ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ መምርሒ

ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ መምርሒ

ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ መምርሒ

“ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። . . . ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ።”ኤፌሶን 5:22, 25

1. ብዛዕባ ሓዳር ኣየናይ እዩ እቲ ቕኑዕ ኣረኣእያ፧

 የሱስ ሓዳር ኪበሃል ከሎ ሰብኣይን ሰበይትን ብኣምላኽ ተጋጢሞም “ሓደ ስጋ” ዝዀኑሉ ምድላው ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 19:5, 6) ሓዳር ክልተ እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም እሞ ሓባራዊ ዜገድሶም ነገራት ዘማዕብሉ ኸምኡውን ብሓባር ንሓደ ሸቶ ዚዓዩ ሰባት ዝሓቘፈ እዩ። ንምሉእ ህይወትካ እትኣትዎ ኺዳን ደኣሉ እምበር: ብቐሊሉ ዚፈርስ ተራ ስምምዕ ኣይኰነን። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሰብ ሓዳር ብቐሊሉ ኺፋትሑ ይኽእሉ እዮም: ብዓይኒ ክርስትና ኺርአ ኸሎ ግን ሓዳር ቅዱስ ርክብ እዩ። ብኣዝዩ ኸቢድ ምኽንያት ጥራይ እዩ ኺፈርስ ዚኽእል።—ማቴዎስ 19:9

2. (ሀ) ሰብ ሓዳር እንታይ ደገፍ እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧ (ለ) ጽቡቕ ሓዳር ንምግባር ኪጸዓረሉ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

2 ሓንቲ ንሰብ ሓዳር እተማኽር ሰበይቲ “ጽቡቕ ሓዳር ሓድሽ ጕዳያት ዚለዓለሉ: ጸገማት ዚፍጠረሉ: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ዚርከብ ደገፍ እትጥቀመሉ ስለ ዝዀነ: ቀጻሊ ለውጢ ዚግበረሉ መስርሕ እዩ” በለት። ንክርስትያናት ሰብ ሓዳር ደገፍ ዚዀኖም ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ: ካብ ክርስትያናት ብጾት ዚርከብ ሓገዝ: ከምኡውን ምስ የሆዋ ብጸሎት ጥብቂ ርክብ ምግባር የጠቓልል። ጽቡቕ ሓዳር ንዜጋጥም ጸገማት ብጽንዓት ይሰግር: ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ ኸኣ ንሰብኣይን ሰበይትን ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሎም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ።—ዘፍጥረት 2:18, 21-24፣ 1 ቈረንቶስ 10:31፣ ኤፌሶን 3:15፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17

ንየሱስን ንማሕበሩን ምሰሉ

3. (ሀ) ጳውሎስ ንሰብ ሓዳር ዝሃቦም ማዕዳ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ለ) የሱስ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝሰርዐ፧

3 ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር “ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ: ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተአዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . [ንሱ] ርእሱ በጃኣ ሀበ” ብምባል ጥበባዊ ማዕዳ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 5:24, 25) ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምምስሳል ኰን እዩ ተጠቒሱ! ንሰብኡተን ብትሕትና ዚግዝኣ ክርስትያን ኣንስቲ ንስርዓት ርእስነት ኣፍልጦ ብምሃብን ብምስዓብን ዝመጸ ነታ ማሕበር እየን ዚመስላኣ። እቶም ኣብ ጽንኩርን ፈታንን እዋን እውን ከይተረፈ ነንስቶም ዜፍቅሩ ክርስትያን ሰብኡት ከኣ ነቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ብምፍቃርን ብምክንኻንን ዝሓደጎ ኣብነት እዮም ዚስዕቡ።

4. ሰብኡት ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ክርስትያን ሰብኡት ርእሲ ስድራቤት እዮም። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን ርእሲ ኣለዎም: ንሱ ድማ የሱስ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ስለዚ: ከምቲ የሱስ ንማሕበሩ ዚከናኸና: ሰብኡትውን ብሕታዊ መስዋእቲ እኳ ኸይተረፈ ብምግባር ንስድራቤቶም ብመንፈሳውን ብስጋውን መገዲ ኺሓልዩ ኣለዎም። ጥቕሚ ስድራቤቶም ካብ ባህግታቶምን ምርጫታቶምን ኣብሊጾም እዮም ዚርእዩ። የሱስ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ማቴዎስ 7:12) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ሓዳር ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። ጳውሎስ “ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን” ብምባል ነዚ ኣጕልሐ። (ኤፌሶን 5:28, 29) ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸምቲ ንርእሱ ዚምግብን ዚከናኸንን ገይሩ ኺምግባን ኪከናኸናን ኣለዎ።

