ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ወትሩ ዜጋጥመና ለውጥታት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንምምስካር ተጠቐምናሉ

ነቲ ወትሩ ዜጋጥመና ለውጥታት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንምምስካር ተጠቐምናሉ

ታሪኽ ህይወት

ነቲ ወትሩ ዜጋጥመና ለውጥታት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንምምስካር ተጠቐምናሉ

ሪካርዶ ማሊክሲ ዘዘንተዎ

ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ካብ ስራሕ ምስ ወጻእኩ: ኣነን ስድራቤተይን ንመጻኢ መደብ ክንገብር ከለና ምእንቲ ኺሕግዘና ንየሆዋ ለመንናዮ። ኣብ ጸሎትና ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ዘሎና ባህጊ ጠቐስና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕና ኸም ሰበኽ ሳግም ኰንና እሞ ኣብ ክልተ ኽፍለ-ዓለም ናብ ዚርከባ ሸሞንተ ወጻኢ ሃገራት ዞርና። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ክንሰብኽ ከኣልና።

ብ1933 ኣብ ፊሊፒንስ እየ ተወሊደ። ስድራቤተይ ከኣ ኣባል “ናጻ ቤተ-ክርስትያን ፊሊፒንስ” እዮም ነይሮም። ኵላትና እቶም 14 ኣባላት ስድራቤትና: ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን ነበርና። ወዲ 12 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ: ኣምላኽ ናብ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኪመርሓኒ ብጸሎት ለመንክዎ። ሓደ መምህረይ ኣብ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ መዝገበኒ: ኣነውን ውፉይ ካቶሊክ ኰንኩ። ናይ ሰንበት ኑዛዜ ወይ ቅዳሴ ኣምሊጡኒ ኣይፈልጥን ነበረ። ይኹን እምበር: በብቕሩብ ክጠራጠርን ሓጐሰይ ክስእንን ጀመርኩ። ‘ሰባት ምስ ሞቱ እንታይ እዮም ዚዀኑ’ ዚብል ሕቶ: ከምኡውን ብዛዕባ ሲኦልን ብዛዕባ ስላሴን ዚለዓል ሕቶታት ይርብሸኒ ነበረ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዚህቡኒ ዝነበሩ መልስታት ትርጕም ዘይብሉን ዘየዕግብን እዩ ነይሩ።

ዜዕግብ መልሲ ምርካብ

ኣብ ኮለጅ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምስ ሓደ ጕጅለ ሓበርኩ እሞ ክበኣስ: ክጣላዕ: ሽጋራ ኸትክኽ: ከምኡውን ካልእ ሕማቕ ተግባራት ክገብር ጀመርኩ። ሓደ ምሸት ምስ ኣደ ሓደ ወዲ ኽፍለይ ተራኸብኩ። ንሳ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ነበረት። ነቶም ናይ ሃይማኖት መምህራነይ ዝሓተትክዎም ሕቶታት ሓተትክዋ። ኵሉ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰትለይ: እቲ ዝበለቶ ሓቂ ምዃኑ ድማ ኣመንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዓዲገ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ኰይነ ኼጽንዕ ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታቶም ክእከብ ጀመርኩ። ነቲ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ብምስዓብ ከኣ ምስቶም ሕማቓት ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽኩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ዕቤት ከም ዝገብር: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ገዛእ ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዚውፊ ገበረኒ። ብ1951 ምስ ተጠመቕኩ: ንእተወሰነ እዋን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ (ፓይነር) ኰይነ ኣገልገልኩ። ድሕሪኡ ኣብ ታሕሳስ 1953 ንኣውሪያ መንዶዛ ክሩስ ተመርዓኽዋ። ንሳውን ኣብ ምሉእ ህይወተይ ብጸይተይን እምንቲ መገላግልተይን ኰነትኒ።

