ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ: ነቶም ክቡራት ውህበትኩም ዕቝባ ኹንዎም

ኣቱም ወለዲ: ነቶም ክቡራት ውህበትኩም ዕቝባ ኹንዎም

ኣቱም ወለዲ: ነቶም ክቡራት ውህበትኩም ዕቝባ ኹንዎም

‘ጥበብ ከም ጽላል እያ። ንመጥረዪኣ ኸኣ ብህይወት ተንብሮ።’መክብብ 7:12

1. ወለዲ ንውሉዳቶም ከም ውህበት ገይሮም ኪርእይዎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

 ወለዲ ብትርኢቱ ዀነ ብባህርያቱ ንዓታቶም ዚመስል ውሉድ ይወልዱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ውሉዳት እዚኣቶም “ውህበት እግዚኣብሄር” ኢሉ ይጽውዖም። (መዝሙር 127:3) የሆዋ ናይ ሓቂ ወሃብ ህይወት ስለ ዝዀነ: ነቲ ዘይሩ ዘይሩ ናቱ ዝዀነ ውሉድ: ንወለዲ ብሓደራ እዩ ዚህቦም ዘሎ። (መዝሙር 36:9) ኣቱም ወለዲ: ካብ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ውህበት ምቕባል ብኸመይ ትርእይዎ፧

2. ማኖኣ ኣቦ ኪኸውን ምዃኑ ምስ ፈለጠ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧

2 ወለዲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውህበት ብትሕትናን ብሞሳን ኪቕበልዎ ኸም ዘለዎም ዜተሓታትት ኣይኰነን። ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር ንሓንቲ ሰበይቲ ሓደ መልኣኽ መጺኡ ውሉድ ከም እትወልድ ምስ ነገራ: እቲ ማኖኣ ዚበሃል ብዓል ቤታ ነዚ ድሕሪ ምስማዕ “ዎ ጐይታይ: እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ: በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና” ኢሉ ጸለየ። (መሳፍንቲ 13:8) ኣቱም ወለዲ: ካብ ማኖኣ እንታይ ኢኹም እትመሃሩ፧

ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ዜድልየሉ ምኽንያት

3. ኣብዚ ግዜና ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ሓገዝ ኣምላኽ ብዝያዳ ዜድልየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

3 ወለዲ ንደቆም ኣብ ምዕባይ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓገዝ የሆዋ የድልዮም ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ድያብሎስን መላእኽቱን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተደርብዮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ምድርን ባሕርን . . . ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ይብል። (ራእይ 12:7-9, 12) ንሰይጣን እውን “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ኣናብስ መብዛሕትኡ ግዜ ንድኹም እንስሳ: ብፍላይ ከኣ ንንኣሽቱ እዮም ዜጥቅዑ። ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ጽላል ወይ ዕቝባ ንምዃን ካብ የሆዋ መምርሒ ምድላዮም ጥበባዊ እዩ። ከምዚ ንምግባር ክሳዕ ክንደይ ኢኹም ትጽዕሩ ዘለኹም፧

4. (ሀ) ወለዲ ኣብ ከባቢኦም ኣንበሳ ይዘውር ከም ዘሎ ምስ ዚፈልጡ: እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚግባእ፧ (ለ) ውሉዳት ዕቝባ ንኺረኽቡ እንታይ የድልዮም፧

4 ኣብ ከባቢኹም ኣንበሳ ኸም ዘሎ እንተ ትፈልጡ: ብቐዳምነት ንደቅኹም ከተዕቝብዎም ከም እትደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሰይጣን እውን ሃዳኒ እዩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ብምብልሻው ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚስእኑ ኺገብር እዩ ዚደሊ። (እዮብ 2:1-7፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ንውሉዳት ብቐሊሉ ኼጥቅዖም ይኽእል እዩ። ቈልዑ ኻብ መፈንጠራታት ድያብሎስ ምእንቲ ኼምልጡ: ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኪእዘዝዎን ኣለዎም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣሽቱ ዘበሉ ጥበብ የድልዮም እዩ: ማለት ነቲ ዚመሃርዎ ኺርድእዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ኪኽእሉ ኣለዎም። “ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር” ስለ ዝዀነት: ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ኣብ ኣልባቦም ሓቂ ኽትሰርጹሎም ኣሎኩም። (መክብብ 7:12) ነዚ ብኸመይ ክትገብርዎ ትኽእሉ፧

