ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ: ኣምላኽካ ግበሮ

ንየሆዋ: ኣምላኽካ ግበሮ

ንየሆዋ: ኣምላኽካ ግበሮ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰኑ ውልቀ-ሰባት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮም: ኣምላኾም ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ “ኣምላኽ ኣብርሃም:” “ኣምላኽ . . . ዳዊት:” ከምኡውን “ኣምላኽ ኤልያስ” ተባሂሉ ኣሎ።—ዘፍጥረት 31:42፣ 2 ነገስት 2:14፣ 20:5

እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮም ብኸመይ እዩ፧ ምስ ፈጣሪ ጥብቂ ርክብ ክንምስርትን ክንዕቅብን ምእንቲ ኽንክእል: ካባታቶም እንታይ ንመሃር፧

ኣብርሃም ‘ብየሆዋ ኣመነ’

ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብየሆዋ ኸም ዝኣመነ ዚዛረበሎም ሰባት ኣብርሃም እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። ካብተን ንኣብርሃም ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ዘኽኣላኦ ባህርያት: እምነት ብቐዳምነት እትስራዕ እያ። አረ ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ስለ ዝነበሮ እኳ: ፈጣሪ ጸኒሑ ንሙሴ ኬዘራርቦ ኸሎ “ኣምላኽ ኣብርሃም:” ኣምላኽ ይስሃቅ ወዱ: ከምኡውን ኣምላኽ ያእቆብ ወዲ ወዱ ምዃኑ እዩ ገሊጹሉ።—ዘፍጥረት 15:6፣ ዘጸኣት 3:6

ኣብርሃም ኣብ ኣምላኽ ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ክትህልዎ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ቅድም ቀዳድም: ኣብርሃም ንእምነቱ ኣብ ድልዱል መሰረት እዩ ሰሪትዋ። እቲ ኣምላኽ ዝገበረሉ ምድሓን ብዓይኑ ዝረኣየ ሴም ወዲ ኖህ ብዛዕባ የሆዋ ምሂርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ‘ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ኸም ዝሓለዎ:’ ሴም ብዓይኑ ርእዩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ሴም ንኣብርሃም: የሆዋ ሓደ ነገር ድሕሪ ምምብጻዑ: ብርግጽ ከም ዚፍጸም ገሊጹሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም መብጽዓ ምስ ኣተወሉ: ኣብርሃም ተሓጐሰ: እቲ መብጽዓ እቲ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ብምዃን ከኣ ብእኡ ተመላለሰ።

እምነት ኣብርሃም ድልዱል መሰረት ስለ ዝነበራ: ብግብሪ እውን ዝያዳ በርቲዓ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተአመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ: ብእምነት ተአዘዘ: ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:8) እዚ ተኣዛዝነት እዚ ንእምነት ኣብርሃም ዝያዳ ኣደልደላ: ብዛዕባኣ ኸኣ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት: እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት: ትርኢ አሎኻ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 2:22

ብዘይካዚውን የሆዋ: እምነት ኣብርሃም ክትፍተን ብምፍቃዱ: ኣዝያ ድልድልቲ ዀይና እያ። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ: ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ” በለ። ፈተና ንእምነት ይዅልዓን የደልድላን: ‘ካብ ወርቂ ኣዝያ ዝኸበረት’ ድማ ይገብራ እዩ።—እብራውያን 11:17፣ 1 ጴጥሮስ 1:7

ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ብምሉኡ ኺፍጸም እኳ እንተ ዘይረኣየ: ካልኦት ኣብነቱ ኺስዕቡ ኸለዉ ብምርኣዩ ተሓጒሱ እዩ። ሳራ ብዓልቲ ቤቱን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዚበሃሉ ሰለስተ ኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱን በታ ዘርኣይዋ ሓለፍ ዝበለት እምነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተናኢዶም እዮም።—እብራውያን 11:11, 20-22

ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት

ዝዀነ ይኹን ንየሆዋ: ኣምላኹ ኺገብር ዝደሊ ሰብ እምነት ተድልዮ እያ። ጳውሎስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:6) ሎሚ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ ድልድልቲ እምነት ኬማዕብል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እምነትና ልክዕ ከም ናይ ኣብርሃም: ኣብ ድልዱል መሰረት እተሰረተት ክትከውን ኣለዋ። እዚ ኺግበረሉ ዚኽእል ዝበለጸ መገዲ ኸኣ ንመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትን ኣዘውቲርካ ብምጽናዕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ኬረጋግጸልና ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ በቲ እተረጋገጸ ትጽቢት ኣቢልና ናብራ ህይወትና ንኸነተዓራሪ ኽንለዓዓል ንኽእል። እምነትና ብተኣዛዝነት ብእንገብሮ ግብሪ እውን ብዝያዳ ትድልድል እያ። ገለ ኻብዚ ግብርታት እዚ ኸኣ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ እብራውያን 10:24, 25

እምነትና ብምጽራር: ብኸቢድ ሕማም: ብሞት እነፍቅሮ ሰብ: ወይ ብኻልእ መገዲ ምፍታና ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ትሕቲ ፈተና ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምቕጻል ንእምነትና መሊሱ የደልድላ: ካብ ወርቂ እትኸብር ድማ ይገብራ። መብጽዓታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ እዋን ንርአ ኣይንርአ ብዘየገድስ: እምነትና ብዝያዳ እያ ናብ የሆዋ እተቕርበና። ብዘይካዚውን ካልኦት ሰባት ኣብነትና ብምርኣይ ንእምነትና ኺስዕቡ ይተባብዑ እዮም። (እብራውያን 13:7) ንኣብነት: ራልፍ ንእምነት ወለዱ ድሕሪ ምዕዛብ: ስዒብዋ እዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ:-

“ኣብ ቤት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ወለደይ ንዅልና ኣባላት እታ ስድራቤት ኣንጊህና ተንሲእና መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ከነንብብ የተባብዑና ነበሩ። በዚ ኸምዚ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብናዮ።” ራልፍ ክሳዕ ሕጂ ንግሆ ንግሆ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ እዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ንመዓልቲ ብጽቡቕ መገዲ ይጅምራ። ኣብ ሰሰሙን እውን ምስ ኣቦኡ ናብ ኣገልግሎት ይኸይድ ነበረ። “ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እየ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን እተመሃርኩ” በለ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለንተኛ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። እታ ወለዱ ዝነበረቶም እምነትስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ዓስቢ ዀን እያ ረኺባ!

ከም ልቢ የሆዋ

እቲ ድሕሪ ኣብርሃም 900 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እተወልደ ዳዊት: ካብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዚርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ብሉጽ ባህርያት ዝነበሮ እዩ። ነብዪ ሳሙኤል ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዳዊት ኣብ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ዚመርጸሉ ኣገባብ ኪገልጽ ከሎ “እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” ከም ዚረክብ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ መንጎ የሆዋን ዳዊትን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ ጥብቂ ብምንባሩ: ጸኒሑ ነብዪ ኢሳይያስ ንንጉስ ህዝቅያስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት” ኢሉ ተዛሪቡዎ እዩ።—1 ሳሙኤል 13:14፣ 2 ነገስት 20:5፣ ኢሳይያስ 38:5

ዳዊት ከም ልቢ የሆዋ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ እተወሰነ ኣጋጣሚታት ግን ብትምኒቱ ተመሪሑ እዩ። ሰለስተ ሳዕ ከቢድ ጌጋ ገበረ:- ነቲ ታቦት ኪዳን ብዘይግቡእ መገዲ ናብ የሩሳሌም ኬግዕዞ ፈተነ፣ ምስ ባትሴባ ዝሙት ድሕሪ ምፍጻሙ ንኡርያ ሰብኣያ ኸም ዚቕተል ገበሮ፣ የሆዋ ኸይኣዘዞ ድማ ንህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ቈጸሮ። ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት: ዳዊት ሕጊ የሆዋ እዩ ጥሒሱ።—2 ሳሙኤል 6:2-10፣ 11:2-27፣ 24:1-9