5. ኣንስቲ ንክርስትያናዊት ማሕበር ኪመስላ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

5 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ንክርስትያናዊት ማሕበር ከም ኣብነት ገይራ እያ እትርእያ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሰዓብቱ እናተሓጐሱ ዋኒኖም ገዲፎም እዮም ስዒቦምዎ። ምስ ሞተ እውን ይግዝእዎ ነበሩ: ድሕሪኡ ኣስታት 2,000 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ማሕበር ንየሱስ ትግዛእን ኣብ ኵሉ ነገራት ብእኡ ትምራሕን ኣላ። ክርስትያን ኣንስቲ ድማ ብተመሳሳሊ ንሰብኡተን ኣይንዕቃን ወይ ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ስርዓት ርእስነት ኣፍኲሰን ኣይርእያን እየን። ኣብ ክንድኡስ: ንሰብኡተን ይድግፋ: ይግዝኣ: ምሳታቶም ይተሓባበራ: ከምኡውን የተባብዓኦም። ሰብኡትን ኣንስትን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ምስ ዚመላለሱ: ሓዳሮም ብርግጽ ጽቡቕ ይኸውን እዩ: ካብቲ ርክቦም ድማ ክልቲኦም ሓጐስ ይረኽቡ።

ምሳታተን ንበሩ

6. ጴጥሮስ ንሰብኡት እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃቦም: እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንሰብ ሓዳር ምዒዱ እዩ። ብፍላይ ንሰብኡት ዝሃቦ ማዕዳ ድማ ሓያል እዩ። “ኣቱም ሰብኡት: ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት: ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ድማ በሎም። (1 ጴጥሮስ 3:7) ርዝነት እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ: ካብቲ እተጠቕመሉ ቓላት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ዘየኽቢርዋ: ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ይትንከፍ እዩ። ጸሎቱ ድማ ይዕገት።

7. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብር ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

7 ሰብኡት ነንስቶም ዜኽብርወን ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧ ንሰበይቲ ምኽባር ኪበሃል ከሎ: ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ምሓዛ ማለት እዩ። ንሰበይቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት ምሓዝ ሓያሎ ኣንስቲ ዘይረኽባኦ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ሓደ ግሪኻዊ ምሁር “ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሮሜ ሰበይቲ ዋላ ሓንቲ መሰል ኣይነበራን። ኣብቲ ሕጊ እቲ ወትሩ ኸም ቈልዓ ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። . . . ምሉእ ብምሉእ ብሰብኣያ ትግዛእ: ዝደለዮ ድማ ኪገብራ ይኽእል ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ክርስትያናዊ ትምህርቲ ግን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ የኽብራ እዩ። ምስኣ ዘለዎ ርክብ ከም ቃሕ ዝበሎ ዘይኰነስ ብክርስትያናዊ ስርዓታት እዩ ዚቕየድ። ኣብ ርእሲ እዚውን ድኽምቲ ፍጥረት ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው “በእምሮ” እዩ ምስኣ ዚመላለስ።

“ድኽምቲ ፍጥረት” እትበሃል በየናይ መዳይ እያ፧

8, 9. ኣንስቲ ማዕረ ሰብኡት ዝዀና በየናይ መዳይ እየን፧

8 ጴጥሮስ ንሰበይቲ “ድኽምቲ ፍጥረት” ምባሉ: ኣንስቲ በተሓሳስባአን ኰነ ብመንፈሳውነተን ካብ ሰብኡት ከም ዝትሕታ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ሓቂ እዩ: ብዙሓት ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ኣንስቲ ኺህልወን ዘይክእል ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነታት ኣለዎም: ኣብ ስድራቤት ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ይግዝኣ እየን። (1 ቈረንቶስ 14:35፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:12) ይኹን እምበር: ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ማዕረ እምነትን ጽንዓትን ኬርእዩ: ከምኡውን ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪሕልዉ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኸኣ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ‘መዋርስቲ ጸጋ ህይወት’ እዮም። ንድሕነት ብዚምልከት: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ብማዕረ እዮም ዚረኣዩ። (ገላትያ 3:28) ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ዚጽሕፈሎም ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዝጸሓፎ ቓላት ንክርስትያን ሰብኡት ንሳቶም ኰኑ ኣንስቶም “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ኸም ምዃኖም መጠን ሕደ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎም ኣዘኻኸሮም። (ሮሜ 8:17) ሓደ መዓልቲ ኽልቲኦም ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኬገልግሉ እዮም።—ራእይ 5:10

