ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ጽቡቕ ሓዳር ምግባር ይከኣል እዩ

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ጽቡቕ ሓዳር ምግባር ይከኣል እዩ

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ጽቡቕ ሓዳር ምግባር ይከኣል እዩ

“ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”ቈሎሴ 3:14

1, 2. (ሀ) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከብ እንታይ ነገር እዩ ዜሐጕሰና፧ (ለ) ጽቡቕ ሓዳር ዚበሃል ከመይ እዩ፧

 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ን10: 20: 30: ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ዝጸንሑ ሓያሎ ሰብ ሓዳር ክንርኢ ኸለና: ዜሐጕስዶ ኸይኰነ፧ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ብሓደ ዀይኖም ዓቐበ ቝልቍል እዮም ሰጊሮም።—ዘፍጥረት 2:24

2 ሓያሎ ኻባታቶም ኣብ ሓዳሮም ሽግር ከም ዘጋጠሞም ይእመኑ እዮም። ሓንቲ ሰበይቲ “ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳር ኪበሃል ከሎ ጭንቀት ዘይብሉ ኣይኰነን። ጽቡቕን ሕማቕን እዋን ኣሎ። . . . ይኹን እምበር . . . እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዚ ናይዚ ግዜና [ጸገማት] ከይተፈላለዩ ሰጊሮምዎ ኣለዉ” በለት። ዕዉታት ሰብ ሓዳር: ብፍላይ ከኣ ውሉዳት ዘዕበዩ ምስ ዚዀኑ: ነቲ ህይወት ዜምጽኦ ዘይተርፍ ሽግርን ጸበባን ብኸመይ ከም ዚሰግሩ ተማሂሮም እዮም። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ‘ከቶ ኸም ዘይተቋርጽ’ ካብ ተመክሮ ርእዮምዎ እዮም።—1 ቈረንቶስ 13:8

3. ብዛዕባ ሓዳርን ፍትሕን ዚገልጽ ኣሃዛዊ ጸብጻባት እንታይ ይሕብር: እንታይ ዚብል ሕቶታትከ የላዕል፧

3 ብኣንጻሩ ግን: ብሚልዮናት ዚቝጸር ሓዳር ይበታተን እዩ ዘሎ። ሓደ ጸብጻብ “ካብቲ ሕጂ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዘሎ ሓዳር ፍርቁ ብፍትሕ ከም ዚዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ፍርቂ እዚ [ፍትሕ እዚ] ኸኣ ካብቲ ሓዳር እተመስረተሉ ኣብ 7.8 ዓመት እዩ ዜጋጥም። . . . ካብቶም 75 ሚእታዊት ዝዀኑ እንደገና ዚምርዓዉ ሰባት: 60 ሚእታዊት እንደገና ይፋትሑ እዮም” በለ። ኣብተን ኣቐዲሙ ብዙሕ ፍትሕ ዘይነበረን ሃገራት እውን ከይተረፈ: ለውጢ ይርአ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ጃፓን ፍትሕ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ዚርአ ናብዚ ዝመርሐ ጸቕጥታት እንታይ እዩ፧ ሰይጣን ንሓዳር ኪበታትን እናጸዓረ ኽነሱ: ሓዳርካ ዕዉት ንምግባር እንታይ የድሊ፧

ክትሃድመሉ ዘሎካ መፈንጠራ

4. ገለ ኻብቲ ንሓዳር ኬፍርስ ዚኽእል ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

4 ቃል ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ጸገማት ኬምጽእ ዚኽእል ረቛሒታት ንኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዘሎ ዅነታት እተዛረቦ ቓላት እስከ ንርአ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

5. ሓደ ‘ፈታው ርእሱ’ ንሓዳሩ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ይገብር ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ: ኣብዚ መዳይ እዚኸ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ይምዕድ፧

5 ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ምስ እንምርምሮ: መብዛሕትኡ ኻብቲ ዝጠቐሶ ነገራት ንሓዳር ኬፍርስ ከም ዚኽእል ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንኣብነት: እቶም “ፈተውቲ ርእሶም” ዘበሉ ስሱዓትን ንኻልኦት ዘይሓልዩን እዮም። እቶም ርእሶም ጥራይ ዚፈትዉ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ዚደልይዎ ዘበለ ኺግበረሎም ደኣ እዮም ዚጽዕሩ እምበር ተዓጻጸፍቲ ኣይኰኑን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣብ ሓዳር ሓጐስ የምጽእዶ፧ ፈጺሙ ኣየምጽእን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብሓፈሻ: እንተላይ ንሰብ ሓዳር “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ብምባል ጥበብ ሓዘል ምኽሪ ሃቦም።—ፊልጲ 2:3, 4

