ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት

ኣብ መንጎ ኽልተ ኣንስቲ ብዛዕባ እተራእየ ልቢ ዚትንክፍ ተኣማንነት እያ እትገልጽ። ንየሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ እተራእየ ሞሳን ኣብ ምድላዋቱ ብዛዕባ እተንጸባረቐ ትውክልትን ዚገልጽ ጸብጻብ ዝሓዘት እያ። የሆዋ ኣብቲ መሲህ ዚመጸሉ መስመር ወለዶ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት እተንጸባርቕ ታሪኽ ሒዛ ኣላ። ብዛዕባ ሓጐስን ሓዘንን ሓንቲ ስድራቤት እተዘንቱ ልቢ እትትንክፍ መጽሓፍ እያ። እወ: መጽሓፍ ሩት ነዝን ካልእ ነገራትን እተጠቓልል መጽሓፍ እያ።

መጽሓፍ ሩት “በቲ መሳፍንቲ ዚገዝኡሉ ዝነበረ ዘበን” 11 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን እዋን እያ እትሽፍን። (ሩት 1:1) እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጠቕሰ ቦኣዝ ዚበሃል ብዓል መሬት: ወዲ እታ ብግዜ እያሱ ዝነበረት ረሃብ ስለ ዝዀነ: እቲ እተመዝገበ ፍጻመ ኣብ መጀመርታ እዋን መሳፍንቲ እተፈጸመ ኪኸውን ኣለዎ። (እያሱ 2:1, 2፣ ሩት 2:1፣ ማቴዎስ 1:5) እቲ ዛንታ ብ1090 ቅ.ኣ.ዘ. ብነብዪ ሳሙኤል ተጻሒፉ ኪኸውን ኣለዎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጥራይ እያ ብስም ሓንቲ እስራኤላዊት ዘይኰነት ሰበይቲ እትጽዋዕ። እቲ ኣብኣ ዘሎ መልእኽቲ ግን “ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”

(ሩት 1:1–2:23)

ናእሚን ሩትን ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ: ኵሉ ሰብ ኣተኰረለን። እተን ኣንስቲ እታ ኸተማ ናብታ ዓባይ ሰበይቲ እናኣመልከታ “እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧” በላ። ናእሚ ድማ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ: ማራ ደኣ በላኒ እምበር: ናእምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩ: እግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ” በለት።—ሩት 1:19-21

ናእሚ ምስ ስድራቤታ ብሰንኪ እቲ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ጥሜት ካብ ቤት-ልሄም ናብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝገዓዘትሉ እዋን: ሰብኣይን ክልተ ኣወዳትን ስለ ዝነበርዋ “መሊኤ” ኸድኩ ኽትብል ትኽእል ነይራ። ኣብ ሞኣብ ኪቕመጡ ድሕሪ ምጅማሮም ግን ኤሊሜሌክ ሰብኣያ ሞተ። ጸኒሖም እቶም ክልተ ደቃ ዖርጳን ሩትን ዚበሃላ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ምስ ሓለፈ: እቶም ክልተ ደቃ ውሉድ ከይወለዱ ነተን ሰለስተ ኣንስቲ በይነን ሓዲጎምወን ሞቱ። ናእሚ ናብ ይሁዳ ኽትምለስ ምስ ወሰነት: እተን ደቃ ዝሓደግወን መበለታት ሰዓባኣ። ኣብ መገዲ ናእሚ ነተን ኣንስቲ ደቃ ናብ ሞኣብ ተመሊሰን ካብ ደቂ ህዝበን ሰብኡት ኪረኽባ ለመነተን። ዖርጳ ሰምዓታ። ሩት ግን ምስ ናእሚ ተጸግዐት: “ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሐድርዮ ኸኣ እሐድር: ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ድማ በለት።—ሩት 1:16