ይኹን እምበር: ዳዊት ሓጢኣት ምስ ገበረ: በቲ ዝገበሮ ተሓታቲ ምዃኑ ተኣመነ ደኣ እምበር በደሉ ናብ ካልእ ኬላግብ ኣይፈተነን። ነቲ ታቦት ኬግዕዞ ዝፈተነሉ ኣገባብ ግቡእ ከም ዘይነበረ ተኣመነ: ንየሆዋ ‘ከምቲ ስርዓት ጌርና ኣይደለናዮን’ ድማ በለ። ነብዪ ናታን ንዝሙት ዳዊት ምስ ቀልዖ: ዳዊት “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” በለ። ነቲ ህዝቢ ብምቝጻሩ ዝገበሮ ዕሽነት ምስ ኣስተውዓለ ድማ: “በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ” ኢሉ ተኣመነ። ዳዊት ካብ ሓጢኣቱ ተነስሐ: ምስ የሆዋ ድማ ጥብቂ ርክብ ሒዙ ቐጸለ።—1 ዜና መዋእል 15:13፣ 2 ሳሙኤል 12:13፣ 24:10

ክንጋገ ኸለና

ንየሆዋ: ኣምላኽና ንኽንገብሮ ኽንጽዕር ከለና: ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። እቲ ኸም ልቢ የሆዋ እተባህለ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት እኳ ኻብ ገበረ: ዝከኣለና እናጸዓርና ኸለና ጌጋ እንተ ጌርና ወይ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። (መክብብ 7:20) ዳዊት ምስ ተነስሐ: ሓጢኣቱ ኸም እተሓድገሉ ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ኡቭ a ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እዩ ኣጋጢምዎ።

ኡቭ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብግጉይ ትምኒቱ ተታሊሉ ዝሙት ፈጸመ። ፈለማ ነቲ ሓጢኣቱ የሆዋ ኺርስዖ ተስፋ ብምግባር: ከም ንጉስ ዳዊት ነቲ ነገር እቲ ሓቢእዎ ኺመላለስ ፈተነ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ሕልናኡ ስለ ዝረበሾ: ንሓደ ብጻዩ ሽማግለ ተናዘዘ። ንኡቭ ካብ መንፈሳዊ ውድቀቱ ኸም ዚትንስእ ንምግባር ከኣ ስጕምቲ ተወስደ።

ኡቭ ካብ ሓጢኣቱ ተነስሐ: ምስ የሆዋን ምስ ጉባኤኡን ዘለዎ ርክብ ድማ ኣይበተኸን። ነቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ኣዝዩ ስለ ዘማሰወሉ: ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት ነቶም ሽማግለታት ስለቲ ዝገበሩሉ ሓገዝ ልባዊ ምስጋናኡ ብምግላጽ “ነቲ ኣብ ስም የሆዋ ዘምጻእክዎ ጸርፊ ንኸርሕቖ ሓጊዝኩምኒ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ኡቭ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ሒዙ ኪቕጽል ከኣለ: ድሕሪ ግዜ ኸኣ እንደገና ኣብታ ጉባኤ እቲኣ ኣገልጋሊ ዀይኑ ተሸመ።

“ከማና ዝድኻሙ ሰብ”

ካብቲ ዳዊት ዝነበረሉ ድሕሪ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ዚነብር ዝነበረ ኤልያስ: ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነብያት እስራኤል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ብልሽውናን ርኽሰትን ኣስፋሕፊሑሉ ዝነበረ እዋን ተጣባቒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ነበረ: ንየሆዋ ኻብ ዘለዎ ተወፋይነት ድማ ፈልከት ኣይበለን። እቲ ንዕኡ ተኪኡ ነብዪ ዝዀነ ኤልሳእ እምበኣር ሓደ እዋን ንየሆዋ: “ኣምላኽ ኤልያስ” ኢሉ እንተ ጸውዖ ዜገርም ኣይኰነን።—2 ነገስት 2:14