6. ፍቕሪ ገንዘብ ሓዳር ኬፍርስ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ምፍልላይ ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሎሚ ኣብ ሓያሎ ሓዳር ኪፍጸም ይርአ ኣሎ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ሃብቲ ንምድላብ ካብ ዘለዎም ህርፋን: ነቲ ንብጸይቶም ዜድልያ ነገራት: እንተላይ ነቲ መሰረታዊ ዝዀነ ስምዒታዊ ደገፍ ኰነ ነቲ ዝነበሮም ምቅርራብ ዕሽሽ ይብልዎ።

7. ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እንታይ ባህሪ እዩ ናብ ጥልመት ዚመርሕ፧

7 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት “ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ” ኪዀኑ ምዃኖም እውን ጳውሎስ ሓቢሩ ነይሩ። ቃል ኪዳን ነባሪ ማእሰር ኪኸውን ዚእቶ መብጽዓ እዩ: ንጥልመት ድማ ቦታ ኺህልዎ ኣይግባእን። (ሚልክያስ 2:14-16) ገሊኦም ግን ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ንኣንጻር ጾታ ፍቕሪ ኣሕዲሮም እዮም። ሓንቲ ኣብ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሰበይቲ: ሰብኣያ ጠንጢንዋ ቕድሚ ምኻዱ እውን ከይተረፈ ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣመና ኺቀራረብን ኪፈትወንን ከም ዝጀመረ ትገልጽ። ብዓል ሓዳር ከምኡ ኺገብር ከም ዘይግባእ ኣየስተውዓለን። እዚ ኪኸውን ምስ ረኣየት ውሽጣ ተጐድአት: ናብ ሓደገኛ መገዲ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ድማ ከተጠንቅቖ ፈተነት። እንተዀነ ግን: ኣብ ዝሙት ወደቐ። ብሕያውነት መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦ: ኣየቕለበን። ትኽ ኢሉ ድማ ኣብ መፈንጠራ ኣተወ።—ምሳሌ 6:27-29

8. ናብ ዝሙት ኬብጽሕ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝሙት ንኽንርሕቕ ብንጹር እዩ ዜጠንቅቐና። “እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን: ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር” ድማ ይብል። (ምሳሌ 6:32) መብዛሕትኡ ግዜ ዝሙት ብሃንደበት ዚፍጸም ነገር ኣይኰነን። ከም ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ዝሓበሮ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ዝሙት ዝኣመሰለ ሓጢኣት ዚፍጽም ሰብ ኣቐዲሙ ነዚ ይሓስቦ እዩ። (ያእቆብ 1:14, 15) እቲ ኣበሰኛ ነታ ምሉእ ህይወቱ እሙን ከም ዚኸውን ዝመሓለላ ብጸይቱ ዝነበሮ ተኣማንነት በብቕሩብ የጕድል። የሱስ “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 5:27, 28

9. ኣብ ምሳሌ 5:18-20 እንታይ ምኽሪ እዩ ዚርከብ፧

9 እምበኣር: እሙን ንምዃንን ጥበባዊ መገዲ ንምስዓብን ነቲ መጽሓፍ ምሳሌ ዚብሎ ኸነቕልበሉ ኣሎና:- “ምንጭኻ ይባረኽ: በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ: እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ: ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ: ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፧”—ምሳሌ 5:18-20

ብታህዋኽ ኣይትመርዖ

10. ነታ ኽትምርዓዋ ዝሓሰብካ ወይ ክትምርዓውዮ ዝሓሰብኪ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምፍላጥ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ወድን ጓልን ተሃዊኾም ሓዳር እንተ ጀሚሮም: ጸገማት ኪለዓል ይኽእል እዩ። ዕድሚኦም ገና ዘይኣኸለ ወይ ዘይበሰሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባትውን ኣጸቢቖም ንኺፋለጡ: ማለት ሓደ እቲ ኻልእ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት: ሸቶታቱ: ኣተዓባብያኡ ንኺፈልጥ ግዜ ኣይሃቡን ይዀኑ። ዓቕሊ ብምግባር ነታ ኣብ መጻኢ ብዓልቲ ቤትካ እትኸውን ወይ ብዓል ቤትኪ ዚኸውን ምፍላጥ ጥበብ እዩ። ብዛዕባ ያእቆብ ወዲ ይስሃቅ እሞ ሕስብ ኣብል። ንራሄል ንኺምርዓዋ ነቲ ናይ መጻኢ ሓሙኡ ሸውዓተ ዓመት ኪግዝኦ ነበሮ። ስምዒቱ ኣብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ደኣ እምበር ኣብ ኣካላዊ ስሕበት እተመስረተ ብዘይምንባሩ ነዚ ንምግባር ፍቓደኛ ነበረ።—ዘፍጥረት 29:20-30

