ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ቃላት ውግእ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ ቃላት ውግእ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ ቃላት ውግእ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፧”ያእቆብ 4:1

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ነቶም ወፍርታት ወራር ዚገብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት ሮሜ ኣይኰነን ኣቕሪብዋ። ወይ ድማ ድራኸ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቀተልቲ ነፍሲ ዝነበሩ ደባይ ተዋጋእቲ ኣይሁድ ኣይኰነን ኪፈልጥ ደልዩ። የግዳስ: ያእቆብ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዚፍጠር ባእሲ እዩ እተዛረበ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብሕታዊ ግጭታት ልክዕ ከም ውግእ ጕድአት የስዕብ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት እስከ ንርአ።

ደቂ እቶም ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ንዮሴፍ ሓዎም ኣመና ስለ ዝጸልእዎ: ንባርነት ሸጥዎ። (ዘፍጥረት 37:4-28) ጸኒሑ ኸኣ ንጉስ ሳኦል ብቕንኢ ተላዓዒሉ ንዳዊት ኪቐትሎ ፈተነ። (1 ሳሙኤል 18:7-11፣ 23:14, 15) ኣብ መንጎ እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን ዚበሃላ ክርስትያን ኣሓት እተፈጥረ ባእሲ ንሰላም እታ ጉባኤ ዘረጎ።—ፊልጲ 4:2

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ሰባት ነቲ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ምስሕሓብ: በስያፍ ወይ ብሽጉጥ ብምፍላም የደቅስዎ ነበሩ። መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ኻብቶም ተፋለምቲ ወይ ይመውት ወይ ድማ ይስንክል ነበረ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኸኣ ብርቱዕ ጽልኢ ዘለዎም ሰባት ከም ዕረ ዝመረረን ጐዳእን ዓይነት ዘረባ: ኣጽዋር ገይሮም ይጥቀምሉ። ምናልባት ደም ኣይፈስስን ይኸውን: እንተዀነ ግን ሃሳዪ ዘረባ ስምዒትን ክብርን ዚትንክፍ እዩ። ንጹሃት ሰባት በዚ ኸምዚ ዓይነት “ውግእ” ይጕድኡ እዮም።

ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ቀሺ እንግሊዛዊት ቤተ-ክርስትያን ንሓደ ኻልእ ቀሺ: ናይ ቤተ-ክርስትያን ገንዘብ ኣጠፋፊኡ ብምባል ከሰሶ። ነቲ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ባእሲ ዅሉ ሰብ ፈለጦ እሞ እታ ዘገልግልዋ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ተኸፋፈለት። አረ ገለ ኣባላት እሞ ኸአ እቲ ዘይድግፍዎ ቐሺ ነቲ ቕዳሰ ይመርሕ እንተደኣ ኣልዩ: ኣብኡ ኣይካፈሉን ነበሩ። እቶም ኣባላት ኣመና ኻብ ምንዕዓቖም እተላዕለ ንኣምልኾ ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝመጽሉ እዋን ኣይዘራረቡን: ሰላምውን ኣይበሃሃሉን ነበሩ። እቲ ኸሳሲ ቐሺ ብጾታዊ ርኽሰት ምስ ተኸሰ ድማ እቲ ባእሲ ዝያዳ ተጐሃሃረ።

ናይ ካተርበሪ ሊቀ-ጳጳሳት ንባእሲ እቶም ኣቕሽሽቲ “መንሽሮ” ከምኡውን “ንስም ጐይታና ዘሕሰረ ዜሕፍር ተግባር” በሎ። ብ1997 ሓደ ኻብቶም ኣቕሽሽቲ ብፍቓዱ ጡረታ ወጸ። እቲ ሓደ ግን ጡረታ ኺወጸሉ ዚግብኦ ዕድመ ቐሪቡ ስለ ዝነበረ: ክሳዕ ሽዑ ስርሑ ኣይገደፈን። ክሳዕ መወዳእታ ብምጽናሕ ከኣ ብ7 ነሓሰ 2001 ኣብ 70 ዓመቱ ጡረታ ወጸ። ዘ ቸርች ኦቭ ኢንግላንድ ኒውስፔፐር እትበሃል ጋዜጣ: እታ እቲ ቐሺ ጡረታ ዝወጸላ መዓልቲ “ቕዱስ” ቪክትሪሲዮስ ዚዝከረላ መዓልቲ ምንባራ ሓበረት። “ቅዱስ” ቪክትሪሲዩስ ግን መን እዩ፧ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ኣቡን ኰይኑ ኣብ ውግእ ምስታፍ ስለ ዝኣበየ ኸም እተገርፈ ዝንገረሉ ሰብ እዩ። እታ ጋዜጣ ኣብ መንጎ ባህርያቶም ዘሎ ፍልልይ ኣመልኪታ “[እቲ ጥሮታ ዝወጸ ቐሺ ግን] ሃይማኖታዊ ውግእ ንምውጋእ ዚኣቢ ኣይኰነን” በለት።

እዞም ኣቕሽሽቲ እዚኣቶም ነቲ ኣብ ሮሜ 12:17, 18 ዚርከብ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር: ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ምኽሪ እንተ ዚስዕቡ ነይሮም: እዚ ዅሉ ጸገም ኣይመጋጠሞምን ነይሩ።

ንስኻኸ ሓደ ሰብ ምስ ዚብድለካ ቕሬታ ሒዝካ ናይ ቃላት ውግእ ትጅምር ዲኻ፧ ወይስ ተሪር ቃላት ብምውጋድ ሰላም ክትገብር ኢኻ እትጽዕር፧ ንሰብ እንተ በዲልካ: ድሕሪ ግዜ ይርስዖ ይኸውን እዩ ብምባል ስቕ ዲኻ እትብል፧ ወይስ ኬድካ ይቕረታ ትሓትት ኢኻ፧ ይቕረታ ሓታቲ ኹን ወይ ተሓታቲ ብዘየገድስ ሰላም ንምግባር ምጽዓር ሕጉስ ከም እትኸውን እዩ ዚገብረካ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሐ ሽግር እውን ከይተረፈ ንምፍታሕ ከም ዚሕግዝ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።