ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን

ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን

ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን

“ድሕሪ ሕጂ . . . ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ [ክርስቶስ] ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።”2 ቈረንቶስ 5:15

1, 2. ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ካብ ስስዐ ንኺርሕቑ ዝደረኾም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እዩ፧

 እታ ለይቲ እቲኣ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ለይቲ እያ ነይራ። ከመይሲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ምእንቲ ዅሎም እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት ህይወቱ ኼሕልፍ ነበሮ። በታ ምሸት እቲኣ ንእሙናት ሃዋርያቱ ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ነገሮም። ሓደ ኻብቲ ዝነገሮም ነገራት ብዛዕባ እታ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ዚልለዩላ ባህሪ እትገልጽ ትእዛዝ እያ ነይራ። “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 13:34, 35

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩን ጥቕሚ ብጻዮም ካብ ጥቕሞም ኬቐድሙን ኣለዎም። ‘ህይወቶም ኣብ ክንዲ ኣዕሩኾም በጃ ንምሕላፍ’ እውን ድሕር ምሕር ኪብሉ የብሎምን። (ዮሃንስ 15:13) ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ተርቱልያን ዚበሃል ጸሓፊ ኣብታ ኣፖሎጂ ዘርእስታ ፍልጥቲ ጽሑፉ: ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ክርስትያናት ‘ክሳዕ ክንደይ ንሓድሕዶም ከም ዚፋቐሩ: ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ኪሞቱ እውን ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም እሞ ርኣዩ’ ኢሎም ከም እተዛረቡ ጸሓፈ።

3, 4. (ሀ) ምስ ስስዐ ኽንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ንሕናውን ‘ጾር ሓድሕድና ኽንጸውር: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ክንፍጽም’ ኣሎና። (ገላትያ 6:2) ይኹን እምበር: ሕጊ ክርስቶስ ንኸይንሕሉን ንየሆዋ ኣምላኽና ‘ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን ንኸይነፍቅሮን’ ስስዐ ዕንቅፋት ይዀነና እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ንርእስና ዚጥዕመና ነገራት ኢና እንደሊ። ኣብ ርእሲ እቲ መዓልታዊ ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጢ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ዘሎ ውድድር: ከምኡውን ንናብራ ዜድሊ ነገራት ንምምእራር ዚግበር ቃልሲ ምስ ተወሰኾ: ሰብኣዊ ስስዐ መሊሱ እዩ ዚጋደድ። እዚ ናይ ስስዐ ዝንባለ እዚ ሎሚውን ኣይንክን እዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2

4 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስስዐ ንኺርሕቑ ዜኽእሎም ሰለስተ ስጕምትታት ዝሓዘ ማዕዳ ሃቦም። እዚ ማዕዳ እዚ እንታይ ይብል: ካብቲ መምርሒታቱኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

ዚዓዪ ፍታሕ

5. የሱስ ኣብ ሰሜናዊ ገሊላ ኺሰብኽ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዝነገሮም: እዚኸ ዘሰምበዶም ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜናዊ ገሊላ እትርከብ ቂሳርያ ናይ ፊሊጶስ ይሰብኽ ነበረ። እዚ ህዱእን መሳጥን ቦታ ርእስኻ እተሕስመሉ ዘይኰነስ እትዘናግዓሉ ቦታ እዩ ዚመስል። የሱስ ግን ኣብቲ ቦታ እቲ “ናብ የሩሳሌም ኪድይብ: ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: ኪቕተል: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ” ኺገልጸሎም ጀመረ። (ማቴዎስ 16:21) ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ንመራሒኦም መንግስቱ ኣብ ምድሪ ኬቕውም ይጽበይዎ ብምንባሮም: እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣሰምቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ!—ሉቃስ 19:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6

6. የሱስ ንጴጥሮስ ኣትሪሩ ዝገንሖ ስለምንታይ እዩ፧

6 ጴጥሮስ ብኡንብኡ ንየሱስ “ንበይኑ ገይሩ፤ ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ: ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።” የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ “ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፤ ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ: በሎ።” ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ኣረኣእያታት ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ነይሩ! የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውኣሉ መገዲ ብፍታው ተቐበሎ: እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ሙማት ዜጠቓልል ነበረ። ጴጥሮስ ግን ንየሱስ ኪምሽኦ ደልዩ: “ይባልህካ እባ ደኣ” በሎ። ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ ኸም እተዛረቦ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን: ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ጴጥሮስ ብሰይጣን ስለ እተጸልወ: የሱስ ገንሖ። ጴጥሮስ ‘ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ’ ኣይነበሮን።—ማቴዎስ 16:22, 23

