ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ንህይወትካ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

የሱስ ክርስቶስ ንህይወትካ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

የሱስ ክርስቶስ ንህይወትካ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

ብመሰረት ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: ትምህርትታት የሱስ ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ኣየጠራጥርን እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዜገድሰና ሕቶ “ትምህርትታት የሱስ ብብሕተይ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧” ዚብል እዩ።

ትምህርትታት የሱስ እተፈላለየ ጕዳያት ዚሓቍፍ እዩ። እቲ ዝሓዞ ጠቓሚ ሓሳባት ከኣ ንዅሉ መዳይ ህይወትካ ኺትንክፍ ይኽእል እዩ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራትን ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምምዕባልን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምምስራትን ጸገማት ምፍታሕን ካብ ዓመጻ ምርሓቕን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ትምህርቲ እስከ ነተኵር።

ኣብ ህይወት ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገራት ምስራዕ

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ሃታሃታ ዝመልኣ ዓለም: ግዜናን ጕልበትናን ዚመጺ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ብምህላዉ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ንብሎ ኢና። ንኣብነት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጄሪ ዚብል ስም ዝሃብናዮ ሓደ ኣብ 20ታት ዚርከብ ሰብ ንውሰድ። ጄሪ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዚግበር ዕላል ይፈቱ እዩ: ነቲ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላል ዚረኽቦ ትምህርቲ ድማ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። እንተዀነ ግን “ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ወትሩ ንኽሳተፍ ግዜ የብለይን። ኣብ ሰሙን ሹድሽተ መዓልቲ እየ ዝሰርሕ። መዓልቲ ዕረፍተይ ሰንበት ጥራይ እያ። ክፍጽሞ ዝግብኣኒ ነገራት ምስ ወዳእኩ ኸኣ ኣዝየ እየ ዝደክም” በለ። ኵነታትካ ምስዚ ዚመሳሰል እንተደኣ ዀይኑ: ካብቲ የሱስ ኣብ ከረን ኰይኑ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

የሱስ ነቶም ኪሰምዕዎ እተኣከቡ ኸምዚ በሎም:- “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ: እብለኩም አሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ . . . እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴዎስ 6:25-33) ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ኢና ንመሃር፧

የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ ንዓናን ንስድራቤትናን ብስጋ ዜድልየና ነገራት ንምምላእ ዕሽሽ ክንብል ኣሎና ማለቱ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ይብለና። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር: ቀዳምነት ንዚግብኦ ቐዳምነት እንተ ሂብና ኸምኡውን መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ቀዳማይ ቦታ እንተ ሰሪዕናዮ: ኣምላኽ ብርግጽ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚህበና የሱስ ተመባጺዑ እዩ። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ትምህርቲ እምበኣር ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ኣብ ምስራዕ ዘተኰረ እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ: ከመይሲ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3 NW

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምምዕባል

እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምምዕባል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ይርድኦም እዩ። ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ሰብ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ምስ እንጽዕርዶ ኸይኰነ፧ ብዛዕባ ኣተሓሳስባኡ: ባህሪኡ: ክእለቱ: ዝፈጸሞ ነገራት: ከምኡውን ዚፈትዎን ዘይፈትዎን ነገራት ንምፍላጥ ግዜ ኽንምድብ ኣለና። ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንምምዕባል እውን ተመሳሳሊ ነገር ኢና ኽንገብር ዚግብኣና። ብዛዕባኡ ርጡብ ፍልጠት ኪህልወና ኣለዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣመልኪቱ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ብርግጽ እምበኣር ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክንምስርት እንተ ደሊና: ብዛዕባኡ ኽንፈልጥ ይግብኣና። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ከኣ ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕ ግዜ ኽንምድብ ኣሎና።

ይኹን እምበር: ፍልጠት ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለዮ ጸሎት “ቃልካውን ሐለዉ” በለ። (ዮሃንስ 17:6) ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ምእካብ ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ዝፈለጥናዮ ተሰማሚዕና ኽንነብር እውን ኣሎና። ከምዚ እንተ ዘይጌርና ግን ከመይ ጌርና ኢና እሞ ዓርኪ ኣምላኽ ክንከውን እንኽእል፧ ኰነ ኢልና ምስ ሓሳባትን ስርዓታትን ሓደ ሰብ ዚጻረር ነገር እናገበርና ምስቲ ሰብ እቲ ዘሎና ዕርክነት ንኺምዕብል ምተጸበናዶ፧ ስለዚ እምበኣር: ኣመለኻኽታን ስርዓታትን ኣምላኽ ንህይወትና ኺመርሖ ይግባእ። ካብ ስርዓታቱ እተን ክልተ: ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም እንጥቀመለን እስከ ንርአ።

ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምምስራት

ኣብ ሓደ እዋን የሱስ ንሰብኣዊ ርክባት ብዚምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃብ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ኣዘንተወ። እታ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ምስ ኣገልገልቱ ኺጸባጸብ ዚደሊ ንጉስ እያ ነይራ። ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ፈጺሙ ኺፈድዮ ዘይክእል ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ነበሮ። እቲ ጐይታኡ: ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሽየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ አዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ “ተዐገሰኒ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ” ኢሉ ለመኖ። እቲ ጐይታኡ ኸኣ ደንገጸሉ እሞ ዕዳኡ ሓደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና: ካብቶም ብጾቱ ንእሽቶ ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ምስ ረኸበ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ በሎ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ: “ተዐገሰኒ: ኵሉ ኺፈድየካ እየ” ኢሉ እኳ እንተ ለመኖ: ንሱ ግና ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ኣእሰሮ። እቲ ንጉስ ነዚ ሰምዐ ተቘጥዐ እሞ “ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ: ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧” በሎ። ነቲ ዘይምሕር ባርያ ኸኣ ዅሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ኣእሰሮ። የሱስ ካብዚ ዛንታ ብምብጋስ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ኢሉ መሃረ።—ማቴዎስ 18:23-35