ይኹን እምበር: ኤልሳእ ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝዀነ ፍጡር ኣይነበረን። ያእቆብ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:17) ንኣብነት: ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣምለኽቲ በዓል ከቢድ ስዕረት ምስ ሰዓሮም: ንግስቲ ኢዛቤል ክትቀትሎ ምዃና ፈከረት። ንሱኸ እንታይ ገበረ፧ ስለ ዝፈርሀ ናብ በረኻ ሃደመ። ኣብኡ ኣብ ትሕቲ ኺሊዓው ኮፍ ኢሉ “ዎ እግዚኣብሄር: ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ: ሕጂ ይአኽለኒ: ንነፍሰይ ውሰዳ” በለ። ነብዪ ዀይኑ ኪቕጽል ዘይኰነስ: ኪመውት እዩ ደልዩ።—1 ነገስት 19:4

የሆዋ ግን ንስምዒት ኤልሳእ ተረድኣሉ። ኣምላኽ ንኤልያስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እሙን ዝዀነ ንሱ በይኑ ጥራይ ከም ዘይኰነ ብምርግጋጽ ኣበርትዖ። ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ኣብ ኤልሳእ ዝነበሮ እምነት ከየጕደለ ዚዓዮ ዕዮ ሃቦ።—1 ነገስት 19:5-18

እቲ ንኤልያስ ዘጋጠሞ ስምዒታዊ ምንዋጽ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘጥፍአ ዚሕብር ኣይነበረን። ኣስታት 1,000 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ክርስቶስ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ቅድሚ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስ ተለወጠ: የሆዋ ንመን ድዩ ኣብ ጐድኒ የሱስ ደው ኢሎም ኪረኣዩ ዝመረጸ፧ ንሙሴን ንኤልያስን ደይኰነን፧ (ማቴዎስ 17:1-9) እምበኣር: የሆዋ ንኤልያስ ከም ሓደ ኣብነታዊ ነብዪ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ንጹር እዩ። ኤልያስ “ከማና ዝድኻሙ ሰብ” እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ንምቛምን ስም ኣምላኽ ንምቕዳስን ዝገበሮ ጻዕሪ ግን የሆዋ ኣኽቢሩ ርእይዎ እዩ።

ስምዒታዊ ቓልስና

ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓድሓደ እዋን ተስፋ ኪቘርጹ ወይ ኪጭነቑ ይኽእሉ እዮም። ኤልያስ ተመሳሳሊ ኸም እተሰምዖ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ከምቲ የሆዋ ንስምዒት ኤልያስ እተረድኦ: ንስምዒታዊ ቓልስና እውን ከም ዚርድኣልና ምግንዛብናስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!—መዝሙር 103:14

ብሓደ ሸነኽ ንኣምላኽን ንሰባትን ከነፍቅር: ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ክንፍጽም ንደሊ ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብዙሓት ስለ ዘይቅበሉና ኽንጕሂ ወይ ጸላእቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ስለ ዜጕባዕብዑልና ኽንጭነቕ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ከምቲ የሆዋ ንኤልያስ ጸኒዑ ኪቕጽል ዘዕጠቖ: ሕጂውን ነገልገልቱ የዕጥቖም እዩ። ንኣብነት: ንሀርበርትን ገርትሩድን ዘጋጠሞም እስከ ንርአ።

ሀርበርትን ገርትሩድን ብ1952 ኣብታ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ነበር እትርከብ ዝነበረት ከተማ ለፕሲግ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠሚቖም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዕዮ ስብከቶም ኣብ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበረ: ናብራኦም ኸቢድ እዩ ነይሩ። ሀርበርት ካብ ቤት ናብ ቤት ኬድካ ብዛዕባ ምስባኽ ከመይ ይስምዖ ነበረ፧

