ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ

ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ

ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ

ኡልሪኽ ሽትሩንስ ዚበሃል ጀርመናዊ ሓኪም ንዘለኣለም መንእሰይ ዘርእስተን ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ። ኣብዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ኣካላዊ ምውስዋስ: ኣመጋግባ: ከምኡውን ጥዑይ ኣነባብራ ንጥዕናና ኸም ዜመሓይሽን ነዊሕ ዕድመ ኽንነብር ከም ዜኽእለናን ገሊጹ ኣሎ። ነዚ ምኽሩ እዚ ብምስዓብ ቃል ብቓሉ ንዘለኣለም ኪንበር ከም ዚከኣል ግን ኣይተዛረበን።

ይኹን እምበር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዜምጽእ ዚንገረሉ ሓደ ዓይነት ፍልጠት ኣሎ። ንዘለኣለም ክትነብር እንተ ኽኢልካ ድማ: ንዘለኣለም ጠቓሚ ፍልጠት ክትድልብ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ኣብ ጸሎቱ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ፈለማ ነታ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እትብል ስያመ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ንርአ: ድሕሪኡ እቲ ፍልጠት እቲ እንታይ ከም ዜጠቓልልን ብኸመይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእልን ክንርኢ ኢና።

ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ትምህርቲ: ፈጣሪ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ናብ ሓንቲ ንነዊሕ ዕድመ ንምንባር እትምሽእ ቃል ብቓሉ ገነት ኪቕይራ እዩ። ነዛ ገነት እዚኣ ንምምጻእ ግን ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ዘጋጠመ: ሕጂውን ዓብዪ ለውጢ የድሊ እዩ። ማቴዎስ ምዕራፍ 24: ቍጽሪ 37 ክሳዕ 39: የሱስ ነዚ ግዜና ምስ “ዘመን ኖህ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዘየላቡ ዅነታት ይነብሩ ምንባሮም “ኣይፈለጡን።” ነቲ ኖህ ዝሰበኸሎም መልእኽቲ እውን ዕሽሽ በልዎ። “እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ” ግን ኣኸለት: ማይ ኣይሂ ድማ ንዅሎም እቶም ነዚ ፍልጠት እዚ ዝነጸግዎ ኣጥፍኦም። ኖህን እቶም ኣብታ መርከብ ዝኣተዉን ግን ብህይወት ተረፉ።

የሱስ ኣብዚ ግዜና ተመሳሳሊት “መዓልቲ” ኸም እትመጽእ ሓበረ። እቶም ነቲ ምስዚ ፍጻመ እዚ ዚተሓሓዝ ፍልጠት ዚመሃሩን ዜቕልቡን ካብቲ ጥፍኣት የምልጡ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ እውን ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት እንደገና ናይ ዘይሙማት ተስፋ ሒዞም ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) የሱስ ነዚ ኽልቲኡ ሓሳባት እዚ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ርአ። ንማርታ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኬዘራርባ ኸሎ: “እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” በላ። እዛ “መዓልቲ” እዚኣ ኣዝያ ቐሪባ ኸም ዘላ ዚሕብር ሓያሎ መርትዖታት ኣሎ: እዚ ማለት ከኣ ንስኻውን ‘ንዘለኣለም ኣይትመውትን’ ትኸውን።—ዮሃንስ 11:25-27

ድሕሪኡ የሱስ ንማርታ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ” ኢላ መለሰት። የሱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንዓኻ እንተ ዚሓተካ: እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ንዘለኣለም ዘይሙማት ዚብልዎ ሓሳብ ምእማኑ የጸግመካ ይኸውን። ዋላ እውን ምእማኑ እንተ ኣጸገመካ: ክትኣምኖ ኸም እትደሊ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ‘ንዘለኣለም ዘይትመውት’ እንተደኣ ዄንካ: ክትፈልጦ እትኽእል ነገራት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነቲ ኽትፈልጦን ክትገብሮን እትደሊ ግን ከኣ ብሰንኪ ዋሕዲ ግዜ ዘይተርክበሉ ነገራት እሞ ሓንሳእ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እተፍቅሮም ሰባት እንደገና ኽትራኸብ ከለኻ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ከምዚ ኺገብር ዚኽእል ፍልጠት እንታይ እዩ: ብኸመይከ ኸተጥርዮ ትኽእል፧