እዘን ክልተ መበለታት እዚኣተን: ማለት ናእሚን ሩትን: ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ። ሩት ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዚርከብ ምድላው ብምጥቃም: ኣብ ሓደ ግራት ክትቅርም ጀመረት። ብገርሃ ድማ ኣብ ግራት እቲ ዘመድ ኤሊሜሌክ ዝዀነ ብዕድመ ዝደፍአ ቦኣዝ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ትቕርም ነበረት። ሩት ኣብ ቅድሚ ቦኣዝ ሞገስ ረኸበት: “ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ” ከኣ ኣብ ግራቱ ትቕርም ነበረት።—ሩት 2:23

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:8—ናእሚ ነንስቲ ደቃ ነናብ ቤት ኣቦኽን ዘይኰነስ “ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ” ዝበለተን ስለምንታይ እያ፧ ኣቦ ዖርጳ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ይንበር ኣይንበር ኣይተጠቕሰን። ኣቦ ሩት ግን ብህይወት ነይሩ እዩ። (ሩት 2:11) ናእሚ ብዛዕባ ቤት ኣዲአን እተዛረበት: ነቲ ፍቕሪ ኣደ ዜምጽኦ ምጽንናዕ የዘኻኽረን ይኸውን ካብ ዚብል ሓሳብ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ ብፍላይ ነተን ካብታ ፍቕርቲ ሓማተን እተፈልያ ኣዋልድ ዜደዓዕስ እዩ ነይሩ። ምናልባት እውን ኣዴታት ሩትን ዖርጳን ከም ናእሚ ዘይኰናስ ድልዱል ኣባይቲ ኸም ዘለወን ንምምልካት እተዘርበ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

1:13, 21—የሆዋ ንህይወት ናእሚ መራር ከም እትኸውንን ከም ዚኸፍኣን ገይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ናእሚውን ንኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን በደል ኣይከሰሰቶን። ነቲ ዘጋጠማ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ግን የሆዋ ይጻረራ ኸም ዘሎ ተሰምዓ። በዚ ኸኣ ተመረረትን እትገብሮ ሓርበታን። ብዘይካዚውን ኣብቲ ግዜ እቲ ፍረ ኸርሲ ኸም በረኸት ኣምላኽ ኪቝጸር ከሎ: መኻን ምዃን ድማ ከም መርገም ይቝጸር ነበረ። ናእሚ ደቂ ደቂ ስለ ዘይነበርዋን: ክልተ ደቃ እውን ስለ ዝሞትዋ: የሆዋ ኸም ዘዋረዳ ተሰምዓ።

2:12—ሩት ካብ የሆዋ እንታይ “ዓስቢ” እያ ተቐቢላ፧ ሩት ወዲ ወለደት: ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መስመር ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ድማ ኣተወት።—ሩት 4:13-17፣ ማቴዎስ 1:5, 16

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:8፣ 2:20 ናእሚ ብዙሕ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠማ: ኣብ ምሕረት ወይ ሳህሊ የሆዋ ዘለዋ ምትእምማን ግን ኣየጥፍአትን። ንሕናውን ብፍላይ ብፈተና ኽንሓልፍ ከለና: ተመሳሳሊ ኽንገብር ኣሎና።

1:9 ሓንቲ ቤት: ኣባላት ስድራቤት ዚበልዑላን ዚድቅሱላን ቦታ ጥራይ ክትከውን የብላን። የግዳስ: ዕረፍትን ምጽንናዕን ዚርከባ ሰላም ዝሰፈና ቦታ ኽትከውን ኣለዋ።

1:14-16 ዖርጳ “ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ” ኸደት። ሩት ግን ከምኡ ኣይገበረትን። ኣብ ዓዳ ዚርከብ ምጽንናዕን ምርግጋእን ሓዲጋ ንየሆዋ እምንቲ ዀነት። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ተኣማንነትን እንተ ኣማዕቢልና: ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ መንፈስ ድማ እንተ ኣሕዲርና: ብስስዐ ንኸይንጽሎን ‘ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ንኸይንምለስን’ ይሕግዘና።—እብራውያን 10:39