9 ቅቡኣት ክርስትያን ኣንስቲ ኻብቶም ቅቡኣት ክርስትያን ሰብኡተን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይንእሳን እየን ነይረን። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚውን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ይዓዪ እዩ። ክፍሊ እቶም “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮም እዮም። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም “ለይትን መዓልትን” ዚግበር ውዳሰ የሆዋ ይሳተፉ እዮም። (ራእይ 7:9, 10, 14, 15) ብዘይካዚውን “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኬስተማቕሩ እዮም። (ሮሜ 8:21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:19) ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኻብ ካልኦት ኣባጊዕ ብዘየገድስ: ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዚጓሰያ “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ እዮም። (ዮሃንስ 10:16) እዝስ ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ኪከባበሩ ዚድርኽ ከመይ ዝበለ ሓያል ምኽንያት ኰን እዩ!

10. ኣንስቲ ‘ድኹማት ፍጥረት’ ዚበሃላ በየናይ መዳይ እየን፧

10 ኣንስቲ ‘ድኹማት ፍጥረት’ ኪበሃላ ዚኽእላ ደኣ እሞ በየናይ መዳይ እየን፧ ጴጥሮስ: ኣንስቲ ብሓፈሻ ኺርኣያ ኸለዋ ብግዝፈን ኰነ ብኣካላዊ ጕልበተን ካብ ሰብኡት ከም ዚንእሳ ወይ ከም ዚደኽማ እዩ ዜመልክት ነይሩ ዚኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን ብሰንኪ ዘይፍጽምና እቲ ውሉድ ናይ ምውላድ ዜደንቕ ፍሉይ ተውህቦአን ንኣካላዊ ጥዕናአን ይጐድኦ እዩ። ውሉድ ኪወልዳ ዚኽእላ ኣንስቲ ወትሩ ኣካላዊ ጸገማት ኪህልወን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምሹእ ኵነታት ወይ ኣብ ግዜ ጥንሲ ዀነ ሕርሲ ዚመጽእ ብርቱዕ ድኻም ኬሕልፋ ኸለዋ ፍሉይ ክንክን ከም ዜድልየን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሰበይቱ ዜኽብር ሰብኣይ: ዜድልያ ደገፍ ስለ ዚፈልጥ: ሓዳሩ ጽቡቕ ንኪኸውን ዓብዪ ኣበርክቶ እዩ ዚገብር።

ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት

11. ሰብኣይን ሰበይትን እተፈላለየ ሃይማኖት እናሃለዎም ክነሶም ብኸመይ እዩ ሓዳሮም ጽቡቕ ኪኸውን ዚኽእል፧

11 ክልተ ሰባት ሓዳር ድሕሪ ምምስራቶም: ሓደ ኻባታቶም ጥራይ ክርስትያናዊ ሓቂ ብምቕባሉ: እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ እንተ ሃለዎምከ: ሓዳሮም ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ካብ ተመክሮ ብዙሓት ከም እተራእየ: እወ: ይኽእል እዩ። እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ድልዱልን ንኽልቲኦም ሓጐስ ዜምጽእን እንተ ዀይኑ: ጽቡቕ ኪበሃል ይከኣል እዩ። ከመይሲ: እቲ ሓዳር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ገና ኣይፈረሰን: ክልቲኦም ከም “ሓደ ስጋ” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ስለዚ: ክርስትያን ሰብ ሓዳር እቲ ዘይኣማኒ ብጻዮም ምሳታቶም ኪነብር እንተ ፈተወ: ከይፍለዩ እዩ ምትብባዕ ዚወሃቦም። ውሉዳት እንተ ወሊዶም ከኣ ካብቲ እቲ ክርስትያን ወላዲ ዜርእዮ ተኣማንነት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 7:12-14

12, 13. ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ብምስዓብ ንዘይኣመንቲ ሰብኡተን ብኸመይ ኪሕግዛኦም ኣለወን፧

12 ጴጥሮስ ነተን ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዚነብራ ክርስትያን ኣንስቲ ብሕያውነት ማዕዳ ሂብወን እዩ። እቲ ኣብ ቃላቱ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዚርከቡ ሰብኡት እውን ዚዓዪ እዩ። ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።”—1 ጴጥሮስ 3:1, 2