11. (ሀ) ሓዳር እንታይ ዓይነት ሰባት እዩ ብሓደ ዜጣምር፧ (ለ) ልሳንና ብጥበብ ምጥቃም ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሓዳር ናይ ኣንጻር ጾታ ስምዒታዊ ፍቕሪ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠቓልል። የግዳስ: ካብ ክልተ እተፈላለየ ስድራቤትን ባህርያትን ስምዒታትን ደረጃ ትምህርትን ንዝመጹ ሰባት እዩ ብሓንሳእ ዚጸምዶም። ሓድሓደ ግዜ ኽልተ እተፈላለየ ባህልታት ወይውን ቋንቋታት ዜጣምር እዩ። እንተ ወሓደ ኸኣ ኣብ ኵሉ መዳያት እተፈላለየ ሓሳባት ኪህቡ ዚኽእሉ ኽልተ በበይኑ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ ዘለዎም እዩ ዜጣምር። እዞም ክልተ በበይኑ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ክፍሊ እቲ ሓዳር እዮም። ወትሩ ንሓድሕዶም ኪናቘቱ ወይ ከኣ ኪተባብዑን ኪተሃናነጹን ይኽእሉ እዮም። እወ: ብቓላትና ጌርና ንብጻይና ኽንጐድእ ወይ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ዘይተገትአት ልሳን ኣብ ሓዳር ሽግር ከተምጽእ ትኽእል እያ።—ምሳሌ 12:18፣ 15:1,  2፣ 16:24፣ 21:9፣ 31:26

12, 13. ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት እዩ ኺህልወና ዚተባባዕ፧

12 እምበኣር: ነታ ኽትምርዓዋ እትደሊ ወይ ክትምርዓውዮ እትደልዪ ሰብ ንምፍላጥ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምምዳብ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ እዋን ሓንቲ ተመክሮ ዘለዋ ሓብቲ ኸምዚ በለት:- “ክትምርዓዉ ኽትሓስቡ ኸለኹም: እቲ ውልቀ-ሰብ ኬማልኦ ኣለዎ ብዛዕባ እትብልዎ ዓሰርተ መሰረታዊ ብቕዓታት ሕሰቡ። ሸውዓተ ጥራይ ክትረኽቡ እንተ ኽኢልኩም ‘ነቲ ዝተረፈ ሰለስተ ዕሽሽ ክብሎ ፍቓደኛ ድየ፧ ነዚ ጕድለታት እዚ መዓልታዊ ኽጻወሮ እኽእል ድየ፧’ ኢልኩም ንርእስኹም ሕተቱ። ትጠራጠሩ እንተ ዄንኩም: ህድእ ኢልኩም ሕሰቡሉ።” ልክዕ እዩ: ትጽቢታትና ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ክትምርዖ እንተ ደሊኻ: ፍጹም ሰብ ከም ዘይትረክብ ፍለጥ። ንስኻውን እንተ ዀንካ ፍጹም ኣይኰንካን!—ሉቃስ 6:41

13 ሓዳር መስዋእቲ ምግባር እውን የጠቓልል እዩ። ጳወሎስ ነዚ ኼጕልሕ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትዀኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዐወት: ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ: ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ: እታ ምርዕውቲ ግና: ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ: ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ።”—1 ቈረንቶስ 7:32-34

ገሊኡ ሓዳር ዚፈርሰሉ ምኽንያት

14, 15. ማእሰር ሓዳር እናደኸመ ንኪኸይድ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧

