋ ይቕረታ ሓተተ እሞ እተን እተዛረበን ቃላት ነቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ሰሓባ።

ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነዛ ትሕትና እትብል ቃል “ሰብ ምኽባር፣ ምቕሉልነት፣ ዘይምዅራዕ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ትሕትና ኺበሃል ከሎ: ካልኦት ኣብቲ ሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ዘይኰነስ እቲ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ እዩ ዚገልጽ። ብትሕትና ጌጋኡ ኣሚኑ ይቕረታ ዚሓትት ሰብ ኣብ ክንዲ ዚዋረድ: ጽቡቕ ስም እዩ ዚረክብ። መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል: ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ” ይብል።—ምሳሌ 18:12

ሓደ ተዓዛቢ ጌጋኦም ብዛዕባ ዘይቅበሉ ፓለቲካውያን ኣመልኪቱ “እቲ ዜሕዝን: ጌጋኻ ምቕባል ከም ምልክት ድኽመት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ድኹማትን ብርእሶም ዘይተኣማመኑን ሰባት ‘ይቕረታ’ ፈጺሞም ኣይሓቱን እዮም። ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ተባዓትን ግን ‘ተጋግየ እየ’ ብምባሎም ኣይሓስሩን እዮም” በለ። ፖለቲካዊ ስልጣን ንዘይብሎም ሰባትውን እዚ ይዓዪ እዩ። ንትዕቢት ብትሕትና ኽትትክኣ ትጽዕር እንተደኣ ዄንካ: ባእሲ ምስ ዚፍጠር ሰላም ኣብ ምግባር ኪሰልጠካ እዩ። ሓንቲ ስድራቤት እዚ ነገር እዚ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘረጋገጸት እስከ ርአ።

ኣብ መንጎ ጁሊን ዊልያም ሓዋን እተፈጥረ ዘይምርድዳእ: ወጥሪ ፈጠረ። ዊልያም ብጁሊን ብጆሴፍ ሰብኣያን ስለ ዝሓረቐ: ነቲ ምስኣቶም ዝነበሮ ርክብ ኣቋረጾ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ነቲ ጁሊን ጆሴፍን ሂቦምዎ ዝነበሩ ህያባት መለሰሎም። ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ እዞም ሓውን ሓብትን ኣብ ሓደ እዋን ዝነበሮም ምቅርራብ ብጽልኢ ተተክአ።

እንተዀነ ግን: ጆሴፍ ንማቴዎስ 5:23, 24 ኣብ ተግባር ንኼውዕላ ወሰነ እሞ ንዘማኡ ብህዱእ መንፈስ ኪቐርቦ ፈተነ። ስለ ዘዀረዮ ደብዳበ ጽሒፉ ይቕረታ ሓተቶ። ንብዓልቲ ቤቱ ድማ ንሓዋ ይቕረ ኽትብሎ ኣተባብዓ። ድሕሪኡ ዊልያም: ጁሊን ጆሴፍን ካብ ልቦም ሰላም ኪገብሩ ኸም ዚደልዩ ኣስተውዒሉ ልቡ ለስለሰ። ዊልያምን ሰበይቱን ምስ ጁሊን ጆሴፍን ተራኸቡ እሞ ይቕረ ተበሃሂሎም ተሓቛቘፉ: ብኸምዚ ድማ ከም ቀደሞም ኣዕሩኽ ኰኑ።

ንስኻውን ምስ ሓደ ሰብ ንዘሎካ ሽግር ክትፈትሕ ትጽዕር እንተደኣ ኣሊኻ: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብትዕግስቲ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ ከምኡውን ምስቲ ሰብ ሰላም ንምግባር ጽዓር። የሆዋ እውን ኪሕግዘካ እዩ። እቲ የሆዋ ንጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ . . . ምዀነ ነይሩ” ዝበሎም ኣባኻ እውን ኪፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 48:18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብስታንሊ ክላውድን ሊን ኦልሶንን ካብ እተዳለወት ዘ ሙሮው ቦይስ-ፓይነርስ ኦን ዘ ብሮድካስት ጆርናሊዝም ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

b ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ እስሊ]

ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ይሕግዝ