ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅብጸት ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ እተረኽበ ተስፋ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት እተገብረ ኣኼባ

ቅብጸት ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ እተረኽበ ተስፋ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት እተገብረ ኣኼባ

ቅብጸት ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ እተረኽበ ተስፋ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት እተገብረ ኣኼባ

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ: ጥቓ ዶብ ሱዳን ዚርከብ ካኩማ እተባህለ ሰፈር ስደተኛታት: መንበሪ ልዕሊ 86,000 ዝዀኑ ሰባት እዩ። እቲ ኸባቢ ኣብ እዋን ቀትሪ 50 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣቢሉ ዚበጽሕ ሙቐት ዘለዎ ኣጻምእ እዩ። ኣብ መንጎ ስደተኛታት ዚለዓል ግጭት እተለምደ እዩ። ንመብዛሕትኦም ስደተኛታት እዚ ቦታ እዚ ተስፋ ዚቐብጹሉ ቦታ እዩ። ገሊኦም ግን ተስፋ ኣለዎም።

ካብዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ዚእውጁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብዎም። ንሳቶም ከኣ ኣባላት እታ ብሸነኽ ደቡብ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሎድዋር ዘላ ንእሽቶ ጉባኤ እዮም። እታ ቐጺላ ዘላ ጉባኤ ኸኣ ብማኪና መገዲ ሸሞንተ ሰዓት እያ።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ ሰፈር ወጻኢ ኸም ድሌቶም ኪንቀሳቐሱ ስለ ዘይክእሉ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪርከቡ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ: ኣብቲ ሰፈር: መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኺግበር ምድላዋት ተገብረ።

ናብ ሰሜን እተገብረ ጕዕዞ

ካብታ ሰፈር ብሸነኽ ደቡብ 480 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኢልዶረት እትበሃል ከተማ: 15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣኼባ ኺሕግዙ ናብቲ ኣጻምእ ንምጕዓዝ ወለንተኛታት ኰኑ። ምሳታቶም ከኣ ሓደ ማኪናኡ ምስ ዘዋሪኣ ንኺጥቀሙላ ዝሃበ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብር ሰብኣይ ነበረ። ልባዊ ባህጊ እዞም ተጓዓዝቲ ድማ ነሕዋቶም ምትብባዕን ምብርታዕን ነበረ።

እቲ ጕዕዞ ኣብ ሓደ ቘራሪ ንግሆ ኻብ ምዕራባዊ ኬንያ ዚርከብ ኣኽራን እዩ ጀሚሩ። እቲ ሓጐጽጐጽ ዜብል ዘይጥጡሕ መገዲ ብማእከል ሕርሻን ዱርን ሓሊፉ ናብቲ ዜቃጽል ክሊማ ዘለዎ ምድረ-በዳ የብጽሕ። ኣጣልን ኣግማልን ኣብቲ ዝባደመ መሬት ይበልዓ ነበራ። ነበርቲ እታ ዓዲ ባህላዊ ኽዳን ተኸዲኖም: መብዛሕትኦም ከኣ ኣባትርን ቀስትታትን ፍላጻታትን ሒዞም ይጐዓዙ ነበሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን11 ሰዓት ድሕሪ ምጕዓዝ ናብታ ዳርጋ 20,000 ዝዀኑ ሰባት ዚነብሩላ ብርቱዕ ሙቐትን ዶሮናን ዘለዋ ሎድዋር በጽሑ። ደቂ እታ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐበልዎም። ሽዑ እቶም ተጓዓዝቲ ነቲ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ዚጽበዮም ንጥፈታት ዚኸውን ሓይሊ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ደቀሱ።

ንጽብሒቱ ንግሆ እቶም በጻሕቲ ንገለ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ቦታታት ኪርእዩ ኸዱ። ሓደ ኻብዚ ኸኣ እቲ ኣብ ኬንያ ኻብ ዘለዉ ዝዓበየ ቐላይ ዝዀነ ቐላይ ቱርካና እዩ። ብቝጥቋጥ እተኸበበ ብምዃኑ ኻብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቝጽሪ ሓርገጽ ኣብኡ እዩ ዚርከብ። እቲ ቐላይ ኣልካላዊ ማይ ኪህልዎ ኸሎ: እቶም ኣብ ገማግም ዚነብሩ ሒደት ሰባት ከኣ መነባብሮኦም ኣብቲ ቐላይ እተመርኰሰ እዩ። እቶም በጻሕቲ በታ ምሸት እቲኣ ምስታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ተኻፈሉ። ሳላ እቲ ዓቕመን ድሩት ዝዀነ ሃገራት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝወጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መደብ ህንጸት ከኣ: እቶም ኣብታ ዓዲ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ2003 እተሃንጸ ጽቡቕ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣደራሽ ኣለዎም።

