ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!

ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!

ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!

እቶም ሕነኦም ኪፈድዩ ሃንቀው ኢሎም ዝነበሩ ማረኽቱ ዓይኑ ጐጥጐጥዎ: ከቢድ ዕዮ ድማ ኬዕይይዎ ጀመሩ። ድሕሪኡ ኻብቲ እተኣስረሉ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም: ንህዝቢ መስሓቕ ምእንቲ ኪኸውን ናብቲ ናይ ኣረማውያን ቤተ መቕደስ ወሰድዎ። ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተዓዘብቲ ደው ኣበልዎ: ኣላገጹሉውን። እዚ እሱር እዚ ገበነኛ ወይ ኣዛዚ ሰራዊት ጸላኢ ኣይኰነን። የግዳስ: ንየሆዋ ዜምልኽን ኣብ እስራኤል ን20 ዓመት ዝፈረደን እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ብኣካላዊ ብርታዐኡ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ሲምሶን: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውርደት ዝወደቐ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ፍሉይ ሓይሉ ኻብዚ የድሕኖ ደዀን ይኸውን፧ ሲምሶን ሓያል ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ካብ ታሪኽ ህይወቱኸ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

‘ንእስራኤል ምድሓኖም ኪጅምር እዩ’

ደቂ እስራኤል ብዙሕ ሳዕ ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የላግሱ ነበሩ። “መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ: እግዚኣብሄር ከኣ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም።”—መሳፍንቲ 13:1

ታሪኽ ሲምሶን ካብቲ መልኣኽ የሆዋ ንሓንቲ መኻን ዝነበረት ሰበይቱ ንሓደ ማኖኣ ዚበሃል እስራኤላዊ ምስ ተራእያ እዩ ዚጅምር። ወዲ ኸም እትወልድ ድማ ነገራ። “እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ: ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ” ድማ በላ። (መሳፍንቲ 13:2-5) ሲምሶን ገና ኸይተጠንሰ ኸሎ: እንታይ ዕማም ኪፍጸም ምዃኑ የሆዋ ወሲንዎ ነበረ። ካብታ እተወልደላ ግዜ ኣትሒዙ: ናዝራዊ ማለት ንፍሉይ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት እተፈልየ እዩ ነይሩ።

“ብሂገያ እየ”

ሲምሶን ዓበየ: “እግዚኣብሄርውን ባረኾ።” (መሳፍንቲ 13:24) ሓደ መዓልቲ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን ከይዱ “ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ርእየ አሎኹ እሞ: ሕጂ ንእኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም። (መሳፍንቲ 14:2) ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበዱ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ወዶም ንእስራኤል ካብ ኢድ እቶም ጨቈንቲ ኣብ ክንዲ ዜድሕን: ምሳታቶም ኪተኣታቶ ደለየ። ካብቶም ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ዜምልኹ ህዝቢ ሰበይቲ ምውሳድ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:11-16) ስለዚ: እቶም ወለዱ “ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ: ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን፧” በልዎ። ሲምሶን ግን ነቦኡ “ብሂገያ እየ እሞ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይ” በሎ።—መሳፍንቲ 14:3

እዛ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ እዚኣ ብሲምሶን ‘እትበሃግ’ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለዉዎ ሳይክሎፔድያ “ምልክዕቲ: ውቅብቲ: ማራኺት” ስለ ዝዀነት ዘይኰነስ: “ዕላማኡ: ሸቶኡ: ወይ መደቡ ንምፍጻም እትበሃግ” ስለ ዝዀነት እዩ። እንታይ ዕላማኸ እዩ ነይርዎ፧ መሳፍንቲ 14:4 ሲምሶን “ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ” ምንባሩ ትገልጸልና። ነታ ሰበይቲ እቲኣ ዝደለያ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ። ሲምሶን ምስ ዓበየ: “መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ” ወይ ስጕምቲ ንኺወስድ ኬለዓዕሎ ጀመረ። (መሳፍንቲ 13:25) ስለዚ: ሰበይቲ ኣምጽኡለይ ኢሉ ዘይተለምደ ሕቶ ኣብ ዝሓተተሉን ኣብ እስራኤል ፈራዲ ዀይኑ ኣብ ዘሕለፈሉን እዋን ብመንፈስ የሆዋ እዩ ዚድረኽ ነይሩ። እሞኸ ነቲ ዝደልዮ ኣጋጣሚ ረኺቡዶ፧ ፈለማ የሆዋ ይድግፎ ምህላዉ ብኸመይ ከም ዘረጋገጸሉ እስከ ንርአ።

