ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉዳትና ኽቡራት ውህበት እዮም

ውሉዳትና ኽቡራት ውህበት እዮም

ውሉዳትና ኽቡራት ውህበት እዮም

“እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።”መዝሙር 127:3

1. እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ሕጻን ብኸመይ እዩ ተወሊዱ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥሮም ከሎ ዝፈጸሞ ተኣምር እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ኣቦ ዝዀነ ኣዳምን እታ ኣደ ዝዀነት ሄዋንን ነቲ ኣብ ውሽጢ ማሕጸና ዝዓበየ ድሓር ምሉእ ሰብ ዝዀነ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ሕጻን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። (ዘፍጥረት 4:1) እዚ ኽሳዕ እዚ ግዜና ምርድኡ ዜጸግም መስርሕ እዚ ኸም ተኣምር ጌርካ እዩ ዚርአ።

2. ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ጥንስቲ ኣደ ዚግበር ነገር ተኣምር እዩ ኽትብሎ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

2 እታ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ኣደ ምስ ዘርኢ ኣቦ ብምጽንባር እትፍጠር ዋህዮ ኣብ ውሽጢ 270 መዓልቲ ብትሪልዮናት ናብ ዚቝጸር ዋህዮታት ትዓቢ። እዛ ዋህዮ እዚኣ ልዕሊ 200 ዓይነት ዋህዮታት ብኸመይ ከም ዚፈሪ ዚሕብር መምርሒ ኣብ ውሽጣ ኣለዋ። እቲ እተሓላለኸ ዋህዮታት ከኣ ነዚ ሰባት ኪርድኦም ዘይክእል ዜደንቕ መምርሒ ብምስዓብ: ብትኽክል እናተሰርዐ ሓድሽ ህያው ሰብ ይኸውን!

3. ሓያሎ መስተውዓልቲ ሰባት: ሕጻን ኪውለድ ዚከኣል ሳላ ኣምላኽ ምዃኑ ዚሰማምዑሉ ስለምንታይ እዮም፧

3 ንሕጻን ብሓቂ ፈጢርዎ ኺበሃል ዚኽእል መን እዩ፧ ብርግጽ እቲ ፈጣሪ ህይወት እዩ ኪኸውን ዘለዎ! ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ: ንሱ ገበረና: ባዕላትና ኣይኰንናን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 100:3) ኣቱም ወለዲ: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኽቡራት ውሉዳት ከተምጽኡ ዝኸኣልኩም ብናይ ርእስኹም ብልሓት ዘይምዃኑ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ውሉድ ናይ ምፍጣር ተኣምር ኪፍጽም ዚኽእል። መስተውዓልቲ ሰባት በሽሓት ንዚቝጸር ዓመታት ውሉድ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ኣዲኡ ኺፍጠር ዚኽእል ሳላ እቲ ዓብዪ ፈጣሪ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም። ንስኻኸ፧—መዝሙር 139:13-16

4. የሆዋ እንታይ ንሰባት ዘለዎም ጕድለት እዩ ኺህልዎ ዘይክእል፧

4 ይኹን እምበር: የሆዋ ብሰብኣይን ሰበይትን ኣቢሉ ውሉዳት ናይ ምውላድ መስርሕ ጥራይ ዘተኣታተወ ስምዒት ዘይብሉ ፈጣሪ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ስምዒት ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ: የሆዋ ግን ፈጺሙ ኸምኡ ኣይኰነን! (መዝሙር 78:38-40) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 127:3 “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ” ይብል። ቀጺልና ውህበት ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑን እዚ ናይ ምንታይ መግለጺ ምዃኑን ንርአ።

ውህበትን ዓስብን

5. ውሉዳት ውህበት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

5 ውህበት ኪበሃል ከሎ ምስ ውርሲ ኸነተሓሕዞ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ንደቆም ውርሲ ንምግዳፍ ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። እቲ ውርሲ ድማ ገንዘብ: ንብረት: ወይ ካልእ ኣኽቢርካ ዚርአ ጥሪት ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ: መግለጺ ፍቕሪ ወለዲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ንወለዲ ኸም ውርሲ ገይሩ ውሉዳት ከም ዝሃቦም ይገልጸልና። እወ: ብፍቕሩ እተዋህቡ ውህበት እዮም። ወላዲ እንተ ዄንካ: ንደቅኻ እቲ ፈጣሪ ኣድማስ ብብሕቲ ዝሃበካ ውህበት ጌርካ ኸም እትርእዮም ተግባርካ የርኢ ድዩ፧

