ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም”

“ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም”

“ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም”

“ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ: . . . ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።”1 ቈረንቶስ 6:20

1, 2. (ሀ) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ እስራኤላውያን ባሮት ብኸመይ እዮም ዚተሓዙ ዝነበሩ፧ (ለ) እቲ ንጐይታኡ ዚፈቱ ባርያ እንታይ ምርጫ እዩ ዝነበሮ፧

 ሆልማን ኢላስተሬትድ ባይብል ዲክሸነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት “ኣብ ጥንታዊት ዓለም ባርነት ልሙድን ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎን ነበረ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢላውን “ቍጠባ ግብጽን ግሪኽን ሮምን ኣብ ባሮት እተመስርተ እዩ ነይሩ። ኣብ ቀዳማይ ክርስትያናዊ ዘመን: ኣብ ኢጣልያ ሓደ ኻብ ሰለስተ: ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ሓደ ኻብ ሓሙሽተ ባርያ እዩ ነይሩ” ይብል።

2 ባርነት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እኳ እንተ ነበረ: ሕጊ ሙሴ ንእብራውያን ባሮት ዕቝባ ይገብር ነበረ። ንኣብነት: ብመሰረት እቲ ሕጊ ሓደ እስራኤላዊ ባርያ ዀይኑ ኻብ ሽዱሽተ ዓመት ንላዕሊ ኸም ዘይግዛእ ይእዝዝ ነበረ። ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ‘ብኸምኡ ሓራ ኺወጽእ’ ነበሮ። ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ባሮት ዚገልጽ ሕጊ ሙሴ ፍትሓውን ርሕራሐ ዚንጸባረቐሉን ብምንባሩ ነዚ ዚስዕብ ምድላው ገይሩሎም ነይሩ:- “እቲ ባርያ ግና፤ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ አሎኹ: ሓራ ኣይወጽእን: እንተ በለ: ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ: ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ: እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ: ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።”—ዘጸኣት 21:2-6፣ ዘሌዋውያን 25:42, 43፣ ዘዳግም 15:12-18

3. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ባርነት እዮም ብፍታው እተቐበሉ፧ (ለ) ንኣምላኽ ንኸነገልግሎ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

3 ብፍታው ባርያ ዄንካ ምግልጋል: ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ባሮት ዚዀኑሉ ምድላው ጽላሎት ዚኸውን እዩ። ንኣብነት: ከም እኒ ጳውሎስ: ያእቆብ: ጴጥሮስ: ይሁዳ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገዛእ ርእሶም ባሮት ኣምላኽን ክርስቶስን ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ገሊጾምዋ። (ቲቶስ 1:1፣ ያእቆብ 1:1፣ 2 ጴጥሮስ 1:1፣ ይሁዳ 1) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኬገልግሉ: ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከም እተመለሱ’ ኣዘኻኺርዎም ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 1:9) ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብፍታው ባሮት ኣምላኽ ኪዀኑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ሓደ እስራኤላዊ ባርያ ሓርነቱ ሓዲጉ ባርያ ኪኸውን ዚድርኾ እንታይ ድዩ ነይሩ፧ ንጐይታኡ ዘለዎ ፍቕሪዶ ኸይኰነ፧ ክርስትያናዊ ባርነት እውን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ምስ እንፈልጦን እነፍቅሮን: ‘ብዅሉ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን’ ንኸነገልግሎ ኢና እንድረኽ። (ዘዳግም 10:12, 13) ባርያ ኣምላኽን ክርስቶስን ምዃን ግን እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ እዚ ንመዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ይትንክፎ፧

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”

