ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ዚውድሱ መንእሰያት ይባረኹ

ንየሆዋ ዚውድሱ መንእሰያት ይባረኹ

‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’

ንየሆዋ ዚውድሱ መንእሰያት ይባረኹ

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ዚኸውን ኰተቴ ብዛዕባ ዚጽበዮ ነገራት ኪገልጽ ከሎ “ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ ኺህልወኒ እየ ዝምነ” በለ። እንተዀነ ግን: ሓደ መንእሰይ ኣብ ህይወቱ እቲ ዝበለጸ ኺረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል ንጹር መልሲ ይህብ።—መክብብ 12:1

ንየሆዋ ኺውድሱን ኬገልግሉን ዘለዎም ዓበይቲ ጥራይ ኣይኰኑን። ሳሙኤል ወዲ ኤልቃናን ሃናን ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኼገልግል ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ ቘልዓ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 1:19, 20, 24፣ 2:11) ሓንቲ እብራዊት ጓል: ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበራ: እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን ካብ ለምጹ ንኺሓዊ ናብ ነብዪ ኤልሳእ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ርእይቶ ኣቕረበት። (2 ነገስት 5:2, 3) ኣብ መዝሙር 148:7, 12 ኣወዳትን ኣዋልድን ንየሆዋ ኺውድሱ ተኣዚዞም ኣለዉ። a የሱስ ወዲ 12 ዓመት ጥራይ ከሎ: ኣብቲ ናይ ኣቦኡ ኣገልግሎት ሓያል ተገዳስነት ኣሕደረ። (ሉቃስ 2:41-49) እቶም ንየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝረኣይዎ ቘልዑ: ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸብዎ ስልጠና መሰረት ብምግባር “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት!” ብምባል ዓው ኢሎም ጨደሩ።—ማቴዎስ 21:15, 16

ኣብዚ ግዜ እዚ ንየሆዋ ምውዳስ

ካብቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዙሓት መንእሰያት ብእምነቶም ይሕበኑ እዮም: ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ብዛዕባ እምነቶም ብድፍረት ካብ ምዝራብ ድማ ድሕር ኣይብሉን እዮም። ነዚ ዚምልከት ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ: ሓንቲ እስቴፋኒ እትበሃል ጓል 18 ዓመት ዝነበረትሉ ኽፍሊ ብዛዕባ ምንጻል ጥንስን ካልእ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያትን ይመያየጡ ነበሩ። እቲ መምህሮም ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ምንጻል ጥንሲ ብሓፈሻ ተቐባልነት ረኺቡ ስለ ዘሎ ዝዀነት ትኹን መንእሰይ ጓል ነዚ ተግባር እዚ ዘይትቕበለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብላን በለ። እቶም ኣብቲ ኽፍሊ ዝነበሩ ዅሎም ምስቲ እቲ መምህር ዝሃቦ ኣረኣእያ ተሰማምዑ: እስቴፋኒ ግን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣቕዋማ ኽትጣበቐሉ ኸም ዘለዋ ዀይኑ ተሰመዓ። እቲ መምህር ብዛዕባ እዚ ዘለዋ ርእይቶ ምስ ሓተታ ነቲ ኽትብሎ ዝሓሰበቶ ናይ ምዝራብ ኣጋጣሚ ረኸበት። ዋላ እኳ ፈለማ ፈሪሃ እንተ ነበረት: ደሓር ግን ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕራብ ተጠቕመትሉ። ንዘጸኣት 21:22-24 (NW) ብቓላ ድሕሪ ምግላጽ: ዘይተወልደ ናጽላ ምጕዳእ ጌጋ እንተደኣ ነይሩ: ምንጻል ጥንሲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚጻረር ዜተሓታትት ኣይኰነን በለት።

