ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

እዋኑ ብ1117 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። እያሱ ንምድሪ ተስፋ ኻብ ዚቈጻጸራ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ዚኸውን ሓሊፉ ነበረ። እቶም ዓበይቲ እስራኤል ናብቲ ነብዪ የሆዋ ቐሪቦም ፍልይ ዝበለ ሕቶ ኣቕረቡ። እቲ ነብዪ ነቲ ጕዳይ ጸለየሉ: የሆዋ ድማ ዝደለይዎ ኺገብረሎም ፈቐደሉ። እዚ ድማ መሳፍንቲ ዚፈርዱሉ ግዜ ኣብቂዑ: ሰብኣውያን ነገስታት ዚነግሱሉ እዋን ከም ዝጀመረ ዚሕብር ነበረ። ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ነዚ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል ኣገዳሲ እዋንን ኣብ ከባቢኡ ዘጋጠመ ፍጻመታትን እያ እትትርኽ።

ቀዳማይ ሳሙኤል: ሳሙኤልን ናታንን ጋድን ዝጸሓፉዋ ዀይና: ካብ 1180 ክሳዕ 1078 ቅ.ኣ.ዘ. ዘሎ 102 ዓመት እያ እትሽፍን። (1 ዜና መዋእል 29:29) ታሪኽ ኣርባዕተ መራሕቲ እስራኤል ዝሓዘት እያ። ክልተ ኻባታቶም ፈራዶ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ: ክልተ ኸኣ ነገስታት ነበሩ። ክልተ ኻባታቶም ንየሆዋ እዙዛት ኪዀኑ ኸለዉ: ክልተ ግን ዘይእዙዛት ነበሩ። ብዘይካዚውን ብዛዕባ ኽልተ ኣብነታውያን ኣንስትን ብዛዕባ ሓደ ተባዕ ግን ከኣ ሕያዋይ ተዋጋኢ ኽንርኢ ኢና። እዚ ኣብነታት እዚ ብዛዕባ እቲ ኽንቀድሖን ከነወግዶን ዘሎና ኣረኣእያታትን ተግባራትን ጠቓሚ ትምህርቲ ይህበና። እምበኣር: ትሕዝቶ ቐዳማይ ሳሙኤል ንሓሳባትናን ተግባራትናን ኪቕይር ዚኽእል መስለጢ ሓይሊ ኣለዎ።—እብራውያን 4:12

ሳሙኤል ንኤሊ ተኪኡ ኺፈርድ ጀመረ

(1 ሳሙኤል 1:1–7:17)

እዋኑ በዓል ምእካብ ወይ በዓል ምትሕሳስ ዚኽበረሉ ዝነበረ እዩ። እታ ኣብ ራማ እትነብር ሃና እትበሃል ሰበይቲ ኸኣ ኣዝያ ተሓጒሳ ነበረት። a የሆዋ ንጸሎታ ምላሽ ሃባ: ወዲ ድማ ወለደት። መብጽዓኣ ንምፍጻም ንሳሙኤል ወዳ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር” ኣምጽኣቶ። ኣብኡ ድማ እቲ ቘልዓ “ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።” (1 ሳሙኤል 1:24፣ 2:11) ሳሙኤል ገና ንእሽቶ ኸሎ: የሆዋ ተዛረቦ: ኣብ ቤት ኤሊ ዚወርድ ፍርዲ ድማ ነገሮ። ሳሙኤል እናዓበየ ምስ ከደ: ኵሎም ሰብ እስራኤል ነብዪ የሆዋ ምዃኑ ኺፈልጡ ጀመሩ።