4. ባሮት ኣምላኽን ክርስቶስን እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

4 ባርያ ኺበሃል ከሎ “ብኻልእ ወይ ብኻልኦት ዚውነንን ምሉእ ብምሉእ ምእዙዝ ኪኸውን ዘለዎን ሰብ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ክንጥመቕን ከለና: የሆዋ እዩ ዋናና ዚኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም . . . ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ብምባል ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 6:19, 20) እቲ እተዓደግናሉ ዋጋ: የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶም ብዘየገድስ: ኣምላኽ በዚ መሰረት እዚ ኸም ኣገልገልቱ ገይሩ ተቐቢሉና እዩ። (ኤፌሶን 1:7፣ 2:13፣ ራእይ 5:9) እምበኣር: ካብ እተጠመቕናሉ እዋን ኣትሒዝና “ናይ ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ኢና።” (ሮሜ 14:8) በቲ ኽቡር ደም የሱስ ክርስቶስ ስለ እተዓደግና: ባሮት ክርስቶስ እውን ኢና: ትእዛዛቱ ኽንሕሉ ድማ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 1:18, 19

5. ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ብቐዳምነት እንታይ ግዴታ እዩ ዘሎና: ነዚኸ ብኸመይ ክንፍጽሞ ንኽእል፧

5 ባሮት ንጐይታኦም ኪእዘዙ ኣለዎም። ንሕና ብፍታው ኢና ባሮት ኴንና: ከምዚ ዝገበርና ድማ በቲ ንጐይታና ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ኢና። ቀዳማይ ዮሃንስ 5:3 “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ትብለና። እምበኣር: ንዓና ተኣዛዝነት ኪበሃል ከሎ: ፍቕርናን ተገዛእነትናን እነርእየሉ መርትዖ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት እዩ ዚንጸባረቕ። ጳውሎስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና: ዋላውን ኣብ ንኣሽቱ መዳያት እንተዀነ: ንየሆዋ ኸም ‘እነገልግል’ ከነርኢ ንደሊ ኢና።—ሮሜ 12:11

6. ባሮት ኣምላኽ ምዃን ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ውሳነ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ብኣብነት ጌርካ ግለጽ።

6 ንኣብነት: ውሳነ ኽንገብር ከለና: ተጠንቂቕና ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጐይታና የሆዋ ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። (ሚልክያስ 1:6) ከቢድ ውሳነታት ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት ይፍትኖ ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥመና ኸሎ እቲ “ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን” ልብና ዚብሎ ኣብ ክንዲ እንሰምዕ: ምኽሪ ኣምላኽ ንስዕብ ዲና፧ (ኤርምያስ 17:9) መሊሳ እትበሃል ዘይተመርዓወት ክርስትያን ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ከይገበረት ከላ: ሓደ መንእሰይ ኪቀራረባ ጀመረ። ጥዑይ ሰብ እዩ ዚመስል ነይሩ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነበረ። ይኹን እምበር: ሓደ ሽማግለ ንመሊሳ ነቲ የሆዋ ነዚ ኣመልኪቱ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክንምርዖ ዝሃበና ትእዛዝ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ሓበራ። (1 ቈረንቶስ 7:39፣ 2 ቈረንቶስ 6:14) መሊሳ “ነቲ ማዕዳ እቲ ምስዓብ ከቢዱኒ ነይሩ” ብምባል ትእመን። “እንተዀነ ግን: ፍቓዱ ንምግባር ርእሰይ ንኣምላኽ ስለ ዝወፈኹ: ነቲ ንጹር መምርሒታቱ ኽሕሉ ወሰንኩ” በለት። ብዛዕባ እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ነገራት ክትገልጽ ከላ “ነቲ ማዕዳ እቲ ብምስዓበይ ብዙሕ እየ ዝሕጐስ። እቲ መንእሰይ እቲ ነዊሕ ከይጸንሐ መጽናዕቲ ምግባር ኣቋረጸ። ምስኡ ዝነበረኒ ርክብ እንተ ዝቕጽሎ ነይረ: ሕጂ ዘይኣማኒ ተመርዕየ ምሃለኹ” በለት።

7, 8. (ሀ) ንሰባት ከነሐጕስ ኢልና ብዙሕ ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንሰብ ምፍራህ ብኸመይ ኪስገር ከም ዚከኣል ብመብርሂ ጌርካ ግለጽ።