2:2 ሩት ነቲ ጓኖትን ሽጉራትን ኪቕርሙ እተገብረሎም ምድላው ተጠቐመትሉ። ስለዚ: ትሕትቲ እያ ነይራ። ሓደ እተሸገረ ክርስትያን ካብ ኵርዓት ተላዒሉ: ነቲ ክርስትያናት ብጾቱ ወይ መንግስቲ ዚህቦ ሓገዝ ምቕባል ኪኣቢ የብሉን።

2:7 ሩት ክትቀርም መሰል እኳ እንተ ነበራ: ነዚ ቕድሚ ምግባራ ግን ፍቓድ ሓተተት። (ዘሌዋውያን 19:9, 10) እዚ ኸኣ ምልክት ትሕትና እዩ ነይሩ። ‘ትሑታት ንምድሪ ስለ ዚወርስዋን ብብዝሒ ሰላም ደስ ኪብሎም ስለ ዝዀነን’ ‘ትሕትና ምስ እንደሊ’ ጥበባዊ እዩ።—መዝሙር 37:11፣ ጸፎንያስ 2:3

2:11 ሩት ንናእሚ ዘመዳ ጥራይ ዘይኰነትስ ናይ ሓቂ ፈታዊታ እያ ነይራ። (ምሳሌ 17:17) እቲ ምሕዝነተን ኣብ ከም ፍቕሪ: ተኣማንነት: ሓልዮት: ሕያውነት: ከምኡውን ጥቕሚ ርእሲ ኣብ ምስዋእ እተመስረተ ብምንባሩ ድልዱል እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ መንፈሳውነት: ማለት ንየሆዋ ንምግልጋልን ኣብ መንጎ ኣምለኽቱ ንምዃንን ኣብ ዘለወን ባህጊ እተመስረተ እዩ ነይሩ። ንሕናውን ምስ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ናይ ሓቂ ዕርክነት ንምምዕባል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና።

2:15-17 ቦኣዝ ንሩት ዕዮኣ ኸም ዚፈኵስ ምስ ገበረላ እውን “ካብቲ ግራት . . . ክሳዕ ምሸት ቀረመት።” ሩት ጻዕራም እያ ነይራ። ሓደ ክርስትያን እውን ትጉህ ሰራሕተኛ ኪኸውን ኣለዎ።

2:19-22 ናእሚን ሩትን ምሸት ምሸት ባህ ዜብል ዕላል የዕልላ ነበራ። እታ ብዕድመ ዝዓበየት ናእሚ ነታ ምንኣሳ ኽትገብሮ ዝወዓለት ትሓታ ነበረት: ክልቲአን ከኣ ሓሳባተንን ስምዒታተንን ከይሓብኣ ይገልጻ ነበራ። ኣብ ክርስትያናዊት ስድራቤትከ ኻብዚ እተፈልየ ኪኸውን ይግባእዶ፧

2:22, 23 ሩት ከም ዲና ጓል ያእቆብ ዘይኰነትስ: ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ እያ ኽትቀራረብ እትደሊ ነይራ። ንዓናውን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እያ ሓዲጋትልና!—ዘፍጥረት 34:1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 15:33

ናእሚ ‘መልአት’

(ሩት 3:1–4:22)

ናእሚ ኣሪጋ ብምንባራ ውሉድ ክትወልድ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለዚ ድማ ንሩት ኣብ ክንድኣ ኽትውረስ ወይ ንዘመድ ሰብኣያ ኽትምርዖ መምርሒ ሃበታ። ሩት መምርሒ ናእሚ ብምስዓብ: ንቦኣዝ ኪወርስ ሓተተቶ። ቦኣዝ ነዚ ንምፍጻም ድሉው ነበረ። ኰይኑ ግን: ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ዝቐረበ ዘመድ ነበረ።