ንጸሎትና ዝረኸብናዮ መልሲ

ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ንደሊ ነበርና። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከነገልግሎ ዝነበረና ባህጊ ብኡንብኡ ኣይሰለጠናን። የሆዋ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልና ኻብ ምልማን ኣየቋረጽናን። መንፈሳዊ ሸቶታትና ኣይረሳዕናን: ወዲ 25 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደን ስርዓታት የሆዋ ብዝያዳ ኽርዳእ ምስ ጀመርኩን: ስርሐይ ምስቲ ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ከም ዝጋጮ ኣስተውዓልኩ። (ኢሳይያስ 2:2-4) ስለዚ: ካብ ስራሕ ወጻእኩ። እዚ ንእምነትና ፈታኒ እዩ ዀይኑና። ንስድራቤተይ ዜድልዮም ነገራት እሞ ኸመይ ገይረ እየ ዘማልእ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ለመንናዮ። (መዝሙር 65:2) ዜጨንቐናን ዜፍርሃናን ነገራት ነገርናዮ: ኣብቲ ብዙሓት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድና ኸነገልግል ባህጊ ኸም ዘሎና እውን ገለጽናሉ። (ፊልጲ 4:6, 7) እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም ዚኽፈተልና ግን ኣይፈለጥናን ኔርና።

ጕዕዞና ጀመርና

ኣብ ሚያዝያ 1965 ኣብቲ ኣብ ከተማ ላኦስ ዚርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቪየንቲያን ተቘጻጻሪ መጥፋእቲ ሓውን ድሕነትን ኰይነ ኽዓዪ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ኣብ ከተማ ቪየንቲያን 24 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ምስቶም ሚስዮናውያንን ምስቶም ሒደት ዝነበሩ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣብ ስብከት ምጽማድ እውን የሐጕሰና ነበረ። ጸኒሐ ናብቲ ኣብ ታይላንድ ዚርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኡዶን ታኒ ተቐየርኩ። ኣብ ኡዶን ታኒ ብዘይካና ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ስድራቤትና ብሓባር ኴንና ንዅሉ እቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ባዕልና ኽንገብሮ ነይሩና። ካብ ቤት ናብ ቤት ንሰብኽ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብር: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነጀምር ነበርና።

ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ብዙሕ ፍረ ኺፈርዩ’ ዝሃቦ ማዕዳ ንዝክሮ ነበርና። (ዮሃንስ 15:8) ስለዚ: ኣብነቶም ክንስዕብ ቈረጽና: ብስራት ካብ ምስባኽ ድማ ኣየብኰርናን። ነዊሕ ከይጸናሕናውን ፍረ ረኸብና። ሓንቲ ጓል ታይላንድ ሓቂ ተቐቢላ መንፈሳዊት ሓብትና ዀነት። ክልተ ኻብ ሰሜን ኣመሪካ ዝመጹ እውን ሓቂ ተቐበሉ: ድሕሪ ግዜውን ክርስትያን ሽማግለታት ኰኑ። ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ብስራት ሰበኽና። ኣብ ኡዶን ታኒ ሕጂ ጉባኤ ቘይማ ኸም ዘላ ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና! ገለ ኻብቲ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓቂ ኽሳዕ ሕጂ ፍረ ይፈሪ ኣሎ።

እቲ ዜሕዝን ግን እንደገና ኽንግዕዝ ነበረና: ስለዚ ድማ እቲ “ጐይታ እኽሊ” ኣብ ዕዮ ስብከት ወትሩ ግደ ኺህልወና ምእንቲ ኺሕግዘና ጸለና። (ማቴዎስ 9:38) ናብታ ርእሲ ኸተማ ኢራን ዝዀነት ተህራን ከኣ ገዓዝና። እዚ ዝዀነ ብዘመነ ግዝኣት ሻህ እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣጸጋሚ ዞባ ምስባኽ

ኣብ ተህራን ምስ በጻሕና: ብኡንብኡ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ረኸብና። ካብ 13 ሃገራት እተዋጽኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘለዉዋ ንእሽቶ ጕጅለ ተጸምበርና። ኣብ ኢራን ብስራት ንምስባኽ ምትዕርራይ ክንገብር ነበረና። ቀጥታዊ ምጽራር እኳ እንተ ዘየጋጠመና: ክንጥንቀቕ ግን ነበረና።

ብምኽንያት እቲ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ዚሰርሑሉ ሰዓታት: ፍርቂ ለይቲ ወይ ድሕሪኡ ኽሳዕ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ነበረና። እንተዀነ ግን: ፍረ ጻዕርና ኽንርኢ ኸለናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ብዙሓት ፊሊፒናውያንን ኮሪያውያንን ስድራቤታት ክርስትያናዊ ሓቂ ተቐበሉ: ርእሶም ድማ ንየሆዋ ወፈዩ።