ሲምሶን ናብታ እታ ኺምርዓዋ ዝደለየ ጓል እትነብረላ ቲምናታ እትበሃል ከተማ ይኸይድ ነበረ። ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ “ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ: እንሆ: ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ወረዶ: ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ: ንማሕስእ ከም ዚሰላልዖ ሰላልዖ” ብምባል ይትርኽ። እዚ ሓይሉ እተራእየሉ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ሲምሶን ንበይኑ ኸሎ እዩ ኣጋጢሙ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይረኣዮን። እዝስ ሲምሶን ከም ናዝራዊ መጠን ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ከም ዚፍጸም የሆዋ ዜረጋግጸሉ መገዲ ድዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘይገልጸልና እኳ እንተዀነ: ሲምሶን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ሓይሊ ናቱ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ኸም ዝዀነ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዚፍጽሞ ዕማም ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኺውከል ይኽእል እዩ። በቲ ነቲ ኣንበሳ ዝገበሮ ነገር ብምትብባዕ: “ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ: ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ።”—መሳፍንቲ 14:5-7

ጸኒሑ ሲምሶን ነታ ሰበይቲ ናብ ቤቱ ኺወስዳ ተመልሰ: “ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ: ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ: ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።” ካብዚ ተበጊሱ ድማ ነቶም ምስኡ ኪዀኑ እተዋህብዎ 30 ፍልስጥኤማውያን ኣዕሩኽ “ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ። ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ” ብምባል ሕንቅሕንቂሊቶይ ሓተቶም። ትርጕም እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ እንተ ፈሊጦምዎ: ሲምሶን 30 ቐምሽን 30 ለውጢ ኽዳንን ኪህቦም ተሰማምዐ። እንተ ዘይፈሊጦምዎ ግን ንሳቶም ነዚ ኽዳውንቲ እዚ ኺህብዎ ነበሮም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ ኺነግርዎ ኣይከኣሉን። ኣብታ “ራብዐይቲ መዓልቲ” (ትርጕም 1990) ነታ ሰበይቱ “ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኪነግረና: ሓባብልዮ: እንተ ዘይኰነስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና” ኢሎም ኬፈራርህዋ ጀመሩ። ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ጨካናት ዝነበሩ! ፍልስጥኤማውያን ንህዝቦም እኳ ኸይተረፈ በዚ ኸምዚ ዜፈራርሁ እንተ ነይሮም: ነቶም ጭቍናት እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ የሸግርዎም ምንባሮም እሞ ሕስብ ኣብሎ!—መሳፍንቲ 14:8-15

እታ ሰበይቲ ድማ ፈሪሃ ንሲምሶን ነቲ መልሲ ኺነግራ ጸቕጢ ገበረትሉ። ንሰብኣያ ፍቕርን ተኣማንነትን ይጐድላ ብምንባሩ: ብኡንብኡ ነቶም ኣዕሩኹ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ነቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ መለሱሉ: ሲምሶን ግን ብኸመይ ከም ዝመለሱሉ ፈለጠ። “ብኣርሔይ እንተ ዘይትሐርሱስ: ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም። ድሕርዚ እቲ ሲምሶን ኪደልዮ ዝጸንሐ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። “መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ መጾ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ: ካብኦም ከኣ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ: ንኣታቶም ገፊፉ ድማ: ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦም።”—መሳፍንቲ 14:18, 19

ሲምሶን ኣብ ኣስቃሎን ዝገበሮ ተግባር ሕነ ንምፍዳይ ካብ ዘለዎ ባህጊ ተለዓዒሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣምላኽ በቲ ዝመረጾ መድሓኒ ኣቢሉ እዩ ስጕምቲ ዚወስድ ነይሩ። የሆዋ ብሲምሶን ኣቢሉ ምስቶም ጨካናት ጨቈንቲ ህዝቡ ቓልሲ ኸም ዚለዓል እዩ ገይሩ። እዚ ወፈራ እዚ ኸኣ ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ቀጺሉ ሲምሶን ንሰበይቱ ኺበጽሓ ምስ ከደ: ካልእ ኣጋጣሚ ተኸፍተ።

