ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ንመገድኻ ብርሃን ከም ዚኸውን ግበሮ

ቃል ኣምላኽ ንመገድኻ ብርሃን ከም ዚኸውን ግበሮ

ቃል ኣምላኽ ንመገድኻ ብርሃን ከም ዚኸውን ግበሮ

“ቃልካ . . . ንመገደይ ብርሃን እዩ።”መዝሙር 119:105

1, 2. ቃል የሆዋ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ንመገድና ብርሃን ዚዀነና፧

 ንቓል የሆዋ እንተ ፈቒድናሉ: ንመገድና ኼብርሆ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ብርሃን ምእንቲ ኽንረክብ: ትጉሃት ተመሃሮ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ክንከውንን ነቲ ምኽሩ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና: ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኽንብል እንኽእል።—መዝሙር 119:105

2 ሕጂ እምበኣር መዝሙር 119:89-176 እስከ ንርአ። ኣብዘን ኣብ 11 ቤት ዚርከባ ቝጽርታት ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ዚርከብ። እዚ ድማ ኣብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14

ንቓል ኣምላኽ ክትፈትዎ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

3. መዝሙር 119:89, 90 ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንውከል ከም እንኽእል ብኸመይ እያ እተርእየና፧

3 ንቓል የሆዋ ምፍታው መንፈሳዊ ርግኣት እዩ ዜምጽእ። (መዝሙር 119:89-96) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ቃልካ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ። . . . ንምድሪ ኣጽኒዕካያ: ንሳውን ትነብር ኣላ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:89, 90) ሰማያዊ ኣካላት ብቓል ኣምላኽ ወይ ብ“ሕጋጋት ሰማይ” እናተቐየደ ኣብ ቅናት ዙረቱ ይዘውር: ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ጸኒዓ እያ። (እዮብ 38:31-33፣ መዝሙር 104:5) ኣብቲ ኻብ ኣፍ የሆዋ ዚወጽእ ኵሉ ቓል ክንውከል ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ዝበሎ ነገር ብርግጽ ዕላማኡ “ኬቕንዕ” እዩ።—ኢሳይያስ 55:8-11

4. እቶም መከራ ዘሕልፉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንቓል ኣምላኽ ደስታኦም ምግባሮም እንታይ ጽልዋ እዩ ዚገብረሎም፧

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ንሕጊ ኣምላኽ ደስታኡ እንተ ዘይገብሮ: ብመከራኡ ምጠፍአ ነይሩ።’ (መዝሙር 119:92) እቶም መከራ ዜምጽኡሉ ዝነበሩ ጓኖት ዘይኰኑስ: ዚጸልእዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን መፍረስቲ ሕጊ እዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 19:17) ነቲ ኸም እትጸንዕ ዚገብር ሕጊ ኣምላኽ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ ግን: በዚ ኣይተጨነቐን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት:” ምናልባት እውን እንተላይ ኣብ ማእከል እቶም ኪኸስዎ ዚደልዩ ዝነበሩ “ብሉጻት ሃዋርያት” ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 11:5, 12-14, 26) ይኹን እምበር: ንቓል ኣምላኽ ደስታኡ ስለ ዝገበሮ ወይ ይፈትዎ ብምንባሩ ብመንፈስ ህያው ኰይኑ ቐጸለ። ንሕናውን ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ ስለ እንፈትዎን ነቲ ዚብለና ኣብ ግብሪ ስለ እነውዕሎን: ነሕዋትና ነፍቅሮም ኢና። (1 ዮሃንስ 3:15) ዓለም ንዓና ዘለዋ ጽልኢ እውን እንተዀነ: ንዝዀነ ይኹን መምርሒታት ኣምላኽ ከም እንርስዕ ኣይገብረናን እዩ። ንዘለኣለም ተሓጒስና ንየሆዋ እነምልኸሉ እዋን ብሃንቀውታ እናተጸበና: ምስ ኣሕዋትና ብፍቕሪ ሓደ ብምዃን ፍቓዱ ንገብር።—መዝሙር 119:93