ህይወት ዚህብ ፍልጠት ከነጥሪ ዓቕሚ ኣሎና

ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ምፍላጥ ልዕሊ ዓቕምና ድዩ፧ ኣይፋልን። ብዛዕባ ግብርታት ፈጣሪ ኺርከብ ዚከኣል ፍልጠት መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: የሱስ ‘ንፍልጠት’ ምስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኬተሓሕዞ ኸሎ: ንስነ-ኰዀብ ወይ ንኻልእ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። ምሳሌ ምዕራፍ 2: ቍጽሪ 1ን 5ን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ቃላትን ትእዛዛትን’ ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ’ መሰረት ከም ዚኸውን ሓቢራ ኣላ። ዮሃንስ 20:30, 31 ከኣ እቲ ብዛዕባ የሱስ እተጻሕፈ ነገራት ‘ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ’ ዜኽእለና ምዃኑ ትገልጽ።

ስለዚ: ብዛዕባ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት: ከመይ ጌርካ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ከም እትኽእል ይሕብረካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ መጽሓፍ እዩ። ፈጣሪ: እቶም ንኺመሃሩን ንኼጽንዑን ኣጋጣሚታት እተነፍጎም ዘይተማህሩ ሰባት እውን እንተዀኑ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እኹል ፍልጠት ኪረኽቡሉ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ብመንፈሱ ኣጽሒፍዎ። ብዘይካዚውን ሓደ በሊሕን ብዙሕ ግዜ ዘለዎን ሰብ እውን እንተዀነ: ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ወትሩ ሓድሽ ነገር ኪመሃር ይኽእል እዩ። ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተንብባ ምኽኣልካ ንባዕሉ እውን ነዚ ንኽትመሃር ዓቕሚ ኸም ዘሎካ ዜርኢ እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ዓቕሚ እዚ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

ኣብ መላእ ዓለም ካብ እተረኽበ ተመክሮታት ከም እተራእየ: ነዚ ፍልጠት እዚ ኸተጥርየሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ: ምስ ሓደ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚፈልጦ ሰብ ብሓባር ኴንካ ብብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። ከምቲ ኖህ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ፍልጠቱ ኼካፍሎም ዝፈተነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ናብ ቤትካ መጺኦም ምሳኻ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍቓደኛታት እዮም። ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ወይ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ይጥቀሙ ይዀኑ። a እሙናት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ‘ንዘለኣለም ኣይኪሞቱን’ እዮም ዚብል ሓሳብ ንምእማኑ እኳ እንተ ኣጸገመካ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ምይይጥ ኣቢልካ ነዚ ነገር እዚ ንኽትኣምኖ ሓገዝ ኪወሃበካ ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንዘለኣለም ክትነብር ወይ ነዚ ጕዳይ እዚ ንኽትኣምነሉ ዜኽእል ርትዓዊ ሓሳባት እንተሎ ኽትምርምር እንተ ደሊኻ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ዘሎካ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ።

እዚ መጽናዕቲ እዚ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚወስድ፧ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር: በማእታት ብዚቝጸር ቋንቋታት እትርከብ ኰይና: 16 ሓጸርቲ ትምህርትታት ዝሓዘት እያ። ወይ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዚኸውን ግዜ እንተ መዲብካ: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣቢልካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጽናዕ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዜድልየካ። እዘን ጽሑፋት እዚኣተን ንሓያሎ ሰባት ብዙሕ ፍልጠት ንኺረኽቡን ንኣምላኽ ዓማቝ ፍቕሪ ንኼሕድሩን ሓጊዘናኦም እየን። ፈጣሪ ነቶም ብሓቂ ዜፍቅርዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ብምግባር ዓስቦም ኪህቦም እዩ።

ህይወት ዚህብ ፍልጠት: ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይኰነን: አረ ብቐሊሉ እውን ክንረኽቦ እንኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ናብ ልዕሊ 2,000 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ኣብ 235 ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍልጠትካ ኸተስፍሕ ምእንቲ ኽትክእል ብብሕቲ ኺሕግዙኻን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኬምጽኡልካን ድሉዋት እዮም።

ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ

ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ: ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ፈጣርን ዚህሉ ናይ ብሕትኹም ጕዳይ እዩ። ንስኻ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ነዚ ርክብ እዚ ኽትዕቅቦን ከተደልድሎን እትኽእል። ንሱ ጥራይ ከኣ እዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበካ ዚኽእል። ስለዚ: ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ብብሕቲ ኸተጽንዖ ይግባእ። ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ ናብ ቤትካ ኺመጽእ ብምፍቃድካ: ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ንኽትሓዝእ ዝቐለለ ኪዀነልካ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ዝሓዘ ብምዃኑ: ተጠንቂቕና ኽንሕዞ ኣሎና። (ምሳሌ 2:5) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዓመታት ከይተበላሸወ ኽንጥቀመሉ ንኽእል። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ትነብር እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ቤት ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብምርኣይን ብምስማዕን ስለ እትመሃር: ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣይተጠቐምካን ትኸውን። ንኣብነት: ኣብ በኒን ልዕሊ 50 ቋንቋ ይዝረብ። ገሊኦም ሰባት በዚ ቛንቋታት እዚ መጽሓፍ ዚበሃል እኳ እንተ ዘይረኸቡ: ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቛንቋ ብዚግባእ ኪዛረቡ እተለምደ እዩ። ብምስማዕን ብምርኣይን ብምትኳርን ክትመሃር ምኽኣልካ ሓደ በረኸት እዩ። ኰይኑ ግን: እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ መጽናዕትኻ ኣጸቢቑ ኺሕግዘካ እዩ።