6. ኣምላኽ ንደቅሰብ ውሉድ ከም ዚወልዱ ዝገበረሉ ዕላማ እንታይ እዩ ነይሩ፧

6 የሆዋ ነዚ ውህበት እዚ ኺህብ ከሎ: ምድሪ ብዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ክትመልእ እዩ ዕላማኡ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ ኢሳይያስ 45:18) ከምቲ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ መላእኽቲ ዝፈጠሮም ገይሩ: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ በብውልቂ ኣይኰነን ፈጢርዎ። (መዝሙር 104:4፣ ራእይ 4:11) ኣብ ክንድኡስ: ኣምላኽ ንደቅሰብ: ንወለዲ ዚመስሉ ውሉዳት ኪወልዱ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኣደን ኣቦን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውሉድ ኪወልዱን ኪከናኸኑን ምኽኣሎምሲ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ጸጋ ዀን እዩ! ኣቱም ወለዲ: የሆዋ ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ስለ ዝሃበኩም ተመስግንዎዶ፧

ካብ ኣብነት የሱስ ተምሃሩ

7. የሱስ ከም ገሊኦም ወለዲ ዘይኰነስ ን“ደቂ ሰብ” ተገዳስነትን ሓልዮትን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ ዜሕዝን ግን ኵሎም ወለዲ ኣይኰኑን ንደቆም ከም ዓስቢ ገይሮም ዚርእይዎም። ሓያሎ ንውሉዳቶም ኣይድንግጹሎምን እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ኣረኣእያ የሆዋ ዀነ ኣረኣእያ ወዱ ኣይኰኑን ዜንጸባርቑ። (መዝሙር 27:10፣ ኢሳይያስ 49:15) ብኣንጻሩ ግን: የሱስ ንሕጻናት ዝነበሮ ተገዳስነት እስከ ንርአ። ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” ከም ዝበለ ገይሩ ይገልጾ። (ምሳሌ 8:31) ንደቅሰብ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኣዝያ ዓባይ ስለ ዝነበረት: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ህይወቱ ምእንታና በጃ ኼሕልፍ ፍቓደኛ ዀነ።—ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 10:18

8. የሱስ ንወለዲ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈሎም ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብፍላይ ንወለዲ ሰናይ ኣብነት እዩ ገዲፉሎም። በየናይ መዳያት ኣብነታት ከም ዝገደፈ እሞ ንርአ። ዋላ ኣብ ብዙሕ ዕዮን ወጥርን ከሎ እውን ከይተረፈ ምስ ቈልዑ ግዜ የሕልፍ ነበረ። ኣብ ዕዳጋ ኺጻወቱ ኸለዉ ይዕዘቦም ነበረ: ገለ ኻብቲ ባህርያቶም ድማ ኣብ ትምህርቱ ተጠቕመሉ። (ማቴዎስ 11:16, 17) ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኣብ እተጓዕዘሉ እዋን ኪስቀን ኪቕተልን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦም ሰባት ንየሱስ ቈልዑ ምስ ኣምጽኡሉ: እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምናልባት ውጥረት ከይበዝሖ ኻብ ዚብል ሓልዮት እዩ ዚኸውን: ነቶም ቈልዑ ኺመልስዎም ጸዓሩ። የሱስ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ገንሖም። “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ . . . ኣይትኽልእዎም” ብምባል ‘ተድላኡ’ በቶም ቈልዑ ምዃኑ ኣርኣየ።—ማርቆስ 10:13, 14

9. እንገብሮ ነገራት ካብቲ እንብሎ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኪህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