ቦኣዝ ግዜ ኸየጥፍአ ነቲ ጕዳይ ኪፈትሖ ጀመረ። ንጽብሒቱ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘመድ ወሲዱ: ኪወርስ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ኣበየ። ስለዚ: ቦኣዝ ወራሲ ዀነ: ንሩት ድማ ተመርዓዋ። ንሳ ድማ እዮቤድ ዚበሃል ወዲ ወለደትሉ: ንሱ ኸኣ ኣባሓጎ ንጉስ ዳዊት እዩ። እተን ኣንስቲ ቤት-ልሄም ከኣ ንናእሚ “እግዚኣብሄር ይባረኽ። . . . እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ: እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ: ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪዀነኪ እዩ” በላኣ። (ሩት 4:14, 15) እታ ናብ ቤት-ልሄም ‘ጥራያ’ እተመልሰት ሰበይቲ እንደገና ‘መልአት።’—ሩት 1:21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:11—ሩት “ደጊ ሰበይቲ” እተባህለት ስለምንታይ እያ፧ “ናይ ስሩሕ ርእስን: ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን: ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር” ኣይነበረን ከም እትነኣድ ዝገበራ። የግዳስ: እቲ “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ:” ማለት ተኣማንነታ: ፍቕራ: ትሕትናኣ: ትግሃታ: ከምኡውን ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ ባህሪኣ እዩ። ዝዀነት ትኹን ከም ናይ ሩት ዓይነት ስም ኪህልዋ እትደሊ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ነዚ ባህርያት እዚ ኸተማዕብል ኣለዋ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4፣ ምሳሌ 31:28-31

3:14—ሩትን ቦኣዝን ቅድሚ ምውጋሑ ዝነቕሑ ስለምንታይ እዮም፧ በታ ለይቲ እቲኣ ርኽሰት ፈጺሞም ኪሓብእዎ ስለ ዝደለዩ ኣይኰነን። ሩት በታ ለይቲ እቲኣ ዝገበረቶ ነገር ሓው ሰብኣያ ንኺወርሳ እትደሊ ሰበይቲ ብልምዲ እትገብሮ ነገር እዩ ነይሩ። ነቲ ናእሚ ዝሃበታ መምርሒ እያ ስዒባ። ኣብ ልዕሊ እዚውን ቦኣዝ ዝሃባ መልሲ ነቲ ሩት ዝገበረቶ ነገር ጌጋ ኸም ዘይኰነ ብንጹር የመልክት እዩ። (ሩት 3:2-13) ሩትን ቦኣዝን ኣንጊሆም ዝተንስኡ እምበኣር ንዋላ ሓደ ሰብ መሰረት ዘይብሉ ወረ ኼውሪ መገዲ ኸይከፍቱሉ ኢሎም እዮም ዝዀኑ።

3:15—ቦኣዝ ንሩት ሽዱሽተ መስፈር ስገም ምስፋሩ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ፧ እዚ ተግባር እዚ ኸምቲ ሽዱሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምዕያይ ዕረፍቲ ዚህሉ: ሩት እተዕርፈሉ እዋን ከም ዝቐረበ ንምምልካት ኪኸውን ይኽእል። ቦኣዝ ኣብ ቤት ሰብኣያ “ዕረፍቲ” ኸም እትረክብ ኪገብር እዩ። (ሩት 1:9፣ 3:1) ምናልባትውን ሩት ኣብ ርእሳ ኽትጾሮ እትኽእል መጠን ሽዱሽተ መስፈር ስገም ጥራይ ኪኸውን ይኽእል።

3:16—ብመሰረት በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ናእሚ ንሩት “መን ኢኺ ጓለይ፧” ዝበለታ ስለምንታይ እያ፧ ንሰበይቲ ወዳ ስለ ዘየለለየታ ድያ፧ ሩት ናብ ናእሚ ኽትምለስ ከላ ገና ዘይበርሀ ስለ ዝነበረ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ምናልባትውን ናእሚ ንሩት ምስቲ ውርሲ ብምትሕሓዝ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መንነታ ትሓታ ነይራ ትኸውን።