7. ኣብ ማቴዎስ 16:24 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ስጕምትታት ኪወስዱ እዩ ሓቢርዎም፧

7 ምስቲ ጴጥሮስ ንየሱስ እተዛረቦ ዘረባ ዚመሳሰል ሓሳብ ሎሚውን ይቃላሕ እዩ። ዓለም ብሓፈሻ ንሰባት ‘ይባልህካ እባ ደኣ’ ወይ ‘ብዙሕ ሽግር ዘይብሉ መገዲ ስዓብ’ ዚብል መልእኽቲ እያ እተመሓላልፈሎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሱስ ኣዝዩ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ኺህልወና እዩ ዚምዕድ። ንደቀ መዛሙርቱ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” በሎም። (ማቴዎስ 16:24) ዘ ኒው እንተርፕረተርስ ባይብል ዚበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “እዘን ቃላት እዚኣተን ንሓደስቲ ሰባት ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ኣይኰናን ዕድመ ዜቕርባሎም ዘለዋ: የግዳስ ነቶም ነቲ ክርስቶስ ዘቕረቦ ጻውዒት እተቐበሉ ሰባት: ወደ መዝሙር ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ንኼስተንትኑሉ እየን ዚድርኻ” በለ። እተን ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዚርከባ የሱስ ዝጠቐሰን ስለስተ ስጕምትታት: ኣመንቲ ኼማልእወን ኣለዎም። እምበኣር ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ እስከ በብሓደ ንርአ።

8. ህይወትካ ምቕባጽ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

8 ፈለማ ህይወትና ኽንቀብጽ ኣሎና። እታ “ህይወትካ ምቕባጽ” ተባሂላ እትትርጕም ናይ ግሪኽ ቃል: ካብ ስስዐ ንዚምንጭ ባህግታት ወይ ንብሕታዊ ረብሓ ንምንጻግ ፍቓደኛ ምዃን ተመልክት። ህይወትካ ምቕባጽ ኪበሃል ከሎ: ሓሓሊፍካ እተወሰነ ዜሐጕሰካ ነገር ምሕዳግ: ከም መነንቲ ምዃን: ወይ ርእስኻ ምሕሳም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ምሉእ ህይወትናን ዘሎና ዘበለ ዅሉን ብፍታው ንየሆዋ ብምውፋይ ‘ናይ ርእስና ኣይንኸውንን።’ (1 ቈረንቶስ 6:19, 20) ንርእስና ኣብ ዚጥዕመና ነገራት ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ኣብ ዚጥዕሞ ነገራት ነተኵር። ህይወትና ምቕባጽ ኪበሃል ከሎ ዋላ እውን ዘይፍጽምና እናሃለወና ኽነሱ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከም ዝቘረጽና የመልክት። ርእስና ንኣምላኽ ክንውፍን ክንጥመቕን ከለና ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ኸም እተወፈና ነርኢ። ድሕሪኡ ኣብ ምሉእ ህይወትና ምስቲ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ንጽዕር።

9. (ሀ) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መስቀል ወይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ንምንታይ የመልክት ነበረ፧ (ለ) ብኸመይ ኢና መስቀልና እነልዕል፧

9 እቲ ኻልኣይ ስጕምቲ መስቀልና ምልዓል እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን መስቀል ወይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ንስቓይን ውርደትን ሞትን የመልክት ነበረ። ገበነኛታት ጥራይ እዮም ብህይወት ከለዉ ወይ ምስ ሞቱ ሬሳኦም ኣብ ዕንጨይቲ ዚስቀል ዝነበረ። የሱስ በዚ ቓላቱ እዚ ኣቢሉ ክርስትያናት ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ: መስጐጕቲ: ንዕቀት: ሕሉፍ ሓሊፉውን ሞት ኪወርዶም ድሉዋት ኰይኖም ኪጽበዩ ኸም ዘለዎም ገለጸ። (ዮሃንስ 15:18-20) ክርስትያናዊ ስርዓታትና እተፈለና ስለ ዚገብረና: ዓለም ‘ትጸርፈና’ እያ። (1 ጴጥሮስ 4:4) እዚ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ስድራቤት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 9:23) ይኹን እምበር: ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ስለ ዘይንነብር: ንዕቀት ዓለም ክንጻወር ፍቓደኛታት ኢና። የሱስ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ። (ማቴዎስ 5:11, 12) እወ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር ሞገስ ኣምላኽ ምርካብ እዩ።