13 ሰበይቲ እምነታ ብሜላ ንሰብኣያ ኽትገልጸሉ እንተ ኽኢላ: ሰናይ እዩ። ኪሰምዓ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰነኸ፧ ናይ ርእሱ ምርጫ እዩ። ኰይኑ ግን: ክርስትያናዊ ኣኻይዳ ሓያል ምስክርነት ስለ ዚህብ: ኣይሰምዓንን ኢላ ተስፋ ኽትቈርጽ የብላን። ሓያሎ ኣብ ፈለማ ተገዳስነት ዘይነበሮም ወይ ሕሉፍ ሓሊፎምውን ንእምነት ኣንስቶም ዚጻረሩ ዝነበሩ ሰብኡት: ነቲ ሰናይ ኣኻይዳ ኣንስቶም ምስ ረኣዩ: ክርስትያናዊ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም።adj. approved ሓደ ሰብኣይ ክርስትያናዊ ሓቂ እኳ እንተ ዘይተቐበለ: በኻይዳ ሰበይቱ ኣጸቢቑ ኺትንከፍ ይኽእል እዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ማእሰር ሓዳር የደልድሎ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሰበይቲ ዘላቶ ሰብኣይ ምስቲ ልዑል ስርዓታት ተሰማሚዑ ኺመላለስ ከም ዘይክእል ይእመን። ኰይኑ ግን: ናብ ሓንቲ ጋዜጣ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ: ንርእሱ ‘ሕጉስ ብዓል ቤት ናይ ሓንቲ ምጭውቲ ሰበይቲ’ ኢሉ ጸውዓ: ንብዓልቲ ቤቱ እውን ነኣዳ።

14. ክርስትያን ሰብኡት ንዘይኣምና ኣንስቶም ብኸመይ ኪሕግዝወን ይኽእሉ፧

14 ነቲ ጴጥሮስ ኣብ እተዛረቦ ቓላት ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ዝዓዩሉ ክርስትያን ሰብኡት እውን ብተመሳሳሊ በኻይዳኦም ነንስቶም ረቢሖምወን እዮም። ዘይኣምና ኣንስቲ ሰብኡተን ሓላፍነት ኪስምዖም: ኣብ ሽጋራን መስተን ጠላዕን ዚጠፍእ ዝነበረ ገንዘብ ኪቝጥቡ: ከምኡውን ጸርፊ ኺሓድጉ ኸለዉ ርእየን እየን። ገሊአን ካብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ምስ ካልኦት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተራኸባ: በቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ክርስትያናዊ ሕውነት ስለ እተመሰጣ: እቲ ዝረኣያኦ ናብ የሆዋ ኣቕሪብወን እዩ።—ዮሃንስ 13:34, 35

“እቲ ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ”

15, 16. ንዘይኣማኒ ሰብኣይ ኣረኣእያኡ ኬቐይሮ ዚኽእል ክርስትያን ሰበይቲ እተርእዮ እንታይ ኣኻይዳ እዩ፧

15 ንሓደ ሰብኣይ ሓሳቡ ኸም ዚቕይር ዚገብሮ ኸመይ ዝበለ ኣኻይዳ እዩ፧ እቲ ክርስትያን ኣንስቲ ዜማዕብላኦ ኣኻይዳ እዩ ዚስሕቦ። ብዛዕባ እዚ ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር: እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን: ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን: ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ: ንሰብኡተን እናተአዘዛ: ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተአዘዘቶ: ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን: ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ: ኣዋልዳ ኢኽን።”—1 ጴጥሮስ 3:3-6

16 ጴጥሮስ ንክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ደጋዊ ትርኢት ከይትውከል እዩ ምዒዱ። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጣዊ እንታይነታ ዘሕደሮ ጽልዋ ንበዓል ቤታ ኸተርእዮ ይግባእ። ነቲ ሓድሽ ሰብ ለቢሳ ድማ ኪርኣያ ኣለዎ። ምናልባት ነዚ ምስቲ ሰበይቱ ኣቐዲሙ ዝነበራ ኣረጊት ሰብ የወዳድሮ ይኸውን። (ኤፌሶን 4:22-24) እቲ ‘ለዋህን ህዱእን መንፈሳ’ ዜሐጕስን ዚስሕብን ኰይኑ ኸም ዚረኽቦ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ንሰብኣይ የሐጕሶ ጥራይ ዘይኰነስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ [እውን] ክቡር” እዩ።—ቈሎሴ 3:12

17. ሳራ ንክርስትያን ኣንስቲ ሰናይ ኣብነት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