7 ባሮት ኣምላኽ ስለ ዝዀንና: ባሮት ሰብ ክንከውን የብልናን። (1 ቈረንቶስ 7:23) ልክዕ እዩ: ዋላ ሓደ ኻባና ብሰብ ኪጽላእ ዚደሊ የልቦን: እንተዀነ ግን: ክርስትያናት ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ እተፈልየ ስርዓታት ከም ዚስዕቡ ኽንርስዕ የብልናን። ጳውሎስ “ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ገና ንሰብ ከሐጒስ እንተ ዝብልሲ: ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ” ኢሉ መለሰ። (ገላትያ 1:10) ብናይ መዛኑ ጸቕጢ ተጸሊና ንሰብ እነሐጕስ ክንከውን ኣይግባእን። ጸቕጢ ኼጋጥመና ኸሎ ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

8 ኣብ ስጳኛ እትነብር ኤሌና እትበሃል መንእሰይ ክርስትያን ዝገበረቶ እስከ ንርአ። ደም ዚልግሱ ሓያሎ ደቂ ኽፍሊ ነበርዋ። ኤሌና ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነት: ደም ከም ዘይትልግስ ወይ ከም ዘይትወስድ ይፈልጡ እዮም። ንዅሎም ደቂ ኽፍላ ኣቕዋማ እትገልጸሉ ኣጋጣሚ ምስ ተላዕለ: ሓደ ኣስተምህሮ ንኽትህብ ፍቓደኛ ዀነት። ብዛዕባ እቲ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ “ከም ሓቂ: ኣዝየ እየ ፈሪሀ ነይረ። እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ገይረ ተዳለኹ: እቲ ዝረኸብክዎ ፍረ ድማ ዜገርም ነበረ። ብዙሓት መማህርተይ ኣኽቢሮም ረኣዩኒ: መምህረይ ከኣ በቲ ዘቕረብክዎ መግለጺ ኸም እተደነቐ ነገረኒ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንስም የሆዋ ስለ እተጣበቕኩን ንቕዱስ ጽሑፋዊ ኣቕዋመይ ብንጹር ክገልጽ ብምኽኣለይን ዕግበት ተሰምዓኒ” በለት። (ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) እወ: ባሮት ኣምላኽን ክርስቶስን ስለ ዝዀንና: ካብ ካልኦት እተፈለና ኢና። እንተዀነ ግን: ንእምነትና ብኣኽብሮት ንምጥባቕ እተዳሎና እንተደኣ ዄንና: ሰባት የኽበሩና ይዀኑ።—1 ጴጥሮስ 3:15

9. ካብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተራእዮ መልኣኽ እንታይ ኢና እንመሃር፧

9 ባሮት ኣምላኽ ከም ዝዀንና ምዝካርና: ትሑታት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ሰማያዊት የሩሳሌም ዜደንቕ ራእይ ርእዩ ምስ ተመሰጠ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ኣፈኛ ዀይኑ ዘገልገለ መልኣኽ ኪሰግደሉ ኣብ እግሩ ፍግም በለ። እቲ መልኣኽ ግን “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን: ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” በሎ። (ራእይ 22:8, 9) እቲ መልኣኽ እቲ ንዅሎም ባሮት ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉ! ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: የሱስ “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 20:26, 27) ሰዓብቲ የሱስ ስለ ዝዀንና: ኵላትና ባሮት ኢና።

“እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና”

10. እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍቓዱ ምግባር ወትሩ ቐሊል ኰይኑ ኸም ዘይረኸብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ሃብ።