4:6—ሓደ ወራሲ ብምብጃዉ ርስቱ ‘ኼበላሹ’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም: ሓደ ዝደኸየ ሰብ ርስቱ እንተደኣ ሸይጡ: እቲ ዚብጀዎ ዘመዱ በቲ ኽሳዕ እታ ዓመት እልልታ ዘሎ ግዜ ተጸብጺቡ ዚሽነን ዋጋ ንምኽፋል ገንዘብ ኬውጽእ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 25:25-27) ከምዚ ምግባሩ ንዋጋ ርስቱ የሕስረሉ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡውን ሩት ወዲ እንተ ወሊዳ: እቲ ወዲ እቲ ደኣ እምበር ቀረባ ቤተሰብ እቲ ተበጃዊ ኣይኰነን ነቲ እተዓደገ መሬት ዚወርሶ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:12፣ 4:1-6 ቦኣዝ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ተጠንቂቑ ሰዓበ። ንሕናኸ ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ተጠንቂቕና ንስዕብ ዲና፧—1 ቈረንቶስ 14:40

3:18 ናእሚ ኣብ ቦኣዝ ምትእምማን ነበራ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ምትእምማን ከነሕድርዶ ኣይግባእን፧ ሩት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ ዘይተገልጸ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ወራሲ ብምዃኑ ኺምርዓዋ ፍቓደኛ ነበረት። (ሩት 4:1) ስለምንታይ፧ ኣብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው እምንቶ ስለ ዝነበራ እዩ። ንሕናኸ ተመሳሳሊ እምንቶ ኣሎናዶ፧ ንኣብነት: ክንምርዖ ኽንደሊ ኸለና: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ንኽንምርዖ እተወሃበና ምኽሪ ንስዕብ ዲና፧—1 ቈረንቶስ 7:39

4:13-16 ሩት ሞኣባዊትን ኣቐዲማ ኣምላኺት እቲ ከሞሽ ዚበሃል ኣምላኽን እኳ እንተ ነበረት: ብሓቂ ፍሉይ ዓስቢ እያ ረኺባ። እዚ ኸኣ ነቲ “ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር: ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት እዩ ዜርኢ።—ሮሜ 9:16

‘ብግዜኡ ኣምላኽ ልዕል ኬብለኩም እዩ’

መጽሓፍ ሩት: የሆዋ ኣምላኽ ሳህሊ ዚገብር: ማለት ንእሙናት ኣገልገልቱ ዚድግፍ ኣምላኽ ምዃኑ እያ እትገልጽ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ሩት ብኸመይ ከም እተባረኸት ከነስተንትነሉ ኸለና: ኣምላኽ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ምሉእ ብምሉእ ብምእማን ኣብ ኣምላኽ ምውካል እንታይ ረብሓ ኸም ዘለዎ ንርኢ።—እብራውያን 11:6

ሩትን ናእሚን ቦኣዝን ኣብቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ምሉእ ትውክልቲ ገበሩ: ጽቡቕ ፍረ ድማ ዓጸዱ። ብተመሳሳሊውን: “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ: ከም ምኽሩውን እተጸውዑ . . . ኵሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም: ንፈልጥ ኢና።” (ሮሜ 8:28) እምበኣር: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ልብና ነሕድሮ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ እስሊ]

ሩት ንናእሚ ዘይሓደገታ ስለምንታይ ምዃና ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ እስሊ]

ሩት “ደጊ ሰበይቲ” እተባህለት ስለምንታይ እያ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ እስሊ]

ሩት ካብ የሆዋ እንታይ “ዓስቢ” እያ ተቐቢላ፧