ቀጺለ ናብታ ኣብ ባንግላድሽ እትርከብ ከተማ ዳካ ገዓዝኩ። ኣብ ታሕሳስ 1977 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣተና። ኣብዛ ሃገር እዚኣ እውን ዕዮ ስብከት ከቢድ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኵሉ ሳዕ ንጡፋት ክንከውን ከም ዘሎና ኣይሰሓትናዮን። ብመሪሕነት መንፈስ የሆዋ ብዙሓት ክርስትያን ኢና ዚብሉ ስድራቤታት ክንረክብ ከኣልና። ገለ ኻባታቶም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መንፈስ ዜሐድስ ማያት ሓቂ ጸሚኦም ነበሩ። (ኢሳይያስ 55:1) ስለዚ ድማ ንሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ጀመርና።

ፍቓድ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን” ምዃኑ ወትሩ ንዝክር ነበርና። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) እቲ ዜሐጕስ ከኣ ዋላ ሓደ ኼሸግረና ኣይፈተነን። ከይፈለጡና ብማዕዶ ሕማቕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸይሓድሮም: ምቕሉል ኣቀራርባ ንጥቀም ነበርና። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንዅላቶም ኵሉ ኽንከውን’ ጸዓርና። (1 ቈረንቶስ 9:22) መምጽኢና ምኽንያት ምስ ዚሓቱና: ብልኡም ዘረባ ንገልጸሎም: መብዛሕትኦም እውን ብጽቡቕ ይቕበሉና ነበሩ።

ኣብ ዳካ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ረኸብና: ምሳና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ: ጸኒሓ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ክትሳተፍ ኣተባባዕናያ። ድሕሪኡ: ብዓልቲ ቤተይ ንኣባላት ሓንቲ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓትሎም: ናብ ኣኼባታት ኪመጹ ድማ ዓደመቶም። ብሳህሊ የሆዋ ድማ ምልእቲ እታ ስድራቤት ናብ ሓቂ መጸት። ጸኒሐን ክልተ ደቆም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ቤንጋልኛ ኣብ ምትርጓም ኣገልገላ: ሓያሎ ኣዝማዶም ድማ ንየሆዋ ፈለጡ። ብዙሓት ካልኦት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ። መብዛሕትኦም ድማ ሽማግለታት ወይ ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ዳካ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩላ ኸተማ ስለ ዝዀነት: ንገሊኦም ኣባላት ስድራቤትና ኣብ ዕዮ ስብከት ኪሕግዙና ዓደምናዮም። እተወሰኑ ነቲ ጻውዒትና ተቐቢሎም ናብ ባንግላድሽ መጹ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽንሰብኽ ኣጋጣሚ ምርካብናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ንየሆዋ እነመስግኖ! ኣብ መጀመርታ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ካብ ዝነበረሉ ንእሽቶ ጅመራ ተላዒሉ: ሕጂ ኣብ ባንግላድሽ ክልተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ኣብ ሓምለ 1982 ካብ ባንግላድሽ ክንግዕዝ ነበረና። ምስቶም ኣሕዋት እናነባዕና ተፈላለና። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕና ኣብቲ ኣብ ኡጋንዳ ዚርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ስራሕ ረኸብኩ: ኣብኡ ኸኣ ነርባዕተ ዓመትን ሸውዓት ወርሕን ጸናሕና። ኣብታ ሃገር እቲኣ ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኽብሪ ንኸነምጽኣሉ እንታይ ኰን ክንገብር ንኽእል ንኸውን፧