እቲ መምህር: ቀሺ ኽነሱ ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ፈጺሙ ኣንቢብወን ኣይፈልጥን እዩ። እቲ እስቴፋኒ ብትብዓት ዝሃበቶ ምስክርነት ምስ ደቂ ኽፍላ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓቘፈ ምይይጥ ንኽትገብር መገዲ ኸፈተላ። ሓንቲ ኻብ ደቂ ኽፍላ ኣዘውቲራ ሓደስቲ ቕዳሓት መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ትወስድ ኣላ። ካልኦት ክልተ ድማ እስቴፋኒ ርእሳ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየት ብጥምቀት ከተርኢ ኸላ ንምዕዛብ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኻፊለን።

ኣብ ሱሪናም: ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ጓል ሽዱሽተ ዓመት ዝዀነት ቫሬታ: መምህራ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መጸናንዒ ምስ ኣድለያ: ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣምላኽ ንምውዳስ ተጠቕመትሉ። እታ መምህር ንሰለስተ መዓልቲ በዂራ ምስ መጸት: ተመሃሮኣ ስለምንታይ በዂራ ኸም ዝነበረት ይፈለጡ እንተደኣ ዀይኖም ሓተተቶም። እቶም ተመሃሮ ድማ “ተጸሊኡኪ ዝነበረ ይመስለና” በልዋ። እታ መምህር ግን “ኣይኰነን: ዓባይ ሓብተይ ስለ ዝሞተትኒ እየ: ኣዝየ ድማ እየ ሓዚነ ዘለኹ። ስለዚ: ርእሰይ ሓሚመ ስለ ዘለኹ ኸይትርብሹኒ ትም በሉ” በለቶም።

ሽዑ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣዲኣ ቐም ከተብል ከላ: ቫሬታ ግን ነቲ ናይ ቀደም መጽሔታት ኣርእስቱ ገላቢጣ እናንበበት ዜድልያ መጽሔት እያ ትጐራጉር ነይራ። “ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ 15 ሓምለ 2001 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ረኸበት። ብምሒር ታሕጓስ ድማ ነዲኣ ኻብ ድቃሳ ኣበራቢራ “ማማ: ማማ: ረኣዪ: ንመምህረይ ዚኸውን ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ መጽሔት ረኺበ!” በለታ። ካብ ቫሬታ ዚብል ደብዳበ ጽሒፋ ድማ ምስታ መጽሔት ለኣኸትላ። እታ ደብዳበ ኸምዚ ትብል:- “እዚ ብፍላይ ንዓኺ እዩ። ኣብ ገነት ንሓብትኺ እንደገና ኽትረኽብያ ኢኺ: ከመይሲ የሆዋ ኣይሕሱን እዩ። ገነት ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ ኸም ዜምጽእ ድማ ተመባጺዑ እዩ።” እታ መምህር ከኣ ነቲ ኣብታ መጽሔት ዝቐረበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጸናንዒ ምስ ኣንበበት ዓሚቝ ሞሳኣ ገለጸት።

ንመጻኢ ዚኸውን መሰረት ምንባር

የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ: ንመንእሰያት ድማ ሕጕሳት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ቃሉ ‘ኣታ መንእሰይ: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ተሓጐስ’ ይብል። (መክብብ 11:9) የሆዋ ኣርሒቑ እዩ ዚርኢ: ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ጠባይ እንታይ ሳዕቤን ከም ዜምጽእ እውን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንመንእሰያት “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል ዚምሕጸኖም።—መክብብ 12:1

እወ የሆዋ: መንእሰያት ነቲ ኽቡር ውህበት ህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕርዎ እዩ ዚደልዮም። ንኣምላኽ ብምዝካርን ብምውዳስን መንእሰያት ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪመርሑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ግዜ ጸገም እውን ከይተረፈ: ብምትእምማን ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ኺብሉ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 121:2 NW

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጋቢት/ሚያዝያ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘ኣጕባዝን ጐራዙትን ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።’መዝሙር 148:7, 12

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

የሆዋ ንመንእሰያት ይድግፎም

“ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ።”—መዝሙር 71:5

[ኣምላኽ] ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ: ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።”—መዝሙር 103:5