10. ኣስኣሰር የሱስ ምስዓብ እንታይ የጠቓልል፧

10 ሳልሳይ: የሱስ ክርስቶስ ክንስዕቦ ኸም ዘሎና ሓቢሩና እዩ። ብመሰረት እቲ ብዳብሊው. ኢ. ቫይን እተዳለወ ኣን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ: ምስዓብ ኪበሃል ከሎ “ብሓባር ዚኸይድ” ብጻይ ምዃን ማለት እዩ። ቀዳማይ ዮሃንስ 2:6 “እቲ: ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] እነብር አሎኹ: ዚብል: ከምቲ ንሱ [ክርስቶስ] እተመላለሶ: ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ” ትብል። የሱስ ብኸመይ እዩ ተመላሊሱ፧ እታ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡን ንደቀ መዛሙርቱን ዝነበረቶ ፍቕሪ ዋላ ሓንቲ ኣሰር ስስዐ ኣይነበራን። ጳውሎስ እውን “ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” በለ። (ሮሜ 15:3) ድኻም ወይ ጥሜት ኣብ ዚስምዖ ዝነበረ እዋን እኳ እንተዀነ: የሱስ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ርእሱ ኣቐዲሙ እዩ። (ማርቆስ 6:31-34) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኰነ ኣብ ምምሃር እውን ኣበርቲዑ ጽዒሩ እዩ። ‘ንዅሎም ኣህዛብ: የሱስ ዝኣዘዘና ዅሉ ኺሕልዉ እናመሃርና ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብሮም’ እተዋህበና መዝነት ክንፍጸም ከለና ኽንመስሎዶ ኣይግባእን፧ (ማቴዎስ 28:19, 20) ክርስቶስ ብዅሉ መዳይ ኣርኣያ ስለ ዝሓደገልና ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 2:21

11. ህይወትና ቐቢጽና: መስቀልና ኣልዒልና: ንየሱስ ክርስቶስ ክንስዕቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ህይወትና ቐቢጽና: መስቀልና ኣልዒልና: ነቲ ኣርኣያ ዚዀነና ኽንስዕቦ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር: ነቲ ጥቕሚ ርእስኻ ንእትስውእ ፍቕሪ ዕንቅፋት ዚኸውን ስስዐ ኸነርሕቖ ንኽእል። ብዘይካዚውን የሱስ “ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ . . . ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ: ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ: እንታይ ይጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧” በለ።—ማቴዎስ 16:25, 26

ንኽልተ ጐይተት ክንግዛእ ኣይንኽእልን ኢና

12, 13. (ሀ) እቲ ኻብ የሱስ ምኽሪ ዝሓተተ መንእሰይ መራሒ እንታይ እዩ ዜጨንቖ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ጐበዝ እንታይ ምኽሪ ሃቦ: ስለምንታይከ፧

12 የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ህይወቶም ቀቢጾም ኪስዕብዎ ኸም ዘለዎም ድሕሪ ምጕላሑ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ሓደ ገና መንእሰይ ዝነበረ ሃብታም መራሒ ናብኡ ቐሪቡ “ዎ መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ: እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ “እተን ትእዛዛት ሐሉ” ኢሉ ድሕሪ ምምላስ: ገለ ኻብአን ጠቐሰሉ። እቲ ጐበዝ ከኣ “እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ” በለ። እዚ ጐበዝ እዚ ሓቁ እዩ ነይሩ: ነቲ ሕጊ ንምሕላው እውን ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ድማ ነቲ ጐበዝ “ፍጹም [“ምሉእ:” ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል] ክትከውን እንተ ደሌኻስ: ኪድ: ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ: ንዓ ስዐበኒ” ብምባል ፍሉይ ጻውዒት ኣቕረበሉ።—ማቴዎስ 19:16-21