10 ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ንዘይፍጹማት ሰባት ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። የሆዋ ንነብዪ ሙሴ ናብ ግብጺ ኸይዱ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ኼውጽኦም ምስ ሓተቶ: ሙሴ ድሕር ምሕር በለ። (ዘጸኣት 3:10, 11፣ 4:1, 10) ዮናስ ንሰብ ነነዌ ፍርዲ ኺእውጅ ምስ ተላእከ: “ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ።” (ዮናስ 1:2, 3) እቲ ናይ ነብዪ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ ደኺመ ኢሉ ኣዕዘምዘመ። (ኤርምያስ 45:2, 3) ናይ ብሕቲ ድሌትና ወይ ምርጫና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኪጋጮ ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ ነዚ መልሲ ይዀነና እዩ።

11, 12. (ሀ) ነቲ ኣብ ሉቃስ 17:7-10 ዚርከብ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣዘንቱ። (ለ) ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንወስድ፧

11 የሱስ ብዛዕባ ሓደ ምሉእ መዓልቲ መጓሰ ጐይታኡ ኺጓሲ ዚውዕል ባርያ ተዛረበ። እቲ ባርያ ናብ ቤት ኣብ ዚምለሰሉ እዋን ን12 ሰዓት ብርቱዕ ዕዮ ኺሰርሕ ብምጽናሑ ደኺሙ ዚመጽእ እኳ እንተዀነ: ጐይታኡ ግን ምስኡ ኾፍ ኢሉ ድራሩ ኸም ዚድረር ኣይገብርን እዩ። የግዳስ: “ክድረር ኣዳልወለይ: ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ: ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን” እዩ ዚብሎ። እቲ ባርያ ንጐይታኡ ድሕሪ ምግልጋሉ ጥራይ እዩ ድሌቱ ዜማልእ። ቀጺሉ የሱስ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተአዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፤ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና: በሉ” ብምባል ነቲ ምስላኡ ዛዘመ።—ሉቃስ 17:7-10

12 የሱስ ነዚ ምስላ እዚ ዝመሰለ: የሆዋ ነገልግሎትና ኸም ዘየማስወሉ ንምግላጽ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ኣምላኽ ነቲ . . . ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” እዩ ዚብል። (እብራውያን 6:10) የግዳስ: የሱስ ኣብዚ ምስላ እዚ ባርያ ንርእሱ ኼሐጕስ ወይ ኣብ ምሾቱ ኼተኵር ከም ዘይክእል እዩ ዚሕብር ነይሩ። ርእስና ንኣምላኽ ምስ ወፈናን ባሮቱ ኽንከውን ምስ ወሰንናን: ንፍቓዱ ኻብ ድሌትና ኣብሊጽና ቐዳምነት ክንህቦ ኢና ተሰማሚዕና። ድሌትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኸም ዚኸይድ ክንገብሮ ኣሎና።

13, 14. (ሀ) ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢና ንዝንባለና ኸነሰንፎ ዜድልየና፧ (ለ) ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚዕወት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ጽሑፋትን ንምጽናዕ ብዙሕ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። (ማቴዎስ 24:45) ብፍላይ ምንባብ ዜሸግረና ወይ እቲ እነንብቦ ጽሑፍ ብዛዕባ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዚገልጽ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ብዝያዳ ኼጸግመና ይኽእል ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 2:10) ይኹን እምበር: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር ግዜ ኽንምድብዶ ኣይግባእን፧ ግዜ መዲብና ኾፍ ኢልና መጽናዕቲ ንምግባር ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ የድልየና ይኸውን። ከምኡ እንተ ዘይጌርና ግን: ነቲ ‘ንብጹሓት ዝዀነ ዕጹም ብልዒ’ ኽንፈትዎ ኣይንኽእልን ኢና።—እብራውያን 5:14