5. (ሀ) ብኸመይ ኢኻ ጥበብ ከተስርጽ እትኽእል፧ (ለ) ምሳሌ ንዋጋ ጥበብ እትገልጻ ብኸመይ እያ፧

5 ንደቅኹም ካብ ቃል ኣምላኽ ከተንብቡሎም ትኽእሉ ኢኹም: ነዚ ኽትገብሩ እውን ይግባኣኩም። ንየሆዋ ምእንቲ ኼፍቅርዎን ኪእዘዝዎን ምሕጋዞም ግን: ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ዅነታቶም ምርዳእ እውን ይሓትት። ነዚ ብመብርሂ ንምርዳእ: ሓደ ቘልዓ ናብ ክልቲኡ ሸነኽ ከይረኣየ ጽርግያ ኸይሰግር ይንገሮ። እንተዀነ ግን: ገሊኦም ቈልዑ ኣይእዘዙን እዮም። ስለምንታይ፧ ማኪና እንተ ገጭያቶም ዚመጾም ሳዕቤን ብዚግባእ ወይ ኣብ ኣእምሮኦም ከም ዚቕረጽ ኰይኑ ኣይተገልጸሎምን ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ናብ ሓደጋ ኼብጽሖም ዚኽእል “ዕሽነት” ኬወግድዎ ኣይክእሉን። ጥበብ ንኸተስርጽ ግዜን ትዕግስትን ይሓትት። እንተዀነ ግን: ጥበብ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ዀን እያ! መጽሓፍ ቅዱስ “ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ: ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ: ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 3:13-18፣ 22:15

ጥበብ ንኸተጥሪ ዚሕግዝ ትምህርቲ

6. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ ቘልዑ ስራሕ ዕሽነት ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እንታይ ውግእ እዩ ዚግበር ዘሎ፧

6 መብዛሕትኡ ግዜ ንኣሽቱ ዘበሉ ጌጋ ዚገብሩ: እቲ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተማህሩ ዘይኰነስ: እቲ ትምህርቲ ኣብ ውሽጦም ስለ ዘይሰረጸ እዩ። ድያብሎስ ምስ ኣልባብ ንኣሽቱ ይቃለስ እዩ ዘሎ። ናብቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ጽልዋታት እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዚቃልዑ እዩ ዚገብሮም። ነቲ ኽፉእ ንኺገብሩ ድራኸ ዜሕድረሎም ዝወረስዎ ሓጢኣት ከኣ ኪምዝምዞ ይጽዕር እዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ መዝሙር 51:5) ወለዲ: ኣልባብ ደቆም ንምቍጽጻር ናይ ሓቂ ውግእ ተኸፊቱ ኸም ዘሎ ኼስተውዕሉ ኣለዎም።

7. ንቘልዓ ቕኑዕን ጌጋን ምንጋሩ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቆም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምህሮም ኣሎና ብምባል ቅኑዕን ጌጋን ዝዀነ ነገር ይነግርዎ እዮም። ንውሉዶም ምሕሳው: ምስራቕ: ወይ ምስ ዘይተመርዓኻያ ጾታዊ ርክብ ምግባር ጌጋ እዩ ኢሎም ይነግርዎም ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሓደ ቘልዓ ወለዱ ግበር ኣይትግበር ስለ ዝበልዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ትእዛዝ ንኺሕሉ ኻብኡ ንላዕሊ ድራኸ የድልዮ እዩ። እዚ ኸኣ ሕግታት የሆዋ እዩ። እቲ ቘልዓ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ጥበብ ምዃኑ ኺመሃር ኣለዎ።—ምሳሌ 6:16-19፣ እብራውያን 13:4