9 ካብቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ክንመሃር ንኽእል ኢና። ስራሕ ኣብ ዚበዝሓና ዀነ ኣብ ዘይበዝሓና እዋን ቈልዑ ናባና ኺመጹ ኸለዉ እንታይ ምላሽ ኢና እንህቦም፧ ከም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ምላሽ ዲና እንህቦም፧ ቈልዑ ብፍላይ ካብ ወለዶም ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ግዜን ቈላሕታን ኪወሃቦም እዮም ዚደልዩ። “እፈትወካ እየ” ዝኣመሰለ ቓላት ኣድላዪ ምዃኑ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: ካብ ዘረባ ንላዕሊ ግብሪ እዩ ተሰማዕነት ዘለዎ። ፍቕርኻ በቲ እትብሎ ጥራይ ዘይኰነስ ብዝያዳ በቲ እትገብረሎም እዩ ንጹር ዚኸውን። በቲ ንደቅኻ እትህቦም ግዜ: በቲ እተርእዮም ቈላሕታ: ከምኡውን እትገብረሎም ሓልዮት እዩ ዚንጸባረቕ። እዚ ዅሉ እናገበርካ ኽነስኻ ግን ዚርአ ፍረ: ብቕልጡፍ ኣይርከብን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ዓቕሊ የድሊ። ነቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዝገበሮ ነገራት እንተ ቐዲሕናዮ: ዓቕሊ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።

ዓቕልን ፍቕርን የሱስ

10. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትሕትና ዝመሃሮም ስለምንታይ እዩ: እዚኸ ኣብ መጀመርታ እንታይ ኣፍርየ፧

10 የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምርኡያት ንምዃን ወትሩ ይወዳደሩ ምንባሮም ይፈልጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተጓዒዙ ኣብ ቅፍርናሆም ምስ በጽሐ: “ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፤ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሀሉ ነበሩ እሞ: ኣጽቀጡ።” የሱስ ኣበርቲዑ ኣብ ክንዲ ዚገንሖም: ብዛዕባ ትሕትና ምእንቲ ኺምህሮም ኢሉ ብኣብነት ገይሩ ብዓቕሊ መሃሮም። (ማርቆስ 9:33-37) እዚኸ እቲ ዚድለ ፍረ ኣፍርዩዶ፧ ብኡንብኡ ኣየፍረየን። ድሕርዚ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ: ያእቆብን ዮሃንስን: የሱስ ኣብ መንግስቱ ስልጣን ምስ ሓዘ ብሉጽ ቦታ ምእንቲ ኺህቦም ነዲኦም ለኣኹሉ። ኣብዚውን እንተዀነ ብዓቕሊ ኣረሞም።—ማቴዎስ 20:20-28

11. (ሀ) እቶም ሃዋርያት ምስ የሱስ ኣብቲ ደርቢ ምስ ኣተዉ እንታይ ልሙድ ስራሕ እዮም ዘይዓየዩ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ገበረ: ጻዕርታቱኸ ኣብቲ ግዜ እቲ ፍረ ኣፍርዩዶ፧

11 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ፋስጋ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣኸለ: የሱስ ድማ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ኣብዓለ። ኣብታ ደርቢ ምስ ኣተዉ: ዋላ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ነቲ ብባርያ ወይ ብሰበይቲ ዚፍጸም ዝነበረ ኣእጋር ካልኦት ናይ ምሕጻብ ትሑት ስራሕ ኪዓዪ እተላዕለ ኣይነበረን። (1 ሳሙኤል 25:41፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:10) የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝለዓለ ደረጃ ወይ ቦታ ኺሕዙ ኸም ዚደልዩ ዚሕብር ነገር ምርኣዩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣጕህይዎ ኪኸውን ኣለዎ! በዚ ምኽንያት እዚ ኣእጋር ነፍሲ ወከፎም ሓጸበ: ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ዝገደፈሎም መርኣዪ ብምስዓብ ንኻልኦት ኬገልግሉ ተማሕጸኖም። (ዮሃንስ 13:4-17) ንሳቶምከ ኸምኡ ገይሮምዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ በታ ምሸት እቲኣ ድሕሪ እተወሰነ እዋን “መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ: ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ” ይብለና።—ሉቃስ 22:24

12. ወለዲ ንደቆም ኬሰልጥኑ ኸለዉ ብኸመይ እዮም ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧

12 ኣቱም ወለዲ: ደቅኹም ነቲ እትህብዎም ትምህርቲ ዘይዓዩሉ እንተ ዀይኖም: የሱስ ከመይ ከም እተሰምዖ ይርድኣኩምዶ፧ እቶም ሃዋርያቱ ጕድለቶም ንምእራም ድንጕያት እኳ እንተ ነበሩ: ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ግን ኣስተውዕሉ። ዓቕሉ ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:14, 18) ኣቱም ወለዲ: ንውሉዳትኩም ኣብ እተሰልጥኑሉ እዋን ተስፋ ብዘይምቝራጽ: ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕርን ዓቕልን ቅድሕዎ።

13. ሓደ ወላዲ ኺሓቶ ንዚደሊ ውሉዱ ገንጨርጨር ኢሉ ኺሰጎ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

13 ቈልዑ: ወለዶም ከም ዜፍቅርዎምን ከም ዚግደሱሎምን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዚሓስቡ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ: ሕቶታት ኪሓትዎ ኸለዉ ሰምዖም። ብዛዕባ እተወሰነ ነገራት እውን እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎም ሓተቶም። (ማቴዎስ 17:25-27) እወ: ጽቡቕ ትምህርቲ ንምሃብ ብኣቓልቦ ምስማዕን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይን የድሊ። ሓደ ወላዲ ንሓደ ኺሓቶ ዝመጸ ውሉዱ “ስራሕ በዚሑኒ ትርእየኒዶ ኣየሎኻን፧” ብምባል ገንጨርጨር ኢሉ ኺሰጎ የብሉን። እቲ ወላዲ ብሓቂ ስራሕ በዚሕዎ እንተልዩ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣብ ካልእ እዋን ኪመያየጡሉ ምዃኖም ነቲ ቘልዓ ኺነግሮ ኣለዎ። ድሕሪኡ እቲ ወላዲ ነቲ ጕዳይ ኪርስዖ ኣይግባእን። በዚ ኸምዚ እቲ ውሉድ: ወላዲኡ ብሓቂ ኸም ዚግደሰሉ ይፈልጥ: ምስጢሩ እውን ከይሓብአ የካፍሎ።

14. ወለዲ ንደቆም ፍቕሮም ብምግላጽ ዝመጸ ኻብ የሱስ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

14 ወለዲ ንውሉዳቶም ብምሕቋፍ ፍቕሮም ኪገልጹሎምሲ ግቡእ ድዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚውን ወለዲ ኻብ የሱስ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም” ይብል። (ማርቆስ 10:16) እቶም ቈልዑ እንታይ እተሰምዖም ይመስለኩም፧ ብዘይ ጥርጥር ተሓጒሶምን ናብ የሱስ ተሳሒቦምን ኪዀኑ ኣለዎም! ኣብ መንጎ እቶም ወለዲ ዘበልኩምን ኣብ መንጎ ደቅኹምን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተ ሃልዩ: ንእትህብዎም ተግሳጽን ትምህርትን ቀልጢፎም ኪቕበልዎ እዮም።

ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዜድልዮም፧

15, 16. ነተዓባብያ ቘልዑ ብዚምልከት እንታይ ኣተሓሳስባ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ: እዚኸ ኻብ ምንታይ እተላዕለ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

15 ገሊኣቶም ሰባት: ቈልዑ ኻብ ወለዶም ብዙሕ ግዜን ፍቕራዊ ቘላሕታን የድልዮም ዚብል ሓሳብ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ እዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣተዓባብያ ቘልዑ ብሉጽ ግዜ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ምስ ውሉዳት እተወሰነ ግዜ መዲብካ ምሕላፍ ዚብል ሜላ እናኣስፋሕፍሐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ነዚ ሓሳብ እዚ ዚድግፉ ሰባት: ውሉዳት እቲ ምስ ወለዶም ዜሕልፍዎ ግዜ ትርጕም ዘለዎን ኣቐዲምካ እተሓስበሉን መደብ እተገብሮን ክሳዕ ዝዀነ ብዙሕ ግዜ ኼሕልፉ ኣየድልዮምን እዩ ይብሉ። እንተዀነ ግን: እዚ እተወሰነ ብሉጽ ግዜ ጥራይ ምሃቦም ዚብል ሓሳብሲ ጽቡቕ ድዩ፧ ነቶም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ዝመነጨ ድዩ፧