ናይ ፍሉይ መዓልቲ ኣኼባ

እቲ ናይ ፍሉይ መዓልቲ ኣኼባ ሰንበት ኪግበር ተወሰነ። ጉባኤ ሎድዋርን እቶም ኪሕግዙ ዝመጹ ኣሕዋትን ሰዓት 8:00 ናይ ንግሆ ናብቲ ሰፈር ኪኣትዉ ተፈቒዱሎም ነበረ። ስለዚ: ኣንጊሆም ጕዕዞኦም ጀመሩ። እቲ ጥውይውይ ዝበለ መገዲ በቲ ዝባደመ መሬት ኣቢሉ ናብ ዶብ ሱዳን ገጹ እዩ ዚወስድ። ነቲ ጤረር ዝበዝሖ ኣኽራን ሓሊፍና ናብታ ካኩማ እትበሃል ቍሸት ምስ በጻሕና ጐልጐል ረኸብና። ማይ ወቒዑ ብምንባሩ እቲ ናብቲ ሰፈር ዜእቱ ዘይጥጡሕ መገዲ ኣዕለቕሊቑ ነበረ። መብዛሕትኡ እቲ ገዛውቲ መንደቑ ብጭቃ እተሰርሐ ዀይኑ ናሕሱ ድማ ወይ ብታኒካ ወይ ድማ ብቴንዳ እተሰርሐ እዩ። ሱዳናውያን: ሶማላውያን: ኢትዮጵያውያን: ከምኡውን ካልኦት: ነፍሲ ወከፎም በበይኖም ተጐጂሎም እዮም ሰፊሮም ዘለዉ። እቶም ስደተኛታት ነቶም ተጓዓዝቲ ብሓጐስ ተቐበልዎም።

እቲ ኣኼባ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል እዩ ተገይሩ። ኣብቲ መንደቕ እተሳእለ ስእልታት ብዛዕባ እቲ ዜፍርህ ህይወት ስደተኛታት ዜርኢ እኳ እንተዀነ እቲ ሽዑ መዓልቲ ዝነበረ ሃዋሁ ግን ተስፋ ዝመልኦ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ዝርርብ ብእንግሊዝኛን ብስዋሂልን እዩ ተዋሂቡ። ገለ ኻብቶም ተዛረብቲ ንኽልቲኡ ቛንቋታት ኣጸቢቖም ስለ ዚኽእሉ: ነቲ ዝሃብዎ ዝርርብ ባዕሎም እዮም ተርጒሞምዎ። ሓደ ኻብ ሱዳን እተሰደ ሓው ነታ “ንምሳልያዊ ልብና ንመርምር” ዘርእስታ ናይ መኽፈቲ ዝርርብ ሃበ። እቲ ኻልእ ዝርርባት ከኣ ብበጻሕቲ ሽማግለታት ተዋህበ።

ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጥምቀት ፍሉይ ትዅረት ዚወሃቦ ኽፍሊ እዩ። ናይ ጥምቀት ዝርርብ ምስ ተወድአ እቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ደው በለ እሞ ኣዒንቲ ዅሎም ሰባት ከኣ ናብኡ ጠመታ። ዢልበርን ኣቦኡን ብ1994 ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓዶም ተላዒሉ ዝነበረ ጃምላዊ ቕትለት እተሰዱ እዮም። ዋላኳ ኣብ ብሩንዲ ሰላም ዚረኽቡ እንተ መሰሎም: ብዙሕ ከይጸንሑ ግን ገና ኣብ ሓደጋ ኸም ዘለዉ ተረድኦም። ካብኡ ዢልበር ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዱር እናተሓብአ ናብ ዛየር ደሓር ናብ ታንዛንያ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኬንያ ሃደመ። እቲ ተዛራባይ ድሕሪ ሕጂ ዢልበር ኣብታ ጉባኤ ኸም ሓደ ሓው ዚርአ ምዃኑ ምስ ተዛረበ: ኣዒንቲ ብዙሓት ቅጽርጽር በላ። ኣብ ቅድሚ 95 ተኣከብቲ ኸኣ ነተን እቲ ተዛራባይ ዘቕረበሉ ኽልተ ሕቶታት ብንጹር “ንዲዮ!” ብስዋሂሊ “እወ!” ዚብል መልሲ ሃበ። ንሱን ካልኦት ኣሕዋትን ጕድጓድ ድሕሪ ምዅዓት: ነቲ ንገዛኡ ኸዲንሉ ዝነበረ ቴንዳ ኣብኡ ብምንጻፍ ንእሽቶ ጋብላ ኣዳልዮም ነበሩ። ንኺጥመቕ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ: በታ ንግሆ እቲኣ ባዕሉ ብሳንኬሎ ማይ እናወረደ እዩ ነታ ጋብላ መሊእዋ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበረ ኽፍሊ: ተመክሮ እቶም ኣብ ትሕቲ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ዚርከቡ ስደተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ነበረ። ሓደ ሓው ንሓደ ኣብ ትሕቲ ኦም እተቐመጠ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዘዘራረቦ ኣዘንተወ።

እቲ ሓው “ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ምባል ኵሉ ሳዕ ካብ ሓደጋ ናጻ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

እቲ ሰብኣይ “እወ” ድሕሪ ምባል ኣስዕብ ኣቢሉ “ምሸት ምሸት ግን ከምኡ ኣይኰነን” በለ።

ሽዑ እቲ ሓው ነቲ ኣብ ሚክያስ 4:3, 4 ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ዚብል ጥቕሲ ኣንበበሉ። “ርኢኻዶ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ኵሉ ሳዕ ካብ ሓደጋ ናጻ ኪኸውን እዩ” በሎ። ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ተሰማምዐ።