8. ንውሉዳት ብጥበብ ንኺመላለሱ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ፧

8 ሓደ ቘልዓ እተሓላለኸ ዩኒቨርስ ምርኣዩ: ብዝሒ ዓይነት ህያዋን ፍጥረታት ምፍላጡ: ወቕትታት ኪለዋወጥ ምዕዛቡ: ሓደ ብጥበቡ ደረት ዘይብሉ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንኺርዳእ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 1:20፣ እብራውያን 3:4) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ: ብመስዋእቲ ወዱ ኣቢሉ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ ምድላው ከም ዝገበረሉ: ከምኡውን ንሱ ነቲ ኣምላኽ ዚብሎ ብምሕላው ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ኪመሃር ኣለዎ። ድሕሪኡ እቲ ቘልዓ ዋላ እውን ድያብሎስ ኪዓናቕፎ እንተ ጸዓረ: ንየሆዋ ኼገልግሎ ባህጊ ይሓድሮ።—ምሳሌ 22:6፣ 27:11፣ ዮሃንስ 3:16

9. (ሀ) ህይወት ዜድሕን ትምህርቲ ንምሃብ እንታይ ይሓትት፧ (ለ) ኣቦታት እንታይ ኪገብሩ እዩ መምርሒ እተዋህቦም: እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

9 እቲ ንሓደ ቘልዓ ዕቝባ ዚዀኖን ቅኑዕ ንኺገብር ዚድርኾን ትምህርቲ ግዜን ቈላሕታን መደብን ይሓትት። ወለዲውን ካብ የሆዋ መምርሒ ኪቕበሉ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ይብል። (ኤፌሶን 6:4) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብቲ በዅሪ ግሪኽ “ምዕዶ” ኺበሃል ከሎ “ሓሳባት ምምሕልላፍ” ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣቦታት ሓሳባት የሆዋ ናብ ደቆም ኬመሓላልፉሎም እዩ ሓደራ ዚበሃሉ ዘለዉ። እዝስ ንውሉዳት ከመይ ዝበለ ዕቝባ ዀን እዩ ዚዀኖም! ውሉዳት ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኦም እንተ ሰሪጹ: ካብ ጌጋ እዮም ዚሕለዉ።

ካብ ፍቕሪ ዚምንጭ ባህጊ

10. ንውሉድኩም ብዚግባእ ንምምሃር: እንታይ ኢኹም ክትፈልጡ ዘሎኩም፧

10 ንውሉድኩም ብግቡእ ንምዕባይ ዘሎኩም ባህጊ ምእንቲ ኸተማልኡ ግን ጻዕርታትኩም ካብ ፍቕሪ ዝመነጨ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ ረቛሒታት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እዩ። ንውሉድኩም ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ዘሎ ነገራትን ኣረኣእያኡን ፍለጡ። ኣብ ምሹእ ኵነታት ብሜላ ሓሳቡ ኸም ዚገልጸልኩም ግበሩ። ሓድሓደ ግዜ በቲ ዚብሎ ነገራት ክትስምብዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣመና ኸም ዝሰምበድኩም ከይተርእዩ ግን ተጠንቀቑ። ኣብ ክንድኡስ: ብድንጋጽ ስምዕዎ።

11. ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ሓሳባት ኣምላኽ ኬመሓላልፈሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ልክዕ እዩ: ንውሉድኩም ሕግታት ኣምላኽ ጾታዊ ርኽሰት ከም ዚኽልክል ኣንቢብኩምሉ ትዀኑ: ምናልባት እውን ነዚ ብተደጋጋሚ ጌርኩምዎ ትዀኑ። (1 ቈረንቶስ 6:18፣ ኤፌሶን 5:5) እዚ ኸኣ ንውሉድኩም ንየሆዋ ዜሐጕሶን ዜጕህዮን ነገር ንኺፈልጥ የኽእሎ ይኸውን። ይኹን እምበር: ሓሳባት የሆዋ ኣብ ውሉድኩም ንምስራጽ ካብዚ ንላዕሊ ኽትገብሩ የድሊ። ቈልዑ ነቲ ሕግታት ዘለዎ ኣገዳስነት ንኺርድእዎ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ሕግታቱ ቕኑዕን ጠቓምን ምዃኑ: ንዕኡ ምሕላው ከኣ ግቡእን ፍቕራውን ምዃኑ ኺኣምኑ ኣለዎም። ንደቅኹም ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርኩም ኣረኣእያ ኣምላኽ ንኪቕበሉ ምስ እተረድእዎም ጥራይ እዩ ሓሳባቱ ኣመሓላሊፍኩሎም ኪበሃል ዚከኣል።

12. ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ግቡእ ኣረኣእያ ንኺሕዝ ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳይ ክትዘራረቡ ኸለኹም: “ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከይንገብር ዚኽልክል ሕጊ የሆዋ ምሕላው ሓጐስካ ዜጕድልዶ ይመስለካ፧” ኢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ውሉድኩም ምስ መረዳእታኡ ገይሩ መልሱ ኺህበኩም ኣተባብዕዎ። ኣምላኽ ውሉዳት ንኺውለዱ ዝገብሮ ዜደንቕ ምድላው ድሕሪ ምግላጽኩም: “እቲ ፈቃር ኣምላኽና ሓጐስ ንኸይንረክብ ኢሉ ሕግታት ዜውጽእዶ ይመስለካ፧ ወይስ ሕግታቱ ንኼሐጕሰናን ንኼዕቍበናን ተባሂሉ እዩ እተዋህበና፧” ኢልኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። (መዝሙር 119:1, 2፣ ኢሳይያስ 48:17) ውሉድኩም ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ፍለጡ። ድሕሪኡ ጾታዊ ርኽሰት ናብ ጓሂ ልብን ሽግርን ከም ዚመርሕ ዚሕብር ኣብነት ኣጕልሑሉ። (2 ሳሙኤል 13:1-33) ውሉድኩም ኣረኣእያ ኣምላኽ ከም ዚርድኦን ከም ዚቕበሎን ምስ እትገብሩ: ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ ልቡ ንምስራጽ ብዙሕ ዓዪኹም ኣለኹም ማለት እዩ። ኰይኑ ግን: ገና ኽትገብርዎ ዘሎኩም ካልእ ነገር ኣሎ።

13. ሓደ ውሉድ ንየሆዋ ኺእዘዝ ዚድረኽ እንታይ ምስ ዚርዳእ እዩ፧

13 ንውሉድኩም ትእዛዝ የሆዋ ምጥሓስ ዜምጽኦ ሳዕቤን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣነባብራና ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ እውን ግለጹሉ። ፍቓድ የሆዋ ኣብ ዘይንገብረሉ እዋን: ከም እነቘጥዖ ወይ ከም እነጕህዮ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእይዎ። (መዝሙር 78:41) “ንየሆዋ ኸተጕህዮ ዘይትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢልኩም እውን ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም: ድሕሪኡ “እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ንየሆዋ ብስስዐ ተደሪኽና ደኣ እምበር ብፍቕሪ ኸም ዘይነገልግሎ እዩ ዚማጐት” ኢልኩም ክትገልጹሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣስዕብ ኣቢልኩም እውን እዮብ ንጽህናኡ ብምሕላዉ ንልቢ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጐሶን ነቲ ሰይጣን ብሓሶት ዚኸሶ ኽሲ መልሲ ኸም ዝሃበሉን ግለጹሉ። (እዮብ 1:9-11፣ 27:5) ውሉድኩም ብዚገብሮ ተግባራት ንየሆዋ ኼጕህዮ ወይ ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ኪርዳእ ኣለዎ። (ምሳሌ 27:11) በታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጌርኩም: እዝን ሓያሎ ኻልእ ኣገዳሲ ትምህርትታትን ንደቅኹም ክትምህርዎም ትኽእሉ ኢኹም። a