5. ንጉስ ኣሳ ንየሆዋ ዝደለዮ ብኸመይ እዩ፧

5 ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ንምግላጽ “ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ: ናትካ እየ: ኣድሕነኒ” ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:94) ንጉስ ኣሳ ንየሆዋ ደለዮ: ካብ ይሁዳ ድማ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣጥፍአ። ኣብ መበል 15 ዓመት መንግስቱ (ብ963 ቅ.ኣ.ዘ.): ተቐማጦ ይሁዳ: ንየሆዋ “ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን አተዉ።” “ንሱውን ተረኽበሎም: . . . ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም።” (2 ዜና መዋእል 15:10-15) ዝዀነ ይኹን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ርሒቑ ዝነበረ ሰብ: ከም ብሓድሽ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደሊ በዚ ኣብነት እዚ ኺተባባዕ ኣለዎ። ኣምላኽ ነቶም ምስ ህዝቡ ዝነበሮም እተቛረጸ ርክብ ዜሐድሱ ይባርኾምን የዕቍቦምን እዩ።

6. እንታይ ስጕምቲ ምስ እንወስድ እዩ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ዕቝባ ዚዀነና፧

6 ቃል የሆዋ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ኬዕቝበና ዚኽእል ጥበብ ይህበና እዩ። (መዝሙር 119:97-104) ትእዛዛት ኣምላኽ ሓለፋ ጸላእትና እዩ ዜለብመና። ንመዘኻኸሪታቱ ምቕላብ ምስትውዓል ይህበና: ‘ትእዛዛቱ ምሕላው ከኣ ሓለፋ ሽማግለታት ኣእምሮ ኸም ዚህልወና’ ይገብር። (መዝሙር 119:98-100) ቃላት የሆዋ ‘ንትንሓግና እምብዛ ጥዑም ብምዃኑ: ንኣፍና ኻብ መዓር ዝበለጸ ዚምቅሮ’ እንተ ዀይኑ: “ኵሉ መገዲ ሓሶት” ንጸልእን ካብኡ ንርሕቕን ኢና። (መዝሙር 119:103, 104) እዚ ኸኣ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዕቡያትን ጨካናትን ንኣምላኽ ዘይፈርሁን ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ: መንፈሳዊ ጕድኣት ንኸይወርደና ዕቝባ ይዀነና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ንእግርና መብራህቲ

7, 8. ምስ መዝሙር 119:105 ተሰማሚዕና ንምምልላስ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ቃል ኣምላኽ ምንጪ ዘይነጽፍ መንፈሳዊ ብርሃን እዩ። (መዝሙር 119:105-112) ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ካብቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ብዘየገድስ: “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ንብል ኢና። (ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 119:105) ቃል ኣምላኽ ከምቲ ንመገድና ዜብርሃልና ብርሃን ስለ ዝዀነ: ብመንፈሳዊ መዳይ ንኸይንዕንቀፍን ንኸይንወድቕን ይሕግዘና። (ምሳሌ 6:23) ኰይኑ ግን: ቃል የሆዋ ንእግርና መብራህቲ ኸም ዚኸውን እንገብሮ ባዕልና ብውልቅና ኢና።

8 ከምቲ ንመበል 119 መዝሙር ዝጸሓፋ ሰብ ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ። ካብ ትእዛዛት ኣምላኽ ንኸየግልስ ቈሪጹ ነበረ። ንየሆዋ ኺዛረቦ ኸሎ “ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ: ኣጽናዕክዎ ኸኣ” በለ። (መዝሙር 119:106) ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስታፍን ዘለዎ ጥቕሚ ኣትሒትና ኣይንርኣዮ።

9, 10. ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ውልቀ-ሰባት ‘ካብ ትእዛዛቱ ኼግልሱ’ ኸም ዚኽእሉ ብኸመይ ንፈልጥ: ካብዚ ግን ብኸመይ ከነምልጥ ንኽእል፧

9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ካብ ትእዛዛት ኣምላኽ ኣየግለሰን:’ እንተዀነ ግን: ሓደ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ሰብ ከምዚ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 119:110) ንጉስ ሰሎሞን ካብቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ እተወልደን ኣብ መጀመርታ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ ዚመላለስን እኳ እንተ ነበረ: ደሓር ግን ኣግሊሱ እዩ። “ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ:” ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ንኼምልኽ ድማ ደረኻኦ።—ነህምያ 13:26፣ 1 ነገስት 11:1-6