ንበይኑ ተዋግኦም

ሲምሶን ናብ ቲምናታ ምስ ተመልሰ: ኣቦ ሰበይቱ ሲምሶን ዝጸልኣ መሲልዎስ ነታ ሰበይቱ ንኻልእ ሰብኣይ ከም ዝሃባ ፈለጠ። ሲምሶን እተቐየመ መሰለ። ሰለስተ ሚእቲ ወኻርያ ሒዙ: ጭራ ምስ ጭራ ኣቈራንዩ ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። ነተን ወኻሩ ምስ ፈነወን: እቲ ግራውትን ኣትክልቲ ወይንን ኣትክልቲ ኣውልዕን ነደደ። እዚ ሰለስተ እተፈላለየ ምህርቲ እዚ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ንዓመቶም ዜድልዮም ቀንዲ ምግቢ እዩ ነይሩ። እቶም እተቘጥዑ ፍልስጥኤማውያን ብጭካነ ስጕምቲ ወሰዱ። ንሰበይቲ ሲምሶንን ነቦኣን ተሓተትቲ ገበርዎም: ብሓዊ ድማ ኣንደድዎም። እዚ ብባርባራዊ መገዲ ዝፈጸምዎ ሕነ ምፍዳይ ንዕላማ ሲምሶን ዚጠቅም ነበረ። ንሱውን ብግዴኡ ወቒዑ ወድኦም።—መሳፍንቲ 15:1-8

እስራኤላውያን: የሆዋ ኣምላኽ ንሲምሶን ይባርኾ ኸም ዘሎ ተገንዚቦምዶ፧ ንግዝኣት ፍልስጥኤማውያን ከም ዜብቅዕ ንምግባርከ ምስኡ ሓቢሮምዶ፧ ኣይፋሎምን። ሰብ ይሁዳ ኻብ ሽግር ምእንቲ ኼምልጡ ኢሎም: 3,000 ዝዀኑ ሰብኡት ነቲ ብኣምላኽ እተመርጸ መራሒ ኣሲሮም ናብ ጸላእቱ ንኼሕልፍዎ ኸዱ። እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጥልመት ግን ንሲምሶን ኣብ ጸላእቱ ተወሳኺ ጕድኣት ንኼውርድ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ዚኣትወሉ ግዜ ምስ ቀረበ: “መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ: እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳው መኸኸ።” ብምንጋጋ ኣድጊ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።—መሳፍንቲ 15:10-15

ሲምሶን ቀጺሉ “እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ: ሕጂ ኸኣ ብጽምኢ ኽመውት: ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። የሆዋ ጸሎት ሲምሶን ሰምዖ: መልሲ ድማ ሃቦ። “ኣምላኽ ነታ . . . ገንኦ ሰንጠቓ: ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ: ሐወየ ኸኣ።”—መሳፍንቲ 15:18, 19

ሲምሶን ምስ ፍልስጥኤማውያን ንምቅላስ ዝነበሮ ዕላማ ንምፍጻም ቈሪጹ እዩ ተላዒሉ። ኣብ ጋዛ ኣብ ቤት ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዝሓደረ: ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ንኺቃለስ ኢሉ እዩ። ሲምሶን ኣብ ጸላእቲ ዚነብሩላ ኸተማ ኺሓድር ደለየ: ኣብ ቤት ኣመንዝራ ኸኣ እዩ መሕደሪ ዝረኸበ። ናብኣ ዝኣተወ ርኹስ ተግባር ኪፍጸም ደልዩ ኣይኰነን። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ: ካብ ቤት እታ ሰበይቲ ወጺኡ: መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱ መንቈሶ: ናብቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዚርከብ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ከረን ድማ ኣደየቦ። እዚ ብሓይልን ስምረትን ኣምላኽ እዩ ገይርዎ።—መሳፍንቲ 16:1-3

ኣብቲ ግዜ እቲ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ብምንባሩ: እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሲምሶን ዝዓየየሉ መገዲ እውን ፍልይ ዝበለ እዩ። ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ መንፈስ እቲ ሓይሊ ኸም ዚህቦም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ንሰዓብቱ: የሆዋ ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱሱ’ ኸም ዚህቦም ኣረጋገጸሎም።—ሉቃስ 11:13

የሆዋ ‘ንሲምሶን ዝሓደጎ’ ስለምንታይ እዩ፧

ድሕርዚ ሲምሶን: ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ኣፍቀረ። እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንሲምሶን ኪስዕርዎ ስለ ዝደለዩ: ናብ ደሊላ ኸይዶም “ኣሲርና ኽንመልኮስ ከመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ: እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዪ ሐባብልዮ” በልዋ። ነፍሲ ወከፍ እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ድማ “ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር” ኪህብዋ ቓል ኣተዉላ።—መሳፍንቲ 16:4, 5