ዜሐጕስ ፍረ

14, 15. (ሀ) ኣብታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ኣየናይ ትምህርትታት እዩ ንቘልዑ ልቦም ዝተንከፎም፧ (ለ) ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምጥቃምካ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ረኺብካ፧ (ኣብ ገጽ 18-19 ዚርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ኣብ ክሮአሽያ ዚነብር ሓደ ኣባሓጎ ምስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዲ ወዱ ብሓባር ኰይኑ ነታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ የንብባ እዩ። ሓደ ግዜ እቲ ቘልዓ “ማማ ሓደ ነገር ክገብር ኣዘዘትኒ: ኣነ ግን ክገብሮ ኣይደለኹን። ድሕሪኡ ግን ነታ ‘ተኣዛዝነት ዕቝባ ይዀነካ’ እትብል ምዕራፍ ዘከርኩ: ስለዚ ድማ ተመሊሰ ኸይደ ኸም ዝእዘዛ ነገርክዋ” ኢሉ ኸም ዝነገሮ እዚ ኣባሓጎ እዚ ጸሓፈ። ኣብ ፍሎሪዳ: ሕ.መ.ኣ.: ዚርከቡ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እታ “ክንሕሱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧” ዘርእስታ ምዕራፍ: “ቈልዑ ኣልባቦም ንኪኸፍቱን ዚሓብእዎ ዝነበሩ ጌጋኦም ኪእመኑን ዜኽእሎም ሕቶታት ኣለዋ” በሉ።

15 እታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ ልዕሊ 230 ስእልታት ኣለዋ: ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ወይ ጕጅለ ስእልታት ድማ መግለጺ ኣለዎ። ሓንቲ መማሰዊት ኣደ “መብዛሕትኡ ግዜ ወደይ ኣዒንቱ ኣብ ሓንቲ ስእሊ ተኺሉ ይጥምት: እታ ገጽ እውን ክትግንጸል ኣይደልን። እቲ ስእልታት ማራኺ ጥራይ ዘይኰነስ ብርእሱ መሃሪ እውን እዩ: ወይውን ቈልዑ ሕቶ ንኺሓቱ የለዓዕሎም እዩ። ወደይ ነታ ሓደ ቘልዓ ኣብ ጸልማት ክፍሊ ዀይኑ ተለቪዥን ዚርእየላ ስእሊ ምስ ረኣየ: እቲ ቘልዓ ዘይግባእ ነገር ይገብር ከም ዘሎ ብዚሕብር ቃና ድምጺ ‘ማማ: እዚ ቘልዓ እዚ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧’ ኢሉ ሓተተኒ” በለት። ነታ ስእሊ እቲኣ መግለጺ ኪኸውን እተዋህበ ጽሑፍ “ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት መን ኪርእዮ ይኽእል፧” ትብል።

ነዚ ግዜና ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ

16. ኣብዚ ግዜና ውሉዳት ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዘለዎም: ስለምንታይከ፧

16 ቈልዑ ነቲ ዜሕንኽ ክፍሊ ኣካላቶም ብዚምልከት ግቡእን ዘይግቡእን ዝዀነ ነገራት ኪፈልጡ ይግብኦም። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዚ ምዝርራብ ቀሊል ኣይኰነን። ሓንቲ ኣዳላዊት ዓምዲ ዝዀነት ጋዜጠኛ ንጾታዊ ኣካላት ዚምልከት ቃላት ምጥቃም ጽዩፍ ከም ዝዀነ ጌርካ ኣብ ዚረኣየሉ ዝነበረ እዋን ከም ዝዓበየት ትገልጽ። ንደቃ ብዛዕባ ምምሃር ግን “ነቲ ዜሕፍረኒ ነገራት ከሰንፎ ኣሎኒ” ኢላ ጸሓፈት። ወለዲ ኻብ ሕንኪ ተላዒሎም ንጾታዊ ነገራት ዚምልከት ጕዳይ ምስ ዘይዘራረቡሉ: ነቲ ውሉድ ዕቝባ ኣይኰነን ዝዀኖ። ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንግርህና ቘልዑ ይምዝምዝዎ እዮም። እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ጕዳይ እዚ ብጽቡቕን ብኣኽብሮትን እያ እተልዕሎ። ንቘልዑ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምንጋር ንንጽህናኦም ወይ ግርህናኦም ዜበላሹ ኣይኰነን: ዘይምንጋሮም ግን ንጽህናኦም ከም ዚበላሾ ኺገብር ይኽእል እዩ።

17. ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንኺምህሩ እታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ እትሕግዞም ብኸመይ እያ፧

17 ኣብ ምዕራፍ 10 ብዛዕባ እቶም ናብ ምድሪ መጺኦም ውሉዳት ዝወለዱ እኩያት መላእኽቲ ኣብ ዚገልጽ ክፋል: “ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ትፈልጥ፧” ዚብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። እታ መጽሓፍ ብቐሊልን ግቡእን ቃላት ገይራ መልሲ ትህብ። ምዕራፍ 32 ቈልዑ ኻብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱሎም ሰባት ብኸመይ ኪከላኸሉ ኸም ዚኽእሉ ትምህርቲ ትህብ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚገልጽ ሓያሎ ደብዳበታት መጺኡና ኣሎ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣደ “ዝሓለፈ ሰሙን ጄቫን ወደይ ናብ ሓኪሙ ከደ: ንሳ ድማ ነቲ ዜሕንኽ ክፍሊ ኣካላቱ ንምንታይ ዕላማ ጥራይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ገሊጽናሉ እንተ ዄንና ሓተተትና። በታ ሓዳስ መጽሓፍና ኣቢልና ኸም ዚገለጽናሉ ምስ ነገርናያ ኣዝዩ እዩ ኣስደሚምዋ” በለት።

18. እታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ ንሃገራዊ ኣርማታት ሰላምታ ብዛዕባ ምሃብ ብኸመይ እያ እተብርሆ፧

18 ካልእ ምዕራፍ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ንመንግስቲ ባቢሎን ዚምልከት ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚበሃሉ ሰለስተ እብራውያን ትገልጽ። (ዳንኤል 3:1-30) ገሊኦም ሰባት ንምስሊ ምስጋድን ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብን ዚተኣሳሰር ምዃኑ: ከምቲ እታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ ዝገለጸቶ ገይሮም ኣይርእይዎን ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሓደ ኤድዋርድ ጋፍኒ ዚበሃል ደራሲ ምስ ዩ.ኤስ. ካቶሊክ እትበሃል መጽሔት ኣብ ዝገበሮ ቓለ-መጠይቕ ኣገዳሲ ነጥቢ ጠቒሱ ኣሎ። ጓሉ ንመጀመርታ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውዒላ ድሕሪ ምምላሳ: “ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓድሽ ጸሎት” ከም እተማህረት ገለጸትሉ። ንሱ ድማ ንኽትደግመሉ ሓተታ። ጋፍኒ ቐጺሉ “ኢዳ ኣብ ኣፍ ልባ ገይራ: ብሓበን ‘ንባንዴራና ብተኣማንነት ከገልግል እምሕል . . .’ ኢላ ጀመረት። ብኡንብኡ ሓደ ነገር ተገንዘብኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቆም እዮም። ኣብ ኣብያተ-ትምህርትና ኻብ ቍልዕነት ኣትሒዝና ናይ ሃገራውነት ኣምልኾ ኢና እንተክል: እዚውን ደረት ዘይብሉ ተኣማንነት ዚጠልብ እዩ” በለ።

ክትደኽመሉ ዚግባእ ነገር

19. ንውሉዳት ምምሃር እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

19 ንደቅኹም ምምሃር: ክትደኽሙሉ ዚግባእ ነገር እዩ። ሓንቲ ኣብ ካንሳስ: ሕ.መ.ኣ. እትነብር ኣደ ኻብ ወዳ ደብዳበ ምስ መጻ: ብሓጐስ ነቢዓ እያ። ኣብቲ ደብዳበኡ “ሚዛናዊ ንክኸውን ዝሓገዘኒ ኣተዓባብያ ብምርካበይ ዕድለኛ እየ። ንስኽን ኣቦይን ብሓቂ ኽትነኣዱ ይግብኣኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 31:28) እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ንብዙሓት ወለዲ ነቶም ክቡራት ውህበት ዝዀኑ ደቆም ንኺምህርዎም ክትሕግዞም ትኽእል እያ።