13 እቲ ጐበዝ ብምሉእ ልቡ ንየሆዋ ኼገልግሎ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ዕንቅፋት ዝዀኖ ስጋዊ ሃብቲ ኼወግዶ ኸም ዘለዎ የሱስ ኣስተውዓለ። ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ኣይክእልን እዩ። እወ: ‘ንኣምላኽን ንገንዘብን ኪግዛእ ኣይኰነሉን እዩ።’ (ማቴዎስ 6:24) ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረት ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ተደልዮ እያ። (ማቴዎስ 6:22) ጥሪትካ ንድኻታት ምሃብ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ይሓትት። ኣብ ክንድዚ ስጋዊ መስዋእቲ እዚ ኸኣ የሱስ ነቲ መንእሰይ መራሒ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ኣብ ሰማይ ኪህልዎ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። እዚ መዝገብ እዚ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚረኽበሉን ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኣሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። እቲ ጐበዝ ህይወቱ ኪቐብጽ ድሉው ኣይነበረን። “ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ: . . . እናጐሀየ ኸደ።” (ማቴዎስ 19:22) ካልኦት ሰዓብቲ የሱስ ግን እተፈልየ ምላሽ እዮም ሂቦም።

14. ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ የሱስ ኪስዕብዎ ዘቕረበሎም ጻውዒት ብኸመይ ተቐበልዎ፧

14 የሱስ ክልተ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ዮሃንስ ንዚበሃሉ ገፈፍቲ ዓሳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ነበረ። ነቲ ጻውዒት ኬቕርበሎም ከሎ: ክልተ ኻብዚኣቶም ዓሳ ይገፉ ነበሩ: እቶም ክልተ ኸኣ መርበቦም የዐርዩ ነበሩ። የሱስ “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ: ንዑ ስዐቡኒ” በሎም። ኣርባዕቲኦም ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም ሓዲጎም: ኣብ ዝተረፈ ህይወቶም ንየሱስ ሰዓብዎ።—ማቴዎስ 4:18-22

15. ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንየሱስ ንምስዓብ መስዋእቲ ዝገበረት ብኸመይ እያ፧

15 ሎሚውን ሓያሎ ክርስትያናት ኣብነት እቲ ሃብታም መራሒ ዘይኰነስ ኣብነት እቶም ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ስዒቦም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንየሆዋ ንኼገልግሉ ኢሎም ሃብትን ኣጋጣምታትን ሰዊኦም እዮም። ንኣብነት: ዴብራ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ጓል 22 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዓብዪ ውሳነ ኽገብር ነይሩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ ነበርኩ: ህይወተይ እውን ንየሆዋ ኽውፊ ደለኹ: ስድራቤተይ ግን ኣበርቲዖም ተጻረሩኒ። ብብዙሕ ሚልዮናት ዚቝጸር ገንዘብ ነይርዎም: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ከኣ ዜዋርዶም ኰይኑ ተሰምዖም። ካብቲ ምሾት ዝመልኦ ህይወት ወይ ካብ ሓቂ ሓዲኡ ኽመርጽ 24 ሰዓት ተዋህበኒ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ዅሉ ርክባት እንተ ዘየቋሪጸ: ናይ ምውራስ መሰለይ ከም ዜሕድጉኒ ገለጹለይ። የሆዋ ቕኑዕ ውሳነ ንኽገብር ሓገዘኒ: ነቲ ውሳነይ ንኽፍጽሞ ድማ ብርታዐ ሃበኒ። ዝሓለፈ 42 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እየ ኣሕሊፈዮ: በዚ ድማ ዋላ ሓንቲ ጣዕሳ የብለይን። ነቲ ስስዐ ዝመልኦን ኣብ ተድላ ምርካብ ዘተኰረን ህይወት ዝባነይ ብምሃበይ: ካብቲ ሕጂ ኣብ ኣባላት ስድራቤተይ ዚርአ ባዶነትን ጓህን እየ ኣምሊጠ። ምስ ብዓል ቤተይ ብሓባር ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝዀኑ ወልቀ-ሰባት ሓቂ ንኺፈልጡ ሓጊዝናዮም ኢና። እዞም ብመንፈሳዊ መዳይ ደቂ ዝዀኑኒ እዚኣቶም ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ሃብቲ ንላዕሊ እየ ኣኽቢረ ዝርእዮም።” ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። ንስኻኸ፧

16. ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኸም ዘይንነብር ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

