ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ጠባይ ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር ይስልሞ’

ጽቡቕ ጠባይ ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር ይስልሞ’

ጽቡቕ ጠባይ ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር ይስልሞ’

ኣብ ክራኖያርስክ: ሩስያ: እትነብር ማሪያ እትበሃል መንእሰይ ጽቡቕ ናይ ምዝማር ክእለት ስለ ዘለዋ: መምህራ ኣባል ዘመርቲ ኸም እትኸውን ገበረታ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ማሪያ ኽትዝምር ከም ዘይትደሊ ንመምህራ ብትሕትና ኣረድኣታ። ስለምንታይ እያ ግን ዝኣበየት፧ ሃይማኖታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ መዝሙር ምዝማር ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታ ስለ ዝጋጮ እዩ። እታ መምህር ‘ንኣምላኽ ምውዳስዶ ጌጋ እዩ፧’ ብምባል ተገረመት።

ማሪያ ስለምንታይ ብዛዕባ ስላሴ ኸም ዘይትዝምር ንኸተረድኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግንጻል ኣምላኽን ክርስቶስን ሓደ ኣምላኽ ዘይምዃኖም: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ምዃኑ ኣርኣየታ። (ማቴዎስ 26:39፣ ዮሃንስ 14:28፣ ግብሪ ሃዋሪያት 4:31) ኣስዕብ ኣቢላውን “ምስታ መምህረይ ዝነበረኒ ርክብ ኣይተበላሸወን። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ድማ ኣብ ቤት ትምህርትና መንነትና ኸይንሓብእ ዜተባብዑና ንፉዓት መምህራን ኣለውና” በለት።

ኣብ ምልእቲ እታ ዓመት ድማ ማሪያ ኻብ መምህራናን ካብ መማህርታን ዓብዪ ኣኽብሮት ረኸበት። “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ህይወተይ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ ስለ እቲ ዘርኣኽዎ ቕንዕናን ስነ-ስርዓትን ተሸለምኩ: ወለደይ ከኣ ንጓሎም ብግቡእ ብምዕባዮም ወግዓዊ ናይ ምስጋና ደብዳበ ተቐበሉ” በለት።

ማሪያ ብ18 ነሓሰ 2001 እያ ተጠሚቓ። “ኣገልጋሊት እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ የሆዋ ኣምላኽ ምዃነይ የሐጉሰኒ እዩ” ድማ በለት። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ኣብ ቲቶስ 2:10 ዚርከብ “ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ: . . . ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ ምዐዶም” ዚብል ጥቕሲ ተሰማሚዖም ይነብሩ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ እስሊ]

ማሪያ ድሕሪ ጥምቀታ ምስ ወለዳ እተሳእለቶ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ እስሊ]

ናይ ምስጋና ደብዳበን ናይ ናእዳ ወረቐት ምስክርን