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንየሆዋ ምግልጋል

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ምስ በጻሕና: ሓደ መራሕ ማኪና ንዓይን ንብዓልቲ ቤተይን ናብቲ እንዓርፈሉ ቤት ኪወስደና መጸ። ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኽንወጽእ ከለና: ነቲ መራሕ ማኪና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከሉ ጀመርኩ። ንሱ ድማ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ከምኡ ምዃነይ ምስ ነገርክዎ: “ሓደ ሓውኩም ኣብቲ ነፈርቲ ዚቈጻጸሩሉ ግምቢ ይዓዪ እዩ” በለኒ። ብኡንብኡ ናብኡ ኺወስደኒ ሓተትክዎ። ምስቲ ሓው ተራኸብና: ንሱውን ምስ ረኣየና ብዙሕ ተሓጐሰ: ናብ ኣኼባታትን ናብ ግራት ኣገልግሎትን ንምኻድ ድማ ምድላዋት ገበርና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኡጋንዳ 228 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ነበሩ። ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ምስቶም ኣብ ኢንተበ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ሓቢርና ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእ ኣሕለፍናዮ። ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ምንባብ ስለ ዚፈትዉ: ብዙሕ ጽሑፋትን በማእታት ዚቝጸር መጽሔታትን ከነበርክተሎም ከኣልና። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ካምፓላ ዚርከቡ ኣሕዋት: ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናብ ኢንተበ መጺኦም ኣብ ስብከት ኪሕግዙና ዓደምናዮም። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ዝርርብ: ንዓይ ሓዊስካ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ኢና ተኣኪብና ኔርና።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመት እቶም ዝመሃርናዮም ቅልጡፍ ዕቤት ኪገብሩ ምርኣይና: ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ዘጓነፈና ኣዝዩ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (3 ዮሃንስ 4) ኣብ ሓደ ናይ ወረዳ ኣኼባ ሽዱሽተ ኻብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርናዮም ተጠምቁ። ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ምሉእ መዓልቲ እናሰራሕና ኽነስና ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ስለ ዝረኣዩና: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸም እተተባብዑ ገለጹልና።

እንሰርሓሉ ቦታ እውን ፍረ ዚርከቦ ዞባ ኪዀነና ኸም ዚኽእል ኣስተውዓልና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንሓደ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መጥፍኢ ሓዊ ዀይኑ ዚዓዪ ሰብኣይ ቅርብ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንምንባር መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ነገርክዎ። እዙዛት ደቅሰብ ድኽነት: ዋሕዲ ኣባይቲ: ውግእ: ሕማም: ወይ ሞት ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ ብሰላምን ብሓድነትን ከም ዚነብሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱሱ ኣርኣኽዎ። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 33:24፣ 65:21, 22፣ ራእይ 21:3, 4) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሱ ምስ ኣንበቦ ተገዳስነቱ ተለዓዓለ። ብኡንብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሓሉ እሞ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ገዛእ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ጸኒሑ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምሳና ሓቢሩ ኼገልግል ጀመረ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ክልተ ሳዕ ናዕቢ ተለዓዒሉ እኳ እንተ ነበረ: ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ግን ኣይዓገቶን። እቶም ኣባላት ስድራቤት ኣህጉራዊ ትካላት ንሽዱሽተ ወርሒ ናብ ናይሮቢ: ኬንያ: ገዓዙ። እቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝተረፍና ኸኣ ጠቢባንን ጥንቁቓትን ክንከውን እኳ እንተ ነበረና: ክርስትያናዊ ኣኼባታትናን ዕዮ ስብከትናን ግን ኣየቋረጽናን።

ኣብ ሚያዝያ 1988 እተመደበለይ ስራሕ ስለ ዝፈጸምኩ: ናብ ካልእ ሃገር ገዓዝና። ካብ ጉባኤ ኢንተበ ኽንለቅቕ ከለና: በቲ ኣብኡ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ዕቤት ውሽጣዊ ዕግበት ይስምዓና ነበረ። ኣብ ሓምለ 1997 ንኽንበጽሕ ኢልና እንደገና ናብ ኢንተበ ኼድና ኔርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ኻብቶም ቀደም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርናዮም ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ጸንሑና። ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ 106 ተኣከብቲ ምርኣይናውን ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና!

ናብ ዘይተተንከፈ ዞባ ምግዓዝ

ሓድሽ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና ደዀን ይኸውን፧ እወ: ቀጺለ ዝዓየሉ ዝነበርኩ ቦታ ኣብ ሶማልያ ዚርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሾ እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ዘይተተንከፈ ዞባ ንምግልጋል ዝረኸብናዮ ሓድሽ ኣጋጣሚ ንምጥቃም ቈሪጽና ኢና ተላዒልና።

ዕዮ ስብከትና መብዛሕትኡ ኣብ ሰራሕተኛታት ኢምባሲ: ኣብ ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ወጻእተኛታት እተሓጽረ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕዳጋ ንረኽቦም ነበርና። ናብ ኣባይቶም ኬድና እውን ንበጽሖም ነበርና። ብልሓትን ምስትውዓልን ብምጥቃም: ምሉእ ብምሉእ ከኣ ኣብ የሆዋ ብምጽጋዕ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ክንነግሮም ከኣልና: እዚ ኸኣ ኣብቶም እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ፍረ ኣፍረየ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ውግእ ቀቅድሚ ምጅማሩ ኻብ ሞቓዲሾ ለቐቕና።