10 እቲ “ሃዳናይ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን: ብዙሕ መጻወድያ እዩ ዜጻውድ። (መዝሙር 91:3) ንኣብነት: ሓደ ቐደም ኣምላኺ የሆዋ ዝነበረ ሰብ: ካብታ መንፈሳዊ ብርሃን ዘለዋ መገዲ ወጺእና ናብ ጸልማት ዘጐልበባ መገዲ ኽሕደት ንኸነግልስ ኬስሕተና ይፍትን ይኸውን። ኣብቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት “ኢዛቤል” ተባሂላ እተጸውዐት ሰበይቲ ነበረት። እዛ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ንኻልኦት ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ኪሳተፉን ምንዝር ኪፍጽሙን ዚምህራ ዝነበራ ጕጅለ ኣንስቲ እትውክል ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እከይ ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን: ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። (ራእይ 2:18-22፣ ይሁዳ 3, 4) እምበኣር: ካብ ትእዛዛት የሆዋ ምእንቲ ኸይነግልስ: የግዳስ ብብርሃን ኣምላኽ ምእንቲ ኽንመላለስ: የሆዋ ሓገዝ ንኺህበና ንጸሊ።—መዝሙር 119:111, 112

ቃል ኣምላኽ ይድግፈካ

11. ብመሰረት መዝሙር 119:119: ኣምላኽ ንእኩያት ከም እንታይ ገይሩ እዩ ዚርእዮም።

11 ካብ ስርዓታት ኣምላኽ እንተ ዘየግሊስና: ኣምላኽ ኪድግፈና እዩ። (መዝሙር 119:113-120) ከምቲ የሱስ ነቶም ልብጥ ዝበሉ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ዘይተቐበሎም: ንሕናውን ነቶም “ክልተ ዝልቦም” ኣይንቕበሎምን ኢና። (መዝሙር 119:113፣ ራእይ 3:16) ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ስለ እነገልግል: ‘መዕቈቢና’ ይዀነናን ይድግፈናን እዩ። እቶም ብተንኰልን ብሓሶትን ብምምልላስ ‘ካብ ስርዓታቱ ዜግልሱ ዅሎም ኪረግጾም’ ወይ ‘ኪነጽጎም’ (ትርጕም 1990) እዩ። (መዝሙር 119:114, 117, 118፣ ምሳሌ 3:32) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እኩያት ከም “ሓርኢ ሓጺን” ወይ “ሓተላ ብረት” (NW): ማለት ከም እኒ ብሩርን ወርቅን ዝኣመሰለ ኽቡር ማዕድን ምስ መኸኸ ዚተርፍ ነገራት ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (መዝሙር 119:119፣ ምሳሌ 17:3) ምስቶም እኩያት ክንጠፍእ ስለ ዘይንደሊ: ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ወትሩ ፍቕሪ ነርኢ።

12. ፍርሃት ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ “ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ” በሎ። (መዝሙር 119:120) ኣምላኽ ከም ኣገልገልቱ መጠን ኪድግፈና እንተ ዀይኑ: ካብቲ ዘይፈትዎ ነገራት ብምርሓቕ ጥዑይ ፍርሃት ኪህልወና ኣለዎ። እዮብ ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ስለ ዝነበሮ: ብጽድቂ ይመላለስ ነበረ። (እዮብ 1:1፣ 23:15) ፍርሃት ኣምላኽ እንተደኣ ሃልዩና: እነሕልፎ ጸገማት ብዘየገድስ: በቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኢና እንመላለስ። ንኽንጽመም ግን ካብ ልቢ ዝነቐለ ናይ እምነት ጸሎት ክንጽሊ ኣሎና።—ያእቆብ 5:15

ብእምነት ጸሊ

13-15. (ሀ) ጸሎትና መልሲ ኸም ዚረክብ እምነት ኪህልወና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ጸሎትና እንብሎ ነገራት እንተ ጠፊኡና እንታይ ምድላው እዩ ዘሎና፧ (ሐ) መዝሙር 119:121-128 ምስቲ ኣብ ጸሎትና እነቕርቦ “ዘይንገር እህህታ” ብኸመይ ከም እትተኣሳሰር ግለጽ።

13 ኣምላኽ ምእንታና ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ብምእማን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:121-128) ንሕናውን ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ጸሎትና መልሲ ኸም ዚረክብ ርግጸኛታት ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንትእዛዛት ኣምላኽ “ካብ ወርቂ: ካብ ጽሩይ ወርቂ” ኣብሊጽና ንፈትዎ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን: ‘ኵሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ቅኑዕ ጌርና ኢና እንቘጽሮ።’—መዝሙር 119:127, 128

