ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ማሰዶንያ ንዚርከቡ ብመንፈስ ዜድልዮም ንምምላእ እተገብረ ጻዕሪ

ኣብ ማሰዶንያ ንዚርከቡ ብመንፈስ ዜድልዮም ንምምላእ እተገብረ ጻዕሪ

ኣብ ማሰዶንያ ንዚርከቡ ብመንፈስ ዜድልዮም ንምምላእ እተገብረ ጻዕሪ

“ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:9) እዘን ሓደ ንጳውሎስ ብራእይ እተራእዮ ሰብኣይ እተዛረበን ቃላት: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብተን ሕጂ ኣብ ግሪኽ ዚርከባ ኸተማታት ንመጀመርታ ግዜ ኺስበኽ ከም ዘለዎ ዜጕልሓ እየን።

ኣብዛ ሕጂ ማሰዶንያ (መቄዶንያ) ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር: ን1,840 ነበርቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ይበጽሖም። ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ሰሚዖም ኣይፈልጡን እዮም። እወ: እቲ ናይ ሰላም መልእኽቲ ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ ንምንጋር ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዜድሊ።—ማቴዎስ 24:14

ነዚ ጻዕሪ እዚ ንምምላእ ኣምላኽ ሓደ መገዲ ኸፈተ። ብሕዳር 2003 እቲ ኣብ ስኮፕየ ዚርከብ ቤት-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይተጸበዮ ናይ ስልኪ መልእኽቲ ተቐበለ። ካብ ማእከል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ማሰዶንያ ዝመጸ ዀይኑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሕዳር 20 ጀሚሮም ንሰለስተ መዓልቲ ሓንቲ ዳስ ሰሪሖም ብዛዕባ እምነቶም ንኺገልጹ ተዓደሙ። እዝስ ነቶም በሽሓት ዚቚጸሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ሰባት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!

እቶም ወለንተኛታት እተፈላለየ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብማሰዶንኛ ንምድላው ተጓየዩ። በጻሕቲ ምእንቲ ዝደለይዎ ጽሑፍ ኪመርጹ: ንመርኣዪ ዚኸውን ጽሑፋት ተዘርጊሑ ነበረ። እዚ ድማ ንሓያሎ ሰባት: መንፈስ ዜሐድስ መንፈሳዊ ማይ ብናጻ ንኺረኽቡ ኣኽኣሎም።—ራእይ 22:17

እቶም በጻሕቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ነገራት ዚገልጽ ጽሑፍ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ: ነተን መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ከምኡውን መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስተን መጻሕፍቲ ይመርጹ ነበሩ። a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ዚደልዩ 98 ዝዀኑ ሰባት ድማ ኣድራሻኦም ሃቡ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ብዛዕባ እቲ ዚነኣድ ተግባር ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ብዛዕባ እቲ ብሉጽ ጽሑፋትን ኣወንታዊ ርእይቶኦም ሃቡ።

ሓደ ሰብኣይ ንወዱ ሒዝዎ ናብቲ ዳስ መጸ። ንንኣሽቱ ቘልዑ ዚኸውን ጽሑፍ እንተልዩ ኸኣ ሓተተ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ዛንታታት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣርኣይዎ። b ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ምስ ረኣያ: ብምግራም ዋጋኣ ሓተተ። እቲ ትምህርታዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ብምሉእ ብፍታው ብዚወሃብ ወፈያ ኸም ዚድገፍ ምስ ነገርዎ ኣዝዩ ተደነቐ። (ማቴዎስ 10:8) ነታ መጽሓፍ ንወዱ እናኣርኣየ ኸኣ “ከመይ ዝበለት ጽብቕቲ መጽሓፍ ኰን እያ! መዓልቲ መዓልቲ ሓንቲ ዛንታ ኸንብበልካ እየ” በሎ።