20. ወለዲ ወትሩ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም: እዚኸ ኣባታቶም እንታይ ጽልዋ እዩ ኺህልዎ ዘለዎ፧

20 ብእተኻእለኩም መጠን ምስ ውሉዳትኩም ግዜ ኸተሕልፉ: ቈላሕታ ኽትገብሩሎም: ከምኡውን ክትጽዕሩሎም ይግባእ። ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዮም ቈልዑ ዀይኖም ዚጸንሑ። ንዅሉ እቲ ምሳታቶም ግዜ ንምሕላፍን ንምሕጋዞምን ዘሎኩም ኣጋጣሚ ተጠቐሙሉ። ነዚ ፈጺምኩም ኣይክትጠዓሱሉን ኢኹም። ንሳቶምውን ኬፍቅሩኹም እዮም። ወትሩ ውሉዳትኩም ውህበት የሆዋ ምዃኖም ኣይትረስዑ። ከመይ ዝበሉ ኽቡራት ውህበት ኰን እዮም! (መዝሙር 127:3-5) ስለዚ: ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህቡኹም ውህበት ጌርኩም ሓዝዎም ከምኡውን ብኣምላኽ ተሓተትቲ ኸም ዝዀንኩም ፈሊጥኩም ብግቡእ ኣዕብይዎም—ከመይሲ ብርግጽ ተሓተትቲ ኢኹም!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ኣብታ “ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እተሐጕሶ” ዘርእስታ ምዕራፍ 40 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ወለዲ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ንደቆም ዕቝባ ኪዀንዎም ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

• ጥበብ ንኸተጥሪ ዚሕግዝ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ፧

• ኣብዚ ግዜና ንደቅኻ ብዛዕባ እንታይ ከተመያይጦም እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

• እታ መምህር እትበሃል መጽሓፍ: ወለዲ ንውሉዳቶም ኪምህሩ ብኸመይ ሓጊዛቶም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18,19 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ንዅሉ ሰብ እትኸውን መጽሓፍ

እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ወለዲ ወይ ከኣ ዓበይቲ ሰባት: ትምህርትታት የሱስ ምስ ቈልዑ ንኼምብብዎን ንኺማያየጡሉን ንምሕጋዝ ተባሂላ እያ ተዳልያ። እንተዀነ ግን: እቶም ነዛ መጽሓፍ ዜንበቡዋ ዓበይቲ ሰባት ነቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ኣማስዮምሉ እዮም።

ሓደ ኣብ ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ሰብኣይ “እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ንዚርከብ ሰብ: እንተላይ ንዓይ ንወዲ 76 ዓመት እውን እትምስጥ ዘይተሓላለኸት መጽሓፍ እያ። እምበኣር ካብ ሓደ ኻብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ንየሆዋ ዜገልግል ዘሎ ሰብ ምስጋና ይብጻሕኩም” በለ።

ሓንቲ ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ነዛ መጽሓፍ ዘንበበታ ሰበይቲ “እቲ ጽቡቕ ስእልታት ንልቢ ወለድን ቈልዑን ይማርኽ እዩ። እቲ ሕቶታታን እቲ ትርኢታን ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ብተወሳኺውን ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 32 ‘የሱስ ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዝረኸበ’ ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ እንረኽቦ ተኣፋፊ ጕዳያት ብጽቡቕ እዩ ተገሊጹ” በለት። ቀጺላ እውን “እዛ መጽሓፍ ንደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂላ ትዳሎ ደኣ እምበር: መምህራንን ካልኦት ሰባትን ሓንቲ ቕዳሕ እንተ ትህልዎም ባህ ዚብሎም ይመስለኒ። ኣነውን ክጥቀመላ ሓሲበ ኣለኹ” ብምባል ርእይቶኣ ትዛዝም።