ሓንቲ ኻብቶም ንካኩማ እተጓዕዙ ሓብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ሰለስተ ናይ ቀረባ ኣዝማዳ ዝሞትዋ እያ ነይራ። ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ኣሕዋት ኣመልኪታ “እዚ ቦታ እዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ: እምነቶም ግን ድልድልቲ እያ። ኣብዚ ዘይምሹእ ቦታ እናነበሩ ኽነሶም ንየሆዋ ግን ተሓጒሶም እዮም ዜገልግልዎ። ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ኣለዎም። ኣነ ድማ ሰላማዊ ርክብ ንኽህልወንን ንየሆዋ ንኸገልግልን እየ ተተባቢዐ። ዘማርረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብለይን” በለት።

እታ መዓልቲ ኣኼባ ቐልጢፋ ተወደአት። እቲ ናይ መደምደምታ ዝርርብ ዝሃበ ተዛራባይ ካብ እተፈላለያ ሸሞንተ ሃገራት ዝመጹ ተወከልቲ ኸም ዘለዉ ሓበረ። ሓደ ስደተኛ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር እዚ ኣኼባ እዚ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብ ሓድነትን ፍቕርን ዘርኣየ ምዃኑ ተዛረበ። እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሕውነት እዩ ዘለዎም።—ዮሃንስ 13:35

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዝጠፍኡ ደቂ ሱዳን

ብ1983 ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዚጅመር ኣትሒዙ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ዓዶም ተፈናቒሎም እዮም። ካብ መንጎኦም ድማ 26,000 ዚዀኑ ኻብ ስድራቤቶም እተፈላለዩ ቘልዑ ይርከብዎም። ካብዚኣቶም በሽሓት ዚቝጸሩ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ሃዲሞም ኣብኡ ንሰለስተ ዓመት ተቐመጡ። ካብኡ ንኺወጹ ስለ እተገደዱ ግን ናብ ሰሜናዊ ኬንያ ንምብጻሕ ብሱዳን ገይሮም ንሓደ ዓመት ዚኸውን ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዕዙ። ኣብቲ ኣጸጋሚ ጕዕዞ ብሰንኪ ዜጋጠሞም መጥቃዕቲ ወተሃደራት: ሸፋቱ: ሕማም: ከምኡውን ኣራዊት ካብቶም ቈልዑ ፍርቆም ጥራይ እዮም ብህይወት ተሪፎም። እዚኣቶም ድማ ቀንዲ ኽፍሊ ሰፈር ስደተኛታት ካኩማ ዀኑ። እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ከኣ ዝጠፍኡ ደቂ ሱዳን ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎም።

ሰፈር ስደተኛታት ካኩማ ኻብ ሱዳን: ሶማልያ: ኢትዮጵያ ኸምኡውን ካብ ካልእ ሃገራት ንዚመጹ ስደተኛታት ዚኸውን መንበሪ እዩ። ሓደ ስደተኛ ናብቲ ሰፈር ምስ ኣተወ መዕቈቢ ንምስራሕ መሰረታዊ ዝዀኑ ነገራትን ንናሕሲ ዚኸውን ቴንዳን ይወሃቦ። ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ 6 ኪሎ ግራም ዚኸውን ሓርጭ: 1 ኪሎ ግራም ባልደንጓ: ከምኡውን ሒደት ዘይቲ ብልዕን ጨውን ይወሃቦ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ንገለ ኻብቲ ብጽሒቶም ካልእ ዜድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ይሸጥዎ እዮም።

ካብዞም ዝጠፍኡ ቘልዑ ገሊኦም ምስ ስድራቤቶም ተራኸቡ: ገሊኦም ድማ ናብ ካልኦት ዓድታት ከዱ። ይኹን እምበር: ቤት-ጽሕፈት መጣየሲ ስደተኛታት ከም ዝሓበሮ “በሽሓት ዚቝጸሩ ገና ኣብቲ ዶራንን ሃመማ ዝበዝሖን ሰፈር ስደተኛታት ካኩማ ኣለዉ። ኣብኡውን ብኽንደይ ጻዕሪ እዮም ምግብን ትምህርትን ዚረኽቡ።”

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ካኩማ ማይ ኪዕደል ከሎ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

(For fully formatted text, see publication)

ኬንያ

ሰፈር ስደተኛታት ካኩማ

ቀላይ ቱርካና

ሎድዋር

ኤልዶረት

ናይሮቢ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ሰፈር ናብራ ጽንኩር እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

Water is rationed in Kakuma camp

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኬንያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነሕዋቶም ንምብርታዕ ናብ ሰሜን ገጾም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጕዕዞ ገበሩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሚስዮናዊ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ዜገልግል ሓው ዚህቦ ዝርርብ ኪትርጕመሉ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

መጠመቒ ጋብላ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Rationing water and Kakuma Refugee Camp: Courtesy Refugees International