ኣብ ጸባብ ክፍሊ ትነብር እኳ እንተለኻ: ንመጽሓፍ ቅዱስካን ምስኡ ንዚተሓሓዝ ጽሑፋትን ምሹእ ቦታ ኣዳልወሉ። ብቐሊሉ ኽትረኽቦ ኣብ እትኽእለሉን ዜበላሹ ነገር ኣብ ዘይረኽቦን ቦታ ኣንብሮ።

ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ

ወላዲ እንተደኣ ዄንካ: ንደቅኻ እቲ እትመሃሮ ዘለኻ ፍልጠት ንኺረኽቡ ኽትምህሮም ኣሎካ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዘለዉ ወለዲ ንደቆም ኣብ ህይወቶም ዜድልዮም እተፈላለየ ኽእለት ይምህርዎም እዮም። እዚ ኸኣ ምኽሻን: ዕንጨይቲ ምእራይ: ማይ ምውራድ: ምሕራስ: ዓሳ ምግፋፍ: ከምኡውን ኣብ ዕዳጋ ኣቕሑ ምስ ኣቕሑ ምልውዋጥ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ብሓቂ ንህይወት ዚጠቅም ትምህርቲ እዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ወለዲ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ትምህርቲ ንደቆም ኣይምህርዎምን እዮም።

ዘለኻሉ ዅነታት ብዘየገድስ: ግዜ ኸም ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ፈጣሪ ነዚውን ይፈልጥ እዩ። ንደቅኻ ብኸመይ ክትምህሮም ከም ዚግባእ ኣመልኪቱ: ጥንቲ እንታይ ኢሉ ኸም እተዛረበ እሞ ኣስተውዕል:- “ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:7) ኣብዚ ሓሳባት እዚ ብምምርኳስ: ናይ ርእስኻ ኣመሃህራ መደብ ንምንታይ ዘይተማዕብል። ንኣብነት: ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል:-

1. “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካ”:- ከምቲ ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ መጺኡ ንዓኻ ዚምህረካ: ኣብ ቤትካ ምስ ደቅኻ ስሩዕ ምይይጥ—ሰሙናዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ክትገብር ጽዓር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ውሉዳት ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልዉ እዮም።

2. “ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ”:- ከምቲ ንደቅኻ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት እትምህሮም ወይ ንእግረ-መገድኻ መምርሒታት እትህቦም: ብዛዕባ የሆዋ እውን ካልእ ዋኒን ኣብ እትገብረሉ እዋን ንእግረ-መገድኻ ኣዘራርቦም።

3. “ኣብ በጥ ምባልካ”:- ምሸት ምሸት ምስ ደቅኻ ብሓባር ጸሊ።

4. “ኣብ ምትንሳእካ”:- ሓያሎ ስድራቤታት ንግሆ ንግሆ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተወስደት ጥቕሲ ብምምይያጥ ብዙሕ ዓስቢ ረኺበን እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር b ዘርእስታ ጽሕፍቲ ነዚ ዕላማ እዚ ይጥቀሙላ እዮም።

ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት: ሓያሎ ወለዲ ሓደ ኻብ ደቆም ጽቡቕ ዓለማዊ ትምህርቲ ንኺረክብ ኢሎም ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ እቶም ውሉዳት ንወለዶም ምስ ኣረጉ ኺኣልይዎም ይኽእሉ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዕካን ንደቅኻ ብተመሳሳሊ ኼጽንዑ እንተ ሓጊዝካዮምን: ንዓኻን ንዅሎም ኣባላት ስድራቤትካን ንዘለኣለም ክትነብሩ ዜኽእለኩም ፍልጠት ኢኻ እተጥሪ።

ኵሉ ነገር እንፈልጠሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋልን። ምድሪ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዩኒቨርስ ጕዕዞኣ ኽትቅጽል ከላ: ፍልጠት ምድላብ ኣይከነቋርጽን ኢና። እወ: መክብብ 3:11 “[ኣምላኽ] ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ትብል። ፍልጠት ምድላብ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ክልቲአን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“. . . ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንስድራቤትካ ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ንኺድልቡ ሓግዞም