17 ሳራ ንምርዑዋት ኣንስቲ ኣርኣያ ኸም እትዀነን እያ ተጠቒሳ ዘላ: ነተን ኣመንቲ ዀነ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዘለዉወን ክርስትያን ኣንስቲ እውን ኣብነት ክትከውን እትበቅዕ እያ። ንኣብርሃም ከም ርእሳ ገይራ ትርእዮ ምንባራ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ብልባ እውን ከይተረፈ “ጐይታይ” ኢላ ትጽውዖ ነበረት። (ዘፍጥረት 18:12) እዚ ግን ዜዋርዳ ኣይነበረን። ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ዝነበረታ ብመንፈስ ንፍዕቲ ሰበይቲ ምንባራ ንጹር እዩ። እወ: ክፍሊ እቶም ብኣብነቶም ‘ነቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽንጐዪ’ ዚድርኹና “ኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” እተባህሉ እያ። (እብራውያን 11:11፣ 12:1) ክርስትያን ሰበይቲውን ከም ሳራ ምስ እትኸውን ትዋረድ ኣይኰነትን ዘላ።

18. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ኺርሳዕ ዘይብሉ፧

18 ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እውን እንተዀነ እቲ ሰብኣይ ርእሲ እዩ። እቲ ሰብኣይ ኣማኒ እንተደኣ ዀይኑ: ንእምነቱ ዚጥሕስ ነገር ከይገበረ እምነት ሰበይቱ ኣብ ግምት ከም ዜእቱ የርኢ እዩ። እታ ሰበይቲ ኣማኒት እንተደኣ ዀይና ኸኣ ንእምነታ ዚጥሕስ ነገር ኣይትገብርን እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እንተዀነ ግን: ንርእስነት ሰብኣያ ኣይትቃወምን እያ። ቦታኡ ተኽብረሉ: ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ሰብኣያ” ኸኣ ትቕጽል።—ሮሜ 7:2

መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ጥበባዊ መምርሒ

19. ገለ ኻብቲ ኣብ ሓዳር ጸቕጢ ዜምጽእ ነገራት እንታይ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጥታት ግን ብኸመይ ኪጽወር ይከኣል፧

19 ሎሚ ኣብ ሓዳር ጸቕጢ ኺገብር ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገሊኦም ሰብኡት ሓላፍነቶም ኣይስከሙን እዮም። ገሊአን ኣንስቲ ኸኣ ርእስነት ሰብኡተን ኣይቅበላን እየን። ኣብ ገሊኡ ሓዳር ሓደ በቲ ኻልእ ይግፋዕ እዩ። ቍጠባዊ ጸቕጢ: ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ከምኡውን መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዜምጽኦ ርኹስን ቄናንን ኣረኣእያ ነቲ ክርስትያናት ዘለዎም ተኣማንነት ኪፍትኖ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚስዕቡ ክርስትያን ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይሃልዉ ብዘየገድስ በረኸት የሆዋ ይረኽቡ እዮም። ኣብ ሓዳር እቲ ሓደ ጥራይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕል እንተደኣ ዀይኑ እውን ካብቲ ኽልቲኦም በቲ ስርዓታት እቲ ዘይምርሑሉ ሓዳር ዝሓሸ እዩ ዚኸውን። ብዘይካዚውን የሆዋ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ነቲ ዝኣተዉዎ ቓል ኪዳን እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቱ የፍቅሮምን ይድግፎምን እዩ። ንተኣማንነቶም ኣይርስዖን እዩ።—2 ሳሙኤል 22:36 ትርጕም 1990adj. approved፣ እብራውያን 6:10፣ 1 ጴጥሮስ 3:12

20. ጴጥሮስ ንዅሎም ክርስትያናት እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃበ፧

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰብ ሓዳር ድሕሪ ምምዓዱ: ብዜተባብዕ ቃላት እዩ ዘረባኡ ዛዚሙ። “መወዳእታኡ ኸኣ: ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ: ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ: ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ: መርቑ ደኣ እምበር: እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:8, 9) እዚ ንዅሎም ክርስትያናት ብፍላይ ከኣ ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ብሓቂ ጥበባዊ ማዕዳ እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያን ሰብኡት ንየሱስ ዚመስልዎ ብኸመይ እዮም፧

• ክርስትያን ኣንስቲ ንማሕበር ዚመስላኣ ብኸመይ እየን፧

• ሰብኡት ነንስቶም ዜኽብሩ ብኸመይ እዮም፧

• ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ክርስትያን ሰበይቲ እንታይ እንተ ገበረት እዩ ዝሓሸ ዚኸውን፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ እስሊ]

ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ የፍቅራን ይከናኸናን እዩ

ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ተኽብሮ እያ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ እስሊ]

ትምህርትታት ክርስትና ኸም ሕጊ ሮሜ ዘይኰነስ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብር ዚእዝዝ እዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ እስሊ]

ክፍሊ እቶም “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ነቲ ኣብ ገነት ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይጽበዩ እዮም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ እስሊ]

ሳራ ንኣብርሃም ከም ጐይታኣ ገይራ ረኣየቶ