ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ዝነበሮ ትሑት ኣፍሪቃዊ

እቲ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ዝነበሮ ትሑት ኣፍሪቃዊ

እቲ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ዝነበሮ ትሑት ኣፍሪቃዊ

ናብ ኣፍሪቃ ዚመጹ በጻሕቲ ምስቶም ደቂ እቲ ዓዲ ብቐሊሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ኪጅመር ምኽኣሉ ኣዝዩ እዩ ዜገርሞም። “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዋሕዲ ምግቢ: ሕማም: ውግእ ከምኡውን ዓመጻ ዝኣመሰሉ ጸገማትከ ነባሪ ፍታሕ ኣለዎምዶ፧” ዚብል ሕቶታት ብቐሊሉ ኣቓልቦ ሰባት ይስሕብ እዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ንመልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬርእዮም ከሎ ተሓጒሶም እዮም ዚቕበልዎ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ስርዓታዊ ናብ ዝዀነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ። እቶም ተመሃሮ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ገበሩ ኸኣ እተጠምቁ ክርስትያናት ይዀኑ።

ሓደ ኻብቶም በዚ መገዲ እዚ ምላሽ ዝሃቡ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃውያን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8:26-40 ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ሰብኣይ እዚ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንምስጋድ: ናብ የሩሳሌም ተጓዒዙ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ እዩ።

ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ስእሊ ዚርአ ዘሎ: እቲ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ ኣብ ሰረገላ ተወጢሑ ኻብ ሓደ ጥቕላል እናኣንበበ እዩ ንዓዱ ዚምለስ ዘሎ። ሓደ ቕድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ሰብኣይ መጺኡ ድማ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧” ብምባል ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ሓገዝ ከም ዚደሊ ኣፍልጦ ሃበ: ንፊሊጶስ እቲ ወንጌላዊ ኸኣ ናብታ ሰረገላ ደይቡ ኼብርሃሉ ብትሕትና ተማሕጸኖ። ድሕርዚ: ካብቲ ዜንብቦ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፍ እተወሰነ ኽፋል ኪገልጸሉ ሓተቶ። ፊልጶስ ድማ እቲ ትንቢት ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ እቲ መሲሕ ከም ዚውዕል ኣረድኦ። ብተወሳኺውን “ብዛዕባ የሱስ ወንጌል” ነገሮ፣ ንትንሳኤኡ ብዚምልከት ከም ዘዘንተወሉ ኸኣ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

እቲ ኢትዮጵያዊ ነዚ ዜደንቕ ሓቂ እዚ ምስ ሰምዐ: ወደ መዝሙር የሱስ ኪኸውን ከም ዝደሊ ገለጸ። “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ” ብምባል እውን ሓተተ። ድሕሪ ጥምቀቱ እዚ ትሑት ኣፍሪቃዊ እዚ ጕዕዞኡ ቐጸለ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ድሕርዚ ብዛዕባኡ ኣይተጻሕፈን።

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተመሳሳሊ “ወንጌል” ይምህርዎም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምርሓሎም ኣሎ።