ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት”

“ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት”

“ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት”

ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ 1951 እቲ ሓያል መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት: ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል እታ ሃገር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበሃሉ ንጹሃት ጕጅለ ክርስትያናት ኪጐብጦም ተሃንደደ። በሽሓት ዚቝጸራ ቈልዑን ነፍሰ-ጾራትን ኣረጋዊያንን ዚርከብወን ስድራቤታት: ኣብ ናይ ባቡር ባጎኒ ተጻዒነን ናብ ሳይበርያ ንምብጻሕ ነቲ 20 መዓልቲ ዚወስድ ኣድካሚ ጕዕዞ ጀመራኦ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኣሰቃቕን ንምንባሩ ዜሸግርን ቦታ ኺሕየሩ እዩ ተፈሪድዎም።

ኣብ ሚያዝያ 2001 ንመበል 50 ዓመት እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ንምዝካር: ብዛዕባ እቶም ኣብ ሶቭየት ሕብረት ነበር ዚነብሩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ዝወረዶም ጭቆና እተርኢ ፊልም ኣብ ሞስኮ ወጸት። ኣብኣ ጸሓፍቲ ታሪኽን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ ጸገም እናኣጋጠሞም ክነሱ: ከመይ ገይሮም ከም እተዋጽኡሉ ኣዘንተዉ።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሩስያውያንን ካልኦትን ነዛ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት—ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእስታ ፊልም ርእዮምዋ እዮም: ካብ ህዝብን ካብ ጸሓፍቲ ታሪኽን ድማ ዓብዪ ናእዳ ረኺባ እያ። መብዛሕትአን ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተሓየራሉ ቦታ ዚነብሩ ኽልተ ሩስያውያን ምሁራት ዝሃብዎ ርእይቶ ኻብዚ ቐጺሉ እንሆ:-

“ነዛ ፊልም እዚኣ ኣዝየ እየ ተሓጒሰላ። ንኣባላትኩም እፈትዎም እየ: ነዛ ፊልም ምስ ረኣኹ እሞ ኸኣ እቲ ንዓኹም ዝነበረኒ ኣረኣእያ ብዝያዳ እዩ ወሲኹ። ብውሕሉል ኣገባብ እያ ተሰሪሓ። ብፍላይ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልቂ ታሪኹ ኼዘንቱ ብምግባርኩም አመስግነኩም። ኦርቶዶክስ እኳ እንተ ዀንኩ: ሃይማኖተይ ክቅይር እውን ሓሳብ እኳ እንተ ዘይብለይ: በቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣዝየ እየ ተሓጕሰ። ፋኩልትና ሓንቲ ቕዳሕ እዛ ፊልም እዚኣ ኺህልዎ እደሊ እየ። ኣነን መሳርሕተይን ድማ ንተመሃሮና ኸነርእዮምን ኣብቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ኸነእትዋን ወሲንና ኣለና።”—ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢርኩጽ: ሩስያ: ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ታሪኽ: ፕሮፌሰር ሰርጌ ኒኮላቪች ሩብትሶፍ

“እዛ ፊልም እዚኣ ምውጻኣ አሐጒስኒ እዩ። ንግፍዒ ዚምልከት ፊልም ክትሰርሕ ከለኻ: ሚዛንካ ሓሊኻ ምስራሕ ከቢድ እዩ። ንስኻትኩም ግን ጽቡቕ ጌርኩም ኢኹም ኣዳሊኹምዋ። በጃኹምዶ ግዳ ተወሳኺ ፊልምታትኩም ኣምጽኡለይ።”—ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢርኩጽ: ሩስያ: ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ታሪኽ: ፕሮፌሰር ሰርጌ ኢሊይች ኩዘነትሶፍ

ኣብ ሳይቤርያ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሞሳኦም ገሊጾም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ:-

“እቲ ኣብዛ ፊልም እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዅነታት ኣብ ዚፍጸመሉ ዝነበረ እዋን መብዛሕትኦም ሩስያውያን ብዛዕባ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉይ ሓበሬታ ተዋህቦም። ነዛ ፊልም ድሕሪ ምርኣዮም ግን ሃይማኖትና ኸምቲ ቐደም ዚሓስብዎ ዝነበሩ ኣንቆራ ኸም ዘይኰነ ተረድኡ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ድማ ‘ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጽኑዓት ሰባት ክንነብርን ክንዓይን ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና’ በሉ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ነዛ ፊልም እዚኣ ድሕሪ ምርኣዩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒ ንምዃን ዘለዎ ድሌት ገለጸ።”—ኣብ ሳይቤርያ ተሓይራ ዝነበረት ኣና ቮቭቹክ

“ኣብቲ ፊልም እቶም ናይ ስለላ ፖሊስ ኣብ ገዛ እንዳ ሓደ ሓውና ኪዅሕኩሑ ኸለው ኣዝየ ሰንበድኩ። ነቲ ገዛና እተዃሕኳሓሉ እሞ ኣደይ ‘ባርዕ እዩ ተላዒሉ ዚኸውን’ ዝበለትሉ ግዜ ኣዘኻኸረኒ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን እቶም ኣሕዋት ካብቲ ኣነ ዘሕለፍክዎ ፈተና ንላዕሊ ኸም ዘሕለፉ ንኽግንዘብ ሓገዘኒ። እዚ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ጽንዓትን ብውዕውዕ መንፈስን ከነገልግሎ ኸም ዘሎና ዚሕብር እዩ።”—ኣብ ሳይቤርያ ተሓይሩ ዝነበረ ስቲፓን ቮቭቹክ