14 ብእምነት ስለ እንጽልን ንትእዛዛቱ ተጠንቂቕና ስለ እንሕልዎን: የሆዋ ንለመናና ይሰምዖ እዩ። (መዝሙር 65:2) እንተዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ ብጸሎትና ኽንገልጾ ዘይንኽእል ጸገም እንተ ኣጋጢሙናኸ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ “እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።” (ሮሜ 8:26, 27) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ መግለጺታት: ነቲ ዜድልየና ነገራት ከም ዚሽፍን ጸሎት ገይሩ እዩ ዚቕበሎ።

15 ቅዱሳት ጽሑፋት ምስቲ ‘ዘይንገር እህህታና’ ዚተሓሓዝ ሓያሎ ጸሎትን ሓሳባትን ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ መዝሙር 119:121-128 ዚርከብ ሓሳባት ክንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ መግለጺ ንዅነታትና ዚሰማማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሰብ ከየታልለና እንተ ፈሪህና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ጌርና ንኣምላኽ ሓገዝ ኪህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (ቍጽሪ 121-123) ኣዝዩ ኣጸጋሚ ውሳነ ኽንገብር እንተ ኣድልዩ: መንፈስ የሆዋ ንመዘኻኸሪታቱ ንኽንዝክርን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕልን ሓይሊ ምእንቲ ኺህበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ቍጽሪ 124, 125) ‘መገዲ ሓሶት ዘበለ ንጸልኦ’ እኳ እንተ ዀንና: ሕጊ ኣምላኽ ንኸነፍርስ ኣብ ዚቐርበልና ፈተና ንኸይንወድቕ ኣምላኽ ኪሕግዘና ኽንልምን ንኽእል ኢና። (ቍጽሪ 126-128) መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብና: ናብ የሆዋ ኽንምህለል ከለና ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዝኣመሰለ ሓሳባት ክንዝክር ንኽእል ኢና።

መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ይሕግዘካ

16, 17. (ሀ) መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዚግባእ፧ (ለ) ካልኦት ብኸመይ ይርእዩና ይዀኑ: እቲ ብሓቂ ዜገድስ ግን እንታይ እዩ፧

16 ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕን ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብን: ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ክንስዕብ ኣሎና። (መዝሙር 119:129-136) ረሳዕቲ ስለ ዝዀንና: ንመምርሒታትን ትእዛዛትን ኣምላኽ ዜዘኻኽረና ዜደንቕ መዘኻኸሪታት የድልየና እዩ። ልክዕ እዩ: ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ብእንረኽቦ ሓድሽ ምርዳእ ኣቢሉ ዚመጽእ መንፈሳዊ ብርሃን ነማስወሉ ኢና። (መዝሙር 119:129, 130) ካልኦት ሰባት ሕጉ ብምጥሓሶም ‘ኣዒንትና ወሓዚ ማይ ዜፍስሳ’ እኳ እንተዀና: የሆዋ ሞገሱ ንምግላጽ ‘ገጹ ስለ ዜብርሃልና’ ግን ነመስግነሉ ኢና።—መዝሙር 119:135, 136፣ ዘሁልቍ 6:25

17 ምስቲ ጻድቕ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና እንተደኣ ተመላሊስና: ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘይንስእን ርግጸኛታት ኢና። (መዝሙር 119:137-144) ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና: ነቲ ጻድቕ መዘኻኸሪታቱ ኸም እነቕልበሉ ብምግባር ትእዛዛቱ ኽንሕሉ ኺጽበየና መሰል ኣለዎ። (መዝሙር 119:138) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንትእዛዛት ኣምላኽ ስለ ዝሓለወ: “ኣነ: ንኡስን ንዑቕን እየ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (መዝሙር 119:141) ነቲ ጸላእቱ ብዛዕባኡ ዘለዎም ኣረኣእያ ይጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንጽድቂ ብዚምልከት ካብ ዘሎና ኣቕዋም ፈልከት ዘይንብል እንተደኣ ዄንና: ካልኦት ይንዕቑና ይዀኑ። እቲ ብሓቂ ዜገድስ ግን የሆዋ ምስ ጽድቃዊ መዘኻኸሪታቱ ተሰማሚዕና ብምምልላስና ብሞገስ ዚርእየና ምዃኑ እዩ።

ድሕነትን ሰላምን

18, 19. መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምሕላውና እንታይ ፍረ እዩ ዚህልዎ፧