ድሕርዚ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ነቲ ታቦት ወሰድዎ: ነቶም ክልተ ደቂ ኤሊ ድማ ቀተልዎም። እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኤሊ ነዚ ምስ ሰምዐ ሞተ: “ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።” (1 ሳሙኤል 4:18) ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ብምውሳዶም ብዙሕ መዓት ስለ ዘስዓበሎም: ናብ እስራኤል መለስዎ። ድሕርዚ ሳሙኤል ንእስራኤል ኪፈርድ ጀመረ: ኣብታ ሃገር ድማ ሰላም ሰፈነ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:10—ሃና ኣብ እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን የሆዋ “ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ” ብምባል ዝጸለየት ስለምንታይ እያ፧ እስራኤላውያን ሰብኣዊ ንጉስ ኪህልዎም ምዃኑ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። (ዘዳግም 17:14-18) ያእቆብ እውን ኪመውት ከሎ “ካብ ይሁዳ በትሪ [ምልክት ስልጣን] . . . ኣይዝምብልን” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 49:10) ብዘይካዚውን የሆዋ ብዛዕባ እታ ኣደ እስራኤላውያን ዝዀነት ሳራ “ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ነይሩ። (ዘፍጥረት 17:16) እምበኣር ሃና ብዛዕባ ናይ መጻኢ ንጉስ እያ እትጽሊ ነይራ።

3:3—ሳሙኤል ብሓቂ ኣብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ድዩ ዚድቅስ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ሳሙኤል ካብቶም ካህናት ዘይኰኑ ቀሃታውያን ዚበሃሉ ሌዋውያን እዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 6:33-38) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ናብቲ ‘ቕዱስ ነገር ኪኣቱ’ ኣይተፈቕደሉን። (ዘሁልቍ 4:17-20) ሳሙኤል ኪኣትዎ ዚኽእል ዝነበረ ቦታ ኣጸድ እቲ ማሕደር ጥራይ እዩ። ኣብኡ ድማ እዩ ዚድቅስ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኤሊ እውን እንተዀነ ኣብቲ ኣጸድ ዚሓድር ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቲ “ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ” ዚብል መግለጺ ነቲ ማሕደር ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

7:7-9, 17—ኣብቲ ግዜ እቲ መስዋእቲ ኣብቲ የሆዋ ዝመረጾ ቦታ ጥራይ ኪቐርብ ዚግብኦ ኽነሱ: ሳሙኤል ኣብ ሚጽጳ ዚሓርር መስዋእቲ ዘቕረበን ኣብ ራማ መሰውኢ ዝሰርሐን ስለምንታይ እዩ፧ (ዘዳግም 12:4-7, 13, 14፣ እያሱ 22:19) እቲ ታቦት ካብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ምስ ተወስደ: የሆዋ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን። ስለዚ: ሳሙኤል ተወካሊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ሚጽጳ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ: ኣብ ራማ ድማ መሰውኢ ሰርሐ። ነዚ ድማ የሆዋ ሰሚርዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:11, 12, 21-23፣ 2:19 ሃና ጸሎት እትፈቱ ብምንባራ: ብትሕትናኣ: ንሕያውነት የሆዋ ብዝነበራ ሞሳ: ከምኡውን ንውሉዳ ብዝነበረታ ዘይትዝሕል ፍቕሪ ንዅለን ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ ኣብነት እትኸውን እያ።

1:8 ንኻልኦት ብቓላት ብምትብባዕ ዝመጸ ኤልቃና ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉ! (እዮብ 16:5) ፈለማ: ነታ ጕህያ ዝነበረት ሃና ናይ ምንቃፍ መንፈስ ከይረኣየ “እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧” ኢሉ ሓተታ። በዚ ኸኣ ስምዒታ ንኽትገልጽ ኣተባብዓ። ድሕሪኡ ኤልቃና “ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” ኢሉ ፍቕሩ ገለጸላ።

2:26፣ 3:5-8, 15, 19 ነቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ዕዮ ተጊህና ብምዕያይ: ካብ መንፈሳዊ ስልጠና ብምጥቃም: ከምኡውን ምእዙዛትን ኣኽበርቲ ሰብን ብምዃን ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሰብን ‘ፍቱዋት’ ክንከውን ንኽእል።

4:3, 4, 10 ከም ታቦት ኪዳን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ቕዱስ ዝዀነ ነገር እኳ ኸይተረፈ ብርእሱ ዕቝባ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ: ‘ካብ ጣኦታት ክንሕሎ’ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 5:21

እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ንፉዕ ድዩ ነይሩ ወይስ ሕማቕ፧

1 ሳሙኤል 8:1–15:35)

ሳሙኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ: ደቁ ግን ብመገድታት ኣምላኽ ኣይተመላለሱን። እቶም ዓበይቲ እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሰሎም ምስ ሓተቱ: የሆዋ ድሌቶም ኪማልኣሎም ፈቐደ። ሳሙኤል መምርሒ የሆዋ ብምስዓብ ንሓደ ሳኦል ዚበሃል ምልኩዕ ብንያማዊ: ንጉስ ኪኸውን ቀብኦ። ሳኦል ንዓሞናውያን ብምስዓር ንግስናኡ ኣጽንዐ።

እቲ ዮናታን ዝስሙ ጅግና ወዲ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ብዙሕ ሰራዊት ሒዞም ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ደየቡ። ሳኦል ፈርሀ: ትእዛዝ ብምፍራስ ድማ ባዕሉ ዚሓርር መስዋእቲ ሰውአ። እቲ ተባዕ ዮናታን ግን ጋሻ ዛግሬኡ: ማለት ኣጽዋሩ ዚስከም መንእሰይ ጥራይ ሒዙ ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም። ይኹን እምበር: እቲ ሳኦል ብታህዋኽ ዝመሓሎ ማሕላ: ነቲ ኺርከብ ዚኽእል ዝነበረ ዓወት ኣዳኸሞ። ድሕሪኡ ሳኦል “ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ” ዅሎም ጸላእቱ ተዋግአ። (1 ሳሙኤል 14:47) ንኣማሌቃውያን ኪስዕሮም ከሎ ግን: ነቲ “እተሐርመ” ብምንሓፉ ትእዛዝ የሆዋ ኣይሓለወን። (ዘሌዋውያን 27:28, 29) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሆዋ ንሳኦል ንጉስ ከይኸውን ነዓቖ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

9:9—እቲ “እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሃል ዘሎ: ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ” ዚብል መግለጺ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ እዚ መግለጺ እዚ ብግዜ ሳሙኤልን ብግዜ ነገስታትን ነብያት እናበዝሑ ምስ ከዱ: እታ “ረኣዪ” እትብል ቃል ብ“ነብዪ” እትብል ቃል ከም እተተክአት እዩ ዚሕብር። ሳሙኤል ካብ ነብያት እቲ ናይ መጀመርታ ጌርካ እዩ ዚቝጸር።—ግብሪ ሃዋርያት 3:24

14:24-32, 44, 45—ዮናታን ነቲ ሳኦል ዝመሓሎ ማሕላ ብምጥሓስ መዓር ብምብላዑ ሞገስ ኣምላኽ ስኢኑ ድዩ፧ እዚ ተግባር እዚ ንዮናታን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚስእን ዝገበሮ ኣይመስልን እዩ። ቅድም ቀዳድም: ዮናታን ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ዝመሓሎ ማሕላ ኣይፈለጠን። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ብናይ ሓሶት ቅንኢ ወይ ብግጉይ ኣረኣእያ ንጉሳዊ ስልጣን እተገብረ ማሕላ: ነቲ ህዝቢ ሽግር እዩ ኣምጺኡሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕላ ኸመይ ኢሉ እሞ እዩ ስምረት ኣምላኽ ዚረክብ፧ ዮናታን ነቲ ማሕላ ብምፍራሱ ሳዕቤኑ ኺዓጽድ ድሉው እኳ እንተ ነበረ: ህይወቱ ግን ተናሕፈት።

15:6—ሳኦል ንቄናውያን ብፍላይ ሕያውነት ዘርእዮም ስለምንታይ እዩ፧ ቄናውያን ደቂ ሓሙ ሙሴ እዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ምስ ነቐሉ: ቄናውያን ሓጊዞምዎም እዮም። (ዘሁልቍ 10:29-32) ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ምድሪ ከነኣን ምስ ደቂ ይሁዳ ተቐሚጦም ነይሮም። (መሳፍንቲ 1:16) ጸኒሖም ኣብ ማእከል ኣማሌቃውያንን ኣብ ማእከል እተፈላለዩ ኻልኦት ህዝብታትን ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ንእስራኤላውያን ግን ፈተውቶም እዮም ነይሮም። እምበኣር: ሳኦል ንቄናውያን ምንሓፉ ጽቡቕ እዩ ገይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

