ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ብሓቂዶ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ፧

ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ብሓቂዶ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ፧

ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ብሓቂዶ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ፧

ኣብ መንጎ ጋሊለዮን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን እተፈጥረ ግጭት: ካብቲ ኮፐርኒከስን ጋሊለዮን እተወልዱሉ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ እዩ ተበጊሱ። ምድሪ ኣብ ማእከል ዩኒቨርስ ኣላ ዚብል ኣረኣእያ እተኣታተወ ብጥንታዎት ግሪኻውያን ኪኸውን ከሎ: ኣሪስቶትል ዚበሃል ፈላስፋን (384-322 ቅ.ኣ.ዘ.) ቶለሚ ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ኰዀብን ቈጻሪ ኸዋኽብትን (ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) ከኣ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣስፋሕፍሕዎ። a

ኣሪስቶትል ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዝነበሮ ሓሳብ በቲ ፓይታጎራስ ዚበሃል ግሪኻዊ ናይ ሕሳብ ክኢላን ፈላስፋን (ሻድሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ.) ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ተጸልዩ እዩ። ኣሪስቶትል ነቲ ዓንኬልን ክብን ፍጹም ቅርጺ እዩ ዚብል ፓይታጎራስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብምቕባል: ሰማያት ልክዕ ከም ሽጕርቲ ኽቢ ኣብ ውሽጢ ኽቢ ዝኣተወ ቐጸላታት ምዃኑ ይኣምን ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ቀጸላ ብክሪስታል እተሰርሐ ዀይኑ: ምድሪ ኣብ ማእከል ትርከብ ይብል ነበረ። ከዋኽብቲ ብመሰረት እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ኽቢ እናተመርሑ ብኽቢ ይንቀሳቐሱ። ብዘይካዚውን ጸሓይን ካልእ ሰማያዊ ኣካላትን ፍጹምን ኣበር ዘይርከቦን ዘይቅየርን ከም ዝዀነ ገይሩ ይኣምን ነበረ።

ኣሪስቶትል ዘበገሶ ሓሳብ ኣብ ፍልስፍና ደኣ እምበር ኣብ ስነ-ፍልጠት እተመስረተ ኣይነበረን። ምድሪ ትንቀሳቐስ እያ ኢልካ ምሕሳብ ዘይርትዓዊ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ምድሪ ትንቀሳቐስ ነይራ እንተ ትኸውን እሞ ወትሩ ሓይሊ ዚውስኸላ እንተ ዘይሃልዩ: ብሰንኪ ፍሕፋሐ ደው ምባላ ኸም ዘይተርፋ ይኣምን ብምንባሩ: ነቲ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይብሉ ባዶ ቦታ ኣሎ ዚብል ሓሳብ ነጸጎ። በቲ ሽዑ ዝነበረ ፍልጠት ተመርኲስካ ኺርአ ኸሎ: ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ሓሳብ ርትዓዊ ይመስል ብምንባሩ: ን2,000 ዓመት ዚኸውን ቀጸለ። ኣብ መበል 16 ዘመን እውን ከይተረፈ: ዣን ቦዲን ዚበሃል ፈረንሳዊ ፈላስፋ “ዋላ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ወይ ብዛዕባ ፊዝክስ እተወሰነ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ እታ ኸባድን ንምቍጽጻራ እተሸግርን . . . ምድሪ . . . ኣብ ገዛእ ርእሳን ንጸሓይን ትዘውር ኢሉ ዚሓስብ የልቦን፣ ከመይሲ ምድሪ ንእሽቶ እኳ እንተ ትንቀሳቐስ: ከተማታትን ዕርድታትን ኣቝሻትን ኣኽራንን ኪዓኑ ኸሎ ምረኣና ኔርና” ብምባል ነቲ ሽዑ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝነበሮ ኣረኣእያ ገለጸ።