16 በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ደጊም ንርእሶም ኪነብሩ ባህጊ ስለ ዘይብሎም: ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኬገልግሉ ድራኸ ሓዲርዎም እዩ። ገሊኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ዅነታቶም ዘይፈቕደሎም ከኣ ናይ ፓይነር መንፈስ የማዕበሉን ብእተኻእሎም ዘበለ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይድግፉን እዮም። ወለዲ ንውሉዳቶም መንፈሳዊ ስልጠና ንምሃብ መብዛሕትኡ ግዜኦምን ብሕታዊ ድሌቶምን ኪስውኡ ኸለዉ ተመሳሳሊ መንፈስ እዮም ዜንጸባርቑ። በዚ ዀነ በቲ ዅላትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህባ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:33

ናይ መን ፍቕሪ እዩ ደሪኹና፧

17. መስዋእቲ ኽንገብር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

17 ጥቕሚ ርእሲ እትስውእ ፍቕሪ ምንጽብራቕ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ካብ ምንታይ ተደሪኽና ነዚ ኸም እንገብሮ እሞ ሕሰበሉ። ጳውሎስ “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ: ስለዚ . . . ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ ንርእስና ኸይንነብር ዝደረኸና። እዝስ ከመይ ዝበለ ሓያል ድራኸ ዀን እዩ! ክርስቶስ ስለ ዝሞተልና: ምእንታኡ ንኽንነብር ስነ-ምግባራዊ ግዴታዶ ይስምዓና ኸይኰነ፧ ከመይሲ: ንዕምቈት ፍቕሪ ኣምላኽን ክርስቶስን ዘሎና ሞሳ: ህይወትና ንኣምላኽ ንኽንውፍን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንኽንከውንን ደሪኹና እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:10, 11

18. ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚኽሕስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ደጊም ንርእስና ዘይምንባር ብሓቂ ዚኽሕስ ድዩ፧ እቲ ሃብታም መራሒ ነቲ የሱስ ዘቕረበሉ ጻውዒት ነጺጉ ድሕሪ ምኻዱ: ጴጥሮስ ንየሱስ “እንሆ: ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” በሎ። (ማቴዎስ 19:27) ጴጥሮስን እቶም ዝተረፉ ሃዋርያትን ብሓቂ ህይወቶም ቀቢጾም እዮም ስዒቦምዎ። እንታይ ዓስቢ ዀን እዮም ኪረኽቡ፧ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ገዛእቲ ብምዃን ዝረኽብዎ ፍሉይ ሓላፍነት ነገሮም። (ማቴዎስ 19:28) ኣብ ርእሲ እዚውን “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ . . . ሚእቲ ኻዕበት . . . ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም። (ማርቆስ 10:29, 30) ካብቲ ዝሰዋእናዮ ነገራት ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ኢና እንረክብ። መንፈሳውያን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ካብ ዝዀነ ይኹን ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ዝሓደግናዮ ነገራት ኣጸቢቖም ዚበልጹዶ ኸይኰኑ፧ ንምዃኑ ኻብ ጴጥሮስን እቲ ሃብታም ገዛእን መኖም እዩ ዝያዳ ዓስቢ ዝረኸበ፧

19. (ሀ) ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 የሱስ ብቓላቱን ተግባራቱን ኣቢሉ: ሓጐስ ዚርከብ ካብ ምሃብን ካብ ምግልጋልን ደኣ እምበር ካብ ስስዐ ኸም ዘይኰነ ገለጸ። (ማቴዎስ 20:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ንርእስና ምንባር ሓዲግና ንክርስቶስ ምስ እንስዕቦ: ካብቲ ሕጂ ዘሎ ህይወት ብዙሕ ዕግበት ንረክብ: ኣብ መጻኢ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይህልወና። ልክዕ እዩ: ህይወትና ኽንቀብጽ ከለና: የሆዋ እዩ ዋናና ዚኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ ባሮት ኣምላኽ ንኸውን። ባርነት ዓስቢ ዜምጽእ ግን ከመይ ገይሩ እዩ፧ ኣብ ህይወትና ንእንገብሮ ውሳነታትከ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧ እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

ትዝክሮዶ፧

• ምስቲ ስስዐ ዝመልኦ ዝንባለና ኽንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ህይወትካ ቐቢጽካ: መስቀልካ ኣልዒልካ: ንየሱስ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኸይንነብር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

• ጥቕሚ ርእስኻ እናሰዋእካ ምንባር ዚኽሕስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ እስሊ]

“ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ እስሊ]

ነቲ መንእሰይ መራሒ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ዕንቅፋት ዝዀኖ እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ እስሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ንኼገልግሉ ፍቕሪ ደሪኻቶም እያ