ዘይፍጹማት ሰባት ብምዃና ብዙሕ ኢና ንጋገ። ሕጋጋት ኣምላኽ ነፍርስ ብምዃና ፈጺምና ኽንፈድዮ ዘይንኽእል ብዙሕ ዕዳ እዩ ዘሎና። ይቕረ ንኺብለልና ኻብ ምሕታት ሓሊፍና እንገብሮ የብልናን። ኣሕዋትና ንዝበደሉና ይቕረ ንብሎም እንተደኣ ዄንና: የሆዋ ኣምላኽ እውን ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ ንኺብለልና ድሉው እዩ። ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ! የሱስ ንሰዓብቱ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” ኢሎም ንኺጽልዩ መሃሮም።—ማቴዎስ 6:12

ንጸገማት ካብ ሱሩ ምፍታሕ

የሱስ ባህርያት ደቅሰብ ብምርዳእ ዝመጸ ኽኢላ እዩ ነይሩ። ጸገማት ካብ ሱሩ ኺፍታሕ ከም ዚግብኦ እዩ ምሂሩ። ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

የሱስ “ነቶም ቀዳሞት፤ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ: ኣይትቕተል: ከም ዝተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሓዉ ዚቝጥዖ [“ኵራ ዜሕድር:” NW] ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ . . . እብለኩም ኣለኹ” በለ። (ማቴዎስ 5:21, 22) ኣብዚ እቲ ኣብ ምቕታል ዜብጽሕ ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ነገር ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልቢ እቲ ቐታሊ ዚዓቢ ኣረኣእያ እዩ። ሰባት ቂምን ኵራን ካብ ውሽጦም እንተ ዜጥፍእዎ ነይሮም: እቲ ደይመደይ ኢልካ ዚግበር ዓመጻ ምተረፈ ነይሩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ተግባር እንተ ዚውዕል ነይሩስ ደም ምፍሳስ ኣይምጠፍአንዶ ነይሩ፧

የሱስ ንሱር ሓደ ኻልእ ጓሂ ልቢ ዜስዕብ ሽግር ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኸኣ ኣስተብህል። ነቲ እኩብ ህዝቢ “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ: ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ” በሎም። (ማቴዎስ 5:27-29) ኣብዚ ሱር እቲ ሽግር ካብቲ ብዕሉግ ዝዀነ ተግባር ዝዓመቘ ምዃኑ መሃረ። ከመይሲ እቲ ሽግር ቅድሚ እቲ ተግባር ምፍጻሙ እዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ ብዕሉግ ባህግታት እዩ። ሓደ ሰብ ንዘይግቡእ ባህግታት ካብ ኣእምሮኡ ‘ጐጥጒጡ እንተ ደርብይዎ’: ነቲ ቐንዲ ጸገም ሰጊርዎ ማለት እዩ።

“ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ”

ኣብታ የሱስ ኣሕሊፉ እተዋህበላን እተኣሰረላን ምሸት: ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሰይፉ መሊሑ ኺከላኸለሉ ፈተነ። ሽዑ የሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ኢሉ ኣዘዞ። (ማቴዎስ 26:52) ንጽብሒቱ ንግሆ ንጶንጥዮስ ጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) እዚ ትምህርቲ እዝስ ዘይግብራዊዶ ይመስል፧

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኻብ ዓመጻ ምርሓቕ ዝሃቦ ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎም፧ እታ ዘ ኤርሊ ክርስትያን ኣቲትዩድ ቱ ዎር ዘርእስታ መጽሓፍ “[ትምህርትታት የሱስ] ዝዀነ ዓይነት ዓመጻ ኸምኡውን ንኻልኦት ሰባት ምጕዳእ ጌጋ ከም ዝዀነ ኻብ ገለጸ ኣብ ውግእ ምስታፍ እውን ብዘይ ጥርጥር ጌጋ እዩ። . . . እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝበሎም ኵሉ እዮም ተኣዚዞም ከምኡውን ቃል ብቓሉ ህዱኣትን ዘይጻረሩን ኪዀኑ ኸም ዝመሃሮም ተረዲእዎም ነበረ። ሃይማኖቶም ሰላማዊ ኸም ዝዀነ ይገልጹ: ደም ስለ ዘፋስስ ድማ ምውጋእ ኣትሪሮም ይቃወሙ ነበሩ” ትብል። እቶም ክርስትያን ኢና ዚብሉ ዅሎም ነዚ ትምህርቲ እዚ እንተ ዚስዕቡ ነይሮምሲ ታሪኽ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተቐየረ ነይሩ!

ካብ ትምህርትታት የሱስ ብምሉኡ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ

እዚ ኣብዚ ዝረኣናዮ ትምህርትታት የሱስ ማራኽን ቀሊልን ሓያልን እዩ። ደቅሰብ ንትምህርትታት የሱስ ብምፍላጥን ኣብ ግብሪ ድማ ብምውዓልን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። a

ካብቲ ማንም ሰብ ካብ እተዛረቦ ንላዕሊ ዝዀነ ጥበብ እተሓወሶ ትምህርቲ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር: ምሳታቶም ክትራኸብ ወይ ኣብ ገጽ 2 ኻብ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ሓዲኡ ኽትጽሕፍ ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንብምሉኡ ትምህርትታት የሱስ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ እስሊ]

‘ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይምግበን’

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ እስሊ]

ትምህርትታት የሱስ ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