ቤተ-ክርስትያን ንሓሳባት ኣሪስቶትል ተቐበለት

ኣብ መንጎ ጋሊለዮን ቤተ-ክርስትያንን ግጭት ከም ዚፍጠር ዝገበረ ኻልእ ምኽንያት ከኣ: ኣብ መበል 13 ዘመን እተኸስተ ዀይኑ ነቲ ቶማስ ኣኳይነስ ዚበሃል ዓብዪ ሓላፍነት ዘለዎ ካቶሊክ (1225-74) እውን ዚምልከት ነበረ። ኣኳይነስ ነቲ ኸም ብሉጽ ፈላስፋ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ኣሪስቶትል ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮ: ንፍልስፍና ኣሪስቶትል ምስ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ንምስምማዕ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ጸዓረ። ጋሊለዮ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን “እቲ ኣኳይነስ ካብ ኣሪስቶትል ብምውሳድ ሓናፊጹ ዝፈጠሮ ትምህርቲ ሃይማኖት: ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ዀይኑ ነበረ” ብምባል ዌድ ሮውላንድ ኣብታ ጋሊለዮስ ምስቴክ ዘርእስታ መጽሓፉ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምዚ ሕጂ እንርእዮ ኣብ ስነ-ፍልጠት መጽናዕቲ ዚገብሩ ኻብ ሃይማኖት እተፈልዩ ሰባት ከም ዘይነበሩ እውን ኣይንረስዕ። ትምህርቲ ብቐንዱ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ቤተ-ክርስትያን ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃይማኖትን ስነ-ፍልጠትን ሓላፍነት ዝነበሮ ሓደ ኣካል እዩ ነይሩ።

በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እታ ቤተ-ክርስትያንን ጋሊለዮን ንዚፍጠር ግጭት ዚኸውን ባይታ ተሰረተ። ጋሊለዮ ተመራማሪ ስነ-ኰዀብ ቅድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዚምልከት ሓደ ጽሑፍ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ጽሑፉ ነቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ሓሳባት ኣብ ሕቶ ዜእቱ ነበረ። ይኹን እምበር: ጋሊለዮ ጸሓይ ኣብ ማእከል ከም ዘላ ዚገልጽ ሓሳብ ብቐጻሊ ምድጋፉን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕ ከም ዝዀነ ምግላጹን እዩ ብ1633 ብፍርዲ መናፍቓን ከም ዚፍረድ ዝገበሮ።

ጋሊለዮ ብዛዕባ ጕዳዩ ኺጣበቕ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዚኣምን ኣረጋገጸ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንተራ ሰባት ከም እተጻሕፈን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓይ ከም እትንቀሳቐስ ገይሩ ዚገልጾ ሓሳባት ቃል ብቓሉ ኺትርጐም ከም ዘይግባእ እውን ተማጐተ። እዚ መጐተኡ ግን ከንቱ እዩ ነይሩ። ጋሊለዮ ንቕዱሳት ጽሑፋት በቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና እተመስረተ ሓሳባት ንኸይትርጕሞ ስለ ዝኣበየ: ተዀነነ! ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ጋሊለዮ ዝፈጸመቶ ጌጋ ኽሳዕ 1992 ብወግዒ ኣይኣመነትሉን።

ካብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ፈለማ: ጋሊለዮ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጋጮን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ ንትምህርትታት እታ ቤተ-ክርስትያን እዩ ኣብ ሕቶ ዜእትዎ ነይሩ። ሓደ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚጽሕፍ ጸሓፊ “ካብ ጋሊለዮ እንረኽቦ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣመና ኣጥቢቓ ኸም ዝሓዘቶ ዘይኰነስ: ብዚግባእ ኣጥቢቓ ኸም ዘይሓዘቶ ዜርኢ እዩ” በለ። ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ንትምህርትታታ ኸም ዚጸልዎ ብምግባራ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ እትስዕብ: ያታ ኽትስዕብ ጀመረት።

እዚ ዅሉ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ዚብል መጠንቀቕታ እዩ ዜዘኻኽረና።—ቈሎሴ 2:8

ሎሚውን እንተዀነ ሓያሎ ምእመናን ህዝበ-ክርስትያን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር ክልሰ-ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ይቕበሉ እዮም። ሓደ ኣብነት እኳ እቲ ብዛዕባ ፍልቀት ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ዳርዊን እዩ። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት ብምንጻግ ነዚ ኽልሰ-ሓሳብ እዚ እዮም ተቐቢሎም ዘለዉ። ኣብያተ-ክርስትያን ከምዚ ብምግባረን: ንዳርዊን ዘመናዊ ኣሪስቶትል ኪገብራኦ ኸለዋ: ንፍልቀት ከኣ ክፋል ሃይማኖታዊ እምነት ገበራኦ። b

ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ነቲ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዘሎና ተገዳስነት ኪንክዮ የብሉን። እኳ ደኣስ: መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ኻብ ፍጥረት ኣምላኽ ክንመሃርን ኣብቲ እንዕዘቦ ዘበለ ነገራት ባህርያት ኣምላኽ ከነስተውዕልን እዩ ዚዕድመና። (ኢሳይያስ 40:26፣ ሮሜ 1:20) ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ፍልጠት ከም ዚምህር ኰይኑ ኣይቀርብን እዩ። የግዳስ: ንስርዓታት ኣምላኽ: ነቲ ፍጥረት ንበይኑ ኺምህረና ዘይክእል ባህርያት ኣምላኽ: ከምኡውን ነቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 19:7-11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) እንተዀነ ግን: ንፍጥረት ብዚምልከት ወትሩ ቕኑዕ ነገር እዩ ዚገልጽ። ጋሊለዮ ንባዕሉ እኳ “ቅዱሳት ጽሑፋትን ፍጥረትን ብቓል ኣምላኽ እዩ ቘይሙ . . . ክልተ ሓቅታት ንሓድሕዱ ኺጋጮ ኣይክእልን እዩ” በለ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እሞ ርአ።

ኵሉ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ ነገራት ብኸም ናይ ስሕበት ሕጊ ዝኣመሰለ ሕግታት ይቕየድ እዩ ዚብል ሓሳብ: ካብ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ፕላነታትን ንላዕሊ ዝያዳ መሰረታዊ ዝዀነ ሓሳብ እዩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዚፍለጥ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እተረኽበ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ብፓይታጎራስ እተዳለወ ዀይኑ: ንሱ ድማ ዩኒቨርስ ብሕሳብ ኪግለጽ ከም ዚከኣል ይኣምን ነበረ። ድሕሪ ኽልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ድማ ጋሊለዮ: ከፕለር: ከምኡውን ኒውተን ነገራት ብርትዓዊ ሕግታት ከም ዚምራሕ ኣረጋገጹ።

ንተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣስታት 1600 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣምላኽ ንእዮብ “ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 38:33) እታ ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት መጽሓፍ ኤርምያስ ከኣ “ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን” ከምኡውን ‘ስርዓት ሰማይን ምድርን’ ዝፈጠረ የሆዋ ኸም ዝዀነ ትገልጽ። (ኤርምያስ 31:35፣ 33:25) ጆርጅ ሮለንሰን ዚበሃል ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ምሁር ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው “እቶም ጸሓፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ሕጊ ኣለዎ ዚብል ኣረኣእያ: ልክዕ ከም ኣብ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ዚእመነሉ ዘሎ ገይሮም እዮም ዚዛረቡሉ ነይሮም” በለ።

እቲ ኣብ እዮብ ዚርከብ ቃላት ግን ፓይታጎራስ ብዛዕባ እቲ ንዩኒቨርስ ዚቕይድ ሕግታት ቅድሚ ምዝራቡ ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ እዩ ተጻሒፉ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኺጠቅስ ከሎ ተፈጥሮኣዊ ሓቅታት ንምግላጽ ካብ ዚብል ዕላማ ዘይኰነስ: ብቐዳምነት የሆዋ ንዅሉ ነገራት: እንተላይ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ከም ዝፈጠረ ንምግላጽ እዩ።—እዮብ 38:4, 12፣ 42:1, 2

ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዑደት ማይ እዩ። እዚ ብሓጺሩ ኺግለጽ ከሎ ማይ ካብ ባሕሪ ይሃፍፍ: ደበና ይኸውን: ናብ ምድሪ ይዘንም: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ባሕሪ ይምለስ። ብዛዕባ እዚ ዑደት እዚ ዚገልጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እተረኽበ ጥንታዊ ዚበሃል መዝገብ ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መግለጺ ግን ነዚ መዝገብ እዚ በማእታት ዓመታት እዩ ዚቕድሞ። ንኣብነት: ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፥ ባሕሪ ግና ኸቶ ኣይመልእን። ከም ብሓድሽ ኪጅምር ከኣ እቲ ማይ ናብቲ እቲ ውሒዝ ዝጀመረሉ ይምለስ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 1:7 ትርጕም 1990