18 መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምሕላውና: ካብ የሆዋ ንኸይንርሕቕ ይሕግዘና። (መዝሙር 119:145-152) ንመዘኻኸሪታቱ ስለ እነቕልበሉ: ብምሉእ ልብና ኣብኡ ኽንምህለል ንኽእል: ኪሰምዓና ድማ ትጽቢት ንገብረሉ። “ቅድሚ ወጋሕታ” ተንሲእና ኽንምህለል ንኽእል ኢና። እዋን ወጋሕታ ንጸሎት ክሳዕ ክንደይ ኰን ምሹእ እዩ! (መዝሙር 119:145-147) ብዘይካዚውን ካብ ሕሰም ወይ ጠገለ ዘይብሉ ተግባራት እንርሕቕን ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንቓል ኣምላኽ ከም ሓቂ ጌርና እንርእዮን ስለ ዝዀንና: ኣምላኽ ቀረባና እዩ። (መዝሙር 119:150, 151፣ ዮሃንስ 17:17) ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ጸኒዕና ንኽንመላለስ የኽእለና: ነታ ዓባይ መዓልቲ ውግእ ኣርማጌዶን ድማ የስግረና።—ራእይ 7:9, 14፣ 16:13-16

19 ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዘሎና: ናይ ሓቂ ደሓን ንረክብ ኢና። (መዝሙር 119:153-160) ከምቶም እኩያት ስለ ዘይኰንና: ‘ካብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ኣየግለስናን።’ (NW) ንትእዛዛት ኣምላኽ ስለ እነፍቅሮ: ኣብ ሳህሉ ድሕነት ረኺብና ኣሎና። (መዝሙር 119:157-159) መዘኻኸሪታት የሆዋ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ክንገብሮ ትጽቢት ዚግበረልና ነገራት የዘኻኽረና። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ትእዛዛት ኣምላኽ መምርሒታት እዩ: ፈጣሪና ንኺመርሓና ዘለዎ መሰል ድማ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። ‘ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑን’ ብርእስና ስጓሜና ኸነቕንዕ ከም ዘይንኽእልን ስለ እንፈልጥ: ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መምርሒ ብሓጐስ ኢና እንቕበሎ።—መዝሙር 119:160፣ ኤርምያስ 10:23

20. “ብዙሕ ሰላም” ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ንሕጊ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ብዙሕ ሰላም እዩ ዜምጽኣልና። (መዝሙር 119:161-168) መስጐጕቲ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም ኣምላኽ” ኣይምንዝዓናን እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ንፍርድታት የሆዋ ኣዚና ስለ እነማስወሉ: ስለቲ ፍርድታቱ ብተደጋጋሚ ወይ “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ” ነመስግኖ ኢና። (መዝሙር 119:161-164) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም: ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:165) ብውልቅና ንሕጊ የሆዋ ነፍቅሮን ንሕልዎን እንተደኣ ዄንና: ካልኦት ብዚገብርዎ ወይ ብዝዀነ ይኹን ካልእ ጕዳይ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣይንዕንቀፍን ኢና።

21. ኣብ ጉባኤ ጸገማት እንተ ተላዒሉ ኽንዕንቀፍ ከም ዘይብልና ዘርእየና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ኣብነት እንታይ እዩ፧

21 ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ ውልቀ-ሰባት ዝዀነ ይኹን ነገር ንሓዋሩ ኺዕንቅፎም ኣይፈቐዱን። ንኣብነት: ድዮትሬፌስ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ ዜርኢ ባህርያት እኳ እንተ ኣንጸባረቐ: እቲ ጋይዮስ ዚበሃል ክርስትያን ግን ‘በታ ሓቂ ተመላለሰ’ ደኣ እምበር ኣይተዓንቀፈን። (3 ዮሃንስ 1-3, 9, 10) ጳውሎስ ነተን ኤውድያን ስንጥኬን ዚበሃላ ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ መንጎአን ጸገማት ተፈጢሩ ስለ ዝነበረ እዩ ዚኸውን: “ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን” እተላበወን። ንሳተንውን ነቲ ጸገማተን ፈቲሐን ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ቀጺለን ኪዀና ኣለወን። (ፊልጲ 4:2, 3) ስለዚ: ኣብ ጉባኤ ገለ ጸገማት እንተ ተፈጥረ: ክንዕንቀፍ የብልናን። የግዳስ: ‘ኵሉ መገድና ኣብ ቅድሚ’ የሆዋ ምዃኑ ብምዝካር: ትእዛዛቱ ኣብ ምሕላው ነተኵር። (መዝሙር 119:168፣ ምሳሌ 15:3) ድሕሪኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና “ብዙሕ ሰላም” ኣይኬሕድገናን እዩ።