9:21፣ 10:22, 27 ሳኦል ንጉስ ኪኸውን ከሎ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ትሕትና: ገሊኦም “ደቂ ብልያል” ንንግስናኡ ኣብ ዘይተቐበሉሉ እዋን ብታህዋኽ ስጕምቲ ንኸይወስድ ሓገዞ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ጌጋ ስጕምቲ ንኸይንወስድ ብዙሕ እዩ ዚሕግዘና።

12:20, 21 ከም ኣብ ሰብ: ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣህዛብ: ኣብ ጣኦታት ምውካል ዝኣመሰለ “ከንቱ” ነገራት: ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከም እነላግስ ንኺገብረና ኣይነፍቅድ።

12:24 ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ንኺሓድረናን ብምሉእ ልብና ንኸነገልግሎን ዜኽእለና ቐንዲ ነገር: ጥንቲ ዀነ ሕጂ ንህዝቡ ‘ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ምርኣይ’ እዩ።

13:10-14፣ 15:22-25, 30 ካብቲ ብዘይምእዛዝ ወይ ብዅርዓት ኣቢሉ ዚንጸባረቕ ትዕቢት ንጠንቀቕ።—ምሳሌ 11:2

ሓደ ጓሳ ንጉስ ኪኸውን ተመርጸ

1 ሳሙኤል 16:1–31:13)

ሳሙኤል ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ቀብኦ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ዳዊት ነቲ ጐልያድ ዝስሙ ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ብሓንቲ እምኒ ወንጭፍ ገይሩ ቐተሎ። ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዕርክነት ተመስረተ። ሳኦል ንዳዊት ሓላቓ ገለ ኽፋል ሰራዊቱ ገበሮ። ኣንስቲ እስራኤል በቲ ዳዊት ዘምጽኦ ብዙሕ ዓወታት ተሓጒሰን “ሳኦል ሽሑ: ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ” ኢለን ደረፋ። (1 ሳሙኤል 18:7) ሳኦል ስለ ዝቐንአ: ንዳዊት ኪቐትሎ ደለየ። ሰለስተ ሳዕ ኪቐትሎ ድሕሪ ምፍታኑ: ዳዊት ሃዲሙ እናተሃድነ ኺነብር ጀመረ።

ኣብቲ ዳዊት እናሃደመ ዚነብረሉ ዝነበረ ዓመታት: ክልተ ሳዕ ንህይወት ሳኦል ነሓፋ። ምስ ሓንቲ ኣቢጋይል እትበሃል ውቅብቲ ሰበይቲ ተራኸበ: ኣብ መወዳእታኡ ድማ ተመርዓዋ። ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ኪወግኡ ምስ ደየቡ: ሳኦል ንየሆዋ ጠየቖ። የሆዋ ግን ሓደጎ። ሳሙኤል እውን ሞይቱ ነበረ። ሳኦል ዚገብሮ ምስ ሓርበቶ: ናብ ሓንቲ ጠንቋሊት ከደ: ኣብኡ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዚገብሮ ውግእ ከም ዚመውት ተነግሮ። ኣብቲ ውግእ እቲ ሳኦል ቈሰለ: ደቁ ኸኣ ተቐትሉ። ኣብ መወዳእታ ሳኦል ብሕማቕ ኣማውታ ኸም ዝሞተ ብምግላጽ እዩ እቲ ዛንታ ዚዛዘም። ዳዊት ግን ክሳዕ ሽዑ ተሓቢኡ ነበረ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