14 ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምውዓል ናብ ቤት ደኺምና ምስ እንምለስከ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንምእካብ ገዛእ ርእስና ኸነገድድ የድልየና ይኸውን። ወይ ንዘይትፈልጦም ሰባት ምስባኽ ብባህሪና ኣይፍተወናን ይኸውን። ጳውሎስ እኳ ሓድሓደ ግዜ ‘ኸይፈተወ’ ብስራት ይሰብኽ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:17) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ እነፍቅሮ ጐይታና የሆዋ ነዚ ኽንገብር ስለ ዝኣዘዘና ኢና ነዚ እንገብሮ። ንኸነጽንዕ: ኣብ ኣኼባታት ንኽንእከብ: ከምኡውን ንኽንሰብኽ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባርናኸ ዕግበት ደይኰነን ዚስምዓና: መንፈስናውን ይሕደስዶ ኸይኰነ፧—መዝሙር 1:1, 2፣ 122:1፣ 145:10-13

“ንድሕሪት” ኣይትርኣዩ

15. የሱስ ንኣምላኽ ከም ዚግዛእ ብኸመይ ኣርኣየ፧

15 የሱስ ክርስቶስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዘለዎ ፍቕሪ ብዝበለጸ መገዲ እዩ ኣርእዩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 6:38) ኣብ ጌተሰማኔ ዚበሃል ስፍራ ኣታኽልቲ “ኣቦይ: ዚከአል እንተ ዀይኑስ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ።—ማቴዎስ 26:39

16, 17. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ንድሕሪት ዝገደፍናዮ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዓለም ዚረኽቦ ዝነበረ ኣጋጣሚታት ከም “ጐሓፍ” ምቝጻሩ ቕኑዕ ምንባሩ ግለጽ።

16 የሱስ ክርስቶስ ባሮት ኣምላኽ ንምዃን ዝገበርናዮ ውሳነ ብተኣማንነት ክንሕልዎ እዩ ዚደሊ። “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በለ። (ሉቃስ 9:62) ንኣምላኽ ከነገልግል ከለና: ብዛዕባ እቲ ዝሓደግናዮ ነገራት ወትሩ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ባሮት ኣምላኽ ብምዃንና ዝረኸብናዮ ነገር ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ፊልጲ 3:8

17 ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ባርያ ኣምላኽ ብምዃን ዚርከብ መንፈሳዊ ረብሓ ኢሉ ኸም ጐሓፍ ብምቝጻር ዝጠንጠኖ ነገራት እሞ ሕሰብ። ነቲ ዓለም እተቕርበሉ ምሾት ጥራይ ኣይኰነን ጠንጢኑ: ኣብ መጻኢ መራሒ እምነት ኣይሁድነት ናይ ምዃን ኣጋጣሚ እውን እዩ ሓዲጉ። ጳውሎስ ሰዓቢ እምነት ኣይሁድነት ኰይኑ እንተ ዚቕጽል ነይሩ: ማዕረ እቲ ስምኦን ዚበሃል ወዲ እቲ ንጳውሎስ ዝመሃሮ ገማልኤል ኪኸውን ምኸኣለ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3፣ ገላትያ 1:14) ስምኦን ኣብቲ ኣይሁድ ብ66-70 ከ.ኣ.ዘ. ዝገበርዎ ዕልዋ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተሳተፈ: መራሒ ፈሪሳውያን ግን ኰነ: ኣገዳሲ ግደ ድማ ነበሮ። ኣብ እዋን ዕግርግር ድማ እንተ በቶም ጥሩፋት ኣይሁድ: እንተ ብሰራዊት ሮሜ ተቐትለ።

