ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንትርጕም ዚሕግዝ ጠቓሚ ንዋት

ንትርጕም ዚሕግዝ ጠቓሚ ንዋት

ንትርጕም ዚሕግዝ ጠቓሚ ንዋት

እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ኪስበኽ እዩ ዚብህግ። (ራእይ 14:6) ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ድማ ኵሎም ሰባት ኪጥቀምሉ እዩ ዚደሊ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ብዝበዝሐ ቛንቋታት እተተርጐመ። በሽሓት ዚቝጸሩ ተርጐምቲ ንሓሳባት ኣምላኽ ናብ ካልእ ቋንቋ ንምትርጓም ግዜኦምን ጕልበቶምን ከይተሓለሉ ወፍዮም እዮም።

እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺትርጐም ተባሂሉ ዚትኰረሉ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ: መብዛሕትኡ ግዜ ኻልእ ጽሑፋት ንምትርጓም እውን ይሕግዝ እዩ። መብዛሕትኦም ተርጐምቲ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላት ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት እተተርጐመሉ መገዲ ብምቕዳሕ: ንገሊኡ ቓላት ግቡእ ትርጕም ረኺቦምሉ እዮም። ሕጂ ኸኣ ብኮምፕዩተር ኣብ ዚግበር ትርጕም: መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ንዋት ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ንሓደ ኮምፕዩተር: ዕዮ ትርጕም ከቢድ እዩ። አረ ገለ ኽኢላታት እሞ ኸኣ ኮምፕዩተር ፈጺሙ ኺትርጕም ኣይኽእልን እዩ እዮም ዚብሉ። ከመይሲ: ቋንቋ ስቕ ኢሉ እካብ ቃላት ጥራይ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ነናቱ ኣሰራርዓ ቓላት: ሕግታት: እዚ ሕግታት እዚ ዘይዓየሉ ዅነታት: ቍንቍኛታት: ከምኡውን ተዘዋዋሪ ኣገላልጻታት ኣለዎ። ነዚ ዅሉ ኣብ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ንምግባር እተገብረ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰለጠን። መብዛሕትኡ እቲ ኮምፕዩተር ዚትርጕሞ ትርጕማት ምርዳኡ ኣጸጋሚ እዩ።

እንተዀነ ግን: ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኮምፕዩተር ክኢላታት ሓድሽ መገዲ ምሂዞም ኣለዉ። ብናይ ኮምፕዩተር ትርጕም ዝመጸ እቲ ቐንዲ ኽኢላ ዝዀነ ፍራንዝ ጆሴፍ ኦኼ “እቲ ዝሓሸ ኪኸውን ዚኽእል ትርጕም ንምርካብ ኣሃዛዊ ንድፊ ኢና እንጥቀም” በለ። ንኣብነት: ካብ ሂንዲ ናብ እንግሊዝኛ ኽትትርጕም ደለኻ ንበል። መጀመርያ ብኽልቲኡ ቛንቋታት ዚርከብ ጽሑፍ ናብቲ ኮምፕዩተር ተእትዎ። እቲ ኮምፕዩተር ከኣ ንኽልቲኡ ጽሑፋት የወዳድሮ። ንኣብነት: እቲ ኮምፕዩተር እታ “ቤት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እንግሊዝኛ ቓል እተጠቕሰትለን ቦታታት ሓንቲ ናይ ሂንዲ ቓል ብተደጋጋሚ እንተ ረኺቡ: እዛ ናይ ሂንዲ ቓል እዚኣ ትርጕማ “ቤት” ክትከውን ኣለዋ ኸምኡውን ኣብ ጥቓኣ ዘሎ ኸም እኒ “ዓብዪ:” “ንእሽቶ:” “ኣረጊት:” ወይ ድማ “ሓድሽ” ዝኣመሰሉ ቓላት ቅጽል ኪዀኑ ኣለዎም ኢሉ ይድምድም። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኮምፕዩተር ዝርዝር ቃላት ምስ ትርጕሙ ይእክብ። ድሕሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሒደት መዓልቲ ወይ ሰሙን ዚወስድ “ስልጠና”: እቲ ኮምፕዩተር ነቲ “እተማህሮ” ኣብ ካልእ ሓድሽ ጽሑፍ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ዋላኳ ሰዋስውን ለዛን እቲ ትርጕም ክንድቲ ጽቡቕ እንተ ዘይኰነ: መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእል ከምኡውን ንትርጕምን ነቲ ኣገዳሲ ነጥብታትን ዜመሓላልፍ እዩ።

እቲ ትርጕም ቅኑዕ ምዃኑ ኣብ ብዝሕን ዓይነትን እቲ መጀመርያ ኣብቲ ኮምፕዩተር ዝኣተወ ጽሑፍ እዩ ዚምርኰስ። በዚ ዝመጸ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝበለጸ እዩ። ከመይሲ: ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ብጥንቃቐ እዩ ተተርጕሙ: ከም ድሌትካ እዩ ዚርከብ: ከምኡውን ሰፊሕ ጽሑፍ እዩ። ስለዚ: እቶም ተመራመርቲ: ነቲ ኮምፕዩተር ምስ ሓድሽ ቋንቋ ኼፋልጥዎ ኸለዉ: ብቐዳምነት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ተጠቒሞም።