14 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ን12 ዓመት ብዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ፈቲሕዋ ምስ ካልእ ሰበይቲ ርክብ ምስ ጀመረ: ውሽጣ ቘሲሉ እዩ። ሓዳራ ቕድሚ ምፍራሱ ምልክታት ርእያዶ ነይራ፧ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ፈጺሙ ኣብ ዘይጽልየሉ ደረጃ በጺሑ ነይሩ። ካብ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ንምትራፍ ዜቕርቦ ምኽንያት ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ እዩ። ስራሕ በዚሑኒ ወይ ደኺመ ብዚብል ምስምስ ምሳይ ዘሕልፎ ግዜ ኣይነበሮን። ኬዘራርበኒ እውን ኣይደልን እዩ ነይሩ። መንፈሳዊ ነገራት ኣየመያይጠንን እዩ ነይሩ። ብሓቂ ዜሕዝን እዩ። ከምቲ ኽምርዓዎ ከለኹ ዝነበረ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን።”

15 ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ምልክታት እዮም ዚጠቕሱ። እቲ ሓዳር ዚብትን ሰብ ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጸሎት: ወይ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ከይተረፈ ሸለል ይብሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓያሎ ኻብቶም ኣብ መወዳእታ ሓዳሮም ጠንጢኖም ዚኸዱ ሰባት: ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ኪደክም ከሎ ስቕ ኢሎም እዮም ዚርእይዎ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣየተኵሩን። የሆዋ ህያው ኣምላኽ ኰይኑ ኣይረኣዮምን። እታ መብጽዓ እተገብረላ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም እውን እትመጽእ ኣይመስሎምን። ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ እቲ ዘይእሙን ዘበለ ኻብ ሓዳሩ ወጻኢ ምስ ካልእ ርክብ ከይጀመረ ኸሎ እዩ ብመንፈስ ዚደክም።—እብራውያን 10:38, 39፣ 11:6፣ 2 ጴጥሮስ 3:13, 14

16. ንሓዳር ዜደልድሎ እንታይ እዩ፧

16 ብኣንጻሩ ግን: ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ጽቡቕ ሓዳር ኪህልዎም ዝኸኣለ ድልዱል መንፈሳዊ ማእሰር ስለ ዘለዎም ምዃኑ ይገልጹ። ብሓባር ይጽልዩ: መጽናዕቲውን ይገብሩ እዮም። እቲ ሰብኣይ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ነንብብ። ናብ ኣገልግሎት ብሓባር ንኸይድ። ባህ ኢሉናውን ብሓባር ዕዮና ንገብር” በለ። ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምህላው: ጽቡቕ ሓዳር ንኽትገብር ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃልኹም: ሓሳብ ንሓሳብ ድማ ተለዋወጡ

17. (ሀ) ንጽቡቕ ሓዳር ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ ክልተ ረቛሒታት እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ፍቕሪ ብኸመይ ገሊጽዋ፧

17 ንጽቡቕ ሓዳር ኣበርክቶ ዚገብር ክልተ ኻልእ ነገራት: ክርስትያናዊት ፍቕርን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን እዩ። ክልተ ሰባት ምስ ዚፋቐሩ: ጕድለት ኣይረኣዮምን እዩ። እዞም መጻምድቲ እዚኣቶም እተጋነነ ትጽቢት ሒዞም ይምርዓዉ ይዀኑ። ምናልባት እቲ ትጽቢቶም ኣብ ልብ ወለድ ኣብ ዘንበብዎ ወይ ኣብ ፊልምታት ኣብ ዝረኣይዎ ይምርኰስ ይኸውን። ኣብ መወዳእታኡ ግን እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ምስቲ ሓቂ ምፍጣጦም ዘይተርፍ እዩ። ሽዑ እቲ ንኣሽቱ ጸገማት ወይ ብዙሕ ዘየሕርቕ ልማዳት እውን ከይተረፈ ዓበይቲ ጸገማት ኰይኑ ይረኣዮም። ከምዚ እንተደኣ ኣጋጢሙ: ክርስትያናት ነተን ፍቕሪ እትርከበን ፍረ መንፈስ ኬንጸባርቑ ኣለዎም። (ገላትያ 5:22, 23) ፍቕሪ ኣዝያ ሓያል እያ። ኣብዚ ግን ብዛዕባ እታ ኣብ ኣንጻር ጾታ እትህሉ ስምዒታዊ ፍቕሪ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ጳውሎስ ነዛ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እዚኣ “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: . . . ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ: . . . ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ” ብምባል ገለጻ። (1 ቈረንቶስ 13:4-7) እምበኣር ናይ ሓቂ ፍቕሪ ጕድለት ሰባት እትሽፍን እያ። ፍጽምና እውን ኣይትጽበን እያ።—ምሳሌ 10:12

18. ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንሓዳር ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