ብተመሳሳሊውን ብ800 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እቲ ትሑት ጓሳን ኣብ ሕርሻ ዚሰርሕን ዝነበረ ነብዪ ኣሞጽ: “ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ: ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ” የሆዋ ምዃኑ ጸሓፈ። (ኣሞጽ 5:8) ሰሎሞንን ኣሞጽን እተሓላለኸ ቓላት ከይተጠቕሙ: ንዑደት ማይ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ብትኽክል ገለጽዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” እውን ይብል እዩ። (እዮብ 26:7) ነቲ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ እተዘርባሉ 1600 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ፍልጠት ኣብ ግምት ብምእታው: ሓደ ዚጭበጥ ነገር ብዘይ ገለ ደገፍ ኣብ ህዋ ጠልጠል ኢሉ ኣሎ ዚብል ሓሳብ ኬምጽእ ዚኽእል ሰብ ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: ኣሪስቶትል እኳ ባዶ ህዋ ንዚብል ሓሳብ ይጻረሮ ነይሩ እዩ: ንሱውን እንተዀነ ድሕርዚ ጽሑፍ እተጻሕፈሉ እዋን 1,200 ዓመት ጸኒሑ እዩ ዚነብር ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግጉይ ግን ከኣ ርትዓዊ ዚመስል ሓሳባት ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ቅኑዕ ሓሳባት ዚህብ ምዃኑስ ኣየገርመካንዶ፧ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ እዩ። እምበኣር: ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚጻረር ዝዀነ ይኹን ትምህርቲ ወይ ክልሰ-ሓሳብ ክንጽሎ የብልናን። ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ኸም ዝረኣናዮ እቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ፈላስፋታት እኳ እንተዀኑ ኺሓልፉ ኸለዉ: “ቃል ኣምላኽ ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ጴጥሮስ 1:25

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ሳሞስ ዚነብር ዝነበረ ኣርስጣርኮስ ዚበሃል ግሪኻዊ: ጸሓይ ኣብ ማእከል ቆዝሞስ ከም ዘላ ዚሕብር ክልሰ-ሓሳብ ኣቕረበ። ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ሓሳባት ዝሓሸ ጌርካ ስለ እተራእየ ግን እቲ ኣርስጣርኮስ ዘቕረቦ ሓሳብ ተነጽገ።

b ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ብዙሓት ንፍልቀት ዚቕበልዎ ስለምንታይ እዮም፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ዘለዋ ምዕራፍ 15 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ፕሮተስታንት ዝነበሮም ኣረኣእያ

መራሕቲ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ነቲ ጸሓይ ኣብ ማእከል ትርከብ ዚብል ኣምር ተጻሪሮምዎ እዮም። ገለ ኻብቶም መራሕቲ: ማርቲን ሉተር (1483-1546): ፊሊፕ መላንክተን (1497-1560): ከምኡውን ጆን ካልቪን (1509-64) ይርከብዎም። ሉተር ብዛዕባ ኮፐርኒከስ “እዚ ዓሻ እዚ ንብምሉኡ ናይ ስነ-ኰዀብ ስነ-ፍልጠት ኪግምጥሎ ይደሊ ኣሎ” በለ።

እዞም ፈለምቲ ተሓድሶ እዚኣቶም ነቲ መጎተኦም ኣብቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ቃል ብቓሉ ዚህብዎ ትርጕም እዮም ሰሪቶምዎ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ እያሱ ምዕራፍ 10 ዚርከብ ጸሓይን ወርሕን ከም ‘ዝቘማ’ ዚሕብር ጸብጻብ ይጠቕሱ ነበሩ። c እቶም ፈለምቲ ተሓድሶ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ዝወሰዱ ስለምንታይ እዮም፧ እታ ጋሊለዮስ ምስቴክ ዘርእስታ መጽሓፍ እቲ ናይ ፕሮተስታንት ተሓድሶ ነርዑት ጳጳስ ኪሰብሮ ኸሎ: ነቲ “ብካቶሊክን ብፕሮተስታንትን ተቐባልነት ዝረኸበ” ኣተሓሳስባ ኣሪስቶትልን ቶማስ ኣኳይነስን ዜጠቓልል “መሰረታዊ ስልጣን ግን ኣየወገዶን” ትብል።

[እግረ-ጽሑፍ]

c “ጸሓይ በሪቓ” ከምኡውን “ጸሓይ ዓሪባ” ኽንብል ከለና: ብስነ-ፍልጠታዊ መዳይ ጌጋ ቓላት ኢና እንጥቀም ዘሎና። እንተዀነ ግን: ካብ ምድሪ ዄንና ንርኢ ስለ ዘለና: ኣብ መዓልታዊ ዘረባ እዚ ቓላት እዚ ተቐባልነት ዘለዎን ቅኑዕን እዩ። እያሱ እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ስነ-ኰዀብ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ: የግዳስ ነቲ ዚርእዮ ዝነበረ ፍጻመታት ከም ዘለዎ እዩ ገሊጽዎ።

[ስእሊ]

ሉተር

ካልቪን

[ምንጪ ስእሊ]

From the book Servetus and Calvin, 1877

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣሪስቶትል

[ምንጪ ስእሊ]

From the book A General History for Colleges and High Schools, 1900

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ቶማስ ኣኳይነስ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book Encyclopedia of Religious Knowledge, 1855

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣይዛክ ኒውተን

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር ንዑደት ማይ ገለጾ