22. (ሀ) ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ: እንታይ ሓለፍ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ንገሊኦም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጠፍኡ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዘሎና፧

22 ወትሩ ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ: ንዕኡ ንምምስጋን እተዋህበና ሓለፍ ዝበለ ኣጋጣሚ ቐጻሊ ኪኸውን እዩ። (መዝሙር 119:169-176) ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ: መንፈሳዊ ድሕነት ንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ከናፍርና ምስጋና የሆዋ እዩ ዚፍልፍል።’ (መዝሙር 119:169-171, 174) እዚ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክንረኽቦ እንኽእል እቲ ዝዓበየ በረኸት እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ እናኣመስገነ ብህይወት ኪነብር እዩ ዚደሊ ነይሩ: እንተዀነ ግን ብዘይተገልጸ ምኽንያት ‘ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረረ።’ (መዝሙር 119:175, 176) ገሊኦም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጠፍኡ ሰባት: ንየሆዋ ዜፍቅሩን ኪውድስዎ ዚደልዩን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር: ናብቲ መንፈሳዊ ድሕነት ዘለዎ ቦታ ምእንቲ ኺምለሱን ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዀይኖም ብምውዳስ ምእንቲ ኺሕጐሱን ንምሕጋዞም ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።—እብራውያን 13:15፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7

ንመገድና መወዳእታ ዘይብሉ ብርሃን

23, 24. ካብ መበል 119 መዝሙር እንታይ ጥቕሚ ረኺብካ፧

23 መበል 119 መዝሙር ብእተፈላለየ መገድታት ክትጠቕመና ትኽእል እያ። ንኣብነት: ናይ ሓቂ ሓጐስ ‘ብሕጊ የሆዋ ብምምልላስ’ ከም ዚርከብ ስለ እትገልጽ: ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም እንውከል ክትገብረና ትኽእል እያ። (መዝሙር 119:1) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ‘ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ’ የዘኻኸረና። (መዝሙር 119:160) እዚ ድማ ንብምሉኡ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ከም ዚውስኽ ኪገብሮ ይግባእ። ብዛዕባ መዝሙር 119 ምስትንታንና: ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ንኸነጽንዕ ድራኸ ኼሕድረልና ኣለዎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ ብተደጋጋሚ “ስርዓታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (መዝሙር 119:12, 68, 135) “ትእዛዛትካ አሚነ አሎኹ እሞ: ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ” ኢሉውን ለሚኑ እዩ። (መዝሙር 119:66) ንሕናውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንጽሊ ኣሎና።

24 የሆዋ ዚህበና ትምህርቲ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወና የኽእለና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንርእሱ ብተደጋጋሚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። አረ ንየሆዋ እኳ “ናትካ እየ” ብምባል ልቢ ብዚትንክፍ ቃላት ተዛሪብዎ እዩ። (መዝሙር 119:17, 65, 94, 122, 125፣ ሮሜ 14:8) ንየሆዋ ሓደ ኻብ መሰኻኽሩ ብምዃን ከነገልግሎስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! (መዝሙር 119:7) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንየሆዋ ተሓጒስካ ተገልግሎዶ ኣሎኻ፧ ተገልግሎ እንተ ኣሊኻን ወትሩ ኣብ ቃሉ እንተ ተወኪልካን ነቲ ቓሉ ንመገድኻ ብርሃን ከም ዚኸውን እንተ ጌርካዮን: ንሱውን ኣብቲ ኽቡር ንጥፈታት ከም ዚድግፈካን ከም ዚባርኸካን ተኣማመን።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ንቓል ኣምላኽ ክንፈትዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ቃል ኣምላኽ ዜጽንዓና ብኸመይ እዩ፧

መዘኻኸሪታት የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ህዝቢ የሆዋ ድሕነትን ሰላምን ዚረኽቡ ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃን እዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ እንተ ኣፍቂርናዮ: ከም “ሓተላ ብረት” ገይሩ ኣይኪርእየናን እዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብና: ክንጽሊ ኸለና ጠቓሚ ሓሳባት ክንዝክር ንኽእል ኢና