16 ሓደ ጸሓፊ ነዚ ብዚምልከት ምስ ሓያሎ ቘልዑ ድሕሪ ምዝርራብ “እቶም ቈልዑ ምሉእ ቈላሕታ እናተዋህቦም ምስ ወለዶም ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉ ኸም ዚደልዩ” ገለጸ። ሓደ ፕሮፌሰር “እዛ ስያመ [ብሉጽ ግዜ] እዚኣ ብሰንኪ እቲ ወለዲ ዚስምዖም ናይ ገበን ስምዒት እያ ኣስፋሕፊሓ። ሰባት ምስ ደቆም ዝወሓደ ግዜ ንኼሕልፉ የመኻንዩ እዮም ነይሮም” በለ። እሞ ደኣ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዮም ኬሕልፉ ዘለዎም፧

17. ውሉዳት ካብ ወለዶም እንታይ እዮም ዚደልዩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኼሕልፉ ኸም ዘለዎም ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ወለዲ ኣብ ቤቶምን ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉን ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንሳኦምን ንደቆም ኪዛረብዎም እዮም ምሕጽንታ ተዋሂብዎም። (ዘዳግም 6:7) እዚ ኸኣ ወለዲ መዓልታዊ ምስ ደቆም ርክብ ኪህልዎምን ኪምህርዎምን ከም ዚግባእ እዩ ዚሕብር።

18. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኼሰልጥነሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ ብኸመይ ተጠቕመሉ: ወለዲኸ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኺወስዱ ይኽእሉ፧

18 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኺበልዕን ኪጐዓዝን ኬዕርፍን ከሎ ጽቡቕ ገይሩ ኣሰልጢንዎም እዩ። በዚ ኸምዚ ንዅሉ እቲ ንኺምህሮም ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ተጠቕመሉ። (ማርቆስ 6:31, 32፣ ሉቃስ 8:1፣ 22:14) ክርስትያን ወለዲ ኸኣ ብተመሳሳሊ ንዅሉ እቲ ምስ ደቆም ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱሉን ኪዕቅቡሉን: ንደቆም ድማ ብመገድታት የሆዋ ኼሰልጥኑሉን ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ንኺጥቀሙ ንቑሓት ኪዀኑ ኣለዎም።

እንምህሮ ትምህርትን እንምህረሉ ኣገባብን

19. (ሀ) ምስ ውሉዳት ግዜ ምሕላፍ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ምግባር እውን እዩ ዜድሊ፧ (ለ) ወለዲ ንደቆም ብቐዳምነት እንታይ እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧

19 እንተዀነ ግን: ቈልዑ ምዕባይ ኪበሃል ከሎ ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍን ምዝርራቦምን ጥራይ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚመሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኺመሃሩ ኸም ዘለዎም ኣመልኪቱ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት . . . ንደቅኻ ምሀሮም” ብምባል የጕልሕ። እቶም ውሉዳት ኪመሃርዎ ዘለዎም “ቃላት” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ተጠቒሱ ዚርከብ “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ዚብል ቃላት ከም ዜጠቓልል ኣየጠራጥርን እዩ። (ዘዳግም 6:5-7) የሱስ እዚ ነገር እዚ ኻብ ኵሉ ትእዛዛት ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ገለጸ። (ማርቆስ 12:28-30) ስለዚ እምበኣር: ወለዲ ንደቆም: ንየሆዋ ጥራይ ብምሉእ ነፍስና ኸነፍቅሮን ንዕኡ ውፉያት ክንከውንን ዚግባኣሉ ምኽንያት ብምግላጽ: ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪምህርዎም ኣለዎም።