“ወዲ እተሓየሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ብዙሕ ዝፈልጥ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ነዛ ፊልም እዚኣ ድሕሪ ምርኣየይ ግን ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ተረዳእኩ። ነቲ ቓለ-መጠይቓት ክሰምዕ ከለኹ ኣዒንተይ ቅጽርጽር በለ። ሕጂ እዚ ተመክሮታት እዚ ዛንታ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ብሓቂ ህያው እዩ ዀይኑለይ። እዛ ፊልም እዚኣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ ኣደልዲላቶ: ንዚመጽእ ፈተናታት ክዋጽኣሉ ድማ ኣዕጢቓትኒ እያ።”—ኣብ ኢርኩጽ ዚነብር ቭላድሚር ኮቫሽ

“እዛ ፊልም ካብ ጽሑፍ ዝያዳ ሓይሊ ዘለዋ ዀይና እየ ረኺበያ። ምስቶም ኣሕዋት ዚግበር ዝነበረ ቓለ-መጠይቓት ክርእን ክሰምዕን ከለኹ ከምዛ ምስኦም ኰይነ ነቲ ፈተና ዘሕለፍኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብነት እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ነተን ክልተ ንኣሽቱ ደቁ ደብዳበ ዚጽሕፈለን ዝነበረ ኣቦ ምርኣየይ: ኣነውን ንደቀይ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ገይረ ልቦም ንኽትንክፍ ስለ ዘለዓዓለትኒ ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። ኣብ ሩስያ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣባል እታ ዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ምዃኖም ኣረጋጊጻትሎም እያ።”—ኣብ ኢርኩጽ እትነብር ታትያና ካሊና

“እቲ ‘ሚእቲ ሳዕ ካብ ምስማዕ ሓንሳእ ምርኣይ ይሓይሽ’ ዚብል ኣበሃህላ ብሓቂ ኣብዛ ፊልም ዚውዕል እዩ። ህያውን ሓቀኛን ምሳና ኸኣ ዝዛመድን እዩ። ምስ ረኣኹዋ ንኽሓስብ ብዙሕ ግዜ ኣድለየኒ። ንህይወተይ ኣብ ቦታ እቶም እተሓየሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽገብራ ድማ ኣኽኣለትኒ። ኵነታተይ ምስ ኵነታቶም ከወዳድሮ ኸለኹ: ነቲ ሕጂ ዝበጽሓኒ ሽግራት እተፈልየ ኣመለኻኽታ ንኺህልወኒ ሓጊዛትኒ እያ።”—ኣብ ኢርኩጽ እትነብር ሊድያ ቤዳ

እዛ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ዘርእስታ ፊልም ክሳዕ ሕጂ ብ25 ቛንቋታት ተዳልያ ኣላ: ኣብ መላእ ዓለም ብዚርከቡ ሰባት ከኣ ዓብዪ ተቐባልነት ረኺባ ኣላ። a ኣብ ኦምስክን ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግን ኣብ ካልኦት ከተማታት ሩስያን: ከምኡውን ኣብ ቨነትስያን ከርችን መሊቶፖልን ላቪፍን ዚበሃላ ኸተማታት ዩክረይን ኣብ ዚርከባ መደበራት ተለቪዥን ተፈንያ እያ። ካብ ኣህጉራዊት ሽማግለ መጽናዕቲ ፊልም እውን ሽልማት ረኺባ እያ።

እዛ ፊልም እዚኣ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ሓያል ኪኸውን ዝኸኣለ: ንነዊሕ ዓመታት መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም ፍሉይ ትብዓትን መንፈሳዊ ብርታዐን ብዛዕባ ዘርኣዩ በሽሓት ዚቝጸሩ ተራ ሰባት ስለ እትገልጽ እዩ። ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም። ንስኻውን ነዛ ፊልም ክትርእያ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኬምጽኡልካ ይኽእሉ እዮም። ንሓደ ኻብቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ቪድዮ እዚኣ ብቛንቋ ሃንጋሪኛ: ሊትወይንኛ: ማንዳሪን: ሩመንያውኛ: ሩስያኛ: ስሎቨንኛ: ስሎቫክኛ: ስጳንኛ: ሽወደንኛ: ቡልጋሪያኛ: ቸክ: ኖርወጅያኛ: ኢንዶነዥያኛ: እንግሊዝኛ: ካንቶኒዝ: ኮሪያኛ: ደንማርክኛ: ዳች: ጀርመንኛ: ጃፓንኛ: ግሪኽኛ: ጥልያንኛ: ፈረንሳይኛ: ፊንላንድኛ: ፖላንድኛ ክትርከብ ትኽእል እያ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ እስሊ]

Stalin: U.S. Army photo

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ እስሊ]

Stalin: U.S. Army photo