ሓደ ናይ ፍልስፍና ፕሮፌሰር እውን ናብቲ ዳስ መጺኡ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓፈሻ ኣብ ሃይማኖት: ብፍላይ ግን ኣብ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ተገዳስነት ዘለዎ እዩ ነይሩ። ነታ ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ c (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ረኣያ “ርትዓዊ ብዝዀነ መገዲ እያ ተዳልያ። ልክዕ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ገይራ እያ ገሊጻቶ” በለ። ድሕሪዚ: ካብቲ ዚምህረሉ ቤት-ትምህርቲ ገለ ተመሃሮ ናብቲ ዳስ መጺኦም: ከምታ እቲ ፕሮፌሰር ዝወሰዳ መጽሓፍ ኪወሃቦም ሓተቱ። ነታ መጽሓፍ ኬጽንዕዋ እዮም ደልዮም። እቲ መምህሮም እውን ኣብቲ ዚህቦ ትምህርቲ ኺጥቀመላ እዩ ኢሎም እዮም ሓሲቦም።

እቲ ምርኢት ንገለ ሰባት ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንኺፈልጡ ዕድል ሂብዎም እዩ። ጽሙማን መንእሰያት እውን ተኣኪቦም መጺኦም ነበሩ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ: ሓንቲ ጓል ናብ ናይ ምልክት ቋንቋ እናተርጐመትሉ ሓጺር ዝርርብ ሃቦም። በቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ d ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት ተጠቒሙ: የሱስ ንዅሎም ሕሙማት: እንተላይ ንጽሙማን ከም ዘሕወየ ኣብርሃሎም። ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለው ሰባት እውን ኣብ ቀረባ እዋን ተመሳሳሊ ነገር ኪገብር ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመባጽዐ ምስ ነገሮም ኣዝዮም ተሓጐሱ። ሓያሎ ኻባታቶም ድማ ጽሑፋት ወሰዱ። ሓደ ናይ ምልክት ቋንቋ ዚኽእል ሓው ኪበጽሖም ከኣ ምድላዋት ተገብረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ብማሰዶንኛ ጥራይ ዘይኰነስ ብኣልባንኛ: ብእንግሊዝኛ: ከምኡውን ብቱርክኛ ጽሑፋት ቀሪቡ ነይሩ። ሓደ ማሰዶንኛ ዘይክእል ሰብኣይ ብእንግሊዝኛ ጽሑፍ ኪህብዎ ሓተተ። ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምስ ሃብዎ: ቱርክኛ ኸም ዚኽእል ሓበሮም። ብቛንቋኡ እተዳለወ ጽሑፍ ምስ ኣርኣይዎ ኣዝዩ ተገረመ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪሕግዙ ኸም ዚደልዩ ኸኣ ኪርዳእ ከኣለ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ዝኸፈተን ሓያሎ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘለዎም ተገዳስነት ዜርእን ብምንባሩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜበራትዕ እዩ! እወ: የሆዋ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣብ ማሰዶንያ ኸም ዚበጽሕ ንምግባር መገዲ ኸፊቱ ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኵለን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

b ኵለን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

c ኵለን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

d ኵለን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዓብዪ ፍጻመ!

እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ ብ17 ግንቦት 2003 ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ሰጒሙ ኣሎ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ስኮፕየ ዚርከብ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወሲኑ እዩ። እዚ ኽልተ ዓመት ዝወሰደ ህንጸት እዚ: ካብቲ ናይ ቀደም በርባዕተ ዕጽፊ ዝበለጸ እዩ።

ንምምሕዳርን ትርጕምን ዚኸውን ኣብያተ-ጽሕፈት ከምኡውን ክሽነን ቤት ሕጽቦን መንበሪ ኣባይትን ኪሕዝ ዚኽእል ሰለስተ እተፈላለየ ህንጻታት ከኣ ኣለዎ። ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጋይ ፒርስ ነቲ ናይ ወፈያ ዝርርብ ንምሃብ ኣብኡ ተረኺቡ ነበረ። ኣብቲ ናይ ወፈያ መደብ ንምክፋል ካብ ዓሰርተ ዓድታት ዚመጹ ኣጋይሽ ነበሩ። ኵሎም ከኣ ነዚ ዚምስጥ ሓድሽ ህንጻ ብምርኣዮም ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም።

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቡልጋርያ

ማሰዶንያ

ስኮፕየ

ኣልባንያ

ግሪኽ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ስኮፕየ: ማሰዶንያ