ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ “ፒም” ታሪኻዊ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጋገጸ

ሓደ “ፒም” ታሪኻዊ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጋገጸ

ሓደ “ፒም” ታሪኻዊ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጋገጸ

እታ “ፒም” እትብል ቃል ሓንሳእ ጥራይ እያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ። ብዘመን ንጉስ ሳኦል እስራኤላውያን መሳርሒታቶም ንምትባዕ ናብ ፍልስጥኤማውያን ሓጐድቲ ይኸዱ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስኤታትን ማሕጼታትን ምስ ጐደመ: ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ [“ዋጋኡ ሓደ ፒም ነበረ:” NW]” ይብል።—1 ሳሙኤል 13:21

ፒም እንታይ እዩ፧ ፒም ዚበሃል ክብደት ንምልካዕ ዜገልግል እምኒ ኻብ ጥንታዊት ከተማ ጌዛር ተዃዒቱ ኽሳዕ ዚወጸሉ 1907 ከ.ኣ.ዘ. መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስጢር እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ዝነበሩ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ፒም” እትብል ቃል ምትርጓም ይጨንቆም ነበረ። ንኣብነት: ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ን1 ሳሙኤል 13:21 “ንመባሮን ማሕረሻን መስአን ማሕጸን ሓንካሾን ንምብላሕ መብረድ ነበሮም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምሁራት እቲ ፒም ዚበሃል መለክዒ 7.82 ግራም: ወይ ብገምጋም ክልተ ሲሶ ሲቃል ኣቢሉ ዚኸውን ናይ እብራውያን መለክዒ ኽብደት ምንባሩ ይፈልጡ እዮም። እስራኤላውያን መሳርሒታቶም ንምትባዕ ሓደ ፒም ዚምዘን ብሩር እዮም ንፍልስጥኤማውያን ዚኸፍሉ ነይሮም። ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. መንግስቲ ይሁዳ ምስ ርእሰ ኸተማኣ የሩሳሌም ምስ ወደቐት: ብሲቃል ምጥቃም ተረፈ። እሞ ደኣ እቲ ፒም ዚበሃል መለክዒ ንታሪኻዊ ሓቅነት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብኸመይ እዩ ዜረጋግጽ፧

ገሊኦም ምሁራት: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: እንተላይ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል: ብዘመን ስልጣነ ግሪኽን ሮማን እተጻሕፈ እዩ ይብሉ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ካብ ካልኣይ ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ እዋን ከም እተጻሕፈ ገይሮም ይዛረቡ። “ስለዚ ድማ ‘ታሪኻዊ ሓቅነት የብሉን:’ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዘመናውያን ኣይሁድን ክርስትያናት ጸሓፍትን ዝመሃዝዎ ደኣ እምበር: ብዛዕባ እታ ‘ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት’ ወይ ብዛዕባ እታ ‘ጥንታዊት እስራኤል’ ዚረብሕ ታሪኽ የብሉን” ይብሉ።

ይኹን እምበር: ዊልያም ጂ. ደቨር ዚበሃል ኣብ ቀረባ ምብራቕ ብዛዕባ ስነ-ጥንትን ስነ-ሰብን ማለት ብዛዕባ መበቈል ወድሰብ ዜጽንዕ ፕሮፌሰር: ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 13:21 እተጠቕሰ ፒም ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “እዚ መለክዒ ሚዛን እዚ በቶም ካብ ዚጠፍእን ካብ ዚርሳዕን እተወሰነ ዘመናት ጸኒሖም ስልጣነ ግሪኽን ሮማን ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ጸሓፍቲ ‘እተማህዘ’ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እኳ ደኣስ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽሑፍ እዚ . . . ፒም ዚብል ብእብራይስጢ እተጻሕፈሉ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ንፈለማ ግዜ ኽሳዕ እተረኽበሉ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዓ.ም. እተረድኦ ሰብ ኣይነበረን።” እዚ ፕሮፌሰር እዚ ኣስዕብ ኣቢሉ “እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታታት ብዘመን ግሪኽን ሮማን እተጻሕፈ ‘ስነ-ጽሑፋዊ ምህዞታት’ እንተ ዚኸውን ነይሩ: እዚ ዛንታ እዚ ኸመይ ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ተረኺቡ፧ ምናልባት እቲ ንፒም ዚምልከት ነገራት ‘ሓደ ዝርዝር ነጥቢ’ ጥራይ እዩ ኢሎም ዜናሽዉ ሰባት ይርከቡ ይዀኑ። እዚ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣጸቢቕካ ኸም ዚፍለጥ ግን ‘ታሪኽ ብዝርዝር ነገራት ዝቘመ እዩ’” በለ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ እስሊ]

ሓደ ፒም ክልተ ሲሶ ሲቃል ኣቢሉ ይኸውን