16:14—እንታይ ክፉእ መንፈስ እዩ ንሳኦል ዜሳቕዮ ዝነበረ፧ እቲ ንሳኦል ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዚስእን ዝገበሮ ኽፉእ መንፈስ: ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ዝነበረ ሕማቕ ዝንባለ: ወይ ጌጋ ንኺገብር ካብ ውሽጡ ዝደፍኦ ድራኸ እዩ ነይሩ። የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ኻብ ሳኦል ምስ ኣልገሰ: ሳኦል እቲ ዚረኽቦ ዝነበረ ዕቝባ ሰኣነ: ብናይ ገዛእ ርእሱ ኽፉእ መንፈስ ድማ ተዓብለለ። እዚ መንፈስ እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ኪትክኦ ኣምላኽ ስለ ዝፈቐደ: ብዛዕባ እቲ ኽፉእ መንፈስ “ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ” ተባሂሉ ኣሎ።

17:55—ን1 ሳሙኤል 16:17-23 ኣብ ግምት ብምእታው: ሳኦል ንዳዊት ወዲ መን ምዃኑ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧ ሳኦል ኣብዚ ኣቦ ዳዊት መን ከም ዚበሃል ኪፈልጥ ጥራይ ኣይኰነን ዚሓትት ነይሩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንጉዕ ሰብ ብምቕታል ጅግንነት ዝፈጸመ መንእሰይ ዘዕበየ ኣቦ እንታይ ዓይነት ሰብኣይ ምዃኑ እዩ ኺፈልጥ ደልዩ ነይሩ ዚኸውን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

16:6, 7 ብደጋዊ ትርኢት ሰባት ኣብ ክንዲ እንምሰጥ ወይ ተሃዊኽና ኣብ ክንዲ እንፈርድ: ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና።

17:47-50 ‘ውግእ ናይ የሆዋ ስለ ዝዀነ:’ ከም ጐልያድ ዝኣመሰሉ ጸላእቲ ንዜምጽእዎ ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ብትብዓት ክንጋጠሞ ንኽእል ኢና።

18:1, 3፣ 20:41, 42 ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ምርካብ ይከኣል እዩ።

21:12, 13 የሆዋ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኣእምሮናን ክእለትናን ክንጥቀም ይጽበየና እዩ። ጥበብን ፍልጠትን ምምዝዛንን ንኺህልወና ዜኽእለና መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 1:4) እተሸሙ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ይሕግዙና እዮም።

24:6፣ 26:11 ዳዊት ንቕቡእ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ብምርኣይ ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉ!

25:23-33 ኣቢጋይል ዝነበራ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ኣብነታዊት ይገብራ።

28:8-19 እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ንኼታልሉ ወይ ንኺጐድኡ ኢሎም: ንሓደ ምዉት ሰብ ከም ዝዀኑ ኼምስሉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ካብ ኵሉ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ኽንርሕቕ ኣሎና።—ዘዳግም 18:10-12

30:23, 24 እዚ ኣብ ዘሁልቍ 31:24 እተመርኰሰ ውሳነ: የሆዋ ነቶም ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ኣብ ዚድግፍ ቦታታት ዜገልግሉ ሰባት ከም ዜማስዎም እዩ ዜርኢ። ዝገበርና ንግበር ‘ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እንገብሮ ጌርና ኻብ ልቢ ንግበሮ።’—ቈሎሴ 3:23

ካብ ‘መስዋእቲ ዚበልጽ’ እንታይ እዩ፧

ካብቲ ንኤሊ: ንሳሙኤል: ንሳኦል: ከምኡውን ንዳዊት ዘጋጠሞም ነገራት እንታይ መሰረታዊ ሓቂ ኢና እንመሃር፧ “ምስማዕ ካብ መስዋእቲ: ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ: ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ።”—1 ሳሙኤል 15:22, 23

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ምስታፍ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! ንየሆዋ “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና” ኸነቕርብ ከለና: በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን በታ ምድራዊት ማሕበሩን ኣቢሉ ንዚወሃበና መምርሒ ንምስዓብ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—ሆሴእ 14:2፣ እብራውያን 13:15

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ኣብ ቀዳማይ ሳሙኤል እተጠቕሰ እተፈላለየ ቦታታት ኣበይ ከም ዚርከብ ክትፈልጥ እንተደኣ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 18-19 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]

እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ፈለማ ትሑት ነበረ: ደሓር ግን ዕቡይ ኰነ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]

ከም ጐልያድ ዝኣመሰሉ ጸላእቲ ኺጻረሩና ኸለዉ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