18. መንፈሳዊ ኣሳልጦ ዓስቢ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

18 ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ጳውሎስ ስዒቦም እዮም። ጂን ከምዚ ዚስዕብ ትብል:- “ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት: ንሓደ ኣብ ለንደን ዚርከብ ውሩይ ጠበቓ ቐንዲ ጸሓፊቱ ዀይነ ኽዓዪ ጀመርኩ። ንስርሐይ ኣጸቢቐ እፈትዎ ነበርኩ: ጽቡቕ ኣታዊ ድማ ነበረኒ: ብልበይ ግን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዝያዳ ኽገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ: ካብቲ ስራሕ ብፍቓደይ ተሰናቢተ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣስታት 20 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ነቲ ስጕምቲ እቲ ምውሳደይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ! ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ካብ ዝዀነ ይኹን ጸሓፊት ኰይነ ኽዓዮ ዝኽእል ዝነበርኩ ዕዮ ንላዕሊ ዕግበት ኣምጺኡለይ እዩ። ቃል የሆዋ ንህይወት ሰብ ብኸመይ ከም ዚቕይሮ ኻብ ምርኣይ ንላዕሊ ዕግበት ዜምጽእ ነገር የልቦን። ኣብኡ እጃምካ ምብርካት ድማ ዜሐጕስ እዩ። እቲ ንየሆዋ እንህቦ ነገራት ምስቲ እንቕበሎ ነገራት ዚወዳደር ኣይኰነን።”

19. እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና: ስለምንታይከ፧

19 ኵነታትና ምስ ግዜ ይቕየር ይኸውን። እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ግን ኣይቅየርን እዩ። ወትሩ ባሮት የሆዋ ኢና: ንሱውን ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ካልእ እንውንኖ ዘበለ ነገራትን ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኸም እንጥቀመሉ ናባና እዩ ዚገድፎ። ስለዚ: ኣብዚ መዳይ እዚ እንገብሮ ውሳነ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኼንጸባርቕ ይኽእል እዩ። ክሳዕ ክንደይ ብሕታዊ መስዋእቲ ኽንገብር ከም እንደሊ እውን ዚሕብር እዩ። (ማቴዎስ 6:33) ኵነታትና ብዘየገድስ ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንምሃብ ቈራጽነት ክንገብርዶ ኣይግባእን፧ ጳውሎስ “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ቈረንቶስ 8:12

“ፍሬኹም” ኢኹም እትፈርዩ

20, 21. (ሀ) ባሮት ኣምላኽ እንታይ ፍረ እዮም ዚፈርዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዘዝበለጸ ዚህብዎ ብኸመይ እዩ ዓስቦም ዚህቦም፧

20 ባሮት ኣምላኽ ምዃን ኣብ ትሕቲ ጭቈና ምንባር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብቲ ሓጐስካ ዜጥፍእ ጨቋኒ ባርነት እተምልጠሉ መገዲ እዩ። ጳውሎስ “ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም: ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ: ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:22) ባሮት ኣምላኽ ምስ እንኸውን: ቅዱስ ወይ ብስነ-ምግባር ንጹህ ኣካይዳ ዜምጽኦ ረብሓ ስለ እንዓጽድ: ፍረ ቕድስና ኢና እንፈሪ። ብዘይካዚውን: ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢና እንረክብ።

21 የሆዋ ንባሮቱ ለጋስ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና ዚከኣለና ዘበለ ምስ እንገብር: “መሳዅቲ ሰማይ” ኸፊቱ “በረኸት . . . ብዘይ ልክዕ” እዩ ዜፍስሰልና። (ሚልክያስ 3:10) ባሮት ኣምላኽ ኴንና ንዘለኣለም ምግልጋልሲ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ነገር ኰን እዩ!

ትዝክሮዶ፧

• ባሮት ኣምላኽ እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

• ንፍቓድ ኣምላኽ ከም እንግዛእ ብኸመይ ነርኢ፧

• ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ድሌትና ኣብሊጽና ንምስራዕ ድሉዋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ‘ንድሕሪት ክንርኢ’ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ እስሊ]

እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ብፍታው ባርያ ናይ ምዃን ኣሰራርሓ: ጽላሎት እቲ ክርስትያናት ባሮት ዝዀኑሉ ምድላው እዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ እስሊ]

ክንጥመቕ ከለና ባሮት ኣምላኽ ኢና እንኸውን

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ እስሊ]

ክርስትያናት ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት እዮም ዚህብዎ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ እስሊ]

ሙሴ እተመደበሉ መዝነት ንምቕባል ድሕር ምሕር በለ