“ሓድሓደ ግዜ ንጭነቕ ነበርና። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና: ስልጣን ዘለዎም ሰባት ሃንደበት መጺኦም ኪሕዙና ይኽእሉ ነይሮም” በለ። ሀርበርት ኰነ ኻልኦት ነዚ ፍርሂ እዚ ንኺዋጽኡሉ ዝሓገዞም ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ “ብዙሕ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ነበርና። የሆዋ ድማ ዕዮ ስብከቱ ንኽንፍጽም ሓይሊ ሃበና” በለ። ሀርበርት ኣብ ኣገልግሎቱ ሓያሎ ዜተባብዕ ተመክሮታት ኣጋጢምዎ እዩ: ገሊኡ እሞ ኸኣ ዜስሕቕ እዩ።

ሓደ ግዜ ሀርበርት ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘለዋ ሰበይቲ ረኸበ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ናብ ቤታ ኺበጽሓ ምስ ከደ: ሓደ ኣብኡ ዝጸንሐ መንእሰይ ነቲ ዝርርቦም ሰምዖ። ድሕሪ እተወሰነ ደቓይቕ ሀርበርት ሓደ ዘሰምብድ ነገር ረኣየ። ኣብቲ ገዛ ኣብ ዚርከብ መንበር: ናይ ፖሊስ ቆብዕ ረኣየ። እታ ቖብዕ ናይቲ መንእሰይ እያ ነይራ: እዚ ፖሊስ እዚ ድማ ንሀርበርት ሒዙ ኼረክቦ ቘሪጹ እተላዕለ እዩ ዚመስል ነይሩ።

እቲ መንእሰይ “እምበኣር: ናይ የሆዋ ምስክር ኢኻ! ወረቐት መንነትካ እስከ ኣርእየኒ” በሎ። ሀርበርት ወረቐት መንነቱ ሃቦ። ድሕሪኡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገር ኣጋጠመ። እታ ሰበይቲ ናብቲ ፖሊስ ቍሊሕ ኢላ “ነዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ ገለ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ: ኣብዛ ገዛይ ገጽካ ኽትመጽእ ኣይፈቕደልካን እየ” በለቶ።

እቲ መንእሰይ ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምሕሳብ: ነቲ ወረቐት መንነት ንሀርበርት ሂቡ ይኺድ ሓደጎ። ጸኒሑ ሀርበርት: እቲ ፖሊስ ምስ ጓል እታ ሰበይቲ ፍቕሪ ይምስርት ምንባሩ ፈለጠ። ምስታ ጓል ዘለዎ ርክብ ካብ ዚጐናደብ ንሀርበርት እንተ ገደፎ ኸም ዚሕሾ ምሕሳቡ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ንየሆዋ: ኣምላኽና ንግበሮ

ካብዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ከም ኣብርሃም ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ኣዝያ ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ። ጌጋ ኽንገብር ከለና: ከም ዳዊት ካብ ልብና ብምንሳሕ ናብ የሆዋ ኽንምለስ ኣሎና። ኣብ እንጭነቐሉ እዋን ከኣ ከም ኤልያስ ብርታዐ ደሊና ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ይግባኣና። ከምዚ ምስ እንገብር: ሕጅን ንዘለኣለምን ነቲ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ንኣመንቲ: ዜድሕን ህያው ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ: ኣምላኽና ኽንገብሮ ንኽእል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 4:10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ብተኣዛዝነት ብዝፈጸሞ ግብሪ: እምነቱ ደልደለት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓጢኣት እንተ ጌርና: ከም ዳዊት ክንንሳሕ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ የሆዋ ንስምዒት ኤልያስ እተረድኦ: ንስምዒትና እውን ይርድኣልና እዩ