ኣብ ማሳቹሰትስ: ሕ.መ.ኣ. እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ “ብግቡእ እተዳለወ ስእልታት” ርእይቶኣ ኽትህብ ከላ: “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንቘልዑ ተባሂላ ትዳሎ ደኣ እምበር: ንዓና ንዓበይቲ እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ክንሓስበሉ እትሕግዝ እያ” ኢላ ጸሓፈት።

ኣብ መይን: ሕ.መ.ኣ. እትነብር ሰበይቲ ድማ “ከመይ ዝበለት ድንቂ መጽሓፍ ኰን እያ!” ብምባል እተሰምዓ ሓጐስ ገለጸት። ቀጺላ “ንቘልዑ ጥራይ ዘይኰነትስ ንዅላትና ደቂ ኣምላኽ ዘበልና እውን እትኸውን መጽሓፍ እያ። ናብ ውሽጢ ልበይ ብምእታው ንስምዒታተይ ኣነቓቒሓን ውሽጣዊ ሰላም ሂባትንን እያ። ንየሆዋ ልክዕ ከም ኣቦይ ቀረብክዎ። ነቲ ዘጋጠመኒ ጕድኣት ከም ዝርስዖ ብምግባር ንዕላማታቱ ጋህዲ ገይሩለይ እዩ” በለት። ኣብ መወዳእታ ድማ “ንዅሎም ሰባት ‘በጃኹም ኣንብብዋ’ ኢለ ኽላቦ እደሊ” በለት።

ኣብ ክዮቶ: ጃፓን እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ንደቂ ደቃ ኸተንብበሎም ከላ “‘እዚ ወዲ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ስለምንታይ እያ እዛ ጓል እትግናሕ ዘላ፧ እዛ ኣደ እዚኣኸ እንታይ እያ እትገብር ዘላ፧ እዚ ኣንበሳኸ፧’ ዚብል ሕቶታት ይሓቱኒ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብቲ ዜገድሰና ጕዳያት እተተኵር ብምዃና: ካብ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ንላዕሊ እፈትዋ እየ” በለት።

ሓደ ኣብ ካልጋሪ: ካናዳ ዚነብር ሰብኣይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ በጽሓቶ ውዓል ሕደር ከይበለ ነታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓሉን ነቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ወዱን ኬንብበሎም ጀመረ። “እቲ ደቀይ ዝሃብዎ ምላሽ ዜደንቕ እዩ” በለ። ወሲኹ ኸኣ “ደቀይ ነቲ ትምህርቲ የቕልቡሉን ካብ ልቢ ዝመነጨ መልሲ ይህቡን ነበሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ እጃም ከም ዘለዎም ምፍላጦም ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ናጻ ዀይኖም ንኺዛረቡ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ነቲ ትምህርቲ ባህ ኢልዎም እዮም ዚቕበልዎ: ጓለይ ድማ ምሸት ምሸት ከነጽንዕ ከም እትደሊ እያ ገሊጻትለይ” በለ።

እቲ ኣቦ ሓደ መዓልቲ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባሮም ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ከምዚ በለ:- “ምስ ወደይ ንሰዓታት ዚኣክል ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ኣዕለልና። ኣብታ መጽሓፍ እተመስረተ ብዙሕ ሕቶታት ነበሮ። ‘ባባ ካልኣይ ሳዕ ከምዚ ኽንደግም ዲና፧ ምኽንያቱ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎኒ: ብዛዕባ የሆዋ ድማ ኵሉ ነገራት ክፈልጥ እደሊ እየ’ ምስ በለኒ ኣዒንተይ ቅጽርጽር በለ።”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ እስሊ]

ኣቱም ወለዲ: ካብ ማኖኣ እንታይ ኢኹም እትመሃሩ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ እስሊ]

ኣቱም ውሉዳት: ካብቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ኢኹም እትመሃሩ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ እስሊ]

ኣብታ “መምህር” እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ስእልታትን መግለጺታቱን ጽቡቕ መምሃሪ መሳርሒ እዩ

ሃናንያ ንጴጥሮስ እንታይ ሓሶት እዩ ዝነገሮ፧

ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት መን ኪርእዮ ይኽእል፧