እቲ ዘቕረቡላ 5,500 ሲቃል ብሩር ብዙሕ ጉቦ እዩ ነይሩ። ኣብርሃም ብ400 ሲቃል ብሩር እዩ ንሰበይቱ መቕበሪ ቦታ ዝዓደገ: ሓደ ባርያ ድማ ብ30 ሲቃል ብሩር ጥራይ እዩ ዚሽየጥ ነይሩ። (ዘፍጥረት 23:14-20፣ ዘጸኣት 21:32) እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤም: ንደሊላ ብዓሌታ ተለዓዒላ ኸተገልግሎም ዘይኰነስ: ብስስዐ ኸም እትድረኽ ምግባሮም: ምናልባት እስራኤላዊት ሰበይቲ ኽትከውን ከም እትኽእል ዚሕብር እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ደሊላ ነቲ ዝቐረበላ ኣጋጣሚ ተጠቕመትሉ።

ሲምሶን ንሕቶኣ ሰለስተ ሳዕ ዜጋጊ መልሲ ሃባ: ሰለስተ ሳዕ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣሕሊፋ ኽትህቦ ብምፍታን ከድዓቶ። እንተዀነ ግን: “ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን: ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።” ኣብ መወዳእታኡ እቲ ሓቂ ነገራ: ጸጕሩ ተላጽዩ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እንተ ተላጽዩ: ይደክም: ከም ካልእ ሰብውን ይኸውን።—መሳፍንቲ 16:6-17

እዚ ንሲምሶን መውደቒኡ ዀነ። ደሊላ ጸጕሪ ርእሱ እትላጽየሉ ኣጋጣሚ ፈጠረት። ሓይሊ ሲምሶን ግን ቃል ብቓሉ ኣብ ጸጕሩ ኣይነበረን። ጸጕሩ ነቲ ኸም ናዝራዊ መጠን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ዚውክል ጥራይ እዩ ነይሩ። ሲምሶን ባዕሉ ብሰንኪ ምልጻይ ጸጕሩ ንናዝራውነቱ ኺትንክፍ ኣብ ዚኽእል ኵነታት ምስ ኣተወ: የሆዋ ‘ሓደጎ።’ ድሕርዚ ፍልስጥኤማውያን ንሲምሶን መለኽዎ: ኣዒንቱ ኣዖርዎ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣእተዉዎ።—መሳፍንቲ 16:18-21

እዝስ ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ ዚዀነና! ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ሓደ ኣዝዩ ኽቡር ነገር ጌርና ኽንርእዮዶ ኣይግባእን፧ ክርስትያናዊ ወፈያና ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣብ ሕቶ እንተደኣ ኣእቲናዮ: ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኣምላኽ ኪባርኸና ኽንጽበ እንኽእል፧

“ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት”

ፍልስጥኤማውያን ንሲምሶን ኪስዕርዎ ብምኽኣሎም: ካብ ክቱር ታሕጓስ ንዳጎን ኣምላኾም ኣመስገኑ። ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዓወት ዝገበርዎ በዓል: ነቲ ምሩኾም ናብ ቤተ መቕደስ ዳጎን ኣእተዉዎ። ሲምሶን ግን እዚ ውድቀት እዚ ዘጋጠሞ ስለምንታይ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝሓደጎ ተገንዚቡ ነበረ: ብጕድለቱ ድማ ተነስሐ። ሲምሶን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ጸጕሪ ርእሱ ኺበቍል ጀመረ። ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሽሓት ፍልስጥኤማውያን ምስ ኰነኸ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧

“ዎ እግዚኣብሄር: ዎ ጐይታ: በጃኻ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ: ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ: በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ” ኢሉ ጸለየ። ድሕሪኡ ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል ሓዞ: “ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ: እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።”—መሳፍንቲ 16:22-30

ብኣካላዊ ብርታዐ ዝመጸ: ንሲምሶን ዚወዳደር ኣይነበረን። እቲ ዝገበሮ ተግባራት ዚርሳዕ ኣይኰነን። ልዕሊ ዅሉ ግን: ቃል የሆዋ ምስቶም ድልድልቲ እምነት ዝነበረቶም ሰባት እዩ ዚቖጽሮ።—እብራውያን 11:32-34

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ እስሊ]

ሲምሶን ሓይሉ ዝረኸቦ ኻበይ እዩ፧