ድሕርዚ ማሕበር ኣህጉራዊ ሲቭል ኣቭየሽን ናብታ ኣብ ሚያንማር እትርከብ ከተማ ያንጎን መደበኒ። ኣብዚውን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ንምምሃር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተኸፍተልና። ድሕሪ ሚያንማር ናብታ ኣብ ታንዛንያ እትርከብ ከተማ ዳር ኤስ ሰላም ተመደብና። ኣብ ዳር ኤስ ሰላም እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ስለ ዝነበሩ: ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ቀሊል እዩ ነይሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዝዓየናሉ ሃገራት ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀይድታት እኳ እንተ ነበረ: ኣገልግሎትና ንምፍጻም ግን ብዙሕ ጸገም ኣየጋጠመናን። ስርሐይ ምስ መንግስቲ ወይ ኣህጉራዊ ትካላት የተሓሕዘኒ ስለ ዝነበረ: ሰባት ንንጥፈታትና ኣብ ሕቶ ኣየእትዉዎን እዮም ነይሮም።

ዓለማዊ ስርሐይ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ንሰላሳ ዓመት ዚኸውን ከም ሰበኽ ሳግም ኴንና ኸም እንነብር እኳ እንተ ገበረና: ንሕና ግን ሸቶና ንምውቃዕ ዝሓገዘና እንኮ መገዲ ኸም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። ቀዳማይ ሸቶና ወትሩ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምድንፋዕ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ወትሩ ዜጋጥመና ለውጥታት ብጽቡቕ ንኽንጥቀመሉ ስለ ዝሓገዘናን ነቲ ብስራት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ናይ ምስባኽ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልናን ነመስግኖ ኢና።

ናብቲ ዝጀመርናሉ ተመለስና

ወዲ 58 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣቐዲመ ጡረታ ኽወጽእን ናብ ፊሊፒንስ ክምለስን ወሰንኩ። ናብ ዓድና ምስ ተመለስና: የሆዋ ስጕምትታትና ኬቕንዓልና ብጸሎት ለመንናዮ። ኣብ ከተማ ተሬሴ ማርቲሬስ: ኣውራጃ ካቪቲ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ኸነገልግል ጀመርና። ፈለማ ናብታ ኸተማ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን: 19 ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ነበሩ። መዓልታዊ ንጥፈታት ስብከት ብስርዓት ተወዲቡ ተጀመረ: ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምርሓሎም ሰባት ድማ ተረኽቡ። እታ ጉባኤ ኽትዓቢ ጀመረት። ሓደ እዋን ብዓልቲ ቤተይ 19 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከላ: ኣነ ድማ 14 እመርሕ ነበርኩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጸበበና። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ናብ የሆዋ ጸለና። ሓደ ብመንፈስ ሓውናን ብዓልቲ ቤቱን እተወሰነ መሬት ኪውፍዩ ወሰኑ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ልቓሕ ፈቐደልና እሞ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ። እቲ ሓድሽ ኣደራሽ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዓብዪ ኣበርክቶ ነበሮ: እቶም ተኣከብቲ ድማ ኣብ ሰሰሙን እናወሰኹ ይኸዱ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ 17 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ኻልእ ጉባኤ ንምድጋፍ ክንከይድን ክንመጽእን ሓሓደ ሰዓት እናተጓዓዝና ነገልግል ኣሎና።

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ንምግልጋል ዝረኸብናዮ ፍሉይ ኣጋጣሚ የሐጕሰና እዩ። ነቲ ኸም ናይ ሰበኽ ሳግም ዚመስል ህይወትና ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና: ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ብዝበለጸ መገዲ ስለ እተጠቐምናሉ ውሽጣዊ ዕግበት እዩ ዚስምዓና።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]

(For fully formatted text, see publication)

ታንዛንያ

ኡጋንዳ

ሶማልያ

ኢራን

ባንግላድሽ

ሚያንማር

ላኦስ

ታይላንድ

ፊሊፒንስ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ ኣውሪያ