20. ጥንቲ ዝነበሩ ወለዲ ንደቆም እንታይ ኪምህርዎም እዮም ብኣምላኽ መምርሒ እተዋህቦም፧

20 ይኹን እምበር: እተን ወለዲ ንውሉዳቶም ኪምህርዎም እተነግራኦም ‘ቃላት’ ካብተን ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኻ ኸተፍቅሮ ዚእዝዛ ቓላት ንላዕሊ ዜጠቓልላ እየን። ሙሴ ነተን ኣምላኽ ኣብ ጽላት እምኒ ዝጸሓፈን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 5 ጠቒስወን ከም ዘሎ ኣስተብህል። እዘን ሕግታት እዚኣተን ኣይትሓሱ: ኣይትስረቕ: ኣይትቕተል: ኣይትዘሙ ዚብል ትእዛዛትን ካልእ ትእዛዛትን ዜጠቓልላ እየን። (ዘዳግም 5:11-22) ስለዚ: ጥንቲ ዝነበሩ ወለዲ ንደቆም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኬስሩጽሎም እዩ ብንጹር ተነጊርዎም። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን ወለዲ እውን ንደቆም ኣብ መጻኢ ጽቡቕን ዜሐጕስን ነገር ምእንቲ ኼጋጥሞም ከምኡ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኺምህርዎም ኣለዎም።

21. ቃል ኣምላኽ “ንደቅኻ ምሀሮም” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

21 ወለዲ ነተን ‘ቃላት’ ወይ ትእዛዛት ንደቆም ብኸመይ ኪምህርዎም ከም ዘለዎም መምርሒ ኸም እተዋህቦም እውን ኣስተውዕል። እታ ጥቕሲ “ንደቅኻ ምሀሮም” ትብል። እታ “ምሀሮም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል “ብምድግጋም ወይ ብምምዓድ ምምሃርን ኣብ ኣእምሮ ምቕራጽን፣ ምትብባዕ ወይ ውሽጢ ኸም ዚኣቱ ምግባር” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ስለዚ: ብኻልእ ኣበሃህላ ኣምላኽ ንወለዲ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ኣእምሮ ደቆም ኪሰርጹ ብዚብል ዕላማ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሩሉ ግዜ ኺምድቡ እዩ ዚነግሮም ዘሎ።

22. እስራኤላውያን ወለዲ ንደቆም እንታይ ኪገብሩሎም እዩ መምርሒ እተዋህቦም: እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧

22 ከምዚ ዝኣመሰለ ብመደብ ዚወሃብ ትምህርቲ ናይ ወለዲ ተበግሶ ዚሓትት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “[ነተን ‘ቃላት’ ወይ ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ] ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ: ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ” ይብል። (ዘዳግም 6:8, 9) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ወለዲ ንሕጊ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኣብ ልዳት ቤቶምን ኣብ ማዕጾኦምን ኪጽሕፍዎ ወይ ቅዳሕ ጽሒፎም ኣብ ኢዶም ወይ ኣብ መንጎ ኣዒንቶም ኪገብርዎ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ መልእኽቲ: እቶም ወለዲ ንትምህርትታት ኣምላኽ ወትሩ ንደቆም ኪምህርዎም ከም ዘለዎም ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ብስሩዕን ብቐጻልን ኪግበር ስለ ዘለዎ እዩ ትምህርትታት ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ውሉዳት ከም ዝዀነ ጌርካ እተገልጸ።

23. ኣብ እትቕጽል ሰሙን እንታይ ኢና ኽንመሃር፧

23 ወለዲ ንደቆም ብፍላይ እንታይ ኣገዳሲ ነገራት እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧ ኣብዚ ግዜና ውሉዳት ርእሶም ንኺከላኸሉ ኺመሃሩን ኪስልጥኑን ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧ ወለዲ ንደቆም ብዚግባእ ንኺምህሩ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ ሓገዝ እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ፧ እዝን ንወለዲ ዜጨንቖም ካልእ ሕቶታትን ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ወለዲ ንውሉዳቶም ከም ክቡራት ገይሮም ኪርእይዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ወለድን ካልኦትን ካብ የሱስ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

• ወለዲ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዮም ንደቆም ኪውፍዩ ዘለዎም፧

• ውሉዳት እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዘለዎም: እቲ ትምህርቲኸ ብኸመይ እዩ ኺወሃቦም ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ እስሊ]

ወለዲ ኻብቲ የሱስ ዝመሃረሉ ኣገባብ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ እስሊ]

ስራኤላውያን ወለዲ ንደቆም መዓስን ብኸመይን ኪምህሩ ነበሮም፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ እስሊ]

ወለዲ ንደቆም ትምህርትታት ኣምላኽ ወትሩ ኪምህርዎም ኣለዎም