18 ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እውን ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ሓዳር ንውሓት እቲ ብሓባር ዝነበሩሉ ዓመታት ብዘየገድስ: ኪዘራረቡን ሓደ ነቲ ሓደ ልቡ ኸፊቱ ኺሰምዖን ኣለዎ። ሓደ ሰብኣይ “ስምዒታትና ብግህዶ ግን ከኣ ብልኡም መገዲ ንገልጽ ኢና” በለ። ተመክሮ እናደለቡ ምስ ከዱ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ነቲ ብጻዮም ዚዛረቦ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚሕዞ ነገራት እውን ኪርድኡ ይጅምሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ነቲ ዘይተዘርበ ሓሳባት ወይ ዘይተገልጸ ስምዒታት ኬስተውዕሉ ይጅምሩ። ገሊአን ኣንስቲ ሰብኡተን ብሓቂ ኸም ዘይሰምዕወን ይዛረባ እየን። ገሊኦም ሰብኡት ከኣ ኣንስቶም ኣብ ዘይምሹእ ግዜ ኼዛርባኦም ከም ዚደልያ ብምግላጽ መረረኦም ይገልጹ እዮም። ሓሳብ ንሓሰብ ምልውዋጥ ድንጋጽን ምርድዳእን የጠቓልል። ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ምስ ዚህሉ: ሰብኡትን ኣንስትን ይጥቀሙ እዮም።—ያእቆብ 1:19

19. (ሀ) ይቕረታ ምሕታት ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ይቕረታ ንኽንሓትት ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

19 ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ሓድሓደ ግዜ ይቕረታ ምሕታት የጠቓልል እዩ። እዚ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ጕድለትካ ምእማን ትሕትና ይሓትት። እንተዀነ ግን: እዚ ነገር እዚ ሓዳር ንምድልዳል ዓብዪ ኣበርክቶ እዩ ዚገብር። ካብ ልቢ ዝመነጨ ይቕረታ ኣብ መጻኢ ግጭት ኪፈጥር ዚኽእል ዝነበረ ነገር የወግድ: ነቲ በደል ብሓቂ ንኺሕደግን ነቲ ጸገም ንኺፍታሕን ድማ ጥጡሕ መገዲ ይጸርግ። ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ” በለ።—ቈሎሴ 3:13, 14

20. ሓደ ክርስትያን ብብሕቲ ዀነ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንብዓልቲ ቤቱ ኸመይ ገይሩ ኺሕዛ ኣለዎ: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲኸ፧

20 ምድግጋፍ እውን ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ኪተኣማመኑ ኸምኡውን ሓደ ኣብቲ ኻልእ ኪጽግዑ ኪኽእሉ ኣለዎም። ሓደ ነቲ ኻልእ ምጽቃጥ ወይ ምድሃል ጌጋ እዩ። ሰብኡት ነንስቶም: ኣንስቲ ኸኣ ንሰብኡተን ብፍቕሪ ተደሪኾም ይንእዱ ደኣ እምበር ብዘይ ንሕስያ ኣይነቕፉን እዮም። (ምሳሌ 31:28) መዋዘይን መሐጨጭን ብምግባር ኣየዋርዱን እዮም። (ቈሎሴ 4:6) ወትሩ ፍቕሮም ምስ ዚገልጹ ኸኣ እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዚገብርዎ ምድግጋፍ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። “አፍቅረኪ እየ። ኣብ ጐድነይ ምዃንኪ የሐጕሰኒ እዩ” ወይ “አፍቀረካ እየ። ኣብ ጐድነይ ምዃንካ የሐጕሰኒ እዩ” ዚብል ቃላት ጽቡቕ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። እዚ ገለ ኻብቲ ንርክብ ኪጸሉን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ጽቡቕ ሓዳር ከም ዚህሉ ኺገብርን ዚኽእል ረቛሒታት እዩ። ብዘይካዚ ኻልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ። ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከኣ ንጽቡቕ ሓዳር ኣበርክቶ ዚገብር ተወሳኺ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ሒዛ ኣላ። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ገለ ኻብቲ ንሓዳር ኬፍርስ ዚኽእል ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

• ተሃዊኽካ ምምርዓው ዘይጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• መንፈሳውነት ንሓዳር ዚጸሉ ብኸመይ እዩ፧

• ንሓዳር ዜደልድሎ እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ እስሊ]

ሓዳር ኪበሃል ከሎ ናይ ኣንጻር ጾታ ፍቕሪ ጥራይ ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ እስሊ]

ሰብ ሓዳር ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ምስ ዚገብሩ: ጽቡቕ ሓዳር ይህልዎም